ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 3ይ ክፋል

ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 3ይ ክፋል

#ታሪኽ_ኦርቶዶክስ_ተዋሕዶ_ቤተ_ክርስቲያን_ኤርትራ 3ይ ክፋል

መ.ዳግመ ምብርባር ክርስትና ኣብ ሃገርና

ንነዊሕ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ጽልዋታት ተተኃኂዙ ዛሕቲሉ ዝነበረ ክርስትና ኣብዚ ዘመን ደጊሙ ዝተበራበረሉን ጥርዚ ዝበጽሓሉን እዩ ኔሩ። እዚ ካብ ፲፫ – ፲፬ 3 – 4 ክፍለ ዘመን ንዝጀመራ ዳግመ ምብርባር፡ ኃይሊ ዝኾኑን፡ ንትንሣኤኡን ዕቤቱን ድማ ዓቢይ ግደ ዝፈጸመን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ እዩ። እዚ ዘመን ኣብ እምነት ክርስትና ብሥነ ጽሑፍ ዝያዳ ዝዓበየሉ ብሕትውናን ምንኩስናን ዝያዳ ዝለዓለ ዝርግሐ ዝበጽሓሉ እዩ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስቲ ማእከል ጳጳሳት ግብጺ ዝነበሩ ከተማታትን ሀፀያትን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበሮም ሓውሲ ብቱኽ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ዝምድናታት፡ ናጻን ኃያልን ዝኾነ ገዳማት ዘማእከልዎ ኣድያመ ስብከት ብምቛም ምምኅዳራውን ጒስነታውን ሥራሕ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ኣካይዶም ኢዮም። እዚ ኸኣ ብሰንኪ ነገረ ቀዳሚተ ሰንበት ንኣስታት ፻፳/20 ዓመታት ስግግር ከልተ ወለዶ ብጋህዲ ቀጺሉን ተራእዩን ኢዩ። እዚ ቅርጺ’ዚ አብ ምምኅዳር ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክሳብ ምእታው ጥልያን ናብ ኤርትራ ዝተወደበን ምእኩል ሥራሕ ይሥራሕ ነይሩ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣቃውማ ሰበካ ጉባኤ ቅድሚ ምቛም ጳጳሳት ኢትዮጵያን ምምሥራት ምኅደራ ሰበካ ጉባኤታት ኣብ ኤርትራ ካብ ፲፬/14 ክ.ዘ ኣስታት ፭፻ 5ዐዐ ዓመት ዝኣክል ብግብሪ ክሥርሓሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብሓፈሻ ካብ ፭/5 ክፈለ ዘመን ክሳዕ ዘመናዊ ታሪኽ ኣብ ዘሎ ታሪኽ ኦተቤኤ፡ ገዳማት ዘለዓለ ኢድ ኂዘን ንሕዝቢ ይምህራ፡ ይመርሓ፡ ይጣበቓ ነይረን ኢየን። ኣብ ቤተ ከርስቲያን ኣግኣዚት ካብ ፮ ከፍለ ዘመን ከሳዕ መፋርቕ ፳/20 ከፍለ ዘመን ብመጠኑ ቀንዲ ሃብተ ጸጋ ቤተ ክርስቲያንን ማኅድሮ ቤተ ከህነትን ምስ መሬት ሕርሻ ዝተተኃኃዘ ኾይኑ ብሰብ ሥልጣን ዝምደብ ጒልተ መሬት፡ ኣውራ ግና ብሕዝበ ክርስቲያን ዝውሰን ፍሉይ ርስተ መሬት እዩ።

ሠ.ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመነ መግዛእቲ

ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዋ ዕቍር ሃብቲ፡ ንማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ኣብ ዘራኽብ ጂኦፖለቲካዊ ኣብ ዝኾነ ዞባ እቲርከብ ሃገር ብምዃና መዋዕላ ግዳይ ወራራትን መግዛእቲን ኮይና ጸኒሓ ኢያ። ኣብ ርእሲ እቲ ዝጸንሐ ጥሙሕ መግዛእቲ ድኅሪ 1869 ብፍላይ ምስ ምኽፋት ስዊዝ ካነል ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣዝዩ ስለዘዓበየ፡ ብዝተፈላልዩ መግዛእታዊ ኃይልታት (ኦቶማን ቱርካውያን፡ ግብጻውያን፡ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያ፡ ኢትዮጵያ) ከትግዛእ ተገዲዳ ኢያ። እምበኣር ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክንብል እንከለና ሓደ ከፋሉ ታሪከ መግዛእቲ ክሳብ ዝኮነ፡ ቤተ ከርስቲያን ካብ ፲፬ ከፍለ ዘመን ኣትሒዛ ሰፊሕ ምዕባለታት ወይ ዳግም ተበራቢራ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቅድሚኣ ዝጎነፋ ዓቢይ ፈተና ናይ ኣሕመድ ግራኝ እዩ። እዚ ደም ንጹሓን ክርስቲዮን ከምውሕጅ ዝፈሰሰሉ፡ ክርስቲያን ጥራይ ብምዃኖም ዝተሰየፍሉ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተቃጸላሉ፡ ንዋያተ ቅዱሳት ዝበረሰሉ ዝተዘረፈሉ፡ ገዳማት ዝዓነዋሉ፡ ንጹሓን መነኮሳትን መነኮሳይያትን ዝተሓርድሉ፡ ምእመናን ብሓይሊ ናብ ምስልምና ዝተቀየርሉ ከቢድ ዘመን እዩ። ድሕሪ ሞት አሕመድ ግራኝ ገላውዴዎስ ናብ ሃገረ ባሕሪ ነጋሽ ብዙሓት ፖርቱጋላውያን (ንአሕመድ ግራኝ ንምስዓር ዝሐገዝዎ) የእቲዩ ነበረ፡ እንተኾነ ግና ተመሊሶም አብ ልዕሊኡ ውዲት ክአልሙን ነቲ ሕዝቢ’ውን ንዂሉ ናብ ካቶሊክ ንምቕያር ፈተኑ። ቀጺሎም ቱርካውያን ብባጽዕ ምስ ኣተዉ ንብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ሰሜናዊ ክፋልን (ኤርትራ) ክሳብ ትግራይ አዕነው።እዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ምብራቕ ኤርትራን ኣብ ምድኻም ከርስትናን ኣብ ምስፋሕ ምስልምናን ዓቢ ግደ ነበሮ። ብሓፈሻ ቱርካውያን ኣብ ታሪክ ሕዝብና ቅድሜኡ ዘይተራእየ፡ ኣብ መነባብሮኡ፡ ሃይማኖቱ፡ ባህሉን ቋንቋኡን፡ መንነቱ ሓደ ሕሱምን ጨካንን በሰላ ገዲፎምዮም ከይዶም።

ብድኅሪ እዚ ክሳዕ ምምጻእ ግብጻውያን ናብ መታሕት ኤርትራ ዝበዝኀ ክፋል ኅብረተ ሰብ ናይቲ ከባቢ ተኸታሊ እምነት ከርስትና እዩ ዝነበረ። ብዘይካ እቲ ነነጢሩ ዝረአ ዝነበረ ቱርካውያን ዘተባብዕዎ ምንቅስቃስ ምስልምናን ክሳዕ እቲ ጊዜ እቲ መእተዊ ስኢኑ ዘዕለብጥ ዝነበረ እምነት መለካውያንን ኵሎም ተቐማጦ ናይዚ ከባቢ ንዘመናት ካብ ኣቦታቶም ንዝወረስዎ እምነት ኣጽኒዖም ዝኃዙ መሃይምናን እዮም ዝነበሩ። ካብዚ ጊዜ ንደኃር ግና ምድረ ባሕሪ መሬታን እምነታን ብማዕረ እናተጎብጠ እዩ መጺኡ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ምስቲ ዝበዝኀ ክፋል መታሕት ምስ ከበሳ ዝነበሮ ዝምድና ምቍራጹ፡ ቀዲሞም ሚስዮናውያን ብዝፈጠርዎ ጽልዋ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብደረጃ መሪሕነት ምድካሙ ከም ዓቢ ሃጓፍ ተጠቂሞም ሠሪሖምሉ እዮም። ብሓፈሻ ካብ 1820 ዓ.ም. ኂዙ ዝቢጋገስ ዝነበረ ሓድሽ ምንቅስቃስ ናይ ምስልምና ኃገዝ ኣብ ሕርጊጎ ዝመደበሮም ናይ ናይባትን ጸለውቲ ዝነበሩ ናይ ምስልምና ዕጡቓት ካብ ከሰላን ካልእ ከባቢታት ሱዳን እናተበገሱ ንምስፍሕፋሕ ምስልምና ናብ መታሕት ኤርትራ ዝወፍሩ ዝነበሩ ከም በዓል Uthman al-Mirghani¨ Khatmiyya tariqa” ተኃጊዙ ከስፋሕፍሕ ጀመረ። ብፍላይ ናይ በለው ናይባትን “ad Shaykh family” ንተቐማጦ ቤት ኣስገደ (ሓባብ፡ ደቂ ተኽለ ደቂ ሃብተ ማርያም፡ መንሳዕ፡ ማርያ፡ ቤት ጁክ፡ ክፋል ብሔረ ብሌን ናብ ምስልምና ከም ዝልወጡ ጌሮም እዮም። በብጊዚኡ ዝሽየሙ ዝነበሩ መሻይኻትን ወተሓደራውያን መራሕትን፡ መግዛእታዊ ዕላማ ዝነበሮም ናይ ቱርክን ግብጽን ጥርኑፋትን ብሓፈሻ በብዝመችኦም እናወፈሩ ንተዛረብቲ ትግረ፡ ብሌን፡ ሳሆ ከሳዕ ሰንሒትን ገማግም ሰምሃርን ናይ መታሕት ለዊጦም እዮም፡ ከም ውጽኢት ናይ እዚ ድማ እዩ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ሚዛን ሃይማኖት መታሕት ተቐይሩ ነበረ።

ጐኒ ጉኒ ምእታው ምስልምና እቲ ካልኣይ ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝተፈጥረ ተጽዕኖ ድማ ሰላሕታዊ ምቅልቓል ምዕራባዊ እምነታት እዩ። ዝበዝኁ ክፋል ኅብረተ ሰብና ጸግዒ ዝኾኖም ኃይሊ ብምስኣኖም ከም ኣማራጺ ንናይ ግብጺ ምትእቲታው ኣይተቓወምዎን፡ ኣይተቓወምዎን ጥራይ ዘይኮነ እውን እምነቶም ኃዲጎም ኣብቲ ጊዜ ጸግዒ ኃያላት ሃገራት ንዝነበሮም እምነታት ከቕበሉ ከኢሎም እዮም። ናይዚ ቀሊል ኣብነት ድማ ሕዝቢ ዓንሰባ በጎስ መንሳዕ ናብ ንጉሥ ናፖልዮን ሣልሳይ ዝለኣኽዎ መልእኸቲ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ኣካል ናይ ግብጺ ምሕደራ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ከኣ ኣብ ከሰላን ከረንን ዝተቐመጠ ጀርመናዊ ስዊዘርላንዳዊ ሙዚንገር ከኣ፡ ምሕደራ ናይ ኸዲቭ ኢስማዒል ከም ቀንዲ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ካቶሊካውያን ልኡኻት (ሚስዮናት) ርእዩ ክሠርሓሉ ጀመረ። እዞም ላዛርያውያን ሚስዮናውያን ኣብ ዘመነ ራእሲ ውቤ ኣብ ትግራይ እኳ እንተነበሩ፡ ምስ ምምጻእ አቡነ ሰላማ ጳጳስ ግና ናብ ምጽዋዕ ክሃድሙ ተገዲዶም ነበሩ። ጸኒሖም ኣብ 1850 እውን እንተተመልሱ፡ በቲ ዝነበረ ምሕደራ ብፍርሒ ክነብሩ ተቐሲቦም እዮም። ኣብ ደቡብን ማእከልን ኢትዮጵያ ከስፋሕፍሑ ዕድል ዘይረኸቡ ሚስዮናውያን ኃይሎም ናብ ከበሳታት ኤርትራ ገበሩ። ወረ ሓንሳዕ ሓንሳዕ እውን ናብዚ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ግብጻውያን ዝነበረ ቦታታት እናኣተዉ ይሰብኩ ኔሮም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ 19 ከፍለ ዘመን ሕዝቢ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዝወፍሩ ብዝተፈላለየ ወረርትን ድርጕዐኛታትን ኣዝዩ ይሳቐ ነበረ። ካብ መሳፍንቲ ሰሜን ኢትዮጵያ እኒ ደግያት ዉቤ፡ ራእሲ ኣሉላን ካልኦትን ኣብ ብዙኅ ክፍልታት ኤርትራ ዝምታ የካይዱ ነበሩ። ከም ኣብነት ውቤ ንኣቡነ ሰላማ ኂዙ ንጉሠ ነገሥት ምእንቲ ከብል ሃብቲ ንምድላብ ብተደጋጋሚ ናብዚ ከባቢ መጺኡ ወራራት እናካየደ ብዝምታ ንሕዝብን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ኤርትራ ኣንድይዎም እዩ ክበሃል ይከኣል። ብዙኃት ኣብ ገዳማት ኤርትራ ዝነበሩ ጥንታውያን መጻሕፍትን ንዋያተ ቅድሳትን እናኣከበ ናብ ራስጌ ማርያም ይእክቦም ነበረ። ይኹን እምበር ምስ ጊዜ ኃይሊ ናይ ደግያት ካሣ ናይ ደኃር ሀፀይ ቴዎድሮስ እናበርትዐ ምስ መጸ፡ አቡነ ሰላማ ንዕርቂ ኢሎም ናብኡ ብምኻድ ከይተመለሱ ተረፉ። ንካሳ ኣንጊም ነዛ ሃገር ናብ ሓንቲ ሃይማኖት ከየምጻእካያ ምግዛእ ዝከኣለካ ኣይኮነን ኢሎም ስለ ዝመኸርዎ፡ ሀፀይ ቴዎድሮስ መለካውያን ንከየስፋሕፍሑ ብዙኅ ሠሪሑ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንትምህርቲ ጸጋን ቅብኣትን ዝቃወም “ቅብእን ተቐባእን ባዕሉ ወልድ እዩ፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ቅብዓት ዝኸበረ ኣይኮነን” ዝብል ኣዋጅ ብ1846 ዓ.ም. ተኣወጀ። ኣብዚ ጊዜ ድማ ንናይ ኣከለጉዛይን ምጽዋዕን ሚስዮናውያን ይመርሑ ንዝነበሩ አባ ያዕቆብ (ቤስኮቦ ጃውስቲኖ ዴ ጃኮቢስ) ተባረሩ። ከሳዕ ምምጻእ ኢጣልያውያን ድማ ንጊዜኡ ምስፍሕፋሕ ሚስዮናውያን ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ተገትአ። ብኣንጻሩ ኣብ መታሕት ግና ብዙኅ ሥራሕ ይሠርሑ ነበሩ። ኣብ ዘመን ሀፀይ ዮሐንስ ራብዓይ ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ግብጺ ኣርባዕተ ጳጳሳት ተሸይሞም መጹ። ሓደ ንሽዋ፡ ሓደ ንጎጃም፡ ክልተ ድማ ንትግራይን ኤርትራን ተመዲቦም ሥራሖም ጀመሩ። ናይዞም ሚስዮናውያን ተልእኾ ናይቶም ኣብ ፍርሒ ዝነበሩ ላዛርያውያን መደብ ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለ ዘይከደ፡ ናብ መታሕት ተመሊሶም ግብጻውያን ቀንዲ መዕቆቢ ኮይኖም ከገልግልዎም ጀመሩ። ናይዚ ኣብ ሞንጎ ግብጻውያንን ላዛርያውያን ሚስዮናውያንን ዝተፈጥረ ሓድሽ ምሕዝነት ሃንዳሲ ከኣ ሙዚንገር ነበረ። ሙዚንገር ምስቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ምሕዝነቱ ኣብ ዘትረረሉ ድማ እቶም ኣብ ኣከለጉዛይ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ብመናፍቕነት ተኸሲሶም ብሀፀይ ዮሐንስ ራብዓይ ተሶጉ። ብድሕርዚ ሙዚንገር ናይ ኸዲቭ ኢስማዒል ሓገዝ ብምሕታት ነዞም ዝተሶጉ ሚስዮናውያን ኣብ ከረን ከምዝዕቆቡን ቤተ ክርስቲያን ከም ዘሥርሑን ገበረ። ሓገዝ ግብጺ ዝረኸቡ ሚስዮናውያን ኣብ ከባቢታት ከረን ከም ፍቱሕ ከልቢ እናተዘዋወሩ ሓደ ኢና ብዝብል ናይ ጥባረ ምትላል ልቢ ብዙኃት አመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣሸፈቱ። ኣብዚ ጊዜ እዮም እቶም ንዘመናት ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝነበሩ ከም ሕዝቢ ብሌን ዝኣመሰሉ ምእመናን ናብ እምነት መለካውያን ዝቀየሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ማህዳውያን ንሕዝቢ ባርካን ጋሽን ብተደጋጋሚ ይወርዎ ነበሩ። እንተኾነ ሕዝቢ ኤርትራ በብከባቢኡ ንዝመጾ ዝነበረ ወራራት ብዓቕሙ ይምክት ነይሩ እዩ። እምበኣርከስ ኣብቲ እዋን’ቲ ሕዝቢ ኤርትራ ብወራራት ግብጻውያን ማህዳውያንን መሳፍንቲ ሰሜን ኢትዮጵያን ሰልክዩ ነበረ። ኣብ ርእሲ’ሲ ካብ 1889 ክሳዕ 1892 ኣብ ኤርትራ ብ “ዘመነ ኣካሒዳ” ዝፍለጥ ዓቢ ጥምየት ተከሢቱ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ሰብን ጥሪት ከሃልቕ ጌሩ እዩ፡ በዚ ድማ ብዙሕ ሕዝቢ ካብ መረበቱ ፋሕ በለ። ብተደጋጋሚ ወራርትን ምትእቲታው ሓድሽ እምነትን ባህልን ድማ፡ ደቀባት ኤርትራውያን እምነቶምን ባህሎምን ሥርዓቶምን ከጥፍኡ ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ክፉእ ጊዜ ድማ እዩ መግዛእቲ ጣልያን ዝመጸ።

ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ዝጥቀስ ዓቢ ተቓውሞ ኣይገጠማን። እዚ ከኣ ብሕዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተፈትወት ኣይኮነን። ካልእ ምኽንያት ነይሩ እዩ።ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዞባና ምቹእ ባይታ ፈጢርሎም እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክ/ዘ ብተደጋጋሚ ወራራትን ራስያን ተዳኺሙ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ተጸንቂቑ ነበረ። ካልኣይ ከኣ ኢጣልያውያን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝመጽእሉ እዋን ኣብ መላእ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ደርቅን ጥምየትን ኣጋጢሙ ብዙሕ ሕዝቢ ከኣ ካብ ቤቱ ተሰዲዱ ነበረ። (ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መበል 30 ዓመት ቊ.24 16 ግናቦት 2021 ሱራፌል ተስፋብሩክ) እዚ ከይኣክል ኢጣልያውያን ናብ ኤርትራ ዘእተውወን ከብቲ ጉልሓይ ዝተለኽፋ ስለ ዝነበራ ነተን ናይ ውሽጢ ዓዲ ከብቲ ለከምአን ሞ ብዙሓት ከብቲ በቲ ሕማም ምኽንያት ሞታ። (Bayru Tesfa) ስለዚ ከኣ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ሕሰም ወዲቑ ነበረ። ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ኢጣሊያ ናብ ኤርትራ ብግዝኣት ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ብንጉሥ ቴዎድሮስ ፪ይ ሓለዋን ጌይርለን ዝተሰጐጉ ናይ ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ልኡኻት ኣብ’ቲ ዝተቖጻጸሮ መሬት ኤርትራ ንኸንቀሳቐሱ ሕጋዊ ዝነኾ ሓለዋን እዩ። ብተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ዝሙት፡ መንእሰይ ኤርትራ ምንጪ ወተሃደራዊ ኃይሉ ምግባር፡ ኤርትራ ከም ሰፈር ኢጣልያውያን ምጥቃምን ካብቶም ዓበይቲ ተርእዮታት እቲ እዋን እዮም። ብቐንዱ እውን ጉልቲ ገዳማትን መሬት ቤተ ክርስቲያንን ብምኅዳግ፡

ንሚስዮናውያን ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶከስ ተዋሕዶ ቅሉዕ ወራር ገበረ። ኢጣልያውያን ዋላኳ ንኤርትራ ዶባታ ከሊሎም ከም ግዝኣት ካብ ጽልዋ መንግሥቲ ኢትዮጵያ እንተፈለይዋ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ግና ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምኅደራን ጽልዋን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ነበረት። ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ቤተ ከርስቲያናዊ ምዕባለ ናይቲ ዘመን ከም እኒ ገዳም ደብረ ቢዘን ዝሠርሓኦም ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ምጽናዕ ምእመናን ኣብ እምነት፡ ጠቢቓ ሕዝቢ ኬንካ ምምጋትን ምሻም ኤርትራውያን ጳጳሳትን ተጠቀስቲ እዮም። ከም ኣብነት መምህር ገረአምላክ ዝበሃሉ ዝነበሩ ብጹእ አቡነ ማርቆስ (ናይ ትግራይን ናይ ኤርትራን ሊቀጳጳስ) ኮይኖም ብኅዳር 21 1930 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብጹእ አቡነ ኣብርሃም ዝተቐብኡ። አባ ገብረ ኢየሱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ብጹእ አቡነ ጎርጎርዮስ ተባሂሎም ኣብ 1932 ዓ.ም. ዝተቐብኡ፡ ሊቀ ሊቃውንት ገብረአብ ዝበሃሉ ዝነበሩ ደሓር ብጹእ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ተባሂሎም ኣብ 1930 ዓ.ም. ዝተሸሙ:: መምህር ወልደሚካኤል ዝበሃሉ ዝነበሩ ደሓር አቡነ ሉቃስ ካልኣይ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዝተሾሙ ምጥቃስ ይከኣል። ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ብሪጣንያ እውን ብዙኅ ጸገማትን ዕግርግርን ከሕልፍ ስለዝጀመረ ናጽነቱ ንምርካብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምጅማር ኣንጻር ውዲታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ብዓቕሙ ክምክት ተራእዩ። ኣብ 1952 መግዛእቲ ብሪጣንያ ብጉልባብ ፈደረሽን በቲ ብኣሜርካ ዝድገፍ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተተከአ።

ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ጥልያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ አባ ገብረ ጊዮርጊስ ዘደብረ ቢዘን (ዳኅራይ ብፁዕ አቡነ ጎርጎርዮስ ቀዳማዊ (፲፰፻፸፪ – ፲፱፻፶፰ ዓ ም) ብዝርከቡዎ ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናብ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ናይ ልዑላዊነት ሕቶ ኣቕሪባ እኳ እንተ ነበረት፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክዉን ኪኸውን ኣይከኣለን። ብድኅር’ዚ ግና ምስ ስልታዊ ኣካይዳ ሃፀይ ኃይለ ሥላሴ በብቝሩብ ናጽነት ልዑላዊነት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተወንዚፉ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣተወት፡ ብፁዕ አቡነ ማርቆስ ቀዳማዊ (፲፰፻፸፯ – ፲፱፻፶፫ ዓ. ም.) ድማ ናይ መጀመርታ ጳጳስ ኤርትራ ኮይኖም ተመዲቦም ኣገልገሉ። ብድኅር’ዚ ኤርትራ ከም ሓንቲ ከፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ተቘሪና በብጊዜኡ ጳጳሳት እናተመደቡላ ትኸይድ ነበረት፡ እቲ ካብ ቀዳሞት ኣቦታት ካብ በዓል አቡነ ሊባኖስ ኣትኂዙ ዝነበረ፡ ኣብ ዘመን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ውን ኃይሉ ዝቐጸለ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳራዊ ኣካይዳ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ከም መቐጸልታ ናይቶም ብሹማምንቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝወርዱ ዝነበሩ ዝምታን ራስያ ቅርስታትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንከይትዓቢን ርእሳ ንኸይትኽእልን ዝግበር ዝነበረ ኩነታት እንርድኣሉ’ውን ኢዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ከርስቲያን ኤርትራ ካብ ቅድሚ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣትኂዙ ብመሪሕነት ብጹዕ አቡነ ማርቆስን መልአከ ሰላም ንቡረ እድ ድሜጥሮስ ገብረማርያምን ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተሓንጻ፡ ማኅበር መንእሰያት ዝዀነ ማኅበረ ሐዋርያት ፍሬ ሃይምኖትን ቤት ማኅተም ማኅበረ ሐዋርያት ተሠርሐ፡ ክሳብ ብሔረ ኩናማውን ከይተረፈ ስብከተ ወንጌል ኣብ ብዙኅ ቦታታት ተባጽሐን። ብ1974 ዓ.ም.ፈ. ብወተሃደራዊ ጎነጽ ደርግ ናብ ሥልጣን ምስ መጽአ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መሰላት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተመንዚዑ ጥራይ ዘይኰነስ ኣንጻር ክርስትና ብምስላፍ፡ ማዕተብ ከይኣስር፡ ቤተ ከርስቲያን ከይሳለም፡ ከይቅድስ ከየቐድስ፡ ከይቈርብ፡ ንደቁ ድማ ከየጠምቕን ከየቝርብን ይኽልክል ነበረ። ብ9 ለካቲት 1968 ዓ.ም.ግ. ፓትርያርክ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ አቡነ ቴዎፍሎስ ካብ መንበሮም ኣውሪዱ ናብ ቤት ማእሠርቲ ኣእተዎም። ቅድሚ ቅዱስ ፓትርያርክ ንሃገሮም ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩን ዘገልገሉን ክርስቲያን ሰበ ሥልጣን ኣብ ርእሲ ምእሳሮሩን ምቕታሊን፡ 3 ጳጉሜን 1966 ዓ.ም.ግ. ንሓድነት ሃገር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮምን ብመዓርግ ምኒስተር ናይ ጠቕላላ ቤተ ክህነት ቀንዲ ኣካያዲ ሥራሕ ዝነበሩ ንቡረ እድ ድሜጥሮስ ገብረማርያም’ውን ዓራት ተሰኪሞም ናብ ቤት ማእሠርቲ ከምዝኸዱ ብምግባር ክብረ ኅሊናኦም ኣቝሲሎምዎም ኢዮም። ብኸምዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልግገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ብዙኅ ግፍዒ ሓሊፉ ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንመርዓርገ ጵጵስና ዝበጽሑ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውያን’ውን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ከም በዓል ብፁዕ አቡነ ማቴዎስ ቀዳማዊ (1862-1939 ዓ.ም.) ብፁዕ አቡነ ጎርጎርዮስ ቀዳማዊ (1872-1958 ዓ.ም.) ብፁዕ አቡነ ፊልጶስ ቀዳማዊ (1888-1974 ዓ.ም.) ብፁዕ አቡነ መርቆሬዎስ (1888-1968 ዓ.ም.) ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ (1887-1983 ዓ.ም.)፡ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ አልኣይ (1900 1984 ዓ.ም.) ዝኣመሰሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ተግባራት ኣከናዊኖም ኢዮም። ሓደ ሃገሮም ኣመሓዲሮምን ንሕዝቦም መሪሖምን እንተዝዀኑ ኣብዚ ሃገር ክሳብ ክንደይ መንፈሳዊ ሥራሓት ምተከናወነ ማንም ክግምቶ ዝኽእል ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ብዙኃት አባጊዕ ዝጓስየን ስኢነን ኣደዳ ተዅላን ጉሒላን ኰይነን ኢየን። እዚ ኵሉ መንእሰያትን ምእመናንን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብቐረባ ዕድላት ትምህርቲ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ከኣ ኣብቲ ድኅሪ ነጻነት ዝነበረ ሕይወት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኣሉታ ከምዝጸለወን ክሳብ ሕጂ’ውን ስንብራቱ ከምዘይጠፍአ ከኣ ክንግዘብ ንኽእል።

ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.16

#ብቤት_ትምህርቲ_ሰንበት_ቅድስት_ድንግል_ማርያም_ቤተ_ክርስቲያን_መድኃኔ_ዓለም

ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል

Leave a comment

Send a Comment