ሻቡዓይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ
ኒቆዲሞስ
እዛ ቅድስቲ ዕለት “ኒቆዲሞስ” ተባሂላ ትጽዋዕ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ዝጸሓፎ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 3፡1-20 ተገሊጹ ኣሎ።
ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝባሃል ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።
ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ፡ ብመምህርነት፡ ብሽመት እዩ።
ንሱ ብለይቲ (ካብቶም ብመዓልቲ ዝመጹ ኣቐዲሙ) ናብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ።
እዚ ናይ ኣይሁድ ሓለቓ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ዝመጻሉ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። እዚ ከኣ ፦
ቀዳማይ፡ ብለይቲ ምምጽኡ ኣይሁድ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ካብ ቤት ጸለቶም ክሰጉዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ እዚ ዝገበረ ከኣ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ እዩ(ዮሓ9፡22)።
ካልኣይ ፡ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ክርስቶስ ፍጹም እምነት ስለ ዘይነበሮ እዩ (2ቆሮ 3፡14)።
ሳልሳይ፡ ክሳዕ ሎሚ መምህር እና ተባህለ ነይሩስ ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ መታን ከይብልዎ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝደለየ እዩ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምኽንያታት ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። ከምዚ እና በለ ከኣ ናብ ጎይታ ቀሪቡ ተዛረበ፡ “መምህር ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከምዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና” በሎ። እዚ ማለቱ፡ ”መምህር ክትምህር ኢልካ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ኣካል ዘእም ኣካል ባህርይ ዘእም ባህርይ ተወሊድካ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ህልውናኻ ዘሎ፡ ንስኻ እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓዳ እኳ የልቦን” ንኽብል ዝተዛረቦ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ድማ ካልኣይ ግዜ ዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይርእያ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ ሰብ ምስ ዓበየ ከመይ ገይሩ ክውለድ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ካልኣይ ክውለድ ይክኣል ድዩ፧ በሎ። ኒቆዲሞስ ምስ ጎይታናን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዘራረብ ከሎ ነዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ፡ ልደተ ስጋ (ናይ ስጋ ልደት ወይ ምውላድ) ስለ ዝመሰሎ እዩ። ነዚ ርድኢት ናይ ኒቆዲሞስ ምስቲ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃል ሓደ ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ነቲ ዝተዘርበሉን ዝሓተቶን ክምለሰሉን ክፈልጦን ስለዘለዎ፡ ደጊሙ ነቲ ዘበሎ ቃል ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ቅጽል ኣቢሉ ተዛሪቡ ኣሎ “ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ(ጥምቀት ክርስትና ዘይተጠመቐ) ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣቱ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ። ከመይ እቲ ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋዊ እዩ እቲ ካብ መንፈስ ዝተውልደ ከኣ መንፈሳዊ እዩ። እዚ ማለቱ ከኣ፡-
ቀዳማይ ፥ ካልኣይ ክትውለዱ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም ።
ካልኣይ፥ በዚ ከይትግረምሲ ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ።
ቅጽል ኣቢሉ እውን፦
ቀዳማይ፥ ንኣብነት ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ ባሕሪ ከናውጽ፡ ገረብ ከንቀሳቕስ ከሎ ደሃዩ ትሰምዕ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ’ውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ናይ ዓለም 12 መሳኹቲ ንፋስ ኣሎ። እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድ ዝበለ ድማ ከምኡ እዩ። ማለት ብርቀት እዩ ዝውለድ ።
ካልኣይ ፥ መንፈስ ረዲአት ኣብ ዝደለዮ ይሓድር፡ ትንቢት ከናግር፡ ሱባኤ ከቑጽር ከሎ ትሰምዕ። ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ’ውን ከም ዝኸይድ ማለት ሃብቲ ሙሴ ንኢያሱ፡ ሃብቲ ኤልያስ ንኤልሳዕ ከመይ ኢሉ ከም ዝወሃብ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ (ዘሁ27፡33, 1ነገ19፡19, 2ነገ2፡9-14)።
ሳልሳይ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝደለዮ ይሓድር። ቋንቋ ከናግር ምስጢር ክትርጉም ከሎ ትሰምዖ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድ ድማ ከምኡ እዩ ማለት ብርቀት እዩ።
ነዚ ዝሰምዐ ኒቆዲሞስ “እዚ ድኣ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል” ኢሉ ደጊሙ ነቲ ዘይበርሃሉ ንኽበርሃሉ፡ ዘይተገልጸሉ ድማ ጽቡቕ ገይሩ ምእንቲ ክርድኦ መሊሱ ሕቶ ሓተተ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ንስኻ መምህር እስራኤል ኢካ ነዚ ነገር እዚ’ዶ ኣይትፈልጥን፧ (ንስኻ መምህር እስራኤልሲ ነዚ ነገር እዚ ኣይትፈልጥን) በሎ። ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ እንፈልጦ ንዛረብ ዝረኣናዮ እውን ንምስክር ኣለና። ነዚ ምስክራትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም ዘለኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነጊረኩም ግዳ ከመይ ገይርኩም ክትኣምኑ በሎ። ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “እንፈልጦን ዝረኣናዮን ማለቱ ንገዛእ ርእሱ ምስ ዮሓንስ መጥምቕ ቆጺሩ እዩ። ብዛዕባ ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ምባሉ ከኣ እዚ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ልደት ምኽንያት ኣለዎ፡ ማይ ቀሪብካ ብጸሎትን ብጥምቀትን ብንፍሓተ እስትንፋስን እዩ ዝፍጸም። ሰማያዊ ልደት ተባሂሉ ዘሎ ግና ምኽንያት ዘይብሉ ፍሉይ ልደተ ሙታን (ትንሳኤ ምዉታን) እዩ። “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ እውን ዘሎ ወልደ እጓለ እመሕያው(ወዲ ሰብ) ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የልቦን” በሎ። እዚ ዝበለ’ውን ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ምባሉ ድማ ናይ ሰብ ባህርይ ለቢሱን ተዋሃሂዱን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለዝኾነ (ዮሐ 6፡62) ናይ ስጋ ባህርይ ንቓል ናይ ቃል ባህርይ ንስጋ ኮነ ከም ዝበለ (ቅዱስ ቄርሎስ ክፍሊ 9)። ከምቲ ሙሴ ንተመን ዝሰቐሎ ወልደ እጓለ እመሕያው (ወዲ ሰብ) ክርስቶስ ድማ ከምኡ ክስቀል ይግባእ እዩ። ክርስቶስ ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ ዝተሰቕለ እንተበልና፡ ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም እዩ።
ትንቢት፥ “ስቅልተ ተሬእያ ለሕይወትከ” ዝበሎ እዩ(ዘዳ 28፡66)።
ታሪኽ
እስራኤላውያን ሓደ ግዜ ብምኽንያት መግቢ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕሊ ነቢይ ሙሴን ኣጉረምረሙ። እግዚኣብሔር ከኣ መርዛማት ኣትማን ሰደደሎም እሞ ካብ እስራኤል ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ነቢይ ሙሴ መጺኦም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና። ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ንእግዚኣብሔር ለምነልና በልዎ። ነቢይ ሙሴ ድማ ምእንቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ሰሪሑ ኣብ ባላ ክሰቕለሎም ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ድማ ነቲ ተመን ኣስራዚ ጠሚቱ ከም ዝሓዊ ነገሮ እሞ ነቢይ ሙሴ ከምኡ ገበረ፡፡ ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ኩሉ ድማ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ጠመተ ይሓዊ ነበረ (ዘሁ 21፡5-9)። እዚ ምሳሌ እዩ። ንእስራኤላውያን ነኺሱ ዝጎድኦም ተመን ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ፡ ተመን ብመርዙ ከም ዝጎድእ፡ ዲያብሎስ ድማ ብግብሩ ይጎድእ እዩ(ራእ 12፡9)። ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ተመን ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ፡ ተመን ኣስራዚ ብምሳሌ ተመን ከም ዝተሰቕለ፡ ክርስቶስ ከኣ ምስ በደለኛታት ተቆጺሩ ተሰቕለ(ኢሳ 53፡12)። ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ተመን መርዚ ዘይብሉ ጽሩይ ከም ዝኾነ ክርስቶስ ከኣ ጽሩየ ባህርይ እዩ። ተመን ኣስራዚ ኣብ ባላ ከም ዝተሰቕለ እሞ ብተመን ዝተነኽሱ እስራኤላውያን ንዕኡ ርእዮም ከም ዝሓወዩ፡ ክርስቶስ ድማ ብእኡ ንዝኣምን ዘበለ ብስቕለቱን ብሞቱን ከድሕን ከም ዝተሰቕለ ዝገልጽ ምሳሌ እዩ።
ኒቆዲሞስ ሓለቓን ሃብታምን ብዓል ብዙሕ ጸጋን እኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ሕይወት ዝህብ ኣምላኽ ሕይወት ዘውህብ፡ ንልቢ ዘረስርስ፡ ካብ ሓጢኣት ዝፈሊ ንጹህ ኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕን ክመሃርን ጸልማት ኮይኑኒ ከይበለ፡ ቀትሪ ኣብ ስራሕ ውዒለ እየ ከዕርፍ ብዘይ ምባል ኣብ እግሪ ጎይትኡ ኮፍ ኢሉ ልቡ ከፊቱ ስለ ዝተማህረ ናይ ክርስቶስ መስካሪ ኮይኑ እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ዓለም ኣብ ቀራንዮ ምስ ተሰቕለ ድማ፡ እንሆ ንስጋ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐብር ዝበቕዐ ኒቆዲሞስ ምስ ዮሴፍ እዩ። ስለዚ ትሕትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝህልወካ ትገብር። እንሆ ኣብ እግሪ ጎይታ ኮፍ ኢሉ ዝተማህረ ኒቆዲሞስ፡ ብዝተማህሮ ኣይከደን እንተኾነ። ነቲ ዝተማህሮ ብትብዓት ክምስክረሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጲላጦስ ከኣ ሞጎስ ክረክብ ክኢሉ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንስጋ ናይ መድኃኔኣለም ክርስቶስ ብኽብሪ ንኽቀብር ዝኸኣለ (ማቴ 27፡53-66)።
ሎሚ’ውን ንሕና ኩሉ ትዕቢት ኮነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘየብጽሓና፡ ቃል ኣምላኽ ንኸይንሰምዕ ዝዕንቅፉና ነገራት ገዲፍና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክንርከብ፡ ኣብ እግሪ ኣቦታትና ተረኺብና ክንመሃርን ክንመዓድን ይግባእና።
መዝሙር ንባባት ስብከት
ሆረ ኃቤኁ ሮሜ 7፡1-12 መዝ 119፡62-63
1ዮሓ 4፡18-መፈ፣
ግ.ሓዋ 5፡34-ፍጻ
Leave a comment