“ቅድስት ጲላግያ”
ቅድስት ዺላግያ ሃገራ ኣንጾክያ ኮይኑ ካብ ክሓድን (ዘይኣመንቲ) ዝተወልደት ኢያ። ንሳ ኣቀዲማ ኣብ ብዙሕ ሓጢኣት ትነብር ዝነበረት ኮይና ሓደ መዓልቲ ግና ጳውሎስ ዝተባህለ ጳጳስ ብዛዕባ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ሲኦልን መንግስተ ሰማይን ክምህሩ ሰሚዓ ብግቡእ ተስተውዕል ነበረት እግዚአብሔር ከኣ ልባ ከፈተላ’ሞ፡ ካብቲ ዝነበረቶ ህይወት መገዲ ሓጢኣት ክትምለስ ወሰነት። ዘይተጠምቐት ስለ ዝጸንሐት ከኣ ተጠሚቓ ንስሓ ኣትያ ብጾምን ጸሎትን ንእግዚኣብሔር ተስምር ኮነት።
ቅድስት ዺላግያ ብብዙሕ ገድሊ እናተጋደለት ካብ ቅዱሳን ቦታታት (ኢዮርሳሌም) ተሳሊማ በረኸት ንምክፋል ከይዳ በረኸት ተካፊላ፡ ኣብ ከባቢ ኢዮርሳሌም ዝርከብ ገዳም ምንኩስና ኣትያ ብምንኩስና ን30 ዓመት እናተጋደለት ብቅድስና ጸኒሓ በዚ ዕለት እዚ ዓረፈት።
በረኸታ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።
"ቅድስት ጲላግያ"

