በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
ባሕሪ ገሊላ ከባቢኡን
እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብ ኩሉ ዘሎ፡ ቦታን ስፍራን ዘይውስንዎ፡ እንታይ ደአ ንዓለማት ዝፈጠሮምን ዝውስኖምን ንሱ ባዕሉ ንበይኑ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። እግዚአብሔር ምሉእ በኩለሄ (ኣብ ኩሉ ቦታ ዘሎ) ከም ምዃኑ ኣብዚ ቦታ’ዚ ይርከብ እዩ፡ ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ግና ኣይርከብን ኣይብሃልን።
ቅዱሳን መከናት ምፍላጥ ኣባኡ ኬድካ ምስላም ብዙኅ ጥቕሚ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ቦታ እግዚአብሔር ድንቂ ዝኾነ ሥራሕ ዝሠርሓሉን ዝተገለጸሉን እንተ ኾይኑ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ምስተረኸብና ንሕልናና ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ብግቡእ ስለዘዘኻኽረና እዩ። እዚ ነቲ ኣብቲ ቦታ ዚተፈጸመ ታሪኽ ብዓይኒ ከም ምርኣይ ብኢድ ከም ምድህሳስ ኮይኑ ነቲ ዝነበረ ነገር ብቐረባ ብጉሉሕ የርእየና፡ እዚ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ኪሥራሕ ከሎ ብኣካል ከም ዝነበርና ኮይኑ ንኽስመዓና ይኅግዘና። ንነፍስና ንድኅሪት መሊስና ነቲ ዝተፈጸመ ፍጻሜ ክፍጸም ከሎ ዚነበረ ነገር ከም እንዝክሮ ይገብረና፡ ኅልናና ይምሰጥን። ንኣብነት፥ እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ኣብቲ ብሓውን ብነበልባልን ብጸልማትን ደመናን ብጣቓን ዝተገለጸሉን ዓሠርተ ቃላትን ጽላትን ሕጊ ኣብ ዝሃበሉ ኣብ እምባ ሲና ዝኸደ ሰብ ኣብቲ ዘመን እቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ ነገር ብዓይነ ኅልና ይርእይ፡ ኪግለጽ ዘይክእል ፍሉይ ስምዒት ድማ ይስምዖ። ቅዱሳን ጻድቃንን ሰማዕታትን ዚነበርሉን፡ ዝተጋደልሉን፡ ንፈጣሪኦም ዘገልገልሉን ትሩፋቶም ዝፈጸምሎምን ቦታታት ምስ ረኣና ናይ ዘመን ርሕቀት ከይ ዓገተና ብናይ ኅልና መነጸር ነቲ ርሑቕ ኣቕሪብና ሥርሖምን ሕይወቶምን ኩሉ ኣብ ቅድሜና ንኽንርእዮ እቲ ቦታታት ይኅግዘና። እቲ ቦታ ቅዱሳን ብኪደተ እግሮም ዝባረኽዎ፡ ናይ ትሩፋት ረሃጾም ዝነጠቦ፡ ብዙኅ ሥራሕ ዝሠርሕሉ፡ ብጸሎቶምን ብጾሞምን ዝቐደስዎ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዓጽሞም ዝዓረፈሉ ቦታ ስለዝኾነ ብዙኅ በረኸት ኣለዎ። ካብዚ ንላዕሊውን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንኣገልገልቱ ንምብርታዕን ንምጽንናዕ ዝመጸሉ፡ ከምቲ ክርቶስ ድኅሪ ትንሣኤ ንሓዋርያት ዝተገልጸሎም፡ ከምኡ ዝገለጸሉ ቦታ እዩ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንዕርገተ ጸሎት፡ ንሓለዋን ንረዲአትን ዝወርድሉን ዝድይብሉን ቦታ እዩ።ከምኡውን እግዚአብሔር ኣብዚ ናይዚ ዓለም እዚ ሕይወት ውረድ ደይብን ፈተናን ዝዕወቱ ድኃር ዝረኽብዎ ናይ ክብሪ ኣኽሊል ዕርቡን ዝኾነ ጸጋኡን ክብሩን ዝዕድለሉን ስለዝኾነ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ቦታ እግዚአብሔር ሥርሑ ዚሠርሓሉን ብጸጋ ዘይፍለዮ ቅዱስ ቦታ እዩ።
እዚ ክኸውን ከሎ፡ ካብዚ ቀጺልና እንርዮ እምበኣር ባዕሉ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋእለ ስብከቱ፡ ብኪደተ እግሩ ዝባረኮን ወንጌል ዝመሃረሉን ተአምራት ዝፈጸመሉን ቦታታት፡ ባሕሪ ገሊላን ከባቢኡን ክንርኢ ኢና።
1.ባሕሪ ገሊላ
ባሕሪ ገሊላ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ካብ ዘለዉ ቅዱሳን ቦታታት ኮይኑ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኪደተ እግሩ እንዳተመላለሰ ዝመሃረሉን ብዙኅ ተኣምራት ዝገበረሉን ቦታ እዩ። ባሕሪ ገሊላ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ጌንሳሬጥ፡ ተባሂሉ ውን ዝጽዋዕ ኮይኑ ብቅፍርናሆም፡ጥብርያዶስ፡ ጌርጌሴኖን፡ ጌንሰሬጥ ዝተባህላ ከተማታት ዝተኸበ እዩ። ባሕሪ ገሊላ ኣቐዲሙ ኪኔሬት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ (ዘኁ34፡11)። እንተኾነ ግን ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንቄሳር ጢባርዮስ መዘከርታ ኢሉ ንንእሽቶ ከተማ ድኅሪ ምሥርሑ ነታ ዝሠርሓ ከተማ ወሲኹ ጥብርያዶስ ኢሉ ሰመያ። በዚ ስም እዚ ከኣ እቲ ባሕሪ ጥብርያዶስ ተባሂሉ ተጸውዐ።
ባሕሪ ገሊላ 25 ኪ.ሜ. ንውሓት፡ 12ኪ.ሜ ስፍሓት ክህልዎ ከሎ 212 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ድማ እዩ። እቲ ዝዓሞቐ ክፋል ናይቲ ባሕሪ ግና ክሳዕ 25 4ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ይበጽሕ።
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ቦታ’ዚ ብዙኅ ትምህርቲ ምሂሩ ኣዝዩ ድንቂ ዝኾነ ተኣምራት ውን ፈጺሙ እዩ። ካብቲ ብዙኅ ዝተፈጸመ ፍጻሜታት፡ ዝገበሮም ተኣምራትን ንምጥቃስ፦
2.ጐይታ ሕብስትን ዓሳን ዘበርከተሉ ቦታ ;-
እዚ ቦታ እዚ ካብ ዓንቀጸ ብፁዓን ንታሕቲ ናይ ውሑድ ደቓይቕ ተጓዒዝካ ዝርከብ ቦታ እዩ። ኣብ መንጎ ዓንቀጸ ብፁዓንን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያንን ከኣ ተደኲኑ ይርከብ።ኣብቲ ቀንዲ መስመር ጽርግያ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን ዘእቱ ቦታ ምስ ባሕሪ ለጊቡ ዘሎ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃሙሽተ ሕብስትን ክልተ ዓሳን ንኃመሽተ ሽሕ ሰብኡት ብዘይ ቆልዑን ኣንስትን ብበረኸት ኣጽጊቡ ዓሠርተ ክልተ ሞሶብ ከም ዝለዓል ዝገበረሉ ስፍራ እዩ. ማር 6፡36, ማቴ14፡13, ዮሓ6፡1-14።
3.ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት፦
ካብ ቅፍርናሆም ናይ ውሑድ ደቓይቕ ናብ ገምገም ባሕሪ ተጓዒዝካ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዋንነቱ ናይ ግሪኽ እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙኅ ጊዜ ምሂሩ እዩ።ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ዝወዓሉ ውዒሎም ዝኃድርሉን ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕዝቢ ኣኪቡ ዝምህረሉ ዝነበረ ስፍራ’ውን እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ቤተ ክርስቲያን 12 መስቀል ኣሎ፡ ኣብ ውሽጢ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝገበሮም ተኣምራትን ዝመሃሮም ትምህርታትን ብኣዝዮም ውቁባት ዝኾነ ኣሣዕል ተሰኒዶም ይርከቡ።
- ዓንቀጸ ብፁዓን፦ እዚ ቦታ’ዚ ዓንቀጸ ብፁዓን ተባሂሉ ዝተጸውዓሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ በሪኽ ቦታ’ዚ ኮይኑ ብዛዕባ “ዓንቀጸ ብፁዓን” ስለ ዝመሃሮም እዩ። (ማቴ 5፡1-12) ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ዝተጠቕሳ ብፅዕና ዘውህበና ነጥብታት፦
፠ “ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ዝኃዝኑ ምጽንናዕ ክረኽቡ ኢዮም እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ለዋሃት ንምድሪ ክወርስዋ ኢዮም እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ምእንቲ ጽድቂ ዝጠምእዩን ዝጸምኡን ክጸግቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ንጹሓት ልቢ ንኣምላኽ ክርእይዎ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እዮም”
፠ “ምእንታይ እንተ ጸረፍኹምን እንተሰጐጉኹምን ኩሉ ብሓሶት ዘበለ እንተ ተዛረብልኩም ብፁዓን እኹም። ከምኡ ከኣ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ኣሳዲደምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙኅ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፡ ባህ’ውን ይበልኩም”።
ኣብዚ ቦታ’ዚ ደይብካ ነቲ ሰፊሕ ባሕሪ ገሊላን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ቦታታትን ትዕዘብ። ምስ ዘለዎ ኣቃውማን ተፈጥራኣዊ ጽባቐን ከኣ ዝያዳ ባህታ ይፈጥረልካ። እዚ ቦታ እዚ ካብቲ ጐይታ ብኃሙሽተ ሕብስትን ክልተ ዓሳን ኣበርኪቱ ንኃሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ዝመገበሉ ብእግሪ ናይ ቅሩብ ደቓይቕ ተጓዒዝካ ዝርከብ ቦታ እዩ። ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለየ ሥዕልታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ኣብ ደገ (ቀጽሪ) ድማ ብዛዕባ እቲ ጐይታ ዝመሃሮ ትምህርቲ(ዓንቀጸ ብፁዓን) ተጻሒፉን ኣብ እምኒ ተቐሪጹን ንረኽቦ።
ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን
እዚ ቦታ’ዚ ኣብ ከውሒ ዝተነድቀ ኣቐዲሙ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቂሣርያ ዓዲ ናይ ሓዋርያ ፍሊጶስ፡ ዝተዛረቦ ቃል ዘመልክት እዩ።(ማቴ16፡15) ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ
ጴጥሮስ “ተፍቅረኒ ዲኻ” ኢሉ ምስ ሓተቶ ቀጺሉ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ” ኢሉ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ድኅሪ ምሃቡ ሊቀ ሓዋርያት ገይሩ ብምሻም፡ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ዝሃቦ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነዚ ኅላፍነት እዚ ዝተቐበለ ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ። ነዚ ዝገልጽ ዝተቐርጸ ምስሊ ድማ ኣብ ፊት መእተዊ ናይቲ ቤተ ክስርስቲያን ተቐሚጡ ይርከብ)። (ዮሓ 21፡17
ተወሳኺ ካብቲ ብዙኅ ዝተፈጸመ ፍጻሜታት፦
ብእግሩ እና ረገጸ ብማየ ማይ ከደ። (ማቴ14፡22-33)
ምስ ደቂ መዛሙርቱ እንዳ ከደ ከሎ ነቲ ዝተላዕለ ማዕበል ኣህድኦ “እዚ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ መንኮን ይኸውን” ኢሎም ክሳዕ ዝግረሙ ኮኑ። (ማቴ8፡23-27)
ኣብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ እንሆ እቶም ቀረጽ ዘኽፍሉ ሰባት ንቅዱስ ሐዋርያ ጴጥሮስ “መምህርኩምሲ ግብሪዶ ኣይከፍልን እዩ” ኢሎም ሓተትዎ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ይኸፍል እባ ኢሉ መለሰሎም ብድኅሪዚ ጐይታ ናብቲ ባሕሪ ከይዱ ዓሳ ከም ዝሕዝን ኣብቲ ዓሳ ዝጸንሖ ክልተ አስታቴር ኣብ ክንዲ ክልቲኦም ማለት ሓደ ኣስታቴር ኣብ ክንዲ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደ ድማ ኣብ ክንዲ ጐይታ ከም ዝኽፈል ገበረ። (ማቴ17፡24-27)
ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.17
ብቤት ትምህርቲ ሰንበት #ቅድስት #ድንግል #ማርያም ቤተ ክርስቲያን #መድኃኔ ዓለም
ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል
Leave a comment





