በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!
ቅዱሳት መካናት (ቦታታት)
ቅዱ
ስ ማለት ዝተመርጸ ዝተሓርየ፡ዝተፈልየ ማለት ክኸውን ከሎ፡መካን ማለት ከኣ ቦታ ማለት እዩ።ስለዚ ቅዱስ ቦታ ማለት ዝተፈልየ ዝተመርጸ ማለት እዩ። ናይ ቅድስና በዓል ቤት እግዚአብሔር እዩ። ንሱ ብባህርኡ ፍጹም ቅዱስ ክኸውን ከሎ፡ ፍጥረታቱ ግና ቅዱሳንን ኃጥኣንን ተባሂሎም ይፈላለዩ እዮም። እዚ ማለት ኣብ ደቂ ሰባት ጻድቃንን ኃጥኣንን ከም ዘለዉ፡ኣብ ቦታ ከኣ ቅዱስን ዘይቕዱስን ወይ ቅዱስን ርኹስን ተባሂሉ ይፈላለ እዩ። እዚ ማለት ፍሉይ ብእግዚአብሔር ዝተመርጸን ዝተቐደሰን ቦታ ከምዘሎ፡ ርጉም ብእግዚአብሔር ዝተረግመ ቦታ’ውን ኣሎ። ዘፀ.3፡1”ሙሴ ነተን ኣባጊዕ ዮተር ሓሙኡ እናከብከበን ናብቲ እምባ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምባ ኮሬብ መጽ” ይብለና።ኣብ (ኢያ.5፡15 )“እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ `ቦታ ቅድስት እያ እሞ ኣሳእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” ክብል መልኣኽ እግዚአብሔር ንኢያሱ ነገሮ። 2ይጴጥ.2፡17“ኣብቲ ቅዱስ እምባ፡ እዚ ድምጺ እዚ ካብ ሰማይ ከወጽእ ሰማዕና” ይብል። ስለዚ ቅዱስ ቦታ ዝብሃል ብእግዚአብሔርን ብቅዱሳን ሰባትን ዝተቐደሰ ቦታ ኮይኑ ደቂ ሰባት ድምጾም ንእግዚአብሔር ዘስምዕሉን ድምጺ እግዚአብሄር ዝሰምዕሉን ፍሉይ ቦታ እዩ። ርኹስ ቦታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከኣ ክፋኣት ሰባት ሕጊ እግዚአብሔር ብምጥሓስ ዘርከስዎን ብናይ እግዚአብሔር መቕጻዕቲ ዝባደመን ዝተደምሰሰን እዩ።
ንኣብነት ሰዶምን ገሞራን ዝርከብአን ሓሙሽተ ዓድታት። ዘፍ.19፡1-29 ዘሎ ታሪኽ ሶዶምን ገሞራን ክንምልከት ንኽእል ኢና። እምበአር መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ንሎሚ ዓመት ካብ ቅዱሳን ቦታታት ሒዛትልና መጺኣ ዘላ ቅድስት ስፍራ ከተማ ኢዮጴ/ያፎ(Yafo) እያ።
ከተማ ኢዮጴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮጴ ተባሂላ ክትጽዋዕ ከላ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ግና ያፎ ተባሂላ እያ እትጽዋዕ።
ነዛ ብኢዮጴ እትፍለጥ ከተማ ያፎ ኢሉ ዝሰመያ ያፌት ወዲ ኣቦና ኖህ ኣብኣ ይቕመጥ ስለ ዝነበረ ያፎ ኢሉ ሰምዩዋ።ጃፋ/ያፎ ዝብል ቃል ያፋ ካብ ዝብል ናይ እብራይስጥ ቋንቋ ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ ጽብቕቲ (ምልክዕቲ) ማለት እዩ። ከተማ ያፎ ብቋንቋ ዓረብ ጃፋ/jaffa(yafa ) ተባሂላ እያ እትጽዋዕ።
ከተማ ኢዮጴ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ተደኲና እትርከብ ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ፍሉጣትን ከተማታት ናይ ዓለም ኢያ። 40ሜትሮ (130 ጫማ) ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ዘለዋ ከተማ ኢዮጴ፡ ካብ ከተማ ተልኣቪቭ ንደቡብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ እያ። ምስቲ ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ካብ ጥንቲ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ መነባብሮ ዓቢይ እጃም እተበርክት ዝነበረት ኣገዳሲት ወደብ ኢያ። ብፍላይ ከኣ ወደባዊት ከተማ ብምዃና ኣብ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ከምኡ ውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዓቢይ ዝኾነ ታሪኻዊ መዝገብ እትውንን ቅድስት ስፍራ እያ።
ተቐማጦ ወደባዊት ከተማ ኢዮጴ/ያፎ ካብ ዝተፈላለዩ ሕብረተ ሰባት ዝተኣኻኸቡ ኮይኖም፡ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ድማ ይናበሩ። ዝዓበየ ቁጽሪ ተቐማጦ ከተማ ኢዮጴ(ያፎ) ክርስቲያን፡ ኣይሁድን ኣመንቲ ምስልምናን እዮም።
ወደባዊት ከተማ ኢዮጴ(ያፎ) ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ብዝተፈላለየ ኣርእስቲ ተጠቒሳ ወይ ተጸዊዓ ኣላ።ኣብ ብሉይ ኪዳን ምስ እንምልከት ኢስራኤላውያን ሩባ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ንእስራኤ ምስ ኣተዉ፡ መስፍን ኢያሱ በብነገድ ርስቲ ክህቦም ከሎ፡ ከተማ ኢዮጴ ንነገደ ዳን በጽሓቶም። ኢያ19፡40-46. ከምኡ ውን ጥበበኛ ንጉሥ ሰሎሞን ቤት መቕደስን ቤት ንጉሥን ክሃንጽ ኣብ ዝተበገሰሉ ጊዜ፡ ምሩጻት ንብረት ካብቶም ኣብ መንጽር (ስግር) ማእከላይ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከመላልስ ከሎ ወደባዊት ከተማ ኢዮጴ እታ ቀንዲ መመላለሲቱን ኣብ ምህናጽ ቤተ መቕደስ ዝገበረቶ ኣስተዋጽኦ ዓቢ ከም ዝነበረ ብመስረት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ ንኽእል።
(እዝራ.3፡7 ,2ይዜና2፡12- 17) ።
ንከተማ ኢዮጴ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝገብራ ነገር ታሪኽ ነቢይ ዮናስ እዩ። ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ ነቢይ ዮናስ ተደጋጋሚ ስለዝስበኽን ንናይ ጐይታ ኣብ መቓብር ሰለስተ ለይትን ሰለስተ መዓልትን ናይ ምግባሩ ምሳሌ ኮይኑ ስለ ዝንገርን፡ ኢዮጴ ከኣ እታ ቀንዲ ኣብ ታሪኽ ነቢይ ዮናስ እትጽዋዕን መበገሲት ኣርእስቲ ስለዝኾነትን እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንነቢይ ዮናስ “ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ፡ እከይ ሕዝባ ዓቢ ከምዝኾነ ፈሊጠ ኣለኹ’ሞ ኣንጻራ ስበኽ” ኢሉ ኣብ ዝኣዘዞ ጊዜ ነቢይ ዮናስ ንትእዛዝ እግዚአብሔር ሸለል ኢሉ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ምእንቲ ክርሕቕ ናብ ተርሴስ(ስጰይን) ንክኸይድ ዋጋ ከፊሉ ናብ መርከብ ዝተሰቕለላ ቦታ ከተማ ኢዮጴ እያ።
(ዮናስ.1፡1-3)
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን እንተኾነ ብዛዕባ ጥንታዊትን ወደባዊትን ከተማ ኢዮጴ(ያፎ) ምስ እንምልከት ህቡብነታን ተፈላጥነታን ከየጥፍአት እትርከብ ህያዊት ምስከር ንናይ ጥንቲ ታሪኽ ኣጉሊሓ እተርኢ ፍልይቲ ስፍራ፡ ብፍላይ ሎሚ ምስ እዚ ዘሎ ምዕባለታት ኣብ ኩሉ ናይ ሃገረ እስራኤል ምንቅስቓሳትን ምዕባለን ዓቢ ኣበርክቶ ስለ ዘለዋ ኣገዳስትን እስትራትጂካዊትን ከተማ ኢያ።
ከተማ ኢዮጴ ጐይታ ውን ባዕሉ ንናይ ነቢይ ዮናስ ታሪኽ ማለት ነቢይ ዮናስ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ ዓሳ ጸኒሑ ብፍቓድ ኣምላኽ ካብ ከብዲ ዓሳ ናይ ምውጽኡ ኣብነትን መብርህን ገይሩ “ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሣ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ከኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ክገብር እዩ” ብምባል ስለ ትንሳኤኡ ዝተዛረቦ ነቲ ኣብ ከተማ ያፎ ዝተፈጸመ ናይ ነቢይ ዮናስ ተኣምር ኣብነት ገይሩ እዩ። (ማቴ.12፡40)
ከተማ ኢዮጴ ወደብን መሰጋገሪትን ጥራይ ዘይኮነት ቅዱሳን ዝተጸውዑላን ዝተቐመጡላን ጸሎት ቅዱሳን ናብ ኣምላኽ ዓሪጉ ምዉታት ዝተንስኡላ፡ሕሙማት ውን ዝተፈወሱላ ብቕድስና ታሪኽ ዝተሰርሓላ ኢያ።
ኣብ ከተማ ኢዮጴ(ያፎ) ጣቢታ(ዶርቋስ) ዝተባህለት ሰናይ ምግባርን ምጽዋት ምሃብን እተዘውትር ኣማኒት ነበረት፡ጣቢታ ከቢድ ሕማም ሓሚማ ሞተት እሞ ሓጺቦም ኣብ ደርቢ ኣንበሩዋ። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ(ሉድ) ስለዝነበረ እቶም ደቂ መዛሙርቲ ከኣ ክልተ ሰብኣይ ልኢኾም ቀልጢፉ ክመጾም ለመንዎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሎድ ተጸዊዑ ምስ መጸ፡ ኩለን እተን ንጣቢታ ዝፈልጣ ነቲ ብሕይወት ከላ ብኢዳ ትገብሮ ዝነበረት ክዳውንቲ ኣርኣይኦ። ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሎም ንደገ ኣውጺኡ፡ ተንበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳ ጠሚቱ ከኣ “ጣቢታ ተንስኢ በላ” ስለዚ ኢዮጴ/ያፎ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሉድ ተጸዊዑ መጺኡ ንጣቢታ(ዶርቋስ)፡ ጸሎት ጸልዩ ካብ ሞት ዘተንስኣላ ቅድስት ቦታ ኢያ። ቅዱስ ጴጥሮስ ንጣቢታ ድሕሪ ምትንስኡ ምስቲ ስምዖን ዝተባህለ ቆርበት ዘልፍዕ ገዝኡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ያፎ ዝነበረ ንብዙሕ መዓልታት ተቐመጠ። ግ.ሓ.9፡36-43።
ያፎ ቅዱስ ጴጥሮስ ራእይ ዝረኣየላ ቅድስት ስፍራ ከም ዝኾነት መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ምስክር እዩ። ምኽንያቱ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ስምዖን ኣልፋዒ ቆርበት ኣብ ያፎ እናተቐመጠ ከሎ፡ በቲ ፍርሓት እግዚአብሔር ዝነበሮ መንፈሳዊ ሰብ ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ቆርኔሌዎስ ተጸዊዑ ናብ ቂሳርያ ንኽኸይድ፡ ተላኢኾም ዝኸዱ ጌና ኣብኡ ከይበጽሑ ከለዉ ሰለስተ ጊዜ ራእይ ርኣየ፡ ብዛዕባቲ ዝረኣዮ ራእይ ክሓስብ ከሎ ከኣ እቶም ልኡኻት እንዳ ስምዖን ኣበይ እዩ እናበሉ መጹ፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ተገሊጹ “እንሆ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ኣነ ኢየ ልኢኸዮም እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተጠራጠርካ ውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ። ንሱ ከኣ ወሪዱ እንሆ እቲ እትደልዩዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ ስለምንታይ ትደልዩኒ ኣለኹም በሎም’ሞ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ብኹሉ ሕዝቢ ኣይሁድ ዝተፈትወ ቄርኔሌዎስ ናብ ቤቱ ክጽውዓካ ብመልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ። ሽዑ ቅዱስ ጴትሮስ ተቐቢሉ ኣብ ገዛ ኣእተዎም እሞ ንጽባሒቱ ተንሲኡ ምስኣቶ ከደ። ስለዚ ከተማ ያፎ ቅዱስ ጴጥሮስ ራእይ ዝረኣየላን ናብ ቂሳርያ ንኽኸይድ ዝተጸውዓላን ዝተበገሰላን ወደባዊት ከተማ ኢዮጴ (ያፎ) ኢያ። (ግ.ሓ.10፡1-29)
(ግ.ሓ10፡10-16)
ቅዱስ ጴጥሮስ ብስድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ክጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ጠመየ ኪበልዕውን ደለየ፡ ምሳሕ ከዳሉ ከሎ ከኣ ተመሰጠ። እንሆ ከኣ ሰማያት ተኸፊቱ፡ በርባዕተ መኣኑ ዝተታኃዘ ዓቢይ ነጸላ ዚመስ ነገር ናብ ምድሪ ኣቢሉ ኺወርድ ረኣየ። ኣብኡ ከኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኩሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይ ነበሩ። ሽዑ ጴጥሮስ ግና “ጐይታይ! ፍጹም ኣይከውንን እዩ፡ ርኹስ ዜፈንፍንን በሊዐ እኳ ኣይፈልጥን”በለ። ካልኣይ ጊዜ ድማ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሖ ንስኻ ‘ርኹስ እዩ’ ኣይትበሎ”ዝብል ድምፂ ከም ብሓድሽ መጸ። እዚ ነገር እዚ ሠለስተ ሳዕ ኮነ፡ ብኡብኡ ከኣ እቲ ነጸላ ናብ ሰማይ ተወስደ።
ትርጉሙ፡ ሰማያት ተኸፍተ ማለት ሰማይ ምክፋትን ምዕጻውን ዘለዎ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ዝተዓጽወ ገዛ ክክፈት ከሎ ኣብ ውሽጡ ዘለው ኣቅሑ ከምዝረኣዩ፡ ዘይተገልጹ ምሥጢር ተገሊጹ ክብል ስለዝደለየ እዩ። በርባዕተ መኣዝኑ ዝተታሕዘ ዓቢ ነጸላ ናይ ወንጌል ምሳሌ እዩ። በርባዕተ ወገን ማለት ድማ ወንጊል በርባዕተ መኣዝን ንዓለም ከም ተስብካት (ናይ 4 ወንጌላውያን) ምሳሌ እዩ።
ኣርባዕተ መሓውር ናይ እንስሳ
ስእሊ ኣዕዋፍ ናይ ነቢያትን ካህናትን ምሳሌ እዩ።
ስእሊ ኣራዊት ናይ ምእመናን ኣሕዛብ ምሳሊ እዩ።
ስእሊ እንስሳ ናይ ምእመናን እስራኤል ምሳሌ እዩ።
ሓሪድካ ብላዕ ማለቱ ኣሕዛብ መሃር ማለት እዩ።
ርኹስን ዘፈንፍንን በሊዐ እኳ ኣይፈልጥን
ማለት ንኣሕዛብ ኬድኻ ምሃር፡ እስራኤላውያን ምስ ኣሕዛብ ርክብ ኣይነብሮምን። ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ዘንጽሆም ንስካ ኣይተርኮምን ኢኻ ማለት ብክርስቶስ ሓደ ኮይኖም እዮም። ሠለስተ ሳዕ ኮነ ማለት ሠለስትነት ሥላሴ ምሳሌ እዩ። ናብ ሰማይ ምሳዱ ድማ ብሓንቲ ወንጌል ኣእሚንካ ናብ መንግሥተ ሰማይ ምእታው ምሳሌ እዩ።
ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ቦታታት ኣፍልጦና ክብ ንምባል ነዛ ኣብ ዓመት ሓንቲ ጊዜ እትሕተም መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ክንከታተላን ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ውን ተመሊስና ከነንብቦምን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሓደራ ትብል።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment