በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።
ስያመን ትርጉምን ጳጉሜን
1ይ ክፋል
ጳጒሜን ከምቲ ኵልና እንፈልጦ ድኅሪ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰን ቅድሚ ምእታው ሓድሽ ዓመት መስከረምን ዝርከብ ዕለታት እዩ። ጸያቕ ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ጊዜውን ኣሎ፡፡ ጳጉሜን ናይ ጽርኢ ካብ “ክሄፖጎሜኔ” (PAGOMENE) ዝብል ቃል ዝውጽአ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ወሰኽ ማለት እዩ። ተረፍ ዝብል ትርጉምውን ዝህበሉ ጊዜ ኣሎ። ሰባት ኸኣ ነዚ ወርሒ ንምጥቃስ ዝተፈላለየ ኣጸሓሕፋ ስያመ ይጥቐሙ፡ ጳጒመ(ን)፡ ጳጉመ(ን)፡ ጳጉሜ(ን)፡ ጳግሜ(ን) ገለ ካብኣቶም ኮይኖም ብሂል ምስ ባህሊ ዘዛመደ ብናይ ትግርኛ ውርሻዊ ኣበሃህላ ኸኣ ቋግመ (ቋግሜ) ወይውን ጓቝመ (ቋግሜ) ይበሃል።
ቤተ ክርስቲያንና ፍሉይ ካብ ዝገብራን ጥንታዊን መንፈሳዊን ስርዓት ከም ዘለዋ ካብ ዝምስክሩ ነገራት እቲ ሓደ ባዕላ እትውንኖን ንኹሉ ስርዓተ ኣምልኾታን ኣገልግሎታን እትጥቀመሉ ጥንታዊ ዓውደ ኣዋርሕ (ካላንደር) ዘለዋ ምዃኑ እዩ፡፡ ምስ ናይ ካልኦት ባሕረ ሓሳብ ድማ ዝዛመደሉን ዝፈላለዩሉን ባህርያትን ኣገባብን እኳ እንተለዎ፡ መበቆላዊን ብገዛእ ርእሱ ንበይኑ ዝግለጸሉን ዝውንኖን ባህርያት ቀመር ዘለዎ ምዃኑ ኣብዚ ሞያ እዚ ሰፊሕ ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ዝገልጽዎ እዩ፡፡
ካልኦት ብፍላይ ምዕራባውያን ብስም “ምትዕርራይ” በብእዋኑ መጽናዕቲ እናካየዱ ኣብ ሰብኣዊ ትንታነ ዝመርኮስ ቀመር ክኽተሉን፡ ካልእ ይትረፍ ንዕለተ ልደት ጐይታ እኳ ብግምት እምበር ብንጹር ክዛረቡሉ ኣብ ዘይከኣሉሉ ደረጃ ክበጽሑ ከለዉ፡ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብሉያትን ሓዲሳትን ዘዛምድ ካብ ምፍጣር ዓለም ኣትሒዙ እግዚአብሔር ንዝገበሮ ዓበይቲ ግብርታት ዓመቱን ዕለቱን ሰዓቱን ኣረጋጊጹ ዝትንትን ባሕረ ሓሳብ ትውንን እያ። ስለዚ ኸኣ መዓልትን ዓመትን ከየዋቕዐት ዓመት መጸ በዓላት ኣጽዋማትን ብስሙር ንሕዝቢ ክትነግር ትነብር ኣላ። ዳርጋ ኵሉ ኣብዚ ኣቖጻጽራ ዘመነ ዝርከቡ ስያመታት ዕለት፡ ኣዋርሕ ወቦ ዘተርፈ ኵሎም ሰማያዊን ምድራዊን ስርዓት ዘዛምዱ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘለዎም ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኸኣ ኵሉ ስርዓታ እንተላይ ባሕረ ሓሳባን ንሱ ዝጥቕልሎም ነገራትን ነንሕድሕዶም ስሙራትን ኣብ ቅዱስ ቃል ዝተመስረቱን ስለዝኾኑ ቤተ ክርስቲያንና ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ምዃና ካብ ዘርእዩ እቲ ሓደ ባሕረ ሓሳባታ ምዃኑ ክንፈልጥ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡
ናብቲ ዕምቆትን ርቀትን ዘለዎ ባሕረ ሓሳብ ከየጥሕለና ብዛዕባ ዝጀመርናዮ ጳጒሜን ክንምለስ። ኣብ ሓደ ዓመት ነፍስ ወከፎም ማዕረ 30 ዕለታት ዝሓዙ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ነሓሰ ዝተዘርገሑ 12 ኣዋርሕ ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ ነገር እዩ፡፡ እዚኦም ኣዋርሕ ኸኣ ብድምር 360 መዓልትታት ይሕዙ። ይኹን እምበር ሓደ ዓመት 12 ኣዋርሕ ወይውን 365 ርብዒ መዓልትን እዩ ክንብል ከሎና፡ ጳጒመ (5ተ መዓልትን ርብዕን) ንበይና ከም ምሉእ ወርሒ ስለዘይትጽብጸብ ምስ ነሓሰ ለጊባ ብምቝጸር ምዃኑ ከም ርዱእ ሓሳብ ክንወስዶ ኣሎና። እዚ ልማድ ማለት ሕጸጽ ገዲፍካን ሕጸጽ መሊእኻን ምቍጻር ካብ እግዚአብሔርን ሰብን ዝተረኽበ ልማደ መጻሕፍቲ እዩ ይብሉ ሊቃውንቲ፡፡ (እስመ ልማደ መጽሐፍ ይነግር ኊልቈ ፍጹመ ወምሉዓ ወየኃድግ ዘተርፈ ወይዌስክ ዲበ ሕፀፅ) (ዘፍ 15፡13/፲፭፥፲፫ ዘጸ 12፡40/፲፪፥፵ ጥበ 7፡2/፯፥፪) ነዚ ልማድ መጻሕፍቲ ተኸቲሎም ብሰንኪ ሕጸጽ፡ ጳጒሜን ስለዝነኣሰት ንዓመት ብወርሒ ክፍቕድዎ ከለዉ 12 እምበር 13 ኣዋርሕ ኣይብሉን እዮም፡፡ ንኣብነት ከም ቅዱስ ኤፍሬም ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ነዚ ኣካይዳ ተኸቲሎም ካብ ዝጠቐስዎ “ተጸውረ በከርሣ ተስዐተ አውራኀ” ንዝበሎ እንተርኢናዮ ነተን 5ተ መዓልቲ ገዲፉ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።
ጥንታዊ ብዝኾነን ቤተ ክርስቲያን ብእትጥቀመሉን ግእዛዊ ቀመር 30 ዕለታት 1 ወርሒ፡ 12 ኣዋርሕን 5 ዕለታትን ርብዕን ኸኣ 1 ዓመት ይኸውን። 5 ዕለታትን ርብዕን ድማ ጳጒሜን ይበሃል። ወሰኽ ተረፍ ማለት እዩ። እቲ ዓመት’ውን ኣብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ጳጒሜን ይውድእ፡፡ በዚ መሰረት ኸኣ 4 ዓመታት 1 ዓውደ ዘመነ ይኾኑ፡ እዚ ኸኣ ነፍስ ወከፍ ዓመት 365 ርብዕን ዕለታት (ወይውን 6 ሰዓታት ወይውን 15 ኬክሮስ) ዘለዎ ኮይኑ ዘመነ ማቴዎስ፡ ዘመነ ማርቆስ፡ ዘመነ ሉቃስ፡ ዘመነ ዮሓን እናተባህለ በኣርባዕተ ወንጌላውያን ተሰይሙ ይርከብ። ናይዚኦም 4ተ ዓመታት ጳጒሜናት ሰዓታቶም ክድመር ከሎ ኸኣ 1 ምሉእ ዕለት ይኾኑ። ኣብቲ ራብዓይ ዓመት (ዘመነ ዮሓንስ) መእተዊ ኸኣ 6 ዕለታት ብምዃን ናይቲ ባሕረ ሓሳብ ቅመራ ይኣቱ (ይጠናቀቕ)። እቲ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ዓውዲውን ከምኡ በብኣርባዕተ ዓመት ይዕጾ።
እዚ ኣቀመምራ ኸኣ ካብቲ ዳኅራይ ዝተለወጠ ምዕራባዊ ቀመር ፈጺሙ ዝተፈለየ እዩ። ኣዋርሕ ብጸሓያዊ ዕለት ተቀሚሮም በብ 30 እናኾኑ 12 ኣዋርሕ ገይርካ ምሕሳብ ኣዝዩ ጥንታውን ዓመተ ኣዳም ዓመተ ኖኅ እናተባህለ ክንገረሉ ምስ ዝጸንሐ ታሪኽ ዝዛመድ ኸኣ እዩ (ዘፍጥ 7፥11-24, ዘፍ 8፡3-5)።
ጳጒሜ፡ ብመንጽር ቀመር ድማ ኣብ ልዕሊ 12 ኣዋርሕ ናይ ዓመት ወሰኽ ዝብል ትርጉም ምሃቡ መወሰኽትኡ 5ተ መዓልትን ርብዕን ስለዝሓዘ እዩ፡ ብካልኣይ ትርጉሙ ከኣ ካብ ዓውደ ኣወርሕ ስለዝተረፈን ኣብ መወዳእታ ዓመት ስለዝተረኸበን ተረፍ ይብሃል። እቲ ርብዒ ድማ ኣብ 4 ዓመት ይመልእ እሞ 5ተ ዝነበረ 6ተ ይኸውን። እዚ ከኣ እቲ ሻዱሻይ ጳጉሜ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ብሰዓትን ብኬክሮስን ኣብ ኣርባዕተ ኸፊሎም ስለዝተማቐልዎ ከምቲ ኃሙሻይ ኣብ አበቅቴ ኣትዩ ኣይቝጸርን እዚ ማለት ኸኣ ከም 5ይ ጳጒሜን ንነፍስ ወከፎም ወንጌላውያን ስለ ዘይበጽሖም ምስ ዓውደ ዓበቅቴ ኣትዩ ኣይቝጸርን እዩ።
ናብቲ ቀንዲ መወከሲ ባሕረ ሓሳብ ዝኾነ ኣቡሻኽር ክንምለስ ከሎና’ውን ናይ ጳጒሜን ነገር ካብ ጥንቲ ብወገን ኣይሁድ’ውን ይኹን ብድኅሪኡ በዓለ ትንሣኤ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ሕሳብ ነገረ ጳጒሜን ብካልእ ኣገላልጻ ይሕሰብ ከምዝነበረ የመልክት።“በከመ ይትፌጽም በኀቤሆሙ እምነ ክፍለ መዋዕል ዘማዕከለ ዓመት ጸሐያዊት ወወርኃዊት ወውእቱ ፲ወ፩ ዕለት ወይሰምይዎ ለወርኃ ሠግር ጳጒሜን ዘውእቱ ተረስኦ” (ኣብ ሞንጎ ዓመተ ጻሓይን ወርኅን ካብ ዘለዎ መዓልትታት ኣብኣቶም ከም ዝፍጸም እዚ ከኣ 11 መዓልቲ እዩ። ነዚ ወርሒ እዚ ድማ ጳጒሜን ይብልዎ፡ ዝተረስዐ ማለት እዩ) ይብል።
እግዚአብሔር ንዝሰርዖ ረቂቕ ስርዓተ ምድሪ ይኹን ሰማይ ዝተገልጸሉ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ሄኖክ ብዛዕባ መገብቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዝገለጹሉ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረታትን ኵሎም ከዋክብትን ዝተሾሙ ኣሕሉቕ ዝመርሕዎም መገብቲ ወርሒ፡ ዝመርሑ ናይ 91 መገብቲ ይኣትዉ ይወጹ። ምስ ዝውሰኽዎም ናይ ዘመነ ቍጽሪ ጸኒዑ ምእንቲ ከነብር ካብ ሰፈሮም ካብ ዘይፈለዩ ምስ 4 ከዋኽብቲ ኮይኖም ይኣትዉ ይወጹ። ምስቲ ቍጽሪ ዘመነ ዘይቍጸሩ እዚኦም | ከዋኽብቲ ነቶም ኣርባዕተ ጳጒሜን ይምግቡ።” (ሄኖ24፡1-6/ ፳፬፥፩-፮) ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጳጒሜን ዝተሾመ ድማ ቅዱስ ዑራኤል መልኣኽ ምዃኑ ይገልጽ።
ወርሓ ጳጒሜን ንናይ ባሕረ ሓሳብ መምህራን ብፍላይ ንሊቃውንቲ ከኣ ፍሉይ እዋን እዩ። ነቲ ኣብ ምእታው ሓድሽ ዓመት ወጋሕታ ኣብ ቤተከርስቲያን ንዝእከቡ ምእመናን ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝውዕሉ ኣጽዋማትን በዓላትን ብቃሎም (ብዘይ ወረቐትን ብርዕን) ብጥንቃቐ እናስተንተኑ ንምእዋጅ (ንምፍሳስ) ምድላዋት ዝገብሩሉ እዋናት እዩ። ምስኡ ከኣ ነቲ ቀመራትን ባሕረ ሓሳባት ዘመናትን ምዕዋዶምን ደጊሞም ዝሓስቡሉን ዝራቀቕሉን እዋን ከኣ እዩ።
ገለ ሊቃውንቲ ከኣ ጳጒሜን ምስ ጥንተ ፍጥረት ኣዛሚዶም ዘመሳጥርዎ ኣበሃህላ ኣለዎም፡፡ እዚ ኸኣ ጳጒሜን ናይ መበገሲ ዓመት እምበር መወዳእታ ኣይኮነን ዝብሉሉ መገዲ እዩ። ሰማይን ምድርን ካብ ዝተፈጥረሉ ቀዳማይ መዓልቲ ኣትሒዙ ክሳዕ ኃሙሻይ መዓልቲ ካልኦት ፍጥረታት እምበር ሰብ ኣይተፈጥረን። ኣዳም ዝተፈጥረ ኣብ 6ይቲ መዓልቲ ብምዃኑ ቅድሚ ኣዳም ዝነበሩ መዓልትታት ከም ኃሙሽተ መዓልቲ ጳጒሜን ይወስድዎም። ከምዚ ከኣ ይብሉ “ብዛዕባ ጳጒሜን ክትፈልጥ እንተደሊኻ ነታ ቀዳመይቲ ዕለት፡ ጽባሒታ፡ ሳልስታ፡ ራብዕታ፡ ኃምስታ እዚኦም እዮም 5 ዕለታተ ጳጒሜን፡፡ እዚኦም ዕለታት ቅድሚ 12ተ ኣዋርሕ ስለ ዝተፈጥሩ ክሳዕ ሎሚ ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምእታዉ ይቕድሙ ኣለዉ” ይብሉ። እዚ ግና ተምሳላዊ ኣገላልጻ ተባሂሉ ክረአ ይከኣል።
ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ከርስቲያን ጳጒሜን ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳ ትምህርትን መልእኽትን ኣለዎ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዕለታት ጳጒሜን (ብፍላ, ሰንበት ምስ ዝውዕል) ዝንበባ ንባባትን ትምህርትታትን ከኣ ነዚ መልእኽቲ ዘመልከ እዮም፡፡ ነቲ መጽሓፋውን ትውፊታውን መሰረት ከኣ ተኸቲሉ ኣብዚ እዋን እ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ይዝከር፡ ሰባት ድማ ነዚ እናዘከሩ ወትሩ ነፍሶ ከምርምሩን ክንስሑን፡ ተዳልዮምን ነቒሖም ከጸንሑ ትምህርታዊ ምዕዶ መጠንቀቕታን ይወሃቦም፡፡ ናይ ፍቓድ ጾም ይጾሙ። ምስ ኣምላኾም ብጾም
ብጸሎትን ይራኸቡ፡ ብተምሳል ምልክት ንጽሕና ዝኾነ ማየ ጸሎት ከኣ እናተሓጽቡ በረኸትን ፈውስን ይረኽቡ። ኣብ ጳጒሜን ካብ ዝግበሩ ንገሊኣቶም ንትምህርቲ ክኾነና ጠቒስና ደኣ እምበር ከም መዕጸዊ ኣረጊት ዓመትን፡ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ሰባት ንርእሶም ዝግምግሙሉን ንዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ድማ እግዚአብሔር ምሕረቱን ረድኤቱን ከብዝኃሎም እናለመኑ፡ ንዝበለጸ ስራሕ ንርእሶም ዘዳልዉላ እዋን ተባሂላ’ውን ትፍለጥ እያ፡፡ ኣብ እዋን ጳጉሜን ካብ ዝፍጸሙ ንገለ ክንርኢ ኢና፥
ሀ, ጾም
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዉ ናይ ፍቓድ ኣጽዋማት እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ጳጒሜ ዝጽወም እዩ። እዚ ጾም’ዚ ጾመ ዮዲት ተባሂሉ’ውን ዝፍለጠሉ ጊዜ ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብልምዲ እምበር ክንዲ እቲ ካልኣይ ናይ ፍቓድ ጾም ማለት ጾመ ጽጌ ብዙሕ ፍሉጥ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን፡፡
ጾመ ዮዲት መሠረቱ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እተፈጸመ ኮይኑ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እተሰርዑ 9 ኣጽዋማትን በዓላትን (መጥቅዕ፡ በድር፡ መጸለት፡ ጾመ ኣይሁድ፡ ፍሥሕ፡ ልበ ምድር፡ በዓለ ሰዊት፡ ጾመ ኣስቴር፡ ጾመ ዮዲት) ኸኣ ሓደ እዩ፡፡
ጾመ ዮዲት ተባሂሉ ምፍላጡ’ውን ንሳ (ዮዲት) ስለ ዝጾመቶ እዩ። ምሉእ ታሪኹ ኣብ መጽሓፈ ዮዲት ከም እንረኽቦ ንጉሰ ፋርስ ናቡከደነጾር ብዝነበሮ ሰራዊት ተመኪሑ ኣብ ጐረባብቱን ርሑቓት ሃገራትን እናወረረ ግዝኣቱ የስፍሕ ሃብቱ ድማ የደላድል ነበረ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላምኡ ኸኣ ኣዛዚ ሠራዊቱ ዝነበረ ሆሎፎርኒስ ቀንዲ ትእዛዝ ተቐባልን ኣተግባርን ነበረ(ዮዲ2፡2-7)። ኢየሩሳሌም’ውን ከም ኣካል ናይቲ ዞባ ግዳይ ናይዚ ወራር ኮይና ብዙሕ ዕንወት ወሪድዋ ነበረ። ደቂ እስራኤል ከኣ ኣዝዮም ሓዚኖም ኣብ መሪር ብኽያትን ቍዘማን ወዲቖም ዝነበሩሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ሞንጎ እዚ ግና ሰብኣያ ዝሞታን ንጽህናኣ ሓልያ ብጾምን ብቀኖናን ተወሲና ትነብር ዝነበረት ኣይሁዳዊት ዮዲት፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እስራኤል ብዝወረደ ጥፍኣትን ብዝመጸ መከራን ማቕ ተኸዲና ኣብ ርእሳ ሓሙዅሽቲ ነስኒሳ ናብ
እግዚአብሔር ትበኪ ነበረት። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኸኣ ሕዝቢ ዝድሕነሉ መገዲ እግዚአብሔር ክሕብራ ሱባኤ ኣተወት። ንዝልምንዎ ቀረባ ዝኾነ ፈጣሪ ከኣ ጸሎታ
ሰሚዑ ኣብ ሳልስቲ ምላሽ ሃባ። በቲ ምኽሪ ተመሪሓ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፋርስ ዓወት ተጐናጺፎም እዮም።
ዮዲት ንጸላእቲ እስራኤል ከተጥፍኦም ዝኸኣለት ብጾምን ብጸሎትን ካብ ኣምላኽ ኃይልን ጥበብን ስለዝረኸበት እዩ። ምእመናን ድማ ንዮዲት ኣብነት ገይሮም ፈቓደ ስግኦም ንምስዓርን ኣብ ልዕሊ ዝጻብኦም ጸላኢ ሰናይ ዘበለ ኵሉ መንፈሳዊ ሓይሊ ንምርካብን ጳጒመ ብፍቓዶም ይጾምዋ።
ለ’ማየ ጸሎት
ኣብ ጊዜ ጳጉሜን ብፍቓድ ካብ ዝፍጸም እቲ ካልእ ከኣ ናብ ማየ ጸሎት ወይውን ኣንጊህካ ሩባ ብምውራድ ዝፍጸም ምሕጻብ ማየ ጸሎት እዩ። ሰባት እግዚአብሔር ብዝባረኾ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ ብዙኅ በረኸትን ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ይፍወሱ ከም ዝነበሩ ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብሰፊሑ ዝተፈልጠን ዝተመስከረሉን እዩ። ዋላ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ’ውን ብፍላይ ኣብ ዕለተ 3 ጳጒሜን መዓልቲ ሩፋኤል ዝዘንብ ማይ እኳ ከይተረፈ፡ ከም ማየ ጸሎት ስለ ዝሕሰብ ሰባት ካብቲ ዝዘንብ ማይ ብፍቓዶም ኣብ ልዕሊኦም ክጽሒ እምበር ከዕቅሉ ኣይረኣዩን እዮም።
ኣብ ወርኃ ጳጒሜን ብፍሉይ ከምዚ ዓይነት ነገር ናይ ምፍጻሙ ኣብነት ወይውን መሰረት ከኣ ጻድቕ ኢዮብ እዩ። ኢዮብ ኣብ ከባቢ ዘመነ ኣብርሃም ዝነብር ዝነበረ ብእግዚአብሔር እተመስከረሉ ጻድቕ ሰብ ነበረ። ምቕማጡ ኣብ ምድሪ ዑጽ ዝነበረ ኮይኑ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብ ከም ዝነበረ ኣብቲ ብስሙ እተሰየመ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ንሱ ከኣ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ዝነበርዎን ብጥሪትን መጓሰን ኣዝዩ ሃብታም ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከሳሲ (ዲያብሎስ) ስለዝረኸበ እምነቱን ትዕግስቱን ከም ዝተፈተነን፡ ኣብ ኵሉ ድማ ጸኒዑ ስለዝተረኽበ እግዚአብሔር መሊሱ ብዙኅ ጸጋ ዝሃቦ ኣቦ እዩ። ኵሉ ኣብቲ ሰብነቱ ዝወረደ ሕማምን መከራን ከምኡውን ኣብ ስድራኡ ዝበጸሐ ሞት ከኣ ብትዕግስቲ ተቐቢሉ ድኅሪ ምንባር እቲ ጊዜ ፈተና ኣብ ዝተወድኣሉ እግዚአብሔር ብዘመልከቶ ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ወሪዱ ከምዚ እዋን እዚ ከም ዝተሓጽበን ካብ ኵሉ ሕማሙን ኣቝሳሉን
ከምዝሓወየን ሓድሽ ቍርበት ከምዝተዋህቦን ከምዝተሓደሰን ነቲ ዝሰኣኖ ዘበለ ድማ ካብ ቀዳማዩ ብዝበዘኀ ባሪኹ ከምዝሃቦን ታሪኽ ሕይወቱ ይገልጽ።
በዚ መሰረት ከኣ ሎሚ’ውን እዚ ትውፊታዊ ስርዓት ተዓቂቡ ሰባት ነፍሶም ብንስሓ ከም ዝሕጸቡ፡ ብናቱ ተምሳል ኸኣ ናይ ጽርየትን ንጽሕናን ሰብነት ምልክት ኮይኑ ወትሩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማየ ጸሎት ክንሕጸብ ንረአ። በዚ መገዲ ከኣ ነቲ ብማየ ጸሎት ክርከብ ዝከኣል በረኸትን ፈውስን ድማ ካብ እግዚኣብሔር ይርከብ፡፡
ሐ, ስብከት ምጽኣትን ንስሓን
ወርሒ ጳጒሜን ዕለተ ምጽኣት ብፍሉይ ዝዝከረሉ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ደጋጊሙ ንሓዋርያት ዝነገሮምን፡ ብድኅሪኡውን ቅዱሳን መላእኽትን ሓዋርያትን ዝመስከርዎ፡ ጐይታ ካልኣይ ጊዜ ክምለስን ንኹሉ ድማ ከከም ግብሩ ከም ዝፈድዮን እዩ። እወ ጐይታ ክመጽእ እዩ። እዚ ስብከት ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዓንድታት ትምህርትን ምሥጢራትን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ ወትሩ በብኣጋጣሚታቱ ዝንገርን ዝስበክን ስብከት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ነገረ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ብፍሉይን ብስሩዕን ኣብ ዓመት ካብ ዝንገረሎም ሰለስተ እዋናት እቲ ሓደ ቅንያት ጳጒሜን እዩ።
“ተምሳሉ ከኣ ባዕሉ እቲ ዘመነ እዩ። እዚ ከኣ ጳጒመ ናይ ዓመት መሰጋገሪ፡ እቲ ጸልማት ወርሓ ክረምቲ እናብቐዐ ዝኸደሉ ናብቲ ሓድሽ ዘመነን ብርሃንን እንሰግረሉ ከም ዝኾነ፡ ምጽኣት’ውን ካብ ጊዜያዊ ናብ ዘለዓለማዊ፡ ካብ ምድራዊ ናብ ሰማያዊ፡ ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም መሰጋገሪ እዩ፡፡ ጳጒሜን ሓደ ዘመነ ኣበቂዑ ናብቲ ካልእ ሓድሽ መሰጋገሪ ስለዝኾነ ፍጻሜ ዓለም’ውን (ምጽኣት) ደቂ ሰባት ካብዚ ሓደ ምዕራፍ ናይዚ ዓለም ናብቲ ካልእ ገጽ ምዕራፍ ሓዲሽ ዓለም ዝሰጋገሩሉ እዩ፡፡ ስለዚ ተምሳሉ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ዝተተሓሓዙን ነገረ ንስሓ ዘዘኻኽሩን ንባባት ይንበቡ፡ ደቂ ሰባት እምነቶም ኣጽኒዖም፡ ሰናይ ግብሪ እናገበሩን ስለቲ ዝበደልዎ ከኣ ንስሓ እናኣተዉ ተዳልዮምን ነቒሖምን ከምቶም ለባማት ኮይኖም ንኣምላኾም ክጸንሕዎ ከም ዝግባእ ዝመልእኽቶም ስብከታትውን ይስበኹ።
መ, ምስጋናን ልማኖን
ደቂ ሰባት ብኣምሳልን ኣርኣያን ስላሴ ምፍጣሮም፡ ንፈጣሪኦም እናመስገኑ ንኽነብሩን ንሱ ዘዳለወሎም ዘለኣለማዊ መንግሥቲ ንኽወርሱን እዩ። ሰባት’ውን ንቅዱሳን መላእኽቲ ካብ ዝመስልሉ እቲ ቀዳማይ ድማ ንኣምላኾም ከመስግኑ ምፍጣሮም እዩ። ወትሩ ንእግዚአብሔር እናመስገንና ክንነብር ከም ዝግባእና ከኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይእዝዙና እዮም፡፡
“ወርኃ ጳጒሜን ከኣ ነቲ ዝሓልፍን ዝኣቱ ዘሎ ዘመነ ዘኪርና፡ ኣብቲ ኵሉ ምውጻእናን ምእታውናን፡_ምውራድናን ምድያብናን እግዚአብሔር ንዝገበረልና ነገር ኣስተውዒልና ከነመስግኖ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር እዩ። ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና ነገር ንእግዚአብሔር ክንከፍሎን ውሬታ ክንመልሰሉን እንኽእል ነገር የልቦን፡ እታ ሓንቲን ቀንድን ክንገብራ ዝግባእና ነገር ምስጋና እያ። ዘየመስግን ወለዶ ምኹናኑ ዘይተርፎ እዩ። ብሓቂ ድማ ርግእ ህድእ ኢልና በቲ ዝሓለፈ ንእግዚአብሔር ዝበደልናዮ ነገር እናተነሳሕና፡ ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና ድማ ተመስገን ክንብሎ ዝግብኦ ምዃኑ መዕጸዊ ዓመት ዝኾነት ጳጒሜን መንቅሒት ደወል እያ። ኣይኮነን ግና ከምቶም ተገይሩሎም ከብቕዕ ከየመስገንዎ ዝተረፉ እሞ እቲ ሓደ በይኑ ምስ ተመልሰ ከምቲ “እቶም ትሸዓተ(9) ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧”ዝተባህለሎም ከይንኸውን ርእስና ንመርምር። ናይቲ ዝሓለፈ ምልስ ኢልና ዘኪርናን ኣስተውዒልናን ከኣ ንመጻኢ ክንከዶ ዝግባእ ህይወት ብመሰረት ቅዱስ ቃሉ ንክንቕይሶ ዝግባኣና እዋን እዩ። ስለቲ ኵሉ ዝጐደለናን ዘድልየና እሞ ዘይረኸብናዮ ከኣ ናብቲ “ኣቦ ኢልኩም ጸዉዕ’ኒ ዝበለ ጐይታና ክንልምንን ነቲ ዝመጽእ ዘመነ ከኣ ክባርኸልናን ክቕድሰልናን እንምሕጸነሉ እዋን እዩ። “ኳሕኳሑ ክረሓወልኩም፡ ለምኑ ክትረኽቡ ኢኹም” ዝበለ ጐይታ ደቁ ዝኾንና ክንልምኖ ፈቒዱልና እዩ። ዝለመናዮ፡ ዘድልየና ክህበና ቅዱስ ፈቓዱ እዩ እሞ እዚ እዋን ከኣ ነቲ ዘሎናን ዘይብልናን ከነለሊ፡ ስለቲ መጻኢ ከኣ ዘድልየና ክወሃበና እንደልዮ ሰናይ ነገር ናብ ኣምላኽ እንልምነሉ እዩ፡፡
ረ, ጸብጻብ
እዚ እዋን’ዚ ሓደ ዓመት ተፈጺሙ ናብቲ ካልእ ሓድሽ ዓመት እንሳገረሉ እዩ፡፡ ነቲ ሓድሽ ዘመነ ብሓድሽ ሕልናን ተበግሶን ንምቕባሉ ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ዘመነ ምግምጋሙ ዝነበረን ዝጸንሐን ኣገዳሲ ክፋል ሕይወት እዩ። ጳጒሜ ከኣ መዕጸዊ ዓውደ ዓመት እያ። ዝኾነ ስራሕ ከምቲ እተወጠነሉ ጽቡቕዶ ተዛዚሙ ወይውን ጽቡቕዶ ይገባገብ ኣሎ ኢልካ ምግምጋም ነቲ ስራሕ ኣዝዩ ሓጋዚ፡ ነቲ ዝመጽእን ዝተረፈን ከኣ መገምገሚ ከምዝኾነ ዘይከሓድ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ሓንሳብ ደው ኢልና ክንሓስብ ከምዝግባእና የዘኻኽረና እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ጸብጻብ ምቕራብ ዘድለየ። ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ኣቐዲሙ ተቐሚጡ ዘይመክር፡ ብዛዕባ መደባቱ ርግእ ኢሉ ዘይሓስብን ጀሚሩ ኣብ ምውድኡ ከይጽገም ከኣ ነቲ ዘለዎን ዘይብሉን ምጽብጻብን ምስራዕን ዘየግድሶ የልቦን፡ ወርኃ ጳጒሜን ከኣ ናይቲ ዝዕወድ ዓመት መዕጸዊት ከምዝኾነት ንሕና’ውን ስለ ነፍስናን ሕይወትናን ገምጋም እንገብረሉ ጸብጻባትና ነጻፍፈሉ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዘይተርፍ ንሕተተሉ እዋን ከይመጸ “ኣበይ ኣሎኹ፧ እንታይ ይገብር ኣሎኹ፧ ናበይከ እኸይድ ኣሎኹ፧ እንታይ ከ ኣፍርየ፧” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ንርእስና ንሓተሉ ጊዜ እዩ፡፡ እንተዘይኮነ ግና “አይቴ ነበርከ፡ ምንተ ገበርከ ኣበይ ነይርካ እንታይከ ሰሪሕካ፧” ምስ ተባሃልና፡ ሕፍረትን ምድናን ርእስን ከይመጸ ንርእስና ጊዜ ፈሊና ካብ እንግምገመሉ እዋናት ሓደ ጳጒሜን እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ኵሉ ጊዜ ርእስና ክንፍትሽ ከም ዝግባኣና ከሰሓት ዘይብሉ እኳ እንተኾነ ጳጒሜን ከኣ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ተራ ንዘለዎ ኣካይዳ ብቀዳማይ ደረጃ እትጥቀስ እዋን እያ፡፡
ካብ ባሕቲ ጳጒሜ ክሳዕ ባሕቲ መስከረም ዘለዉ መዓልትታት “ተሞቅሖቱ ለዮሐንስ’ ተባሂሎም’ውን ይፍለጡ፡፡ እዚኦም መዓልታት ኸኣ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ስለቲ ሓቀኛ ምስክርነቱን ተግሳጹን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተሞቑሓሉ እዋናት ተባሂሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዝከሩ፡፡ ፪/2 መስከረም ከኣ ብኢድ ሄሮድስ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ሰማእትነት ዝረኸበሉ እዩ፡
ይቕጽል………….
Leave a comment

