ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 2ይ ክፋል
ኣብ ኤርትራ እምነተ ኦሪትን ኣምልኮተ እጊዜአብሔርን ኣቀዲሙ ብብዙኅ መገዲ ኣትዩን ኣስፋሕፊሑን ብምጽንሑ፡ ክርስትና ከም መፈጸምታ ትንቢት ነቢያትን፡ ብሥራት ሐዲስን፡ መጻሕፍተ ብሉያት ምስ መጻሕፍተ ሓዲሳት፡ ሕገ ኦሪት ምስ ሕገ ወንጌል፡ ትንቢት ምስ ፍጻሜ ብምዝማድን ብምስምማዕን ብቕልጡፍ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ክርስትና ዝኣተወሉ መገዲ ብሰይፍን ብጐንጽን ዘይኮነስ፡ ከም ፍቃድ መንፈስ ቅዱስ ብፍቕርን ለውሃትን ተሰቢኹ ብፍሥሓን ኃሤትን ተቐባልነት ዝረኸበ እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ከም ጋሻ ወይ’ውን ሓድሽ ትምህርቲ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖተ ኦሪት ሃይማኖተ ወንጌል፡ ኣብ ክንዲ ሥርዓተ ግዝረት ማኅተመ ጥምቀት ኢዩ ኣኣንጊዱ። እዚ ድማ ብኦሪት ተመሪሑ ናብ ክርስቶስ ምብጻሑ፡ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል ምስጓሙ፡ ካብ መሥዋዕተ እንሰሳ ናብ ኣማናዊ መሥዋዕት ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ምብቅዑ፡ ኣብ ልዕሊ መንፈሰ ረድኤት መንፈሰ ልደት ምርካቡ ዘመልክት እዩ። እስራኤል ዘሥጋ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተነግሮም ትንቢት ዝተዋህቦም ተስፋ ሸለል ብምባል፡ ዝበዝኁ ብሥጋ ንዝተገልጸ መሢሕ ካብ ምእማንን ምቕባልን ብኣፍኣ ክርከቡ ከለዉ፡ እዛ ሃገር ግና ነቲ ተስፋን ትንቢት ኣጽኒዓ ኣብ ምእማንን ኣምኃ ኣብ ምቕራብን እያ ተረኺባ። ኢዳ ዝዘርጋሕትሉ እምነታን ኣገልግሎታን ዝፈልጥ ልዑል እጊዜአብሔር ኣምላኽ ድማ ፍሉይ ሐዋርያ ብምምዳብ ኣጽንዓላ። (ግ ሐዋ ፳፥፳፮ – ፵ 8፡26- 40) ብብሉይ ኪዳን ዝረኸበቶ ተስፋ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ፈጺማቶን ኣጽኒዓቶን እያ፡ መሰል ውልድነት ብግብሪ ንዓለም ተገልጸላ።
ታሪኸ ዝምስከሮ ሓቂ እንተሎ ከኣ ድኅሪ እስራኤል ዘሥጋ ፍጻመ ትንቢቱ ንምስማዕን ንምርኣይን፡ ብሥራተ ወንጌል ንምቕባልን ቅድሚ ካልእ ዓለም ኤርትራ ቀዳምነት ዘለዋ ምዃኑን፡ ክርስትና ብጊሓቱ በዚ ይኹን በቲ ኣብዚ ምድሪ ከምዝበጸሐን፡ ከምዝተባረኸትን ዘረድእ እዩ። በዚ ከኣ ካብቶም ቀዳሞት እስራኤል ዘነፍስ ምዃንና ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ’ውን አምልኮተ እጊዜአብሔር ንምቕባልን ንምፍጻምን ድኅሪ እስራኤል ዘሥጋ ዝነበረና ቀዳምነት ንዘክር። ክርስትና ኣብ ዘመነ ሓዲስ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምእታዉ፡ ኤርትራ መጀመርታ ኣብ ሕገ ልቦና ቀጺሉ ከኣ ኣብ ሕገ ኦሪትን ኣብ ትንቢተ ነቢያትን ኣሚና ብኣምልኮተ እጊዜአብሔር ጸኒዓ ክትካየድ ምጽናሓ ምስትውዓል ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እምነ ኵርናዕ እዩ። እዚ ኰይኑ እቲ ሓቂ ኣብ ምእታው ክርስትና እቶም ቀንዲ ኣበርክቶን ተራን ዝነበሮም ኣካላት ብመንጽር መጻሕፍትን ትውፊትናን ምስ መረዳእታኦም ንርአ።
ሀ. ኣምኃ ሰብአ ሰገል
ነገሥታተ ተርሴስ ወደስያት አምኃ ያበውኡ ነገሥተ ሳባ ወዓረብ ጋዳ ያመጽኡ ወይሰግዱ ሎቱ ኵሎሙ ነገሥተ ምድር! ወይትቀነዩ ሎቱ ኵሎሙ አሕዛብ (መዝ ፸፩፥፲ – ፲፩ 71-72፡10-11) ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት፡ መዓልቱ ኣኺሉ ጐይታ ምስ ተወልደ፡ ነገሥታት ምብራቕ ዝነበሩ ሰብአ ሰገል (ሰብአ ጥበብ) ብኮኸበ እናተመርሑ ኣብ ቤተ ልሔም መጺኦም ሰገዱ ኣምኃ ድማ ኣቕረቡ። እምበኣር እዞም ካብ “ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ ሰብአ ሰገል፡ ሰብአ ምድረ ኣግዓዚ ዝርከብዎም ምዃኖም ብመጽሓፍን ብትውፊትን ዝተመስከረ እዩ። ብዛዕባ እቲ ካብ ምድያም ጀሚሩ ካብ ግብጺ ንሸነኽ ደቡብ ዘሎ ምድሪ ኢትዮጵያ ታበጽሕ እደዊሃ ኀበ እጊዜአብሔር ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት ኣቐዲሙ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብንግሥተ ሳባ ንንጉሠ እስራኤል ሰሎሞን፡ ዳኅራይ ከኣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ብነገሥታት ሳባ፡ ንጐይታ ብምሃብ ትንቢት ተፈጸመ። ጐይታ ነታ ካብ ርሑቕ ወሰን ምድሪ ኣምልኮተ እጊዜአብሔር ደልያ ኣምኃ ኂዛ ንዝኸደት ንግሥት ኣዜብ (ሳባ) ከመስግና ከሎ፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኦም እንከሎ ርእዮምን ሰሚዖምን ንዘይኣመኑ ኣይሁድ ጐይታ ወቒስዎም እዩ። ኣብ ልደቱ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ እዚ ፍጻመ ተኸሲቱ ነይሩ። ኣዝማዱ ኣይሁድ ደቂሶም ከለዉ፡ ኣብ ደምበኦም ተወሊዱ እንከሎ እሞ ንዘይኣምንዎ ጐይታ “ክርስቶስ ኣበይ ኢዩ ክውለድ” ኢሎም ጌና ክሓቱን ሊቃውንቶም መጻሕፍቲ ክምርምሩን ከለዉ፡ ሰብ ጥበብ ግና ቅድሜኦም ካብ ርሑቕ ሃገር ተጓዒዞም ኣብ ቅድሜኡ ፍግም ኢሎም ክሰግዱ ኢዶም ብኣምኃ ክዝርግሑ ኣብ ቤተ ልሔም ቅድሚ ሰቦም ተረኺቦም እዮም። (ማቴ ፪፥፩)
ለ. ስደት ጐይታ
ጐይታ ኣብ ስደቱ ካብ ዝጸንሖም ፵፪/42 ኣዋርሕ ድማ ንገለ ኣዋርሕ ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ብምብጻሕ ባሪኸዋ ትንቢት ተዛሪቡላን እዩ። እዚ ድማ ቀዲሙ ብነቢይ ዕንባቆም ናብ ምድረ ኣግዓዚ ከምዝኣተወ ክገልጽ “ወፍኖቶሂ ዘእምዓለም ርኢኩ አዕዳተ ኢትዮጵያ ይደንግሞ (እን. ፫፥፮ – ፯/3፥6 – 7) ኢሉ ተነብዩ ዝነበረ እዩ። ብዛዕባ ፍጻሜ እዚ ትንቢት መተርጕማን መጻሕፍት ከረድኡ ከለዉ ወጐየ እጊዜእ ኢየሱስ ውስተ አድባረ ሊባኖስ ወውስተ ምድረ ግብፅ በብሔረ አግአዚ ምስለ ማርያም እሙ ኢሎም ጽሒፎም ይርከቡ። ብዛዕባ እዚ ትውፊትን አዋልድ መጻሕፍትን ምድረ አግዓዚ ብስፍሓት ዝነግራ እየን። ኣብ ባይታ ዘለዉ ብዙኃት ኣሠራት እውን ነዚ ፍጻሜ ታሪኽ ዘሀብትም እዩ። ኣብ ዜና ገዳም ደብረ ሲና ብዛዕባ ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ዝበጽሐቶም ከባቢታት ክነግር እንከሎ ድንግል ማርያም ብዘይካ እዛ ምድሪ ካልእ ተዕርፈሉ ቦታ ኣይረኸበትን፡ ኣብ መወዳእታ እውን ጐይታ ዐሥራት ከኾና ንምድረ ኣግአዚ ዝሃባ ምዃኑ ካብዚ ጽሑፍ ምርዳእ ይከኣል። “ወእግዝእቲነ ማርያም ነበረት እንዘ ትጐይይ እምሀገር ለሀገር ወኢረከበት ምዕራፈ ዘእንበለ ምድረ አግአዚ ዓመተ ወኔ አውራ ወረከበት ኃዘነ ወአንበዓ። ወወልዳስ ይባርክ መንገለ አዜብ ኵሎ አሚረ ወይቤላ ወልዳ ክርስቶስ እስመ ብየ ሕዝብ እለ ያፈቅሩኒ ፈድፋደ ወኪያኪኒ ያፈቅሩ እንዘ ይብሉ እግዝእቲነ ማርያም። ዘእንበለ ማይ ይሠቅዩኒ ወዘእንበለ ቅብዕ ያጠልሉኒ። ወትቤሎ እግዝእቲነ ማርያም ሀበንዮ እሎንተ ሕዝበ። ወይቤላ ይኩኑኪ ለኪ ዐሥራተ። ብሓጺሩ ብነቢይ ኢሳይያስ ብመሠረት ዝተነግረ ትንቢት ናብ ግብጺ ከወርዱ ከለዉ፡ ብመሠረት ትንቢት ዕንባቆም ድማ ናብ ምድረ ኤርትራ ብምእታው እንግዶት ረኸቡ።
ኣብ ካልኦት መጻሕፈተ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ኣብ ትውፊት እዚ ከባቢ ከም ዝርከብ፡ ጐይታ ምስ ቅድስት ድንግል ወላዲቱ ናብዚ ከባቢ ብወገን ሣሕል ሃገር ናግራን ኣቢሉ ከምዝኣተወን መጀመርታ ኣብኡ ከምዘዕረፈን፡ ብድኅርዚ ናብ ደብረ ሲና በጺሑ ነታ ገዳም ክትከውን ዝኃረያ ቦታ ከም ዝባረኻን ይንገር። ከምኡ እናበለ ናብ ናይ ሎሚ ገዳም ደብረ ቢዘን ዝርከቦ መካነ ቅዱሳን በጽሐ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ከም ደብረ በረከት ዓዲቀ፡ ደብረ ቁስቋም ድባርዋ፡ ቤተ ጽዮን፡ ማርያም ዓይላ፡ ማርያም ማኖ ምጥቃስ ይከኣል። ብትውፊት ንዝጥቀስ ጐይታ ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝረገጾምን ዝባረኾምን ዓድታት መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ እናዘካኸርና፡ ንገሊኦም ንጥቀስ፡ ጐይታ ምስ ኣዲኡ ካብ ግብጺ ወጺኦም ኣብ ደመና ተወጢሖም ሣሕል ኣብ ዝርከብ ዳኅራይ ሃገር ናግራን ኣብ ዝተሰምየ ጥንታዊ መካን መጀመርታ ከምዘዕረፉን፡ ምስኦም ከኣ ኣናብስትን ኣናብርትን ከምዝነበሩ ይግለጽ። “ወእምዝ ተንሣእነ ወቀፀበ ደመና በእዴሁ ወተፅዕንኩ ላዕሌሃ ምስለ ዮሴፍ ወሰሎሜ ወለሊሁ ተሐቂፎ በእደውየ ወእሉኒ አናብስት ዓርጉ ምስሌነ መልዕልተ ደመና ብርህት። ወበጻሕነ ወአሐዱ ዕለት ቀዲሙ ሃገር ናግራን ወባረክ ላዕሌሃ ወይቤ ውስተ ዛቲ ሀገር ይትከዓው ደመ ብዙኃን ሰማዕታት፥ ወበዛቲ ሀገር ይትወሰዱ ብዙኃን ቅዱሳን ካህናት እለ የአምኑ ብኪ ከመ ወልድከኒ በድንግልና። ወዘየአምኑ ብየ። ወይትከዓው ደመ ከሳዶሙ ህየንተ ደምየ ዘተክዕወ እምገቦየ ወአወርሶሙ ሃገር ኤዶም ብርህተ ወሕይወተ ዘለዓለም በሰማያት ዝብል ቃል ተዛረባ። (ዜና ገዳም ደብረ ሲና፡ ድርሳነ ዑራኤል)
ኣብቲ ቦታ ኣዕሪፉ ከኣ ባረኾ። ኣብቲ ጐይታ ምስ ኣዲኡ ዘዕረፈሉ ቦታ ከኣ ታቦተ ኢየሱስን ካልኦት ታቦታትን ዝነበሮ ገዳም ከምዝነበረ ይንገር። ሕዝቢ እቲ ከባቢ`ውን ክሳዕ ሕጂ ናይ ኣቦታትና እናበለ ዝነግዶን መዕሩፍ ኢሳ ምስለ እሙ ኢሉ ምልክት ገይሩ ዘኽብሮን ቅዱስ ቦታ ኣብ ሀገር ዓቢይ (ዳንጋ) ከምዘሎ ይፍለጥ። እዚ ገዳም ስዉራን ባሕታውያን ከምዝነበርዎን፡ ገዳምነቱ ኣብ እዋን ወራር ቱርኪ ከምዘብቐዐን ይትረኸ። ንኣቀባብላ ናይቲ ኣብዚ ከባቢ ዝቕመጥ ዝነበረ ሕዝቢ ዝውክል መጽሓፈ ተአምረ ማርያም ሓደ ታሪኸ ኣስፊሩ ኣሎ። ሓንቲ ነዳይ ሰበይትን ኣብ ጊዜ ስደት ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ንድንግል ማርያምን ዮሴፍን ሰሎሜን ተቐቢላ ናብ ገዝአ ከም ዘእተወቶም፡ ጐይታ ድማ ንኵሉ ቤታ ከምዝባረኽላሞ፡ ነዚ ርእያ ድማ ንእጊዜአብሔር ኣመስገነት ይብል። ንጐይታ ሰብነቱ ሓጺባ፡ ስንቂ ንመገዲ ዝኸውን ሂባ ብሰላም ናብ ዝደለኹምዋ ሀገር እተው ኢላ ኣፋነወቶም። ካብ’ዚ ቐጸሎም ድማ ናብ ደብረ ሲሓት (ደብረ ሲና) ፡ ካብኡ ቀጺሎም ናብ ደብረ ቢዘን ጉዕዝኦም ከምዝቐጸሉ ተገሊጹ ኣሎ። (መጽ. ተአ.ማር መበል 38 ገጽ 38-39) እዚ ምስቲ ኣብ ዜና ገዳም ደብረ ሲናን ድርሳነ ዑራኤልን ተቐሚጡ ዘሎ ፍኖተ ካርታን ናይ ሰሜናዊ ክፋል ኤርትራ መልክዐ ምድርን ናይዚ ቦታ ፍጻሜ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ናብዛ ቦታ መጺኦም ከምዝባረኸዋ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተረኽበት ካብ ብራና ዝተቐድሐት ናይ ኅትመት ጽሕፍቲ “ወእምኔሁ ተንሣእነ ወበጻሕነ ሃገር ሐማሴን አንጻፊ ትግሬ ምድረ ቢዘን ወርኢነ መንገለ ምሥራቅ ደብረ ልዑል፡ ወሶቤሃ መጽኡ ኃቤነ በመልዕልተ ዛቲ ደብር መላእክት እንዘ ይሴብሑ ወይዜምሩ። ወተቀበሉነ እንዘ ይብሉ ስብሐት ለእጊዜአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ዘሠምረ ይሠገው እምኔኪ ድንግል በከልኤ ማርያም ወላዲተ አምላክ ለቤዝዎተ ኵሉ ዓለም ብምባል ኣስፊራቶ ኣላ። (ዜና ደብረ ሲና)
ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ጐይታ ምስ ፍቅርቲ ወላዲቱ ዝረገጽዎ ቦታታት ነዘን ዝጠቐስናየን ሓዊስካ ኣዝየን ብዙኃት እየን። እዘን ቦታታት ብፍሉይ ናይ ድንግል ማርያም ታቦት ዘለወን ኣብያተ ክርስቲያን ኮይነን ዝበዝኃ ኣብ ፳፩/21 ሰኔ ወይ ፮/6 ኅዳር ዝንገዳ እየን። እዚ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ተግባር ድማ ነዚ ጽሑፋውን ትውፊታውን ሓቂ ዝያዳ ዝድርዕ እዩ። ገለ ዓድታት ድማ ኣብ ኣስማተን ከይተረፈ ምስዚ ዝተኣሳሰር ዘለወን ውሑዳት ኣይኮናን።
ሒ ንግደተ ባኮስ
ኣብ ታሪኸ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮነ ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ምድረ ኣግዓዚ፡ ቅዱስ ዳዊት ዝተነበዮ ትንቢት ዝተፈጸመሉ፡ ኣብ ግብረ ሐዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ፍጻሜ ታሪኽ እዩ። ሕፅዋ ለሕንደኬ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ባኮስ ዝስሙ በዓል ሥልጣን ንግሥተ ኢትዮጵያ፡ ካብ እምነተ ብሉይ ናብ እምነተ ሓዲስ ዝተሰጋገረሉ ሓጺር ታሪኽ ክርስትና ግና ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ፍጻሜ እዩ። እምበኣር እዚ ታሪኽ’ዚ ሓደ በዓል ሥልጣን ዝወከሎ ንግሥነት ኣቐድም ኣቢሉ ምስ መጻሕፍተ ነቢያት ከምዝተዛመደን ሕገ ኦሪት ተቐቢሉ ክፍጽም ምጽንሑን፡ ብጥምቀት ከኣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምቕባሉን የረድእ። “ክርስቶስ” ብምባል ስመ ሥጋዌኡ ጸዊዑ፡ ንሱ ወልደ አብ ማለት ናይ ባሕርይ ወዱ ንእጊዜአብሔር ምዃኑ ኣሚኑ እጊዜአብሔር ኣምላኽ ንዝገለጸሉ ምሥጢረ ሥጋዌ ኣመሥጢሩ ምዝራቡን ምምላሱን ንርእሱ፡ ብዘይካ ስብከት እቲ ሐዋርያ ኣቐዲሙ መጻሕፍተ ብሉያት ብዝግባእ ተማሂሩን ፈሊጡን ምንባሩ ዝምስከር እዩ። ባኮስ አነ እአምን ከመ ኢየሱስ ከርስቶስ ውእቱ ወልዱ ለእጊዜአብሔር” ኢሉ እምነቱ ብምእዋጁ፡ * ወነአምን በአሐዱ እጊዜእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ …” ተባሂሉ ኣብ ኒቂያ ሃይማኖት ንዝተደንገገ ኣንቀጽ ጸሎተ ሃይማኖት ቀዳማይ መሠረት ኮይኑ ኢሎም ሊቃውንት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ይገልጹ እዮም።
ኣብዚ ታሪኽ ክስትውዓል ዘለዎ እቲ በዓል ሥልጣን ካብዚ ርሑቕ ምድሪ ብእግሩ (ሰረገላ) ከምቲ ሥርዓተ ኦሪት ዝእዝዞ ክፍጽም፡ ኣብ ንግደተ ኢየሩሳሌም ምስታፉ፡ ሞባእ ምሓዙ፡ ካብ መጻሕፍተ ብሉያት ንነቢይ ኢሳይያስ እናንበበን አናደገመን ምኻዱ፡ መጽሓፍ ብዘይ ተርጓሚ ምርድኡ ከምዘይከኣል ምፍላጡ፡ ትርጉም ትንቢትን ፍጻሜ ስብከቱን ምስ ተነግሮ ነቲ ሐዋርያ ከየድከሙ ቀልጢፉ ምእማኑን ንዋ ማይ መኑ ይከልለኒ ተጠምቶ ብምባል ብፍቓዱ ብትሕትና ምጥማቑን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብፍሉይ ዝተኃርየ ሐዋርያ ዝተለኣኸሉ ምዃኑን ብዕምቈት ምስትንታኑ፡ ዝምህረናን ዘነጸረልናን ብዙኅ ታሪኸ ከምዘሎ ምስትውዓል የድሊ። ቅዱስ ሉቃስ፡ ንጥምቀትን ክርስትናን እዚ ስሉብ ቅድሚ ኵሎም ኣሕዛብ ምሥርዑ፡ ኣብዚ ከባቢ ብርክት ዝበለ ሕዝቢ ብጊሓቱ ከርስትና ምቕባሉ ብዘይ ምኽንያት ከምዘይነበረ ዘራጉድ እዩ። እምበኣር ኤርትራ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣብ ቤተ ልሔም ንዝተወልደ ጐይታ ካብ ምእማንን ምስጋድን ጀሚሩ፡ ምስቲ ዝጸንሐ ኦሪታዊ እምነት ጥምቀተ ክርስትና ተቐቢላን ኣወሃሒዳን ክትካየድ ጸኒሓ እያ። በዚ መሠረት ነቲ ብብዙኅ መገዲ ዝረኸበቶ ሥርዓተ ኦሪት ከም ታቦት፡ ግዝረት ብናይ ሐዲስ ኪዳን ምሥጢር ኣጽኒዓ ምዕቃባ’ውን ነዚ ዘመልከት እዩ። በዚ ኣገባብ ግራት ልቦና ምእመናን ብስብከተ ከርስትና ለስሊሱ ብምጽንሑ፡ ክህነትን መንበረ ጵጵስናን ብኣቡነ ሰላማ ምስ መጸ ቀልጢፉ ንምቕባሉ ጸገም ኣይነበሮን።
ሀ. አቡነ ሰላማ
፩.፫. ታሪኽ ወግዓዊ ክርስትና ምድረ ኣግኣዚ
ኣብ ጊዜ ጥምቀቱ ዝንቱ ሕፃን ይከውኖሙ ብርሃነ ወመድኃኒተ ለሰብእ ብሔረ አግኣዚት” ተባሂሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ፍሬምናጦስ ምስ ንእሽቶይ ሓዉ ኤዴስዮስ ክርስቲያን ኮይኖም፡ ኣብ ከባቢ ፪፻፶፯/257 ዓ.ም. ካብ ጢሮስ ናብ ኤርትራ ሥነ ሃገር ንምርኣይ መጺኦም፡ ኣብ ምምላሶም ካብ ዝጎነፎም ሓደጋ ምስ ሓዉ ብእጊዜአብሔር ድኅሪ ምትራፎም፡ ብመገዲ ባሕረ ነጋሢ ናብ አልዓሜዳ (ታዜር) ንጉሠ አክሱም በጽሑ። ፍሬምናጦስ ኣብ ሃገሩ እንከሎ ካብ ጊዜ ንእስነቱ ወንጌል እናተመሃረ ዝዓበየ ክርስቲያን ብምንባሩ፡ ኣክሱም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣማኻሪ ቤተ መንግሥቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ብስሉብ ንዝተሰብከ ሃይማኖት ክርስትና ብዝግባእ ዝሰፍሓሉ መገዲ ሃሰው ይብል ነበረ። ጸጋ እጊዜአብሔር ዝነበሮ፡ ጽቡቕ ኣፍልጦ ትምህርተ ወንጌል ዝተመሃረን ብምንባሩ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሖ ሠረተ ትምህርቲ ብሉይ ከወሓሓድን ምስቶም መምህራንን ካህናተ ኦሪትን ከዛመድን ጊዜ ኣይወሰደሉን።
ናይቲ ጊዜ ነገሥታት ካብ ዝነበሩ ኣብርሃ ወኣጽብሃ መልእኽቲ ኂዙ ናብ እስክንድርያ ምስ ከደ፡ ናይቲ እዋን ሊቀ ጳጳስ እስክንድርያ ዝነበረ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሐዋርያዊ ንጦማረ ነገሥታት ኤዛናን ሴዛናን ምስ ኣንበበ’ሞ ብኸብሪ ተቐቢሉን ጕዳይ መርሚሩን፡ ናይ እጊዜአብሔር ሥራሕን መደብን ድንቂ ምዃኑ ኣስተውዒሉን ኣብ ጉባኤ ካህናት (ሲኖዶስ) መንፈስ እጊዜአብሔር ዝኃደሮ እሞ ኸኣ ናይቲ ሃገር ቋንቋን ልማድን ባህሊ ሕዝብን ዝፈልጥ ነዚ ዕዮ ከፍጽም ዝኽእል እዩ ብማለት ንቅዱስ ፍሬምናጦስ ንጵጵስና ኃረዮ። ስለዚ ኵሉ ግቡእ ዝኾነ ነገረ መለኮትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ከጽንዕን ክመሃርን ኣብ እስክንድርያ ጸንሐ። ካብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መዓርገ ጵጵስና ተቐቢሉ፡ ኵሉ ምስ ኣጠናቀቐ ኸኣ ካብ ግብጺ ተኃጋገዝቱን ብብዝኂ ዘድሊ ንዋያተ ቅዱሳትን ከም ኣልባስ፡ መሳቅል፡ ጽንሓሕ፡ ብዙኃት መጻሕፍቲ፡ ታቦት፡ ሜሮን፡ ጽዋዕ፡ ናይ ወርቂ ኰሳኵስቲ፡ ካልኦት ስልማት ቤተ ክርስቲያንን ኂዙ ተበገሰ። አቡነ ሰላማ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ድኅሪ ምክያዱ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሉ ብ፫፻፴ ዓ. ም. ናብዛ ሃገር ኣተወ። ቃለ ወንጌል እናሰበኸን እናእመነን እናጥመቐን ካብ ሣሕል ናብ ዓንሰባ ጉዕዞኡ ቀጸለ። ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣተዉሉ ኣትኂዙ ከኣ ሕዝቢ
ድኅሪ ናጽነት ሃገር ኣብ መንበረ ማርቆስ ብኢድ ፖፕ ሲኖዳ ኣብ 1995 ዓምፈ ካብቶም ዝተሾሙ ጳጳሳት ሓደ ኣቡነ ሰላማ፡ እዚ ስም ክወሃቦም ዝኸኣለ ገዳሞም ደብረ ሲና ብምዃኑን፡ እቶም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያው ዝተሾሙ ቀዳማይ ጳጳስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ድማ ኣብዛ ገዳም ታሪኽ ዝፈጸሙ ምዃኖም ኣቡነ ሲኖዳ ስለዝፈልጡ ነዚ ንምዝካር ኢሎም እዮም።እናእመነ፡ ኣሚኑ ዝጸንሖ ከኣ እናጽንዐን እናጥመቐን፡ ዝእከብሉ ቤተ ከርስቲያን እናሕነፀ ታቦት ባሪኹ እናእተወን፡ ዘድሊ ንዋያተ ቅዱሳት እናማልእን፡ መራሕቲ እናሠየመ፡ እናመሃረ ከኣ መዓርጋትን ምሥጢራትን እናሠርዐ ሐዋርያዊ ዑደቱ ብምክያድ እዩ።
ኣብ ዞባ ዓንሰባ በጺሖም ገዳም ደብረ ሲሓት (ደብረ ሲና) ምስ ኣተዉ ከኣ ቅዳሴ ሠሪዖም ፍሉይ መጸውዒኡ ጵርስፎራ ኣብ ዝበሃል ቦታ ንነገሥታት ኤዛናን ሴዛናን ከም ዘጥመቕዎም “ወተቀበልዎ አብርሃ ወአጽብሐ ነገሥተ አከሱም በውስተ ሃገር ሲሐት ዘትሰመይ ጵርስፎራ አው ፎራ ለኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ወተጠምቁ በውስቴታ” ብምባል ይነግር። ብተወሳኺ ብዙኃን ምእመናን ኣብነት ናይቶም ነገሥታት ተኸቲሎም ተጠመቁ። ብምቅጻል’ውን አቡነ ሰላማ ብዛግር ኣቢሉ ንኣሥመራ ተጸጊዑ ናብ ድባርዋ ኣተወ። ኣብ ድባርዋውን አውራ እኳ ብዕብየታን ብዓይነታን ቀዳመይቲ ተባሂላ እቲፍለጥ ቤተ ክርስቲያን ኣሕነፁ። “… ወአባ ሰላማ ሰበከ በህየ ሃይማኖተ ከርስቲያን፡ ወአብርሀ ወአጽብሐ ነገሥት አኃው ፍቁራን ሐነፁ በድባርዋ ቤተ ክርስቲያን ወይእቲ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚት ቤተ ከርስቲያን ዘተሐንፀት በኢትዮጵያ።” ከብል ድማ ይምስከር።
ብሓፈሻ ናብ ኤርትራ እናተመላለሱ፡ ሕግጋተ እጊዜአብሔር ዝመሃሩሉ፡ ሕዝቢ ብርቱዕ ሃይማኖት ክጸንዕ ዝሰበኹሉ ጊዜ’ውን ኣብ ገድሎም ዝሓረ ብሔረ ሐማሴን ወእምብሔረ አክሱም ወወፂአ እምፆማዕቱ አዕረፈ ንስቲተ በፍኖተ ሥራዩ ሃገር ሰላም ታሕተ ጽላሎተ ከርሜል … ብምባል ተጠቒሱ ኣሎ። ብኸምዚ ሓንሳብ ብአቡነ ሰላማ ዝተተኸለ መንበርን ዝበርሀ ብርሃን ወንጌልን ልዕሊ ፩ ሽሕን ፮፻፸ ዓመት ከይጠፍአ ዘመናት ተሳጊሩ ዝያዳ እናበርሀ ክሳብ ሕጂ ምጽንሑ ከሣቴ ብርሃን ዝብል ቅጽል ስም ትርጕሙ ዘረድእ እዩ። ቀዳማይ መንበር ጵጵስና ካብ ምትካል ክሳብ ምስፋሕ ሐዋርያዊ ተልእኾን ስብከተ ወንጌልን ከምኡውን ምስኡ ዝኸዱ ምምኅዳራዊን ምሥጢራዊ ኣገልግሎታት ቤተ ክርስቲያንን ምምሃርን ምሥልጣንን ወቦ ዘተርፈ ተዘርዚሮም ዝውድኡ ኣይኮኑን። አቡነ ሰላማ ካብ መንበረ ማርቆስ ጵጵስና ድኅሪ ምርካቡ፡ ኣብዛ ሃገርን ቤተ ክርስቲያናን ናይ ዘሎን ክሳብ ሕጂ ንኣስታት 17oo ዓመታት ከይተበትከ ናይ ዝቐጸለ መንበርን ሐዋርያዊ ሰንሰለትን መሥራቲ ኮነ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘለዎ ቦታ ኣዝዩ ዓቢይን ወሳንን እዩ። ምኽንያቱ ብርሃን ወንጌል ደሚቑ ከምዝበርህ ብምግባር ምሥጢራትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝተኸለ፡ ብዙኃን ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕኒፁ ብርክት ዝበሉ ንዋያተ ቅዱሳት ዝኃደገ ስለ ዝኾነ። እዚ ብምዃኑ ድማ ወትሩ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በሠረት ምዃኑ እናሓሰበት ብኽብሪ ትዝክሮ እያ። ቅዱስ ያሬድ እውን ንዜንወክሙ ዜና ሠናየ ዘሰማዕነ ወዘርኢነ ወዘነገሩነ አበዊነ ጳጳሳት ቀሳውስት ወዲያቆናት ወኵሎሙ መሃይምናን፡ ብፁዕ ውእቱ አባ ሰላማ ከሠተ ለነ ብርሃነ ዜናሁ ለመድኃኒነ። ኢሉ ንዝነበሮ ናይ ሐዋርያነት ሥራሕ ካብ እጊዜአብሔር ብዝረኸቦ ጥበብ ኣመስጊንዎ ኣሎ። ብኸምዚ ዓይነት ዝማሬን ቅዳሴንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንአቡነ ሰላማ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ከም እቲዝክሮም ኣብ ስንክሳር ተመዝጊቡ ይርከብ። (፲፰/8 ታኅሣስ ፳፮/26 ሐምሌ)
ብሓፈሻ እዚ ዘመን’ዚ ብአቡነ ሰላማ ዝፈለመ መንበረ ጵጵስናን ወግዓዊነት ክርስትናን፡ ስዒቦም ብዝመጹ ቅዱሳነ እጊዜአብሔር፡ ሃይማኖተ ክርስትና ብዝያዳ እናስፈሐን እናጸንዐን ምኻዱ ብግልጺ ዝረኣየሉ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ’ውን ርእሰ ምኅደራ ኣጠናኺራ፡ ሥርዓተ ኣገልግሎታ እናሰፍሐን፡ ጉባኤታት ትምህርቲ እናተመሥረተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ’ውን ብብዝኂ እናተተርጐሙን መምህራንን ኣገልገልትን እናፈረዩ ምምጽኦም ዘረጋገጽ እዩ። ብፍላይ ድማ ገዳማት ድኅሪ ምምሥራቶም ብገዳማትን ገዳማዊ ሕይወት ዝተማእከለን ሐዋርያዊ ተልእኾን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን መልክዕ ኂዙ ናብ ኵሉ ማእዘናት ሃገር ክርስትና ከምዝተዘርገሐ ዝምስክረሉ እዩ። ሐዋርያዊ ተልእኾ ቅዱሳን ኣብ ኅብረተ ሰብ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ሱር ኣብ ርእሲ ምስዳዱ፡ ደቂ ሃገር ሊቃውንትን መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን እናተሾሙ፡ እቲ ኣገልግሎት ናብኦም ምስግጋሩ ጐሊሑ ዝረአ ፍጻመ ታሪኽ ቤተ ከርስቲያን እዩ።
ሊ ምስፋሕ ክርስትና ምድረ ኣግኣዚ
ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝተሠረተ መንበረ ክርስትና ብምጽናዕ ነቲ ልዕሊኡ ንመዋዕል ዝሕነፅ መንደቕን ጉልላትን ክጸውር ዝኸእል ድልዳል ሕንፃ ከሓንዑ ዝጀመሩ ደድኅሪ አቡነ ሰላማ ኣብ በበይኑ እዋናት ብመሪሕነት እጊዜአብሔር ናብ ኤርትራ ዝመጹ ቅዱሳን እዮም። ብሓፈሻ ዘመን ኣመጻጽኦም ብዝምልከት አቡነ ሰላማ ጵጵስና ድኅሪ ምቕባኦም፡ ድኅሪ 5o ዓመት (፫፻፹ ዓም) ኣባ ዮሓኒ፡ ድኅሪ 110 ዓመት አቡነ ሊባኖስ (፱፻፵ ዓ.ም)፡ ድኅሪ 20 ዓመት ጻድቃነ ንኑም (፬፻፶ ዓ.ም)፡ ድኅሪ 140 ዓመት (፬፻፸ ዓ.ም) ተስዓቱ ቅዱሳን ምምጽኦም ይግለጽ። ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ መዳያቱ ንኣርባዕተ ከፍለ ዘመናት ብምኽንያት ምምጻእ ኣቡነ ዮሓኒ፡ ኣቡነ ሊባኖስ፡ ተስዓቱ ቅዱሳንን ዝተፈላለዩ ጻድቃንን ከምኡ እውን መንፈሳዊ ኣበርከቶ ቅዱስ ያሬድ ተሓዊስዎ ክርስትና ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ዝሰፍሓሉን መሠረቱ ዘደልደለሉን ዘመን እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል።
ሐ ድሩትነት ክርስትና ምድረ ኣግኣዚ
ድኅሪ ፯ ክፍለ ዘመን ድማ ኣዱሊስ ዝማእከሉ ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ኃይልታት ብምእታውን፡ ምስልምና ነዚ ዞባ ብምዕብላሉን ቤጃዊ ወራራት ብምስፍሑን ከምኡ’ውን ካልኦት ምኽንያታት ክሳብ ፲፪ ክፍለ ዘመን ልኡም (ድሩት) ኮይኑ ኃሊፉ። እምበኣር እቶም ቀንዲ ድሩትነት ዝፈጠሩ ምኽንያታት ግዳማዊን ውሽጣዊን ኩነታት ክኾኑ ከለዉ፡ ምድኻምን ምዕናውን ኣዱሊስ፡ ምትንሣእ ምስልምና፡ ምውዳቕ እስክንድርያ ኣብ ትሕቲ ዓረብ፡ ወራር ዮዲት ጉዲት፡ ምስፍሕፋሕ ቤጃ እቶም ቀንዲ ተጠቐስቲ እዮም። ይኹን እምበር ዞባዊ ኩነታት ኣብ ምድራት ክርስትና ጸላዊ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ኤርትራ፡ ሃይማኖት ክርስትና ብሰፊሑ ተዘርጊሑን ዓብላልነቱ ተዓቂቡ ምጽንሑ ክፍለጥ ይከኣል። እተን ማእከላት ከርስትና ኮይነን ዘገልግላ ዝነበራ ገዳማት ከብረንን ኣገልግሎተንን ዓቂበን ዝኸዳሉን ክሳብ ፲፪ ክፍለ ዘመን በብቝሩብ ብህድኣት ይስጉማን ኣብ ደቡብ ኤርትራ ድማ ሓደስቲ ይምሥረታ ከምዝነበራን ይግለጽ።
ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.16
ብቤት ትምህርቲ ሰንበት #ቅድስት #ድንግል #ማርያም ቤተ ክርስቲያን #መድኃኔ ዓለም
ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል
Leave a comment

