ታቦተ ጽዮን (ማርያም ጽዮን)

ታቦተ ጽዮን (ማርያም ጽዮን)

ታቦተ ጽዮን (ማርያም ጽዮን)

በስመ  አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ አምላክ አሜን።

     ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ በዚ ወርሒ እዚ ካብ እተብዕሎም በዓላት ሓደ “ሕዳር ጽዮን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ እመብርሃን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓል ኢዩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኹ ምስ እንምልከት ቅዱስ እግዚኣብሔር ነቶም ህዝቡ ዝሰመዮም እስራኤላውያን ኣቐዲሙ ኪዳን ኣትይሎም ኢዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣቦ ብዙሐን ዝተሰምየ ጻድቕ ኣብርሃም ኢዩ።

እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም  ካብ ቤት ኣብኡ ካብ ካራን ናብታ መዓርን ጸባን እተፈልፍል ከንኣን ከውጽኦ ከሎ ብኾንቱ ኣይነበረን። እንተኾነ ግና ካብ ቤት ኣቡኡ ኣውጺኡ ናብታ ተስፋዊት ሃገር ዝኾነት ከንኣን ከእትዎ ኣቦ ብዙሐን ተባሂሉ ክጽዋዕ፡ ብዘርኡ ድማ ዓለም ብምልእታ ከም እትባረኽን ነጊሩ በዚ ተስፋ እዚ ኣውጽኦ። ኣቦና ኣብርሃም ኣምላኽ ዝበሎ ቃል ተቐቢሉ ካብ ዓሌቱን ቤተ ሰቡን ወጺኡ ኣብ ከንኣን ተቐመጠ። ኣብ እርግንኡ ንይስሓቕ ወለደ፡ ይስሓቕ’ውን ነቲ እስራኤል ተባሂሉ ዝተጸውዐ ያዕቆብ ወለደ። ያዕቆብ ን12 ነገድ ወለደ። ሓደ ካብዞም 12 ነገድ ዮሴፍ ኢዩ።

ዮሴፍ ኣሕዋቱ ስለ ዝቐንእሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ። ንሳቶም ብቕንኣት እግዚኣብሔር ግና ብጥበቡ ገበሮ። ዮሴፍ ኣብ ጶጢፋር ጸኒሑ ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ፎርዖን ንግብጻውያን እንዳ ኣመሓደረ ንነዊሕ ግዜ ጸንሐ። እስራኤላውያን ስድራቤቱ ድማ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥሜት ናብ ግብጺ ወሪዶም ተቐመጡ። ከምዚ ኢሎም ኣብ ግብጺ ብስደት ተቐመጡ። ግብጻውያን ግና ካብ ዕለት ናብ ዕለት መከራን ሽግርን ኣኽበድሎም። እስራኤላውያን ኣእዳዎም ናብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣልዓሉ። ንብዓቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር በጽሐ። ነቲ  ኣቐዲሙ ብመገዲ ኣብርሃም ኣቢሉ ዝተዛረቦ ተስፋ ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ናብታ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ሃገር ምእንቲ ከእትዎም ንቅዱስ ሙሴ ኣተንስኣሎም። ብሓያል ኢዱ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት እንዳ ገበረ ድማ ናብ ምድረ በዳ ሲና ኣብጽሖም።

እስራኤላውያን  ብዙሕ ግዜ ነቲ ንባሕሪ ከፊሉ ብሕይወት ናብ ንቑጽ ምድሪ ዘስገሮም ኣምላኽ ክኽሕድዎ ጀመሩ። ካብ ፍቓዱ ብዙሕ ግዜ ዓለዉ። እግዚኣብሔር ግና ብናይ ምሕረት ዓይኑ እንዳ ጠመተ ብትዕግስቲ ይጥምቶም ነበረ። እንተኾነ  ካብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ሕገ ልቦና እንዳ ዓለው ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ይኸዱ ስለ ዝነበሩ ንቅዱስ ሙሴ ናብ እምባ ሲና ኣደይቡ ሕገ ጽሑፍ ሆቦ። እስራኤላውያን ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕጊ ጽሑፍ ተሰጋገሩ። ኣብ ልዕሊኡ’ውን እግዚኣብሔር ከም ዝፈቐደሉ መጠን ሊቀ ነቢያት ሙሴ  ብዙሕ ሕግታት ኣውጽኣሎም።

እግዚአብሔር ዝምለኸሉ ጸሎቶም  ዘቕርብሉ ዓሰርተ ቃላት ዝሓዘ  ጽላት፡ ንዕኡ መሕደሪ ዝኸውን ታቦት ባዕሉ ብፍቓዱ ብኢድ ነቢይ ሙሴ ገይሩ ሃቦም። ነቲ ዝሃቦም ጽላትን ታቦትን ብሓባር ኣብ ቤት መቕደስ ክቕመጥ ከም ዘለዎ’ውን ኣዘዞ። በቲ ዝተዋህቦም ሕጊ እና ተኣዘዙ፡ ብታቦት ኪዳን ሓይሊ ጉዕዝኦም ጀመሩ። ጉዕዞ ምድረ በዳ ሲና ዛዚሞም ንባሕሪ ዮርዳኖስ ብናይ ታቦት ሓይሊ ኣብ ክልተ  ከፊሎም ተሳገሩ። ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሕዎም ጸላእቶም እንዳ ሰዓሩ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ ከም ዘይነበረ ኮይኑሎም ብሰላም ናብታ ተስፋዊት ሃገር ከንኣን ኣተዉ።

እስራኤላውያን ድሕሪ ናይ 430 ዓመታት ስደት ናብታ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎም ከንኣን ኣእተዎም በታ ዝሃቦም ታቦት ሓይሊ እንዳ ገበረ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ከም ዝረኽቡ ገበሮም(ዘፍ12፡

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ሲና ብኢድ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢሉ ብዝሃቦም ትእዛዝን ታቦተ ሕጉን መሰረት ዝተፈላለዩ መራሕቲ እንዳ ኣተንስአ ብቅዱስ ፍቓዱ ንብዙሓት ዘመናት መርሖም። ንሳቶም እኳ ብተግባሮም ካብ ፍቓዱ እንተወጹ ንሱ ግና ረዲኤቱ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ምፍሳስ ኣየቋረጸን።

ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምልከቶ እስራኤላውያን ጸላእቶም’ውን ከይተረፉ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ዝትንስእሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረ ታቦት ናይ እግዚኣብሔር ኣምሪሖም ናብ ዓውደ ኲናት ይኸዱ ነበሩ፡ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ታቦቱ ሓዲሩ፡ ንጸላእቶም ስዒሮም ብዓወት ናብ ገዝኦም ከም ዝምለሱ፡ ሰላም ዘለዎ ሕይወት ከም ዝነብሩ ይገብሮም ነበረ። እንተኾነ ኣብ ዘመነ ካህን ኢሊ ሓደ ዘሕዝን ነገረ ተፈጸመ። ንሱ ከኣ እስራኤላውያን ከም ኩሉ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ግዜ ካህን ኤሊ’ውን ኣንጻር ፍልስጤማውያን ኲናት ክገጥሙ ናብ ግንባራት ከዱ። ከምቲ ዝተግልጸ ታቦት ኣምሪሖም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ግዜ  ዓወት ረኺቦም ይምለሱ ነበሩ። ኣብዚ ናይ ካህን ኤሊ ዘመን ግና እስራኤላውያን መገዲ ጽድቂ ገዲፎም ኣንጻር ቅድስናን ንጽህናን፡ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክንቀሳቐሱ፡ ስለ ፍትወት ርእሶም ክነብሩ፡ በቲ ናይ ክፍኣትን ርኽሰትን በዓል ቤት ዝኾነ ዲያብሎስ ክግዝኡን ተራእዩ። እቶም ብክህነት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ዝተመርጹ ደቂ ካህን ኤሊ(ኦፍኒንን ፊንሃስን) ኣብ ርኽሰት ወዲቖም ተረኽቡ፡ ንእግዚኣብሔር ምስቲ ዝመርሕዎ ሕዝቢ ኮይኖም ኣሕዘንዎ፡ ብፍጹም ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ወሰኹ። ከምዚ ኢሎም ከለዉ እምበኣር ነቲ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ዘጓናጽፎም፡ ንባሕሪ ዮርዳኖስ ኣብ ክልተ ዝኽፈ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ ከም ዝስበር ዝገበረ ታቦት ሒዞም ናብ ኲናት ኣንጻር ፍልስጤማውያን ክገጥሙ ወጹ። እንተኾነ ካብ ርኽሰቶም ዝተላዕለ ብዙሓት ካብ መንጉኦም ሞቱ፡ እቶም ክልተ ደቂ ኤሊ- ኦፍኒንን ፊንሃስን’ውን ኣብቲ ውግእ ሞቱ። ሓይሎምን ክብረቶምን  ዝኾነት ታቦት ከኣ ኣብ ኢድ እቶም መምለኽቲ ጣዖት ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ወዓለት፡ ማሪኾም ናብ ዓዶም ኣብ ቅድሚ ዳጎን ኣቐመጥዋ። ምምራኽ ታቦት ኣምላኽ ዝሰምዐ ካህን ኤሊ ካብቲ ዝነበሮ ወንበር ብስንባደ ወዲቑ ሞተ፡ ጥንስቲ ዝነበረት ሰይቲ ወዱ(ሰበይቲ ፊንሃስ) ሕማም ሕርሲ ተታሕዘት፡ “ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ ኢዩ’ሞ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ” ኢላ ነቲ ዝወልደቶ ውላድ “ኢካቦድ” ክትብል ሰመየቶ።

ፍልስጤማውያን ንታቦት ኣብ ቅድሚ ደጎን ኣቐመጥዎ፡ እንተኾነ ግና ነቲ ከም ኣምላኽ ቆጺሮም ፍግም ኢሎም ዝሰግድሉ ዝነበሩ ዳጎን ተሰባቢሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ወደቐ።

ፍልስጤማውያን በቲ ዝኾነ ነገር ተሸበሩ፡ ሽግሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት በዝሐ። ኣብ መወዳታ ድማ ድሕሪ እቲ ብታቦት ዝወረዶም ሽግርን መከራን ናብ ኢየሩሳሌም ክመልስዋ ግዲ ኮኖም። ቅዱስ እግዚኣብሔር ክድንግጸሎም ኣብ ሰረገላ ጽዒኖም ብክልተ ሓራሳት ኣሓ እንዳ ሰሓባ ካብ ዓዶም ናብ እስራኤል ሰደድዎ። እስራኤላውያን ተቐቢሎም ኣብ ቤት ኣሚናዳብ 20 ዓመት፡ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም 3 ወርሒ ኣቐመጥዎ። ጸኒሑ ግና ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ናብ ከተምኡ ናብ ጽዮን ኣእተዎ(1ሳሙ4፡1-መፈ፣   1ሳሙ5፡1-መፈ፡  1ሳሙ6፡1-መፈ፡  2ሳሙ6፡1-መፈ)።

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዚ ዕለት እዚ ማርያም ጽዮን እና ተባህለ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ይኽበር ኢዩ። እዚ ከኣ እዚ ወርሒ እዚ ታቦት ካብ ምርኮ ዝተመልሰትሉ ኢዩ።  እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ታቦትን ቅድስት ድንግል ማርያምን   ዓቢይ ናይ ሃይማኖት ምስጢር ስለ ዘሎ ቅድሚ እቲ በዓል ክነብዕል ኢልና ምብጋስና ነዚ ክንፈልጥ ይግብኣና ኢዩ። ታቦት ብፍቓድ ኣምላኽ ዝመጸ ቅዱስ እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ እግዚኣብሔር ብጸጋ ዝሓድረሉ፡ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ(ዘጽ25፣22,ዘሌ16፣12, ዘሁ7፣89,      ሕዝ9፣3) ናይ ስሙ መሕደሪ (ዘዳ26፣2,1ነገ8፣20,44.ዘዳ3፣2,5፣5,ኤር7፣10-11) ኢዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ብጸጋ ዘይኮነ ንመለኮታዊ ቃል-ወልደ እግዚኣብሔር ብፍሉይ ኣካሉ መሕደሪ ክትከውን ዝበቕዐት ቅድስት ኣደ ኢያ፡ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓረያ፡ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ ብሂገያ እየ እሞ ኣብዚኣ ክነብር እየ”(መዝ132፡13-14)ከም ዝበለ።

ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር ፆርኪዮ በከርሥኪ ተስዓተ አውራኃ ኣንቲ ማእምንት ለዘኢያገምርዎ ሰማይት ወምድር/ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ መሕደሪ ኮንኪ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ከርስኺ ጸርኪዮ። ኮንኪ ታቦቶ እንተበልኩ፡ ወታቦት ለንጉሥ ከም ዝተባህለ ኣይኮነን፡ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ከርሥኺ ዝጸርክዮ። ሰማይትን ምድርን ክውስንዎ ዘይክእሉ ንምውሳን ዝተኣመንኪ ኢኺ”(ውዳሴ ማርያም ዘዓርብ)። ከምኡ’ውን “ታቦት በወርቅ ልቡጥ እምኲለሄ ዘግቡር እምዕጽ ዘኢይነቅዝ/ካብ ዘይነቅዝ ዕንጸይቲ ዝተጸርበ ብግዳምን ብውሽጥን ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት”(ውዳሴ ዘሰንበት)። ጎይታ ንሙሴ ካብ ዘይነቅዝ ዕንጸይቲ ታቦት ቅረጽ ምንውሑ ክልተ እመትን ስድርን ግበሮ፡ ብግዳምን ብውሽጡን ወርቂ ለብጦ፡ ኣርባዕተ ቀለቤት ወርቂ ግበረሉ፡ ክልተ መጽረዩ ከኣ ግበረሉ፡ መኽደኒ ድማ ምንውሑ ክልተ እመትን ስድርን፡ ስፍሓቱ ከኣ እመትን ስድርን ግበሮ በሎ። ክልተ ስእሊ ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ኣብ ወሰኑ ግበረሉ በሎ(ዘጽ25፡10-22)። እዚ ታቦት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ ኢዩ። እቲ ክልተ እመትን ስድርን ንውሓቱ፡ ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ  ዘሎ ዘመን ኢዩ፡ ክልተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሸሞንተን (2258) ዓመት ኢዩ። በዚ ዘመን እዚ ኣርኣያ ድንግል ሐመረ ኖህ ተረኺባ ኢያ። ሓደ እመትን ስድርን ቁመቱ ካብ ኖህ ክሳዕ ሙሴ ዘሎ ዘመን ኢዩ፡ እዚ ድማ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን(1600) ዓመት ኢዩ። በዚ ዘመን እዚ ኣርኣያ ድንግል ማርያም ዝኾነት ታቦተ ሙሴ ተረኺባ ኢያ። ሓደ እመትን ስድርን ስፍሓቱ ካብ ሙሴ ክሳዕ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሎ ዘመን ኢዩ። እዚ ከኣ ሓደ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን(1600) ዓመት ኢዩ፡ በዚ ዘመን እዚ ሐመረ ኖህን ታቦተ ሙሴን ምሳሌኣ ዝኾኑ ኣማናዊት ድንግል ተረኺባ ኢያ። ኣርባዕተ ቀለቤት ካብ ርእይ፡ ሰሚዕ፡ ገሢሥ፡ አጼንዎ፡ እግዝእትነ በዚ ኩሉ ንጽሕቲ ኢያ። ክልተ መጽረዪ ናይ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ምሳሌ ኢዩ። ወሰኑ  ክቡ ናይ ሓናን ናይ ኢያቄምን፡ ማእከሉ ከኣ ናታ ምሳሌ ኢዩ፡ እቶም ክልተ ኪሩቤል ናይ መልኣከ ዑቃቤኣን ኣብሣሪኣን ምሳሌ ኢዮም። ሊቀ ካህናት ኣትዩ ካብቶም ክልተ ኪሩቤል ድምጺ ሰሚዑ ይወጽእ ነበረ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ብመልኣከ ዕቃቤ ተሓልያ ካብ መልኣከ መበሥር ድምጺ ሰሚዓ ንኢየሱስ ክርስቶስ ጠኒሳ ተረኺባ ኢያ።

ሊቀ ነቢያት ሙሴ ነቲ ካብ ዘይነቅዝ ገረብ ዘዳለዎ ታቦት ብውሽጡን ብደግኡን ብወርቂ ክልብጦ ብእግዚኣብሔር ተኣዚዙ ነይሩ፡ ከምቲ ዝተኣዘዞ ከኣ ገበረ። እዚ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ነፍስን ስጋን ፍጹም ዝኾነ ቅድስና ወናኒት ናይ ምዃና ምሳሌ ኢዩ። ኣካላዊ ቃል ኣብ ማሕጸና ንምጻር ዝበቖዐት ብኹሉንትንኣ ንጽሕትን ቅድስትን ዝኾነት ኣመናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን።

ናይ ሕዳር ጽዮን ዋዜማን ዚቅን ካብዚ ቀጺና ንከታተል

ዋዜማ

ኢሃደጋ ለምድር እምቅድመ ኣለም

 ወእስከለኣለም

እንበለ ካህናት ወዲያቆናት

ዘካርያስ ካህን ወሰማእት

ዘርእየ ታቅዋመ ማህቶት

ምልጠን

ዘካርያስ ካህን ነቢይ ወሰማእት

ዘርእየ ተቅዋም ማህቶት(2)

ዘሐምስቱ

ካህን ወነቢይ ወሰማእት ሊቀካህናት

ካህን ወነቢይ

እግዚኣብሔር ነግሰ

ዘካርያስ ርእየ ተቅዋመ ማህቶት

ኩለንተሃ ወርቅ ኣረፋቲሃ ዘእንቅ

ወመሰረታ ዘጽድቅ ለቅድስት ቤተ ክርስቲያን

ዘሐምስቱ

እጸ ጳጦስ ይእቲ እንተ በኣማን

ይብልዋ ቅድስተ ቅዱሳን

እጸ ጳጦስ ይእቲ እንተ በኣማን

ይትባረክ

ኣሰምእ ሰብኣ መሃልምናነ ኣርያሃ ለዘካርያስሃ

ወልደ በራክዪ

ሰለስቱ

እዝራኒ ርእያ በርእየተ ብእሲት

እምነ ይእቲ ቤተ ክርስቲያን ዘካርያስ ርእየ

ተቋመ ማህቶት

ሰላም

ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ

ዘካርያስ ርእየ ተቋመ ማህቶት

ኩለንትሃ ወርቅ ኣረፍቲሃ ዘእንቅ

ሰብኣቱ ማህትዊሃ ወሰብኣቱ መሳውር

ዘድቤሃ እዝራኒ ርእያ ለጽዮን ቅድስት ሰለማዊት

  ሰላም ለኩልያትኩሙ

ሰላም ለኩልያትኩሙ እለ ዕሩያን ብኣካል

ዐለመኩሙ ስላሴ ኣመ ሃወጸ በሳህል

እምኔኩሙ ኣሃዱ እግዚኣብሔር ቃል

ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል

ወበቀራንዮ ተተክለ መድሃኒት መስቀል

         ዚቅ

ሃሌ ሉያ ለኣብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ ሃሌ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ

ዕዝራኒ ርእያ ለጽዮን ቅድስት፡ እንዘ ትበኪ ከመ ብእሲት።

            ነግስ

ነብያተ ፳ኤል፡ ጸሓፉ በመጽሓፎሙ እሙነ

ነገረ ሰቆቃው ወላህ በዘመኖሙ ዘኮነ

ለባቢሎን ውስተ ኣፍላጋ ኣመ በጺዋዌ ነበርነ

ውስተ ኲሃቲሃ ዕንዚራቲነ ሰቀልነ፡  ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን እምነ።

      ዚቅ 

ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን

ወሶበ ኢረሳዕናሃ ለኢዮሩሳሌም

          ሰላም ለዝ……..

   ሰላም ለዝክረ ስምኪ ሃዋዝ

እምነ ከልቤኔ ወቁስጥ ወእምነ

ሰንበልት ምዑዝ፡ ማርያም ድንግል

ለባሲተ ዓቢ ትእዛዝ፡ ይስቅየኒ ለለጽባሑ ወይነ ፍቅርኪ ዐዚዝ

ከም ይስቅዮ ውሒዝ፡ ለሰናይ ኣርዝ።

      ዚቅ

ኣንሶሱ ማዕከለ መርህብኪ፡ ይቤ ቅዱሰ እስራኤል ተንስኢ(2) ጽዮን

ልበሲ ሃይለኪ ጽዮንሃ ስመኪ።

            ሰላም ለኣስናንኪ

   ሰላም ለኣስናንኪ ሓሊበ ዕጒልት ዘተዛዋጋ

ወመራእየ ቅሩጻተ እለ እም ሕጻብ ዐርጋ

ማርያም ድንግል ለደብተራ ስምዕ ታቦተ ሕጋ

ኣፍቅርኒ እንበለ ንትጋ ለብእሴ ደም ወስጋ

ዘየዓቢ እምዝ ኢየሃስስ ጸጋ።

  ዚቅ

ታቦተ ሕጉ ለእግዚኣብሔር፡ በካህናት ሕጽርት

ወበመንፈስ ቅዱስ ክልልት፡ ንጉስኪ ጽዮን ኢትመዋዕ ለፀር

ወኢየሃድጋ ለሃገር።

      ሰላም  ለከርስኪ

ሰላም ለከርስኪ ዘኣፈድፈደ ተበጽዖ፡ እምታቦተ ሙሴ ነቢይ ለጽሌ ትእዛዝ ዘየሃብኦ፡ ማርያም ድንግል ጊዜ ጸዋዕኩኪ በኣስተብቁዖ፡  ለጸርየ ብእሴ ዐመፃ ሃይለዚኣኪ ይጽብዖ፡ እስከነ ያስቀቁ ጥቀ ድሕሪተ ገቢኦ።

 ዚቅ

ጽላት ዘሙሴ ዕፀ ጳጦስ ዘሲና፡ ጸናጽል ዘውስተ ልብሱ

ለኣሮን ካህን።

        ሰላም ለመክየድኪ

 ሰላም ለመክየድኪ እለ ረከቦን መከራ፡ እም ፍርሃተ ቀተልት ሓራ፡እንበለ ኣሳእን ኣመ ሖራ፡ ማርያም ጽዮን ታቦተ ቃለ ጽድቅ መንፈቀ ዕስራ፡ ዕጎለት  እምእጎሊሆን ከመ ኪያኪ ኣፍቀራ፡ ኣፍቀርኩኪ ኣፍቅርኒ እም እዜ ለግሙራ።

       ዚቅ

ታቦት ታቦት እንተ ውስቴታ፡ ኦሪት ዉቱረ

ይከድንዋ በወርቅ።

     በዝንቱ ቃለ ማህሌት

በዝንቱ ቃለ ማህሌት ወበዝንቱ ይባቤ፡ ለዘይ ስእልኪ ብእሲ ጊዜ ረከቦ ምንዳቤ፡ ብጽሒ ፍጡነ ትሰጠውዮ ዘይቤ፡ ማርያም እንቊየ ክርስቲሎቤ፡

ወምዕዝተ ምግባር እምከርቤ፡ ዘጸገየ ማሕጸንኪ ኣፈወ ነባቤ።

         ዚቅ

 ኣብርሂ ኣብርሂ ጽዮን፡ ዕንቊ ዘጳዝዮን፡ ዘሃረየኪ ሰሎሞን።

         ምልጣን

   ኣይ ይእቲ ዛቲ፡ እንተ ታስተርኢ እምርሑቅ፡

ከመ ማህቶት ብርህት፡ ከመ ፀሓይ ሙሴኒ ርእያ፡ ሃገር ቅድስት ዕዝራኒ ተናገራ፡ ዳዊት ዘመራ።

       እስመ ለኣለም

ይቤ ዳዊት በመዝሙር ወሰብህዮ ለኣምላክኪ ጽዮን፡

ነቢይኒ ይቤ እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ፡

ወእትመረጎዝ በዕፀ መስቀልከ ስማዕ ጸሎቶ ለኩሉ ዘስጋ ዘመጽኣ ሃቤከ።  

Leave a comment

Send a Comment