ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 1ይ ክፋል
እስራኤል ዘሥጋን ኅሩያንን ጥራይ ፈጣሪን መጋቢን ዓለም መን ምዃኑ ፈሊጦም፡ ካብ ካልእ ዓለም ተፈልዮም በይኖም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኣምልኮተ እጊዜአብሔር ይፍጽሙ ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን፡ ሃገረ እጊዜአብሔር ተባሂላ እቲፍለጥ ሃገርናን ሕዝበ እጊዜአብሔር ተባሂሎም ዝልለዩ ቀደምት ወለድናን ካብቶም ኅሩያን ብምንባሮም ንእጊዜአብሔር ኣሚኖም፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብን ሥርዓተ ኦሪትን ኣምልኮተ እጊዜአብሔርን ይፍጽሙን ሕግን ሥርዓትን ኣኽቢሮም ይጓዓዙን መሥዋዕቲ ኦሪት የዕርጉን ምንባሮም መጽሓፋዊ፡ ታሪኻዊ፡ ትውፊታዊ፡ ቅርሳዊ፡ ባህላዊ፡ ኣፍኣዊ መረዳእታታት ብጭብጢ ዝምስከርዎ ኣብ ባይታ ዝንበብ ሓቂ እዩ። ኣቐዲማ ብዘመነ ሕገ ልቡና አምልኾ እጊዜአብሔር ዓቂባ ብዙኃን ስሙያት አበው ዘፍረየት፡ ኣብ ዘመነ ሕገ ኦሪት ድማ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢላ መጻሕፍተ ብሉይ ኪዳን ምስ ሥርዓተ ግዝረትን ሥርዓተ መሥዋዕተ ኦሪትን ታቦተ ጽዮንን ዝተቐበለ፡ ኣብ መዋዕለ ስደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስት ወላዲቱ ብኪደተ እግሪ እጊዜአብሔርን ወላዲተ አምላክን ዝተባረኸ ኤርትራ ሃገርና እቲርከቦ ጐደቦና ድማ ብመገዲ፡ “ኢትዮጵያዊ ስሉብ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ባኮስ ተባህሉ ዝጽዋዕ በዓል ሥልጣን ትምህርተ ከርስትና ብጊሓቱ ኣብ ከባቢ ፴፬ ዓ. ም በጺሑዋ እዩ። (ግ ሐዋ. ፰፥፳፮-፴፮/8፥26-36) ኦሪትን ነቢያትን ተወኪሳ ኸኣ ዝተቘጽረ ሱባዔ ከም ዝኣኸለ፡ ዝተነግረ ትንቢት ከም ዝተፈጸመ ኣሚና፡ ብዘይምፍሳስ ደም ሓደ ቅዱስ ብሥራተ ወንጌል ተቐቢላ ኢያ።
ብድኅር’ዚ እውን ታሪኽና ብሰንኪ ተደራራቢ መግዛእቲ ከምቲ ዝግባእ ከይተነግረ ተዓብሊሉን ተዋሒጡን ወይ’ውን ብፍላጥ ተደብዩ ጸኒሑ እምበር፡ ቅድሚ ኣዅሱማዊ ሥልጣነ ኣብ ዝነበረ ኣዱላዊ ሥልጣነ (ንግሥነት ኣዱሊስ) ዝነበረ ክርስትና ብዙኅ መጽናዕቲ ዝሓትት ዕዮ ቤት እዚ ወለዶ ዝኾነ፡ ተዳህሳሲን ምዝጉብን ታሪኽ ዘለዎ ሓቂ እዩ። እዚ ኣዱላዊ ስብከት፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ’ተን ጥንታውያት መካናትን ሥልጣኔታትን ዝነበሮ ሐዋርያዊ ግደ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ማእከል ክርስትና ኮይኑ የገልግል ምንባሩ ይጥቀስ። ድኂሩ ንዝመጽአ ወግዓዊነት ከርስትና ሃገርና ድማ መሠረት ኣብ ምንጻፍ ልዑል ኣበርክቶ ነበሮ።
ኣዱላዊ ሥልጣነ ተደብዩ፡ ብናቱ መሠረትነት ዝዓንበበ ኣዅሱማዊ ሥልጣነ ምስ መጽአ ኸኣ ጽባሕ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍላም ዘመነ ፓትርያርከነት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ አትናቴዎስ ሐዋርያዊ መበል ፳/20 ፓትርያርክ ግብጺ፡ ብንእስነቶም ኣብ ኣዱሊስ እግሮም ዘንበሩን ካብ ሓደጋ ብተኣምራት እጊዜአብሔር ዝወፅኡን ዳኅራይ ብፁዕ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ጳጳስ ምድርና (ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂሉ ዘሎ ምድሪ) ተባሂሎም ተሾሙ። እቲ ዘመን’ቲ ክንርእዮ ከሎና፡ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ሲኖዶስ (ጉባኤ ኒቅያ) ዝተኻየደሉ፡ በቲ ጉባኤ ድማ ኣርባዕተ መናብርት ማለት ሮማ፡ እስክንድርያ፡ አንጾኪያ፡ ኤፌሶን ተነጺረን ክልለንን ኣብ ጉባኤ ዝነበረን ብጽሒት ሥራሕን ተነጺሩ ዝተቐመጠሉ ዘመን እዩ ነይሩ።
በዚ ምምጻእ አቡነ ሰላማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ምሥፋን ምልኣት ዘለዎ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ኣፈጻጽማ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያንን፡ ምእኩል ቤተ ክርስቲያናዊ ምኅደራን፡ አርዮሳውን ንስጥሮሳውን መርዚ ክሕደት ዘይተተፍአን መጻሕፍተ ሐዲሳት ካብ ጽርእ ናብ ግእዝ ከትርጐማ ዕድል ተረኺቡ እዩ። ዋላ ኣብቲ ዘመንቲውን እንተኾነ ቤተ ከርስቲያን ኤርትራ ከም መቐጸልታ ዝነበራ ቅድምና ሥልጣነ ሓውሲ ርእሰ ምኅደራ ቤተ ከርስቲያን ከም ዝነበራ ብታሪኽ ይግለጽ እዩ። ቅድሚ ናብ ደቡብ ገጹ ምስፍሑ ኣብ ራብዓይ ክሳዕ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ደብረ ሲና፡ ባቅላ፡ ናግራን፡ ወቦ ዘተርፈ ዝኣመሰሉ መካናት ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ድልዱል መሠረት ክርስትና ኣንጺፈን ነይረን። ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ቅድሚ ኵሉ ክርስትና ዝሰፍሓሉን ብቐዳምነት ቅዱሳን ዝረገጽዋን ገዳማት ዝመሥረትላን ሃገርና ምንባራ ይፍለጥ።
ካብ’ዚ መፋርቕ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብሓፈሻ መንበር ምድረ አግአዚት ብፍሉይ ድማ ምድረ ኤርትራ፡ ከም ብዓል ኣቡነ ዮሐኒ፡ ኣቡነ ሊባኖስ፡ በብጊዜኡ ብጥርኑፍ ዝመጽኡ ዝነበሩ ማኅበረ ጻድቃንን ካልኦትን ብቓላውን ግብራውን ሥራሖም ብዙኀ ሐዋርያዊ ተልእኾ፡ ምእኩልን ሓውሲ ምእኩልን ምኅደራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሥራዕ ዓቢይ ተግባር ሠሪሖም እዮም።
ብዳኅራይ ድማ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ተስዐቱ ቅዱሳን ብደብረ ሲሓት (ደብረ ሲና) ኣቢሎም ብኪደተ እግሮም ንሃገርና ባሪኾም ናብ ኢትዮጵያ ምኻዶም ይፍለጥ። እዚ ዅሉ ድማ እቲ ካብ ግብጺ ዝመጽእ ዝነበረ ሓረግ ጵጵስናን ዝምድናታቱን ምስ ብዙኅ ሕፅረታቱን ክቡር ዋጋታትን ከይተቛረፀ በብጊዜኡ እናተኻየደ ምቕጻሉ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ማእከላይ ዘመነ ታሪኽና ውን ኣብ መበል ዓሠርተው ኣርባዕተ ክፍለ ዘመን ምስ ምትንሣእ ብዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ቅዱሳት ገዳማውያን አበውን፡ ብዙኃት ገዳማት ክምሥረታን ብቕድስና ዝተመልአ ናይ ምናኔ ሕይወት ዳግማይ ክዕንብብን ክርስትና ክስፋሕፋሕን ኣብ ርእሲ ምኸኣሉ፡ ቤተ ከርስቲያን ምድሪ ኤርትራ (ምድሪ ባሕሪ) ንኣማኢት ዓመታት ብገዳማት ዝተማእከለ ናጻ ርእሰ ምኅደራ ከተቕውም ዝኸኣለትሉ ዘመን ነበረ። ኣብ’ቲ ምስ ዝነበራ ብአቡነ ዮሐኒን አቡነ ሊባኖስን ዝተመሥረታ ቀዳሞትን ጥንታውያንን ገዳማት ተሰማሚዖም ድማ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብሥምረት ማአከል መንፈሳዊ ምኅደራ አብያተ ክርስቲያን ኤርትራን ሕዝበ ክርስቲያንን ኮይነን ንነዊኅ ዘመናት ክሳብ ኣብ ፳ ክፍለ ዘመን ዝመጸ ሰበኻ ጉባኤያዊ ምኅደራ ተጓዒዘን እየን። ዝቐደሙ ኣበው ሓሓንሳብ ጳጳሳት ግብጺ ኣብ ዝርከቡሉ ቦታ ብምኻድ ሓሓንሳብ ድማ ብብዙሕ ድኻምን ጉዕዞን፡ ማዕርጋተ ክህነትን ዲቁናን’ውን ከይተረፈ ናብ ግብጺ ብምብጻሕ ይቅብኡ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ክፍሊ ፩ – ታሪኽ ክርስትና ኣብ ኤርትራ
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዓለመ መላእክት ዝብገስ እዩ። ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተት አማናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመነ ብሉይ ብብዙኅ ኅብረ ትንቢትን ኣምሳልን ምንጋራ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምስክሮ ኮይኑ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ሃይማኖታዊ ድኅረ ባይታኣ ድማ ካብዚ ጥንታዊ ጊዜ ኂዙ ዝነበረ እዩ። ቅድሚ እምነተ ክርስትና ምቕባላ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብሕገ ኦሪት ትምራሕን ብኣምልኮተ እጊዜአብሔር ትኣምንን ብምንባራ ብዘይ ኣምልኮተ እጊዜአብሔር ዝነበረትሉ ዘመን ኣይነበረን። ኣብ ሠለስቲኡ ሕገጋት ማለት ኣብ ሕገ ልቦና፡ ሕገ ኦሪት፡ ሕገ ወንጌል ካብ ኣምልኮተ እጊዜአብሔር ተፈልያ ከምዘይትፈልጥ ዘነጽሩ መጽሓፋውያን ይኹን ትውፊታውያን መርትዖታት ድማ ኣለዉ።
፩፩ ኣምልኮተ እጊዜአብሔር ኣብ ዘመነ ብሉይ
ሀ. ዘመነ አበው
ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ ወለዶ ሕዝቢ ዓለም ብእጊዜኣብሔራዊ ሕጊ ማለት ብሕገ ልቦና እናተመርሑ ንዘመናት ምንባሩ ይፍለጥ። ብፍላይ ድኅሪ ማየ አይኅ ኣቦና ኖኅ ንደቁ ፍቓድ እጊዜአብሔር ሓቲቱ ንመላእክት መሰኻኽር ጌሩ ነዛ ዓለም ምስ ኣካፈሎም፡ ናብ’ዚ ከባቢና ዝመጸ ካም ምስ ደቁ ነዚ አምልኮተ እጊዜአብሔር ኂዙ ከም ዝመጸ “ወሖረ ካም ወወልዱ ውስተ ምድር እንተ እኅት ሎቱ ዘረከበ ሎቱ በመክፈልት ወስተ ምድረ ደቡብ”(ዘፍጥ ፲፡፴፪፡32፡ ኩፋ ፲፥፲፯።) ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግር። በዚ ድማ ናይ ካም ምድሪ ዝኾነት ሃገርና ካብ’ዚ ዘመን ኂዛ ንእጊዜአብሔር ፈሊጣ ብአምልኾተ እጊዜአብሔር ጸኒዓ እቲነብር ኢያ። ነዚ ከረድኡ ዝኽእሉ ኣሠራት ኣብ ኅብረተ ሰብና ምስ እንዕዘብ፡ ብሕገ ልቡና ዝተወሃበ ብሕሊናኻ ሕማቕ ካብ ጽቡቕ ፈሊኻ ምፍላጥ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ሕዝብና ካብ ካልእ ዓለማት ብዝተፈልየ ጎሊሑ ዝረአ ምዃኑ፡ ናይ ኖኅ ቃል ኪዳን ዝኾነት ቀስተ ደመና ብፍሉይ ናይ ምሕረት ምልክት ጌርካ ምርዳእ፡ ንኣቦና አብርሃም ዝተወሃበ ነዊሕ ዘመናት ዘቑጸረ ሥርዓተ ግዝረት ኣብ ምድርና ምጥቃስ ይከኣል። ድኂሮም ዝተጸሓፉ መጻሕፍተ ብሉይ ኪዳን እውን ብዛዕባ ንምድርና ዘጠቓለለት ምድረ ኢትዮጵያ ዝህብዎ ምስክርነት፡ ኢትዮጵያ ታበጽሕ እደዊሃ ኀበ እጊዜአብሔር (መዝ ፹፮፥፴፩/87፡3) “አኮ ከመ ደቂቀ ኢትዮጵያ አንትሙ በኀቤየ ይቤ እጊዜአብሔሮ (አሞ ሀ፥፯/9፡7) እም ማዕዶተ ፈለገ ኢትዮጵያ ያመጽኡ ሊቀ መሥዋዕተ (ሰፎ ፫፡፲፫) ዝብሉ ጽኑዕ እምልኮተ እጊዜአብሔር ኣብ ምድርና ምንባሩ ዘረድእ እዩ።
ሊ ዘመነ ኦሪት
እዚ ዘመን እጊዜአብሔር ኣብ ርእሲ ሕገ ልቡና ሕገ ኦሪት ዝሠርዓሉ ብጽሑፋዊ ሕጊ ንሕዝቡ ዝመርሓሉ ዝነበረ ዘመን እዩ። አቦና አብርሃም ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሩ ናብ እጊዜአብሔር ብምምላሱ ድማ ዳግም ሕዝበ እጊዜአብሔር ዝተበሃሉ እስራኤላውያን ፈርዮምስ እጊዜአብሔር ድማ ሕጊ ኦሪት ሠሪዕሎም እዩ። ኣብ’ዚ ዘመን እውን ኤርትራ እጊዜአብሔር ብጥበቡ ሕጊ ኦሪት ክትቅበል ጌርዋ እዩ። እዚ ከኣ ምስ’ታ ናይ እጊዜአብሔር ሃገር ዝኾነት እስራኤል ብዝፈጠረቶ ዝምድና በቲ ሓደ፡ ብዓቢኡ እውን በብዘመኑ ዝነበረ ፍልሰት ናይ ሰባት እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዝምድናን ፍልሰትን ምድረ ኤርትራ ሕገ ልቡና ኂዛ ንሕጊ ኦሪት ክትቅበል በቒዓ እያ:: ዝምድና ሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ ምስ ዮቶርን፡ ንጓሉ ምምርዓዉን እንተተመልከትናዮ ኳ፡ ብእጊዜአብሔር ተጸዊዑ፡ ምስ እጊዜአብሔር ተዘራሪቡ፡ ሕጊ ኦሪት ዝሠርዐ ሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ምምርዓዉ፡ እዚ ብምግባሩ ድማ ብእጊዜአብሔር ዘይምንቃፉ ምሳሌ ሃይማኖታዊ ዝምድና እስራኤልን ምድረ ኣግኣዝን ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዝምድና ናይ ምድርናን እስራኤልን እናዓሞቐ እዩ ከይዱ። ብውሑዱ እኳ ናይ ንግዲ ዝምድና ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምስክሮ እዩ። እጊዜአብሔር ብዝፈልጦ እዚ ቀዲሙ ዝነበረ ናይ ንግድን ካልእን ዝምድና ድማ እዩ ሃገርና ወናኒት ሕጊ ኦሪትን ማኅደር ታቦተ ጽዮንን ክትከውን ዝገበራ። “ወያመጽኡ መራዕየ እግማል ወይከድኑ እናቅጸኪ እግማለ ምድያም፡ ወያመጽኡ እምሳባ ወርቀ ወስኂነ ወይዜንዉ መድኃኒት ዘእምኀበ እጊዜአብሔር ኣብ’ዚ ካብ ከባቢና ንንግዲ ዝኸዱ ዝነበሩ አግማል፡ ወርቂ፡ ዕጣን ጥራይ ኣይኮኑን ዘብጽሑ ኔሮም ናይ እጊዜአብሔር ነገር እውን ኣይኃደጉን። (ኢሳ ፰፥፮/8፥6)
ናይ ምድረ ኣግኣዚ ንግስቲ ዝነበረት ንግሥተ ሳባ ናብ እስራኤል ዝገበረቶ ምብጻሕ እምበኣር ሃንደበት ዘጋጠመ ዘይኮነስ ካብዚ ንግዳውን ሃይማኖታውን ዝምድናታት ዝተበገሰ እዩ። ብ፬ ሽሕን ፬፻፹፩ ዓ.ዓ ንጉሥ ዳዊት ሞይቱ ሰሎሞን ምስ ነገሠ ኣብ ፬ (4) ዓመቱ ንግሥቲ አዜብ ብእዝና ዝሰምዓቶ ናይ ሰሎሞን ጥበብ ክትርዳእ ናብ ኢየሩሳሌም ከደት። ካብኡ ክትምለስ እንከላ ድማ ንምኒልክ ካብ ሰሎሞን ጸኒሳ ተመልሰት። ምንሊክ ተወሊዱ ወዲ ፳፪/22 ዓመት ምስ ኮነ ናብ ኣቡኡ ከደ። ሰሎሞን እውን ወዱ ምዃኑ ምስ ሕዝበ እስራኤል ኣላለዮ። ንኣቡኡ ስለ ዝመስል ሰብ ኣብ መገዲ ረኺቡ ሰሎሞን መሲልዎ ይሰግደሉ ነበረ፡ ካብ’ዚ ዝተላዕለ እስራኤላውያን እጊዜአብሔር ብዝፈልጦ ንኽልተ ነገሥታት ኣይንግዛእን ኢና ንዕኡ ኣንጊሥካ ናብ ኣዲኡ ስደዶ በልዎ። ንሱ ድማ ቦኽሪ ወድኻ ስደድ ትብሉኒ እንተኾንኩም ንስኹም እውን ቦኸሪ ቦኽሪ ደቅኹም ስደዱ በሎም። ካብ’ዚ ሥርዓተ መንግሥት ኣብጺሑ ንምኒልክ ኣንጊሡ ናብ ምድርና ሰደዶ። ምንሊክ ክምለስ እንከሎ ኣቡኡ፡ ቅዱስ ሄኖክ ካብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ንሱ ክሳዕ ዝጸሓፎም መጻሕፍት ኣስኒቑ፡ መጻሕፍት ተርጒሞም ዘስተምህሩ ሊቀ ካህናት ወዲ ሳዶቅ ዝኾነ አዛርያስ ዝመርሖም ፫፻፲፰/38 ሌዋውያን ኣኸቲሉ ሰደዶ። ኣብ’ዚ መጺኦም ትምህርተ ኦሪት ስለ ዝመሃሩ ኣምልኾተ እጊዜአብሔር ዝያዳ ተፈልጠ፡ በዚ ኣብ ሃገርና አምልኮ ኦሪት ደልዲሉ ንኽሥረት ኮይኑ እዩ። ብኸም’ዚ ዝጀመረ ዝምድና ትምህርትን መጻሕፍትን ኦሪት ናብ ሃገርና ክፈሱ፡ በብዘመኑ ድማ ብዙኃት እስራኤላውያን ነዚ ፍጻሜ ተኸቲሎም ናብ ከባቢና ከመጹ ተራእዮም እዮም።
መጀመርያ ንግሥት ሳባ እዚ ኵሉ ጉዕዞ ሓሊፋ ናብ እስራኤል ክትከይድ ዝደረኻ ነገር ኣብ ከባቢኣ ጥበበኛታት ተሳኢኖም ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ምስ’ቲ ናታ ኵነተ እምነት ዝሰማማዕ ናይ እጊዜአብሔር ጥበብ ስለ ዝሰምዐት እዩ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ድኻምን፡ ክንድ’ዚ ሃብትን ዘጥፈአት ብፍቕሪ እጊዜአብሔር ተደሪኻ ደኣ እምበር ምእንቲ ሥጋዊ ጥበብ ከይዳቶ ዘብል ኣይኮነን። አምልኮተ እጊዜአብሔር ዝነበራ ስለ ዝኾነ እምበር ኣብ ሓጺር እዋን እሞ ከኣ ኣብ ናይ ጣዖት ኣምልኾ ጸኒሕካ ሃንደበት ናብ’ዚ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ጊዜ ግኑን ዝበሃል ሥልጣኔ ናይ ግብጻውያን ኔሩ እዩ። ብሥጋዊ ጥበብ እውን እዚ ጐዲልዎ ዘይበሃል እዩ። ኣብ ጣዖት አምልኾ ዝነበረ ሃገር እንተትኸውን ዝምድናኣ ዝያዳ ናብኡ ምዘንበለ ኔሩ። እጊዜአብሔር መን እዩ ኢላ እውን ኣይሓተተትን። እዚ ምስ ናይ ፈርዖን መልሲ ብምንጽጻር ክንርድኦ እንኸእል እዩ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ እኳ ኣብ ሲና ቀልጢፉ ኣይተቐበለን፡ ብዙኅ ምልክታት ርእዩ እዩ። ንግሥት ሳባ ድማ ከም ሙሴ ብዙኅ ተአምራት መድለያ ኔሩ፡ ንሳ ግና ከም ያዕቆብ ኣብ ፍኖተ ሎዛ ብዘይ ምኽንያት ዝተቐበሎ እዩ። (ዘፀ ፳፰/28) ንሰሎሞን ሥርዓተ መንግሥትን ቤተ እጊዜአብሔርን ምስ ረኣየት “ለይኩን እጊዜአብሔር አምላክስ ብሩስ ዘሠምረ ያንብርከ ላዕለ አትሮንሰ እስራኤል እስመ አፍቀሮ እጊዜአብሔር ለእስራኤል ያቅም እስከ ለዓለም፡ ወአንገስ ላዕሌሆሙ ትግበር ፍትሐ ወጽድቀ በአፍታሔሆሙ። (፩ ኪ ፲፥፱/ዐ፥9) ብምባል እውን ንእጊዜአብሔር ኣመስጊናን ቃለ ትንቢት ድማ ተዛሪባን እያ። እዚ ናይ ትንቢት ቃል ፍጻሜ ከም ዝረኸበ ድማ ኣብ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ ሓደ ቅዱስ ገብርኤል ውእቱ ዓቢይ ወይሰመይ ወልደ እጊዜአብሔር ልዑል ወይህቦ እጊዜአብሔር አምላክ መንበረ ዳዊት አቡሁ ወይነግሥ ላዕለ ቤተ ያዕቆብ ለዓለም ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ።” ጠቒስዎ ኣሎ። (ሉቃ ፩፡፴፪፡32) ምእንት’ዚ ድማ እዩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንግሥተ አዜብ ትትነሣእ አመ ዕለተ ደይን ምስለ ዛቲ ትውልድ ትትፋትሓ ወታስተሓፍራ፡ እስመ መጽአት እምአጽናፈ ምድር ትስማዕ ጥበቢሁ ለሰሎሞን።” ብምባል ንኢድዋ ዘሎ። ናይ ንግሥተ ሳባ ንግደት ናይ መጀመርያ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። በዚ ዝጀመረ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምኸባር ብዙኃት ሰባት ይኸዱ ኔሮም እዮም። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ምምላሶም ዘምጽእዎም መጻሕፍትን ዝፈጥርዎ ዝነበሩ ዝምድናን ቀሊል ኣይኮነን። እምነ ማዕዶተ ፈለገ ኢትዮጵያ ያመጽኡ ሊተ መስዋዕተ፡ ካብ ስግር ፈለግ ኢትዮጵያ ጀሚሮም መስዋእቲ ከምጽኡለይ እዮም።” ከም ዝበሎ። (ማቴ ፲፡፵) ናይ ባኮስ ንግደት እውን መቐጸልታ ናይ’ዚ ንግደት እዩ።
ስለዚ ብሓፈሻ ሃገርና ኤርትራ ናይ ኖኀ ቀስተ ደመና፡ ናይ አብርሃም ግዝረት፡ ናይ ያዕቆብ ብኵርና፡ ናይ ሙሴ ጽላት፡ ናይ አሮን ክህነት፡ ናይ ዳዊት መንግሥት ዝተቐበለት ምድሪ ምዃና ኢና እንርዳእ። በዚ ድማ ኢና ካብ ዘመነ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ኦሪት፡ ካብ ሕገ ኦሪት ድማ ናብ ወንጌል ዝሰገረት እያ እንብላ። ምድርናን ከባቢናን ካብ አምልኮተ ጣዖት ተፈልያ ኣብ ኣምልኾተ እጊዜአብሔር ስለ ዝጸንዐት፡ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ሃይማኖት፡ ፍቕሪ፡ ክህነት፡ ቋንቋን ካልእን ከም መጠን ሥፍሓት ኣእምሮኣን ጽንዓት ሃይማኖታን ካብ እጊዜአብሔር ዝተቐበለቶ ጸጋ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ፡ ክርስትና ምድረ አግአዚት ካብ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝተፈልየ ወይ ጸብለል ብዝበለ ደረጃ ኣብ ሥርዓታን ትውፊታን ትምህርታን ኦሪት ብምሳሌያውነት ወንጌል ብአማናውነት ኣጣሚራ እቲረአ። ገለ ኣብነት እኳ እንተወሰድና፡ አከብሮ ቀዳሚት ሰንበት ወላ ብሐዋርያት እውን ዝተኣዘዘ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ካልኦት ሃገራት ኣባና ክሳዕ ሎሚ ጸኒዑ ምርኣዩ ጽቡቕ ሠረት ዝኾኖ ድኅረ ባይታ ስለ ዝነበረ እዩ። ኅርመተ መባልዕ እውን ብተመሳሳሊ ኪንዮ ሃይማኖታዊ ሥርዓት ባህላዊ ልምድታት እውን ኮይኑ ክሳዕ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ኣባና ክሳዕ ሎሚ ኣብ ሕዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ ክኸይድ ዝገበሮ ሕልፊ ካልኦት ንድኅሪት ስለ ዝምለስ እዩ። ግዝረት፡ ሥርዓተ ማኅሌትን ንዋያቱን ከም ኣለባብሳ፡ መጠምጠምያ ምርኣይ ይከኣል። ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና አምልኮተ ኦሪት ይፍጸመሎም ኔሩ ዝበሃሉ ቦታታት ከም ደብረ ሲና፡ ደብረ ቊስቋም ድባርዋ፡ ደቀምሓረ ደምበዛን፡ እንዳ ጉና ጉና፡ ድግሳ፡ ዝባን ደብሪ ምጥቃስ ይከኣል። እዚኣቶም ገሊኦም ክሳዕ ሎሚ ኣሰራት ዘለዎም ገሊኦም ድማ ብትውፊት እዚ ፍጻሜ ብወለዲ እናተዘንተወ ዝመሓላለፍ ታሪኽ ዘለዎም እዮም። ምስኡ ተተኃኂዙ ድማ ከብረ ታቦትን ናይ በዐላት ኣከባብራን ንግደትን ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ምርኣይ ንድኅሪት ክሳዕ ዘመነ ሐዋርያት ጥራይ ዘይኾነን ቅድሚኡ ንዝነበረ ሥርዓተ አምልኮ ዝመልስ እዩ።
ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.16
ብቤት ትምህርቲ ሰንበት #ቅድስት #ድንግል #ማርያም ቤተ ክርስቲያን #መድኃኔ ዓለም
ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል
Leave a comment
