በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!
***ቅዱሳን ነብያት***
ነቢይ ማለት ነበበ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ተዛረበ፡ ተናገረ፡ ተናበበ፡ኣፍ እግዚአብሔር ኮይኑ ካብ እግዚአብሔር ዝተቐበሎ ቃል ንሕዝቢ ዝዛረብ ዝነግር ማለት እዩ።
ነቢይ ማለት ኃላፍያት፡ሓሊፉ ዝተሠወረ ምሥጢር፡ መጻእያት ፡ገና ንመጻኢ ዝኸውን፡ ነገር ዝፈልጥ ማለት እዩ።
ሓደ መጸዊዒ ነቢይ ክኽውውን ከሎ። ናይ ብዙሓት ድማ ነብያት ንብል። ከምቲ ነቢይ ኣሞጽ ዝበሉ። “እስመ አልቦ ዘይገብር እግዚአብሔር ዘኢከሠተ ወዘኢነገረ ለአግብርቲሁ ለነቢያት እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሥጢሩ ንባሮቱ ነቢያት ከይገለጸሎም ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።” (ኣሞ.3፡7) ዝበሎ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት ዝመጽኦ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣቐዲሙ ምሥጢሩ ዝነግሮም ንቅዱሳን ነቢያት እዩ።
ስለዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት መልእኽቱን ትእዛዛቱን ዝልእከሎም ዝነበረ ብቅዱሳን ነቢያቱ እዩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ብመሠረት ነቢያት ዝተዛረብዎ ትንቢትን ብዝቖጸርዎ ሱባኤን እዩ። ቅዱሳን ነቢያት ብዛዕባ ጐይታ ኣብ ዮርዳንስ ምጥማቑ ኣብ ቀራንዮ መስቀል ምስቃሉ ብሓፈሻ ስለ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዳግም ምጽኣቱን ብንጹር ገሊጾም እዮም።
ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡
ኣብዘን ዳኅሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡ ከም ዝብል። (ዕብ.1፡1-2)
ሃብተ ትንቢት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይ ገንዘቡ እዩ። ስለዚ ድማ እግዚአብሔር ንዝደለዮ ብፍቓዱ ሃብተ ትንቢት ይህቦም።
“ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን። ከምዝበለ መጽሓፍ ቅዱስ ፡2ጴጥ።ም 1፥21፡
ስለዚ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዘይለኣኹ፡ ሃብተ ትንቢት ዘይተዋህቦ ነቢይ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣይክእልን እዩ።
እዞም ሃብተ ትንቢት ዝተዋህቦም ድማ ቅዱሳን ነቢያት ተባሂሎም ይጽውዑ፡ ብሓፈሻ ነቢያት ዝብሃሉ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ኣቦታት ካብ ኣዳም ክሳብ ነቢይ ምልክያስ ዘለው እዮም፡ ዝበዝሑ ንምባል እምበር ድኅሪ እዚኦም ነቢያት ኣነበሩን ማለት ግና ኣይኮነን።
ነቢያት ካብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝተጸውዑ እዮም። ከም ነቢይ ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ኣማኻሪ ንጉሥ ዝነበረ እዩ።
ዳንኤል ካብ ልዑላን ስዳራ ነገሥታት እዩ። ከም በዓል ኣሞጽ ካብ ሕርሻ ካብ ገጠር ዝተጸውዑ እዮም።
*ነቢያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለየ መጸውዒ ስም ኣለዎም፡ ካብቲ ዝተጸውዑሉ ስም ንምጥቃስ
1.ነቢይ (ነቢያት) ዝብል መጽውዒ ስም እዩ። እግዚብሔር ብዛዕባ ኣጸዋውዓ ነቢይ ኤርምያስ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሓነጽኩኻ ኃሬኩኻ፡ ከይተወለድካ ኸኣ ቐደስኩኻ፡ ነሕዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ ።ኤር.1፡5 ስለዚ ሓደ መጽውዒኦም ነቢይ ነቢያት ዝብል እዩ።
2.ራእይ ዝርእይ ተባሂሎምውን ይጽውዑ ነይሮም። ራእዩ ዝርእይ ማለት ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንመጻኢ ብመንፈስ ትንቢት ኣርሒቑ ዝርእይ ማለት እዩ። ብዛዕባዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣሒያ እቲ ሴሎናውን ኣብ “ራእይ የዕዶን” ተጻሒፍ ኣሎ። ራእይ የዕዶ ብዛዕባ ኢየሮብዓም ወዲ ናባጥውን ይዛረብ እዩ።(2ዜና.9፡29) “እዚ ሎሚ ነብዪ ዚበሀል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይበሀል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪሐትት ምስ ዚኸይድ፡ ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ፡ ይብህኣል ነበረ። ይብለና።(1ሳሙ.9፡9)
3.ናይ እግዚአብሔር ሰብ ዝብል መጸውዒ፡ እታ ሹናማዊት ሰበይቲ ብዛዕባ ነቢይ ኤልሳዕ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ምዃኑ ንምግላጽ ከምዚ በለት “ንሰብኣያ ኽኣ፡ እንሆ እዚ ወርትግ በዚ ዚኃልፍ፡ ንሱ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ።(2ነገ.4፡9) ናይ እግዚአብሔር ሰብ ማለት እግዚአብሔር ምስኡ ዝኾነ እግዚአብሔር ኩን ዝበሎ ዝኸውን እግዚአብሔር ዝልኣኾ ዝልኣኽ፡ ተዛረብ ዝበሎ ዝዛረብ መንፈስ እግዚአብሔር ዝሓደሮ ማለት እዩ። እግዚአብሔር ምስኡ ዝኾነ ድማ ዝተሠወረ ምሥጢራት ንምርኣይ ይበቅዕ።
4.ቅዱሳን ነቢያት ባሮት ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ። ብዛዕባዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና “እግዚአብሔር ከኣ ከምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቡ ንይሁዳ ምእንቲ ኸትፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ። ይብል። 2ነገ.24፡2)1
እዞም ነቢያት ድማ ብብዙሕ መልክዕን ኣምሳልን ምስ እግዚአብሔር ዝተዘራረቡን፡ ንእግዚአብሔር ዝረኣይዎን እዮም።
“እስመ በአንጽሖ መንፈስ ርእይዎ ነቢያት ለእግዚአብሔር ወተናጸሩ ገጽ በገጽ ፡ከመይ ነብያት ብንጽሕና ልቢ ንእግዚአብሔር ፊት ንፊት ርእዮም እዮም፡ ከምዝብ ቅዳሴ ማርያም)
***ነቢያት አፈ እግዚአብሔር ተባሂሎም ይጽውዑ***
ብዛዕባዚ ነቢይ ኤርምያስ ከምዚ ይብል፦
እግዚአብዝሔር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚአብዝሔር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ “ኣፍካ” ኤንብር ኣሎኹ፡ ፡ኤር.1፡9 እግዚአብሔር ንነቢይ ኤርምያስ ቃሉ ኣብ ኣፉ ምስ ኣንበረሉ ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣፍ ኮይኑ ይንበ ነይሩ።
ነቢይ ኢሳይያስ ውን ብተመሳሳሊ
” ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚአብሔር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም።፡ኢሳ.1፡19-20፡ ይብል።
ኣፍ እግዚአብሔር ተዛሪባ ዝበሎ ዘሎ ነቢይ እግዚአብሔር ተዛሪቡ ማለቱ እዩ። ምኽንያቱ ነቢያት እግዚአብሔር ብዝኅደረሎም መንፈሰ ትንቢት ተመሪሖም ንህዝቢ ይምህሩ፡ ይምዕዱ፡ ይግሥጹ ስለዝነበሩ።
ኣባ ጊዮርጊስ ድማ ኣብ መጽሓፈ ሰዓታት
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር “ዘበነቢያት አስተንፈሰ ከመ ያስምዕ ቃሉ ለሕዝብ” ፡ ቅዱስ እግአብሔር ቃሉ ንሕዝቡ ምእንቲ ከስምዕ ብነብያት ኣስተንፈሰ፡ተዛረበ፡ ይብለና። ስለዚ እግዚአብሔር ክዛረብ ከሎ ብነቢያት ገይሩ ይዛረብ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ቅዱሳን ነቢያት አፍ እግዚአብሔር ተባሂሎም ይጽውዑ።
ነቢያት፦ ቀደምት ነቢያ፡ ደሓርቲ ነቢያት፡ ተባሂሎም ይጽውዑ ።ቀደምት ዝብሃሉ ካብ አብርሃም ክሳብ ኤልሳዕ ዘለዉ።
ድኃርቲ ነቢያት ካብ ኢሳይያስ ክሳብ ምልክያስ ዘለዉ
ነቢያት ናይ ቃል ነቢያትን ናይ ጽሑፍ ነቢያትን ተባሂሎም ይኽፈሉ። ናይ ቃል ነቢያት ዝብሃሉ ከም ኤልያስ ኤልሳዕ፡ ጋድ፡ ናታን ዝኣመሰሉ እዮም።
ኣብ ኩሉ ዘመን እኳ ነቢያት እንተነበሩ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ዝተዛረቡ ዓሠርተው ሽዱሽተ ቅዱሳን ነቢያት እዮም። እዚኦም ድማ ብናይ ቤተክርስቲያን ኣስተምህሮ ኣብ ክልተ ይኽፈሉ።
እቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ነቢያት ክብሃሉ ኸለዉ፡ እቶም ዓሠርተው ክልተ ድማ ደቂቀ(ንኣሽተ) ነቢያት ተባሂሎም ይጽውዑ።
ዓበቲ ነቢያት ንኣሽቱ ነቢያት ዝተባህልሉ ምኽንያት ብዕድመ ወይ ብቅድስና ዘይኮነ ብዝጸሓፍዎ ብዝሒ ናይ ትንቢት መጽሓፍ እዩ። እምበር ብቅድስና ኩሎም ቅዱሳን እዮም።
**ብዝርዝር ንምርኣይ ዓበይቲ ነቢያት ዝብሃሉ፡–
1.ነቢይ ኢሰይያስ ፦ ቅቡዕ እምቅባእ ትንቢት” (ካብ ቅብኣ ትንቢት ዝተቐብአ) ማለት እዩ ከምኡውን ኢሳይያስ ማለት መድኃኒት ማለት እዩ።
2.ቅዱስ ነቢይ ኤርምያስ ፡- ኤርምያስ ብርሃን ማለት እዩ። ከምኡውን ዝተፈነወ እምኀበ እግዚአብሔር፥ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእኸ ማለት እዩ።
- ነቢይ ሕዝቅኤል
- ፦ ናይ ስሙ ትርጉም ጽንዑ ጽንዐ ኣምላኽ ማለት እዩ። (እግዚኣብሔር ብርተዐ ይህብ ማለት እዩ)
- ነቢይ ዳንኤል ፦ ዳንኤል ፍትሐ እግዚአብሔር እግዚአብሔር ዳኛ ማለት እዩ።
**ደቂቀ ነቢያት ዝብሃሉ ስሞምን ትርጉሙን**
- ነቢይ ሆሴዕ ፦ ሆሴዕ ማለት መድኃኒት ማለት እዩ።
- ነቢይ ኣሞጽ ፦ ኣሞጽ ማለት ብእግዚአብሔር ዝጸንዐ ማለት እዩ።
- ነቢይ ሚክያስ፦ ሚክያስ ማለት መኑ ከማከ፡ መን ከማኻ መን ከም እግዚአብሔር ማለት እዩ።
4.ነቢይ ኢዩኤል፦ ኢዩኤል ማለት ኅሩየ እግዚአብሔር፡ እግዚአብሔር ዝመረጾ፡ ማለት እዩ።
5.ነቢይ ኣብድዩ፦ ኣብድዩ ማለት ገብረ እግዚአብሔር፡ እግዚአብሔር ሥራሕ ይሰርሕ ማለት እዩ።
6.ነቢይ ዮናስ ፦ ዮናስ ማለት ርግብ፡ ለዋህ ማለት እዩ።
- ነቢይ ናሆም ፦ ናሆም ማለት ፈውዲ እግዚአብሔር፡ ናይ እግዚአብሔር ምድኃን ማለት እዩ።
8) ነቢይ እምባቆም ፦ እምባቆም ማለት ማእምር፡ ለባዊ፡ ነባቢ፡ ፈላጥ፡ መስተውዓሊ፡ ከምእይውን ዝሓቁፍ ማለት እዩ።
- ነቢይ ሶፎንያስ ፦ ሶፎንያስ ማለት ስፋን (ሰፋኒ) ቀዳሲ ማለት እዩ።
10.ነቢይ ሐጌ፦ ሐጌ ማለት ነቢይ፡ መልአከ እግዚአብሔር፡ ከምኡውን በዓል (ደስታ) ማለ እዩ።
- ነቢይ ዘካርያስ፦ ዘካርያስ ማለት ዝክረ እግዚአብሔር (ዝኽሪ እግዚአብሔር) እግዚአብሔር ይዝክር ማለት እዩ።
- ነቢይ ሚልክያስ ፦ ሚልክያስ ማለት መልኣኽ፡ ልኡኽ ከምኡውን ሓዋርያ ማለት እዩ።
***ነቢያት ብቦታ ኣብ ክልተ ይኽፈሉ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ነቢያት
ብቦታ ናይ ይሁዳ ነቢያት፡
ናይ ሰማርያ ነቢያት ተባሂሎም ይጽውዑ።
ናይ ይሁዳ ነቢያት ዝብሃሉ ከም እኒ ነቢይ ኢሳይያስ፡ ኤርምያስ ዝበሉ እዮም።
ናይ ሰሜን እስራኤል ወይ ናይ ሰማርያ ነቢያት ድማ ከም እኒ ኤልያስ ኤልሳዕ፡ አብድዩ፡ ዮናስ ዝበሉ እዮም።
***ነቢያት ብጊዜ ኣብ ሠለስተ ይኽፈሉ
ነቢያት ብጊዜ፡ ቅድሚ ምርኮ ማለት እስራኤላውያን ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ቅድሚ ምኻዶም ዝነበሩ ነቢያት። ኣብ ጊዜ ምርኮ (እስራኤል ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ወረዱ ዝነበሩ ነቢያት)
ድሕሪ ምርኮ ካብ ምርኮ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሱ ዝነበሩ ነቢያት ኢልና ክንከፍሎም ንኽእል።
እቶም ቅድሚ ምርኮ ዝነበሩ ነቢያት ነቲ ኣብ ምቾት ናብራ ኮይኑ እግዚአብሔር ምግልጋል ገዲፉ ናብ ጣዖት ዝኸይድ ዝነበረ ግዝብን ነገሥታትን መጠንቀቕታን ተግሣጽን ዝህቡ ዝነበሩ እዮም። ስለዚ ሕዝቢ እስራኤል ትምህርቶም ክሰምዕ ስለዘይከኣለ ኣብ ምርኮ ወደቐ።
እቶም ኣብ ጊዜ ምርኮ ዝነበሩ ነቢያት ድማ ሕዝቢ ምርኮ በርቲዕዎ ተስፋ ንኸይቆርጽ ናብ ኢየሩሳሌም ዝምለሰሉ ጊዜ ከም ዘሎ ንምንጋር ናይ ምጽንናዕ ትምህርቲ ዝህቡ ዝነበሩ እዮም።
ድኅሪ ምርኮ ዝነበሩ ነቢያት ድማ ዝሓንጹ እቲ ዝዓነወ ቤተ መቕደስ እግዚአብሔር ንኽሕነጽ ንሕዝቢ ዘበረታትዑ እዮም።
እምበኣር ታሪኽ ቅዱሳን ነቢያትን ኣገልግሎቶምን ሰፊሕ እኮ እንተኾነ ብሓጺር ስሞም ንዝካር ግና ቤተክርስቲያን ብስሞም ‹‹ጾመ ነቢያት›› ኢላ ዓመት ዓመት ዝጽወም ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ገይራ ሠርዓቶ ትርከብ።
***ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢት ብሓዝር፡–
እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ንምድኃን ሥጋ ሰብ ስለ ምልባሱ፡ ናብ ግብጺ ምስዳዱ። ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ምጥማቕ። ብብርሃን ዝኾነ ትምህርቱ ነቲ ጸልማት ዓለም ምብርሁ፡ ንድኅነት ወዲ ሰብ ዝተፈላለየ መከራ ምቕባሉ፡ ብዛዕባ ስቕለቱ፡ ብዛዕባ ሞቱ፡ ትንሣኤኡ፡ ስለ ዕርገቱን ዳግም ምጽኣቱን፡ እቶም በብዘመን ዝተንሥኡ ቅዱሳን ነቢያት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ትንቢት ተነቢዮም እዮም። ትንቢቶም ኣኺሉ ፍጻሚኡ ንምርኣይ ድማ፡ ‘አንሥእ ኃይለከ ፈኑ እዴከ፡ ሓይልኻ ኣልዕል። “ኢድካ ስደድ”፡ እናበሉ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ጊዜ ንምርኣይ፡ ብመዓልትን ሰሙናትን ኣዋርኅን ዓመታትን ሱባኤ እናቘጸሩ ዝጽበዩ ዝነበሩ እዮም። እዚ ሕጂ እንጾሞ ዘሎና ጾም፡ እምበኣር ናይቶም እግዚአብሔር ሰብ ኮይኑ ንኽውለድ ዝጽበዩ ዝመነሩ፡ ነቢያትን ጸሎትን ትንቢትን ብልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጻሜ ዝረኸበሉ ወቕቲ ስለዝኾነ ‹‹ጾመ ነቢያት (ናይ ነቢያት ጾም) ›› እናበልና ንጽውዖ።
ነዚ ኸኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ
“እምበኣር ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን። ዝበለ (ኤፌ.2፡19-20)
ስለዚ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እምነታን ሥርዓታን ኣብ እምነት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተመሥረተት ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝተሓንጸት ዘልኣለማዊትን ኣጽናፋዊትን ቤተክርስቲያን እያ።
በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱሳን ነቢያት ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስትያን ይኹን።
ስብሃት ለእግዚኣብሄር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment


