በዓለ ዕርገት  ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

በዓለ ዕርገት  ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

በዓለ ዕርገት  ናይ ይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

   ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ብሥዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋ ታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሣኤ ኣብ 40 መዓልቲ፤ ደብረ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ፤ ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብሥጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምሥጢርን ሥርዓትን ሓዲሳዊት ቤተ ክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ 40 መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዝልእኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኡውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ።

ዕርገቱ ድማ ኵሉ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናይ ዓወት እዩ ነይሩ።

 

በዛ ቅድስት ዕለት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንቅዱሳን ሓዋርያት ክሳዕ ቢታንያ ወሲዱ ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም፡በዚ ሰዓት እዚ ካብ ማእከሎም ተፈልዩ ናብ ሰማይ ዓረገ (ግ.ሓዋ 1፡9-11, ሉቃ 24፡50-51) ።

 

ናይ ጐይታና ዕርገት ከም ናይ በዓል ነቢይ ኤልያስ ዕርገት ኣይነበረን ።ንሳቶም ብሓይልን ስልጣንን ናይ እግዚኣብሔር እዩም ዝዓረጉ ፡ንሱ ግና ብናቱ ፡ብገዛእ ስልጣኑ እዩ ዝዓረግ።ነዚ ኣመልኪቱ  ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ

“ዐርገ እግዚኣብሔር  በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርነ ዘምሩ ለኣምላክነ ዘምሩ”

“ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ ፣መለኸት ዓረገ ዘምሩ ምስጋና ንኣምላኽ ዘምሩ” (መዝሙር46/47፡5) ብምባል ስለ ዕርገት  ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተነብዩ እዩ። እዚ ኻኣ ኣምላኻና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንሱ እቲ ዝዓረገ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ፡ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ከም  ዝኾነ ብናይ ትንቢት መነጽር ገሊጹ እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ ” ክብል ዝመስከሮ  እውን ነዚ እዩ ( ማቴ16፡15) ።

እንሆ ከምቲ ጸረ ተዋሕዶ ዝኾኑ ዝብልዎ፡ ክርስቶስ  ፈጣሪ እምበር ፍጡር ኣይኮነን። ቅዱስ ዳዊት ከም ዝገለጾ ፡ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት  ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖ እውን  ንሱ እዩ። እምበርከስ ንድሕነት ዓለም ክብል ስጋና ዝለበሰ ፡ባህርና ገንዘቡ ዝገበረ ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጎደሎ ነገር የለን ብተዋሕዶ ድኣ ምስ ስጋ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ኮነ። በዚ ኸኣ ኣብ ኣደባባያት ቀረናዮ ተሰቒሉ ፍጹም ድሕነት ሃበና።

ብዝተወሃሃዶ ስጋ ካኣ ናብ ሰማይ ዓረገ።  ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ዝገለጽዎ፡ነቢያት ከም ዝተነበይዎ ፡ባዕሉ ክርስቶስ እውን ከም ዝተዛረቦ ካኣ ፡ከምቲ ክዓርግ ከሎ ብተዋህዶ ዝዓረገ ፡ኣብ መጨረሽታ እውን ክፈርደና ብግርማ መለኮቱ ብክበበ ትስብእቱ ክመጽእ እዩ (ግ.ሓዋ 1፡9-11, መዝ 110፡1, ማቴ 24፡30, ማቴ 26፡64)።

ስለዚ  ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ኢና ክንጸንሕ ዝግብኣና፧  እምበኣር ዘመኑ ናይ ፈተና ዘመን፡ ፍትወት ስጋ ዝብርትዓሉ፡ ብዙሓት ሰባት ንኽብሪ ርእሶም  ዝቖምሉ፡ ሰይጣን ብረቂቕ ሜላ ኣሲሩ ሰባት ካብ ሃይማኖትን ምግባር ሰናይን ዝወጽሉ ዘለዉ ሰዓትን ግዜን ስለ ዝኾነ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግባኣና እዩ። ሓዋርያት ክዓርግ ከሎ ዝረኣይዎ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም— ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ መጨረሽታ ሰዓት ክመጽእ እዩ። እንተ ኾነ ከምቲ ክውለድ ከሎ ብትሕትና ዝመጾ ኣይኮነን። ንሓጥኣንን ንጻድቃን ዝፈላልየሉ፡ ስርናይ ናብ ቆፍኡ ሓሰር ናብ ሓዊ ዘእትወሉ ግዜ እዩ (መዝ50፡2-6, ማቴ13፡24-43, ማቴ 25፡31-46)። እምበኣርከስ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ከይንሓፍር ፡ኣብቲ ናይ ዘልኣለማዊ ሞት እውን ከይንሽመም ካብ ሕጂ መገድና ነዐሪ፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ንረኸብ፡ እዚ ክንገብር ኣምላኽና እግዚኣብሔር ብጸግኡ ይሓግዘና።ኣሜን።

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጸሎትን በረኸትን ሎምን ንዘልኣለምን ካባና ኣይፈለ።ኣሜን።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

Leave a comment

Send a Comment