ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 4ይ ናይ መወዳእታን ክፋል

ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 4ይ ናይ መወዳእታን ክፋል

ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 4ይ ናይ መወዳእታን ክፋል

ክፍሊ ፪. ልዕላዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ታሪኸ ኦርቶዶከስ ተዋሕዶ ቤተ ከርስቲያን ኤርትራ ንኣሽሓት ዓመታት ዝተዘርገሐ ኣዝዩ ነዊኅኳ እንተ ኾነ፡ ብሰንኪ ተደራራቢ መግዛእቲታትን ካልእን ካብ ርእሰ ምኅደራ ዝኃልፍ ልዑላዊነት ከትረከብ ኣይከኣለትን። ታሪኻ ከምቲ ዝግባእ ስለ ዘይተመዝገበን ስለ ዘይተጻሕፈን፡ ብደቂቑ ንምዝራብ ዝከኣል እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ብገዳማት ዝተማእከለ ናጻ ምሕደራ ከም ዝነበራ ግና ቀዲምና ብጽማቕ ታሪኽ ርኢናዮ ዘለና እዩ። ሃገርና ኤርትራ ብተባርዮ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ኃይልታት (ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጥልያን፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን) ክትግዛእ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ነዊነ ዓመታት ድኅሪ ዝወሰደ ቃልሲ፡ ኣብ መወዳእታ ዕለት ፲፮ ግንቦት ፲፱፻፹፫ ዓ. ም. (24 ግንቦት 1991 ዒ ም ፈ) ናጽነታ ድኅሪ ምጉንጻፍ፡ ነቲ ብረድኤት እጊዜአብሔር ብደም ደቃ ዝተረኸበ ናጽነት ብድምፂ (ረፈረንደም) ንዓለም ብምርግጋጽ ከኣ ዕለት ፲፮ ግንቦት ፲፱፻፹፭ ዓ. ም. (24 ግንቦት 1993 ዓ. ም.ፈ) ናጽነታ ኣብ መዝገብ ዓለም ኣመዝጊባ ባንዴራኣ ኣብ መድረኽ ዓለም ኣንበልበለት።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ድኅሪ መግዛእቲታት ጥልያንን እንግሊዝን ነቲ ኣብ ትሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ ብምኽንያት ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ግና ናጻ ዝኾነ ምኅደራዊ ሥርዓታ ብግቡእ ንምኻድ፡ ብዕለት ፳፩ መስከረም ፲፱፻፹፬ ዓ. ም. (ዐ2/10/1991 ዓ ም.ፈ) ንዅላቶም ኣካላታ ዘሣተፈ ፈላሚ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ሃገራዊ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ብምክያድ፡ ዓሠርተው ሠለስተ (3) ዝኣባላቱ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኣቚማ ንዝነበረ ምምኅዳራዊ ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መጻኢ እታ ቤተ ክርስቲያን ንምምእዛን እውን ሥራሓ ጀመረት። ጊዜያዊ ሲኖዶስ ድማ ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ተሸይሞም ንዝነበሩ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ካብ ኣበ ምኔታት ገዳማት፡ ውሉደ ክህነት፡ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ሕዝባውያን ምእመናንን ሓቚፉ ዓበይቲ ሥራሓት እናሠርሐ፡ ምስ ሓፈሻዊ ጉባኤ እናተማኸረ ብጽቡቕ ኪደት ፈለመ። ጐኒ ጐኒ እዚ ሥራሕ’ዚ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጋዊ ምጉንጻፍ ልዑላዊነት ቤተ ከርስቲያን ብዝምልከት ቤተ ከርስቲያናውያት ቀኖናታት ብደቂቕ ብምምልካትን ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብዅሉ መዳዩ ምስ ብምምርማር ካብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ከተምጽእ ወሲና። ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ ኣብ’ቲ ብዕለት ፲፰ ሰኔ ፲፱፻፺፩ ዓ ም. (25/06/959 ዓ ም. ፈ) ኣብ መንጎ ናይ ግብጽን ኢትዮጵያን አብያተ ክርስቲያን ዝተፈረመ ኃባራዊ ስምምዕ (Protocol ቀዳማይ አንቀጽ፡ The Pope of Alexandria, Patriarch of the See of Saint Mark successor to the Evangelist Saint Mark is the highest piritual Pather of the Church of Ethiopia. (ወራሲ መንበር ሐዋርያ ቅዱስ ማርቆስ ዝኾነ ፖፕ እስክንድርያን ፓትርያርክ መንበር ቅዱስ ማርቆስን ላዕለዋይ መንፈሳዊ ኣቦ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እዩ።” ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሽየም ፓትርያርክ (ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተጸዋዕነቱ ናብ ናይ ግብጺ ፖፕ ስለ ዝኾነ፡ ፓትርያርክ ክሸይም ሕጋዊ ሥልጣን ነይርዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይነበረን። እዚ እቲ ቐንዲ ኮይኑ፡ ብኻልኣይ ድማ ከምቶም ኣብ’ቲ ጊዜ ዝነበሩ ኣበው ዝበልዎ፡ “ንመንበረ እስክድንርያ ጓል ጓላ ካብ ምዃን ጓላ ምዃን የኃይሽ፡” ብምባል፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ልዑላዊነታ ካብ ቤተ ከርስቲያን ግብጺ ከተምጽእ ወሲና።

ነዚ ዓሚቝ መጽናዕቲ፡ ሰፊሕ ዘተን ምኽከርን ዝተኻየደሉ ውሳኔ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ወርኂ ሓምለ 1993 ዓ.ም.ፈ ብምኽንያት መንግሥታዊ ሥራሕ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ አፈ ወርቅ ናብ ግብጺ ኣብ ዝኸዱሉ ጊዜ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ መበል 7 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ተራኺቦም ጸኅቀ ልቡና

ሃገረ ኤርትራ፡ ክቡር ፕረሲደንታ፡ መንግሥታ፡ ጊዜያዊ ሲኖዶሳን ሕዝባን ንልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ትኸውን ልዑላዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክትህሉ ከም ዝኾነ ገለጹሎም። ብመሠረት እዚ ዕዉት ዝርርብ’ዚ ድማ ብዕለት ፲፪ ሐምሌ ፲፱፻፹፭ ዓ. ም. (19 ሓምለ 1993 ዓ. ም ፈ) ብውግዓዊ ወረቐት ጊዜያዊ ሲኖዶስ ዝተሰነየ ልኡኸ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ናብ ካይሮ (ግብጺ) ብምኻድ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊን መሣርሕቶምን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱ ናብ ኤርትራ ተመልሰ። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ድማ ብዕለት ፲፬ ሐምሌ ፲፱፻፹፭ ዓ. ም. (21 ሓምለ 1993 ዓ. ም ፈ) ናብ ኣቦ መንበር ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝለኣኸዎ ወግዓዊ ወረቐት ንሕቶ ልዑላዊነት ቤተ ከርስቲያን ኤርትራ ከም ዝተቐበልዎ፡ ቅድሚ ሢሜተ ፓትርያርክ ግና ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብጳጳሳት ንምኅያል ምቕባእ ብፁዓን ጳጳሳት ንኺህሉ ዝገልጽ ምከረ ሓሳብ ለኣኹ። ብፁዕ አቡነ ፊልጶስ ድማ ብዕለት ፳፬ ሚያዝያ ፲፱፻፹፭ ዓ. ም. (02/05/1993 ዓ. ም ፈ) ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ነዚ ምክረ- ሓሳብ እዚ ከም ዝተቐበሎ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ደብዳቤ ጸሓፉ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅብጢ ኸኣ ብዕለት ፲፰ መስከረም ፲፱፻፹፮ ዓ. ም (28/09/1993 ዓ. ም ፈ) ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ጉባኤ ነዚ ዅሉ ሓሳባት መርሚሩ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዅሉ መምዘኒታት ተመዚና፡ ንዅሉ ረቛሒታት ኣማሊኣ ስለ ዝተረኸበት፡ ብወግዒ ተቐቢሉ ኣጽደቖ። በዚ መሠረት ከኣ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ብመሠረት ዘውፀኦ መምርሒ ካብ ዕሥራ ገዳማት ኤርትራ ዓሠርተው ኃሙሽተ (5) አበ ምኔታት ብሕፁይነት ብምቕራብ፡ ንኃሙሽተ አበ ምኔታት ገዳማት መረፀ። ነዚ ዝርዝር እዚ ዝኃዘ ቃለ ጉባኤ ዘለዎ ደብዳቤ ድማ ብዕለት ፫ ጥር ፲፱፻፹፮ ዓ.ም. (11/10/1994 ዓ. ም. ፈ) ናብ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ለኣኸ። ብዕለት ፲፮ ግንቦት ፲፱፻፹፮ ዓ. ም. (24/05/1994 ዓ. ም. ፈ) ሓደ ጕጅለ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ቅብጣዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ተላኢኹ ናብ ኣሥመራ ብምምጻእ፡ ምስ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ብዛዕባ ሢሜት ብፁዓን ጳጳሳትን ቅዱስ ፓትርያርክን መዓስን ኣበይን ከም ዝኸውን ተመያዪጡ ኣብ ስምምዕ በጽሐ። እዚ ልኡኽ ቅብጣዊት ቤተ ከርስቲያን ምስ ጊዘያዊ ሲኖዶስ ድኅሪ ምልዛቡ ምስ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡ ብዕለት ፲፰ ግንቦት ፲፱፻፹፮ ዓ. ም. (26/05/1994 ዓ. ም. ፈ) ዝተጻሕፈ ዝርዝር ስማት ጵጵስና ዝሽየሙ ኃሙሽተ ኣበ ምኔታት፡ ሃገረ ስብከቶም፡ ሢመቶም ኣብ ካይሮ – ግብጺ ከም ዝኸውን፡ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ድማ ኣኣብ መንበር ሃገረ ስብከቶም ከም ዘቐምጦም፡ ሢመት ቅዱስ ፓትርያርክ እውን ኣብ ካይሮ ከም ዝፍጸም፡ ብድኅሪኡ ግና ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሲኖዳ ሣልሳዊ ናብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ መንበሮም ከም ዘቐምጥዎም ዝገልጽ ስምምዓዊ ደብዳቤ ኂዙ ናብ ግብጺ ተመልሰ። በዚ መሠረት ድማ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ብዕለት ፲፪ ሰኔ ፲፱፻፹፮ ዓ ም. (19/06/1994 ዓ. ም. ፈ) ብብፁዕ አቡነ ፊልጶስ ዝምራሕ ልኡኽ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቆስ ካይሮ ብብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ማዕርገ ጵጵስና ተቐብኡ። ንሳቶም ድማ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ፡ ብፁዕ አቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ብፁዕ አቡነ ሰላማ፡ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ፡ ብፁዕ አቡነ እንጦንዮስ እዮም። ብዘይካ’ዚ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ኣቐዲሙ ካልእ 13 ዝኣባላታ ኣርቃቒት ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ (ቃለ ዓዋዲ) ኣቝሙ፡ ዝረቐቐ ሕጊ ብዕለት ፲፰-፳ ነሐሴ ፲፱፻፹፯ ዓ. ም. (24 26/08/1995 ዓ. ም. ፈ) ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት 15 ሰባት ንዝተወከልዎ ካልኣይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣቕሪቡ ኣጽደቐ። ብድኅር’ዚ ብዕለት ፰ ሚያዝያ ፲፱፻፺ ዓ. ም. (16-04-1998 ዓ. ም. ፈ.) ናብ ኣሥመራ ዝኣተወ ብብፁዕ ሜትሮፖሊታን አቡነ ብሶይ ዝምራሕ ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ዝተሣተፈሉ፡ ብዕለት ፲ ሚያዝያ ፲፱፻፺ ዓ. ም. (18-04-1998 ዓ. ም. ፈ) ኣብ ኣሥመራ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ንብፁዕ አቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኪኾኑ መረፆም። ብመሠረት ስምምዕ ክልቲኡ ሲኖዶሳት ድማ ብዕለት ፲ ሚያዝያ ፲፱፻፺ ዓ. ም. (08 ግንቦት 1998 ዓ ም. ፈ) ኣብ ዕለተ በዓለ ዝክር ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ ካይሮ ብብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሽኖዳ ሣልሳዊ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ፊልጶስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተሰይሞም ግብጻውያንን ኤርትራውያንን ጳጳሳት፡ ካህናትን ኣሽሓት ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ፓትርያርከነት ተቐብኡ፡ ኣብ’ዚ ዕለት እዚ ድማ ክልቲኦም ፓትርያርካት ኣቐዲሙ ብኽልቲኡ ሲኖዶሳት ንዝተራእየ፡ ነዚ ልዑላዊነት

እዚ ዝምስክር ዓሠርተው ኃሙሽተ (፲፭ (5) ዓንቀጻት ዝኃዘ ኃባራዊ ስምምዕ (Protocol) ተፈራረሙ። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሽኖዳ ሣልሳዊ ድማ ምስኦም ናብ ኣሥመራ ብምምጻእ ኣብ ርእሰ አድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣሥመራ ኣብ ዝርከብ መንበሮም ኣቐመጡዎም።

በዚ ኣገባብን መሥርሕን ከኣ፡ ኦርቶዶክሰ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ዕለት ፴ ሚያዝያ ፲፱፻፺ ዓ. ም. (08 ግንቦት 1998 ዓ. ም. ፈ) ኣትኂዛ ናጻን ልዑላዊትን ቤተ ክርስቲያን (autocephaleous Church) ኮይና፡ ቅዱስ ፓትርያርካ ኣሺማ፡ መንበር ፓትርያርካ ተረኪባ። ልዑላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝኾነት ድማ ዅለን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዝፈልጥኦ ተገብረ። በዚ ድማ ማዕረን ሓንቲ ካብ’ተን ኦርየንታል ወይ ጽባሓውያት (Oriental Churches) ተባሂለን ዝጽውዓ ዘይኬልቄዶናውያት አኃት አብያተ ክርስቲያን (ግብጺ፡ ሶርያ፡ እርመንያ፡ ሕንዲን ኢትዮጵያን) ስማ ተመዝጊቡ። ብደረጃ ዓለም እውን ከም መጠን ናጻን ልዑላዊትን ቤተ ከርስቲያን ተፈሊጣ፡ ብመሠረት ኣብ ቃለ ዓዋዲ አንቀጽ ፻፳፩ (2) ተደንጊጉ ዘሎ ሕጋ፡ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ክርስቲያናዊ ኣበርክቶአ (Eccumenical role) ንኸተበርከት፡ በብጊዜኡ ኣባል ቤት ምኽሪ አብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC – World Coucil of Churches) ፡ ቤት ምኽሪ አብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (AACC All African Council of Churches) ፡ ቤት ምኽሪ አብያተ ክርስቲያናት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን (ECCLAHA) ኮይና።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብመሠረት ዓሠርተው ኃሙሽተ (5) ዓንቀጻት ዝኃዘ፡ ምስ መእተዊኡ ብጠቕላላ ሽዱሽተ (06) ገጻት (ኣብ ናይ እንግሊዝ ጽሑፍ) ዘለዎ፡ ብኃለፍቲ ክልቲኣተን አብያተ ክርስቲያን ዝተፈራረምኦ፡ ካብ ዕለት ፴ ሚያዝያ ፲፱፻፺ ዓ. ም. (08 ግንቦት 1998 ዓ. ም. ፈ) ኣትኂዛ ናጻን ልዑላዊትን ቤተ ክርስቲያን ኮይና ኢያ። ኦተቤኤ ኤርትራ ልዑላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃና መጠን ካልኦት ከወስዳኦ ወይ ክጥቀማሉ ዘይክእላ፡ ምስ እምነታን መንነታን ዝተኣሰሰረ ትርጕሙ ኣብ ቃለ ዓዋዲ ብዝርዝር ዝሰፈረ ስያመ ረኺባ። ዝለዓለ መራሒኣ ቅዱስ ፓትርያርክ) ባዕላ መሪፃ ከትቀብእን ክትሸይምን ክኢላ። ወራሴ መንበር ሐዋርያትን ጉባኤ ጳጳሳት ዝኾነን፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ክውስን ምሉእ ሥልጣን ዘለዎ ላዕለዋይ ሓጋጊን ወሳኒን ቤተ ክርስቲያኑ ዝኾነ፡ ንዝኾነ ካልእ ናይ ወፃኢ ቤተ ክርስቲያን ወይ’ውን ኣካል ተጸዋዕነት ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዝመኃደር፡ ጸብጻብ ሥራሑ ንኻልእ ኣካል ዘይህብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣለዋ። ማዕረ ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ከምኣ ልዑላውያት አብያተ ክርስቲያን ኣብ ነገረ ሃይማኖት፡ ሓድነት፡ ኣብ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ ኅብረት፡ ኣብ ቀኖናዊ ጉዳያት ድማ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኮይና፡ ናይ ዝኾነ ፍቓድ ከየድለያ ምስ ካልኦት ልዑላውያት ኣኃት አብያተ ክርስቲያን ዝምድና ንምኅያል ክትሠርሕ ናጻ ኢያ። ምስ ካልኦት እምነታትን ዓለም ለኻዊን ዞባዊን ማኅበራትን ብኤኮሜናያዊ መንፈስ ቀጥታዊ ርክባትን ዝምድናን ክትገብር ምሉእ ሥልጣንን ናጽነትን ዘለዋ ኢያ።

እምበኣርከስ ልዑላዊነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብፍቓድ እጊዜአብሔር ኣብ ጊዜኡ ዝተረኽበ፡ ነዊኅ ታሪኻዊ ጕዕዞ ዝኃለፈ፡ ብዙኅ መንፈሳዊ ዋጋን ፃዕርን ዝሓተተ፡ ብርእሳ ተመኃዲራ እቲኃድረሉ ክብሪን ናጽነትን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን እዩ። እዚ ሐዋርያዊ ሰንሰለቱ ሓልዩ ዝተረኸበን፡ ኣጽኒዑ ዝነብርን ኮይኑ፡ ሕግን ሥርዓትን (ቀኖና) ኣኽቢሩ ድማ ክሳብ ዝተመኃደርን ከሳዕ ዝኾነ፡ ግዳማዊ ኣካል ኢዱ ዘእተወሉ ከም ዘይኮነን፡ ነዚ ከብርን ናጽነትን ድማ ኣብ ርቱዕ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ዝነበሩ ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያን ክዕቅብዎን ብሓድነት ከኅይልዎ ይግባእ።

ለበዋ

ታሪኹ ዝፈልጥን ዘድንቕን ንሞያን ተጋድሎ ኣቦታቱን ክብሪ ዝህብ ወለዶ ናፋቒ ባዕድ ኣይኸውንን እዩ። ድኻ ኣማዕዳዊን ተመጽዋቲ ታሪኽን ካብ ምዃን ድማ ነጻ እዩ። ምግዛእ ኣብ ደሞም ካብ ዝሠረጸ ምዕራባውያንን ፈርዖናውያንን ድማ ዳግም ኅሊናና ከይገዝኡና ልብና ዝመልእን ኣፍና ዘኸፍትን ታሪኽ ከምዘሎና ፈሊጥና ኅሊናና ካብ ናይ ታሪኽ ባርነት ሓራ ንግበሮ። ሓቂ እዩ ናተይ ዝብሎ ብናቱን ብኣቦታቱን ዝተቐመረን ዝተሠርሐን ዝወቀበን ታሪኽ ዘለዎ ሕዝቢ ልቦንኡ ዘልዕል፡ ገጹ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ድንን ዘየብል፡ ክዛረበሉ ዝህንጠየሉ ነገር ስለ ዘለዎ ናጻ ኅሊና ክውንን የኽእሎ እዩ። ባዕሉ ታሪኽ ኣቦታቱን ሃይማኖቱን ድማ ይዕቅብ። ብኣንጻር ናይ’ዚ ንታሪኽና ብባዕዳውያን ክንምጽወቶ ንጽበ እንተለና ግና ጌና ናጽነቱ ዘየረጋገጸ ኅሊና ዘመላልሶ ድኹም ኣተሓሳስባ ኂዝና ምህላውና ምግንዛብ የድሊ።

ዓይንና ዝርእዮ ኣእዳውና ክርምስሶ ዝኽእል ሃብታም ታሪኽ ኣሎና፡ ስለ’ዚ ባዕልና ንፈትሾ። ታሪኹ ባዕሉ ዝዕቅብ ድማ ጸጋን በረኸትን እዩ ዝረክብ፡ ታሪኽና ታሪኽ ትማሊ ኣይኮነን መሰታ ጊዜ እዩ’ሞ ደሮና መጻሕፍትና ነጊፍና ዓይንና ክንተኸለሎም፡ ብእኦም ንድኅሪት ተመሊስና ታሪኽና ክንስንድ ኵልና ገጊዴና ነልዕል። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ደቃ ብዛዕብኣ ዘጽንዕሉን ዝፈልጥሉን ዘፍልጥሉን ባይታ ከተሳፍሕ ጊዜ ዝጠልቦ እዩ።

#ተፈጸመ

ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.16

#ብቤት #ትምህርቲ_ሰንበት#ቅድስት_ድንግል_ማርያም_ቤተ #ክርስቲያን #መድኃኔ_ዓለም

ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል

 

 

 

Leave a comment

Send a Comment