ተጽዕኖ ማኅበራዊ መራኸቢታትን ሳዕቤናቱን
ትርጉም ማኅበራዊ መራኸቢታት (መራኸቢ ብዙኃን) ብክልተ ቃላት “መራኸቢ” ከምኡ ኸኣ “ብዙኃን” ዝብሉ ዝቖመ እዩ። እዚ ማለት ኸኣ “መራኸቢ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ እኩባት ሰባት ስፍሕ ዝበሉ ማኅበረ ሰባት፡ ሓሳባት ዝለዋወጥሉ ማለት እዩ። እቶም ሓበሬታ ዘለዎም ነቶም ሓበሬታ ዘይብሎም ከም መኣዲ ከም መራኸቢ ድልድል ኮይኑ ዘራኽብ ክኸውን ከሎ፡ “ብዙኃን” ዝብል ድማ ንብዙኃት ሰባት ዘራኽብ ዝብል ትርጉም ይህብ። ስለዚ ብጥቕልሉ ክትርጎም ከሎ መራኸቢ ብዙኃን ማለት ብዙኃት ዝራኸብሉ ፍልጠት ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ ማለት እዩ።
ድኅረባይታ ማኅበራዊ መራኸቢታት
ሰብ ክፍጠር ከሎ ማኅበራዊ ኮይኑ እዩ ተፈጠሩ፡ ሰብ በይኑ ኽነብር ጽቡቕ አይኮነን፡ እዩ ዝብለና ቃል መጽሓፍ ቅዱስ። ስለዚ እግዚአብሔር ንስኻ ንዓይ ኣነ ድማ ንዓኻ ተደጋጊፍና ብማኅበራዊ ክነብር እዩ ፈጢሩና።
ካብ ጥንቲ ደቂ ሰባት ብእኩብ ማኅበራዊ ናብራ ፈጢሮም፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ልምድታት ኣማዕቢሎም ብሓደ ክነብሩ ምስ ጀመሩ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣብ መንጎኦም እቲ ሓደ ዝፈልጦ፡ ነቲ ሓደ ዘይፈልጦ ሓበሬታ፡ ትምህርቲ፡ ሞያ ይለዋወጡ ነበሩ። እዚ ጥንታዊ ናይ ቃል መራኸቢ ሓበሬታ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ማዕቢሉ ብጽሑፍ ሓበሬታ ክመሓላለፍ ጀመረ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ከም ናይ መጀመርታ ካብ ናይ ቃል ሓበሬታ ናብ ስኑድ ንብዙኃት ሰባት ዝዝርጋሕ መራኸቢ ሓበሬታ ብጽሑፍን ብሥዕልን ዝተሰነደ ምኻኑ ይእመን። እዚ ኸኣ ኣብ ዚተፈላለእዩ ኣኻውሕን ካልእን ዝርከብ ኣሰር ጥንታዊ ታሪኻት ዝሰነዶ ሓቂ እዩ። ስለዚ ጽሑፍን ሥዕልን ከም ቀዳማይ ድኅረ ባይታ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ክጥቀስ ይኽእል።
ዘመናዊ ማኅበራዊ መራኸቢታት
ዘምናዊ ማኅበራዊ መራኸቢታት እንብሎ ብሠለስተ መገዲ ዝምኃላለፍ እዩ፥
1.ብሕትመት ማለት ብጽሑፍ ዝመሓላለፍ ሓበሬታ።
2.ብፈነወ ራድዮ ብድምጺ ጥራይ ዝመኃላለፍ ሓበሬታ።
3.ብምስልን ብድምጽን ዝመኃላለፍ ናይ ተሌቭዥን ሓበሬታ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ ዘሎ
ማኅበራዊ መራኸቢታት ካብቲ ዝጸንሐ ኣብ ሓጺር ጊዜ ብኣዝዩ ቅልጡፍን ዝማዕበለን ዝቀያየርን ጽልውኡ ብዕጽፍታት ሓደገኛ እናኾነ ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን እዩ።
እዚ ኤሎክትሮኒካዊ ማኅበራዊ መራኸቢ ኣብዚ ሰዓት እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ለውጢ ኣዝዩ ፍሉይ ንኽትገልጾ ዘሽግር እዩ። እዚ ኸኣ ንሕይወት ወዲ ሰብ ካብ ጥንታዊ ኣናባብራ ስድራቤታዊ ቤተሰባዊ ማኅበራዊ ኣነባብራ ዘርሕቕ ፍጹም ሡር በተኻዊ ዝኾነ ለውጢ ዘምጽአ፡ ፈጺሙ መቆጻጸሪ ዘይብሉ ኹሉ ናብራ ወዲ ሰብ ዝተተንከፈሉ ዘመን እዩ።
ኣጠቓቕማ ማኅበራዊ መራኸቢታት ከመይ እዩ እንተተባህለ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ማለት ሕትመት፡ ፈነወ ራድዮ፡ ተሌቭዥን ኣምቢብካ ሰሚዕካ ርኢኻ ሓበሬታ ተቐቢልካ ምኻድ ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ (Electronically) መራኸቢ (modern social media) ግና ኣሳታፊ (interactive) ማለት ንጽሓፍን ኣንባብን ንተዛራብን ሰማዒን ዘሳትፍ ስለዝኾነ ማኅበራዊ መራኸቢ መቆጻጸሪ ዘይብሉ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ ዝበጽሓሉ ዘመን እዩ።
“ጥቕሚ ማኅበራዊ መራኸቢታት”
ማኅበራዊ መራኸቢታት ብዙኅ ጥቕሚ እኳ እንተ ሃለዎ ብግቡእ እንተዘይ ተጠቒምናሉ ግና ብጣዕሚ ጎዳኢ እዩ። ገለ ካብቲ ብዙኅ ጥቕሙ እንተ ኢልና ሕይወት ወዲ ሰብ ንምቅላል ብቐሊል ሓበሬታ ፍልጠት ዓይነት ትምህርቲ ጠቕምቲ ነገራት ብቐሊል ብቕልጡፍ ጊዜ ንምርካብ ይኅግዝ።
ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝተጣፍኡ ቤተሰባት ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዝተናፋፈቑ ቤተ ዘመድ ብቐሊል ብድምጺ ብምስሊ ምርኻቡ ጽቡቕ እዩ።
ማኅበራዊ መራኸቢታት ሽግር ዘለዎም ሰባትውን ዝተሓጋገዝሉ እዩ፡ እዚውን ጽቡቕ ነገር እዩ፡
ማኅበራዊ መራኣከቢታት ቃል እግዚአብሔር ንምስማዕ ንምንባብ ንምምሃር ኣዝዩ ኃጋዝን ጠቓምን እዩ። ብዙኅት መጻሕፍቲ ብቐሊል ንምርካብ ኣዚዩ ኃጋዚ እዩ። ብንእሽቶ ኣብ ጁባ ትኣቱ ኤልክትሮኒካዊት መሣርሒት(smartphone) ተጠቒምካ ቤተ መጻሕፍቲ (Liberary) ተሰኪምካ ምኻድ ማለት እዩ። ከምኡውን ሓደ መምህር ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓንቲ ቦታ ኮይኑ ከም ሓዋርያት ናብ ኩሉ ዓለም ምዝዋር ከየድለዮ ኣብ ሓንቲ ሰዓት ንሚልዮናት ሕዝቢ ዓለም ቃል እግዚአብሔር ንዓለም ንኽሰብከሉ ዝሕግዝ ቀሊል መሣርሒ እዩ። እዝውን እቲ ጽቡቕ ጎኑ እዩ።
ነዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ኩሎም ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዕቱብ ብቕልጡፍ ምስቲ ዘመን ዝምጥን ሥራሕ ክሠርሑን ክጥቀምሉን ይግባእ።ከምዚ እንተዘይኮይኑ ማኅበራዊ መራኸቢታት ኩሉ ዓይነት ሕማቕ ትምህርቲ ዝመኃላለፈሉ ስለዝኾነ ነዚ ወለዶ ቅኑዕን ግጉይን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንምፍላይ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን እዩ።
ኣሉታዊ ጽልዋታት ማኅበራዊ መራኸቢታት
ማኅበራዊ መራኸቢታት ጉድኣቱን ጽልውኡን ብጣዕሚ ሰፊሕን ዓሚቑን እዩ። ኣብዚ ንሎሚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ እምበኣር እቲ ቀንዲ ጎዳኢ ጽልዋታቱ እዩ። ማኅበራዊ መራኸቢታት ንዓለም ፍጹም ዝለወጠ ንዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት ዝቐየረ ፍጹም ጸላዊ ዝኾነ ነገር እዩ። ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍና “ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ።(ያዕ.3፡5) ዝበሎ ልሳን ንማኅበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ ንዓለም ከም ዱር እተቃጽለሉ መሣርሒ እዩ።
ተጽዕኖ ማኅበራዊ ሚድያ እንታይ እዩ፧
ማኅበራዊ መራኸቢ ንስድራቤት ዝበታትን ነቲ ርሑቕ ዘሎ ኣቕሪቡ ነቲ ብኣካል ምስኡ ዘሎ ዘርሕቕ ንሕይወት ወዲ ሰብ ናብ ዘይጭበጥን ዘይክውንነታውን ዝቐየረ መሣርሒ እዩ። ጸገም ማኅበራዊ መራኸቢታት ጽልኢ ዝስፈሕፍሓሉ ምዃኑ እዩ።ንውልቀ ሰብ ንዓሌት ንቋንቋ ንሕዝብታት ብጸርፊ ዘለፋ ዓመጽ ዝስፍሕፍሓሉ መሣርሒ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ብጽልኢ ዘይተጠቕዐ ሰብ የለን ክብሃል ይክኣል። ዓሌታውነት ወገናውነት ተደጋጊሞም ብምዝርኦም በቚሎም ሰብ ክጎድኡ ኢና ንርእይ ዘሎና።
ሰብ ብሓደ ዝነብር እንተኾይኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክጋጮ ይኽእል እዩ። እዚ ምኽንያታዊ እዩ። ማኅበራዊ ሚድያ ግና ሰብ ብኣካል ከይተራኸበ ብርሑቕ ዘባእስ መሣርሒ እዩ።
1.ማኅበራዊ መራኸቢ ንቕኑዕ ኣረኣእያ ንቅኑዕ ሥነ ልቦናን ወሲዱ ንቄናን ኣተሓሳስባና ንኸነማዕብል ምኽንያት ዝኾነ ነገር እዩ። ሰባት ብኣካል ከይፈለጥናዮም ብዝሰማዕናዮ ጥራይ ጸላእትና ጌይና ኣቐሚጥናዮም ዘሎና ክንደይ ሰባት እዮም፧
ማኅበራዊ መኸራኽቢታ
ት ደፋራት ከምንኸውን ዝገበረ እዩ። ሰብ ኣብ ገዝኡ ዘይገብሮ ነገር ምስ ሰብ ኮይኑ ዘይዛረቦ ናይ ድፍረት ቃላት ኣብ ማኅበራዊ መራኸቢ ወጺኡ ብድፍረት ክዛረብ ይርአ።
ማኅበራዊ መራኸቢታት ነውሪ ሰባት ዘይሽፈነሉ መድረኽ እዩ። ክፋእካ ዘይሽፍን ንኽፉኣት ሰባት ዝያዳ ከምዝርኣዩን ከም ዝፍለጡን ዝገብር፡ ንቕኑዓት መምህራንን ሊቃውንትን ግን ዝሸፈነ መድረኽ እዩ።
2.ማኅበራዊ መራኸቢ መባኸኒ ጊዜ እዩ።
ማኅበራዊ መራኸቢ ጊዜ ከንቱ ዝገብር ዘሎ ነገር እዩ። ጊዜ እቲ ዝዓበየ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ብነጻ ዝሃበና ሃብቲ እዩ። ጊዜ ንሃብታም ንድኻን ብማዕረ ዝተዋህበ ሃብቲ እዩ። ጊዜ ዘለዓለማዊ ሕይወትና እንሓንጸሉ እዩ። ሰይጣን ግና ጊዜና ብከንቱ ብምጥፋእ ንዘለዓለም ምስኡ ከም ንነብር ይሠርሕ። ኣብ ኢድና ዘሎ ዘይንፈልጦ ግናኸ ሃብቲ ጊዜ እዩ። ምኽንያቱ ጊዜ ዘለዎ ሰብ ድኻ ኣይኮነን። ዕድመ ዝተዋህበ ሰብ ድኻ ኣይኮነን። ማኅበራዊ መራኸቢታት ግና መጥፍኢ ጊዜ እዩ።
- ማኅበራዊ መራኸቢ ክብሪ ሰብ ዝንወረሉ መድረኽ እዩ። ድኹማት ሰባት ንክቡራት ሰባት ብምጽራፍ ዝኸብሩን ዓበይቲ ዝኾኑ ስለዝመስሎም ክብሪ ሰብ መነወሪ ይጥቀምሉ።
4.ማኅበራዊ መራኸቢ ኩሉ ሰብ ጋዜጠኛ ዝኾነሉ መድረኽ እዩ። ባዕሉ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ ባዕሉ ፈራዲ ዝኾነሉ መድረኽ እዩ። በዚ ምኽንያት ብዙኃት አቦታት ጳጳሳት፡ ኣቦታት ካህናት ሰበ ሥልጣናት ብዙኃት ሊቃውንት ስሞም ዝጸለመሉ መድረኽ እዩ።
5.ማኅበራዊ መራኸቢታት ሰብ ክጽረፍ ከሎ ሚልዮናት ይሰምዕዎ ንሊቃውንት ቅኑዕ ትምህርቲ ዝምህሩ ዝሰምዕ ግና ኣዝዩ ወሑድ እዩ።
- ማኅበራዊ መራኸቢታት ወልፊ እዩ። ወልፊ ማለት ጊዜኻ ገንዘብካ ጉልበትካ ዝበልዕ ማለት እዩ። ማኅበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝስፍሕፋሕ መጽሓፍ ምንባብ ዝገደፎ ሰብ ቁጽሩ ብዙኅ እዩ። ኣብዚ ጊዜዚ ሰብ ሓንቲ መጽሓፍ ኣንቢቡ ንምውዳእ ክንደይ ብድሆታት እዩ ዘለዎ።
*ማኅበራዊ መራኸቢታት፥ መጽሓፍ ምንባብ ዝጸልእ ወለዶ ዝፈጠረ እዪ።
ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኅ ሓበሬታ ስለዘሎና ፍልጠት ከም ዘሎና ይመስለና፡ ነገር ግን ማኅበራዊ መራኸቢታት መእከቢ ሓበሬታ ጥራይ እዩ። ሓበሬታ ድማ ካብ ፍልጠት ዝተፈልየ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ማኅበራዊ ሚድያ ለፍላፊ ክገብረካ ይኽእል እዩ ፈላጥ ግና ኣይገብረካን እዩ።
7.ማኅበራዊ መራኸቢታት ሓደ ሰብ ሚልዮናት ገንዘብ ንምኽሳብ፡ ሚልዮናት ሰባት ዘኽስር እዩ። ሚልዮናት ከሲሮም ሓደ ዝኸስበሉ መድረኽ እዩ። ኣብነት ንሓደ ሰብ 10 ሸሕ ሰዓብቲ (friends) ክህልውዎ ይኽእሉ ኣብ ሽግሩ ግና ሓደኳ ዝቐርቦን ዝሕግዞን የለን። ምኽንያቱ ብኣካል ካባኻ ኣዝዮም ርሑቕ ዘለዉን ዘይጥፈልጦምን እዮም። ስለዚ ማኅበራዊ ሚድያ ንዕርክነትን ምቅርራብን መንፈስ ዘይጭበጥ ዝገበረ መድረኽ እዩ።
8.ማኅበራዊ መራኸቢታት ማኅበራዊ ምቅርራብ ዘጥፍእ ዘሎ መሳርሒ እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ካብ ኣብ ቀረብኡ ዘሎ ሰብ፡ ምስ ርሑቕ ዘለው ብማኅበራዊ ሚድያ ምርኻብ ይመረጽ። ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ወላዲ ምስ ውሉዱ ኣብ ሓደ ቤት እናነበሩ ከምዘይራኸቡ ዝገበረ እዩ። ስለዚ ማኅበራዊ ሚድያ ናይ ደቀሰብ ማኅበራዊ ምትእስሳር ዘፍርስ ዘሎ ባእታ እዩ።
ማኅብረዊ (ሕብረት) ዝብሃል ከባቢ 10 ሰባት ንላዕሊ ዝእከብሉ እዩ። ማኅበራዊ ሚድያ 10 ሸሕ ሰብ ብኣካል ዘይራኸቡ ዘራኽብ መድረኽ እዩ። ስለዚ ንማኅበራዊ ሕይወት ወድሰብ ዘይጭበጥ ዝገበረ እዩ።
ስሙ ማኅበራዊ እዩ። ተገባሩ ግና ማሕባራውነት (ሕብረት) ዘፍረሰ እዩ። ሰብ ክፍጠር ከሎ ማኅበራዊ ኮይኑ እዩ ተፈጢሩ።
ማሕበራውነት ዘፈረሰ ሕብረተሰብ ነፍሱ እዩ ዘጥፍእ። ምኽንያቱ ማሕበራውነት ዘይስምዖ ሰብ ንበይነይ እየ ዝብል ስምዒት ስለዝፈጥር ነፍሱ የጥፍእ።
ማሕበራውነት እንተኣጥፊእና ባዕልና ንባዕልና ኢና ጸላእቲ ነፍስና ንኸውን።
9.ማኅበራዊ መራኸቢ (social media) ናይ አፍ ምድግጋፍ ዝበዝኃሉ ብኣካል ዘይኅገዘሉ መደረኽ እዩ። ሰብ ጸገም እንተገጢምዎ እንተሓሚሙ …ውዘተ ብshare ብlike ዝብሃሉ ዘይጭበጡ ነገራት ኢኻ ትበጽሖ። እንተ ሞተውን ኣብ ማኅበራዊ ሚድያ ኢኻ ትበጽሖምን ተጸናንዖን።
ብሓፈሻ ማኅበራዊ ሚድያ ነቲ ተጨባጢ ሕይወት ወድሰብ ዘይጭበጥ መንፈስ ዝገብር እዩ። ንሽጉር ንሕሙም ንድኻ ካብ ብኣካል ብshare ብlike ስለትበጽሖ። ዘይጭበት ሕይወት ከምንመርሕ ዝገብር ዘሎ እዩ።
ማኅበራዊ መራኸቢታት (social media) ቤተ ሰባዊ ዝምድና ዝፈታተን እዩ። ሎሚ ኩሉ ሰብ ብሓደ እናነበረ ኩሉ ሰብ ተቴሌፎኑ ኂዙ ነቲ ምስኡ ዘሎ ገዲፉ ምስ ርሑቕ ዘሎ እዩ ዘዕልል። ደቅና ብኣካል ምሳና ኣለው ግና ምሳና የለውን። ደቅና ካብ ምሳና ክጻወቱ ምስ ተሌፎን ክጻወቱ ይመርጹ። ስለዝኾነ ማኅበራዊ መራኸቢ ቤተሰባዊ ዝምድና ዘፍርስ ዘሎ መሳርሒ እዩ።
ጥንቃቐ ኣብ ኣጠቓቕማ ማኅበራዊ መራኸቢታት
ነዞም መድረኻት ብኣ
ወንታዊ መገዲ ንምጥቃም ዝሕግዙ ነጥብታት ንመልከት ፦
- ዕላማኻ ምፍላጥ
ቅድሚ ዝኾነ ናብ ማኅበራዊ መራኸቢታት ምእታውካ፡ “ስለምንታይ እየ ዝጥቀመሉ ዘለኹ?” ዝብል ሕቶ ንርእስኻ ሕተት።
መዘናግዒ: ንሓጺር ጊዜ ንምዝንጋዕ።ትምህርቲ: ሓደ ሓድሽ ክእለት ንምቕሳም። ርክብ: ምስ ፈተውትን ቤተሰብን ንምርኻብ፧ ምኽንያቱ ምኽሪ: ዕላማ ዘይብሉ ምጥቃም ንኣእምሮ ዘድክሞን ጊዜ የባኽንን ስለዝኾነ።
2. ንጊዜኻ ምቁጽጻር
መራኸቢ ብዙኃን ከም “ጸልማት ጉድጓድ” እዩ፤ ሓንሳብ ምስ ኣቶኻ ጊዜ ብኸመይ ከም ዝኃለፈ ኣይፍለጥን እዩ።
ደረት ጊዜ ኣውፅእ: ኣብ መዓልቲ ክንደይ ደቓይቕ ወይ ሰዓታት ክትጥቀም ከም ዘለካ ወስን።
3. እትከታተሎም ሰባት መልእኸታት ምምራጽ እቲ ኣብ ስክሪንካ ዝመጽእ ሓበሬታ ንስምዒትካን ኣተሓሳስባኻን ኣዝዩ ይጸልዎ እዩ።
ኣወንታዊ ኣርእስቲ ንመንፈሳውነትካ ዘይጎድኡ : ተስፋ ዝህቡ፣ ዘምህሩን ዘተባብዑን ገጻት ተኸታተል።
ኣሉታዊነት ዝፈጥሩ ገጻት ማኅበራዊ መራኸቢታት ኣወግድ: ጭንቀት ዝፈጥሩልካ፣ ዘየተኣማምን ወረታት ዝዝርግሑ ወይ ትሕቲ ዓቐን ከም ዝስምዓካ ዝገብሩ ሰባት “Unfollow” ወይ “Mute” ግበሮም።
- ምስ ካልኦት ንርእስኻ ካብ ምውድዳር ተዓቀብ መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ማኅበራዊ ሚድያ ዝበለጸ ክፋል ሕይወቱ ጥራይ እዩ ዘርእየና።
ሓቂ ኣስተውዕል: ሰባት ሕጉስ ገጾም ጥራይ እምበር ስቓዮምን ብድሆታቶምን ኣይዝርግሑን እዮም።
ሃሳዪ ዘይኮነ ኣወንታዊ ርእይቶታት ሃብ። ጠቓሚ ሓበሬታታት ምስ ካልኦት ተኻፈል።
”መራኸቢ ብዙኃን ንዓኻ ከገልግሉኻ እምበር፡ ንስኻ ንዓታቶም ባርያ ክትኸውን የብልካን።”
ነዚ ሳዕቤናት ማኅበራዊ መራኸቢታት ብምርዳእ ብምስትውዓል ክንጥቀመሉ እግዚአብሔር ይኃግዘና
ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.17
ብቤት ትምህርቲ ሰንበት #ቅድስት #ድንግል #ማርያም ቤተ ክርስቲያን #መድኃኔ ዓለም
ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል
Leave a comment


