(ትንሣኤ ክርስቶስ) ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታት ትደልይኦ ኣለኽን፧ (ሉቃ 24፡5)
ክርስቶስተንሥኣእሙታን! ብዓቢይኃይልወሥልጣን!
ኣሰሮለሰይጣን! !!! ኣግዓዞለኣዳም!
ሰላም !!! እምይእዜሰ
ይኩን !!! ፍሥሓ–ወሰላም!።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
“ሞተ በፈቃዱ ወተቀብረ በስምረቱ“ ሃይማኖት ኣበው ዘኣትናቴዎስ
“ ወተንሳእኩ በስልጣነ ባሕቲትየ“ ቅዱስ ቄርሎስ
ቅዱስ እግዚኣብሔር ወልድ ንኣዳም ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ እንሆ ካብ ድንግል ማርያም ሰብ ዘብሎ መላእ ሰብነት ወሲዱ ፡ ተዋሃሂዱ ኣብዚ ዓለም ን33 ዓመትን 3 ወርሕን ኣዝዩ ክንገር ዘይክእል ልዕሊ ኣእምሮ ናይ ደቂ ሰባት ዝኾነ ሰናይ ነገራት ንዓና ንደቂ ኣዳም እና ገበረ ብትምህርቱ ፡ብተኣምራቱ እና ጓሰየ ተመላልሲ እዩ።
ልዕሊ ኩሉ ግና እቲ መዘና ኣልቦ ዝኾነ ኣምላኻዊ ፍቕሩ ኣብ ቀራንዮ ፡ኣብ ዕጸ መስቀል ጥራሕ ዕራቖቱ ብምዃን ዝተገፈ ጻጋና ፡ዝሰኣናዮ ስፍራ መሊሱልና እዩ።ናይ መስቀል ውዕለት እዚን ከምቲን ኢልካ ብፊደላት ክግለጽ ዝኽእል ኣይኮነን ኣዝዩ ዓቢን ሰባት ብልሳኖም ክዛረብሉ ፡ብኢዶም ስለኡ ክጽሕፉ ኣይካኣሎምን እዩ።እንተኾነ ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ ፡ንኽነመስግኖ ፡ስለ ዝገበረልና ውዕለት ክንዝክር ልሳና ይኽፈተልና።(መዝ116፡12) ኣሜን!!!
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋትና “ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳዕ ዕርገት ” ብዝብል ኣርእቲ ክነቕርበልኩም ቀኒና ኣሎና።ንዝያዳ ሓቤረታ ኣብ’ዚ ዝቐነየ መደባት ትምህርቲ ተኸታተሉ ፡ብዛዕባ እዚ ናይ ሰሙነ ሕማማት መዓልታዊ ትምህርቲ ክትረኽብዎ ኢኹም።ሎሚ ግና ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ናይ ሕማማት ሰሙን ኣይኮናን ክንዛረብ።ኣብ ኣርእስትና ተመልኪትናዮ ከም ዘሎና “ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታት ትደልይኦ ኣለኽን፧ “(ሉቃ24፡5) ዝብል ኮይኑ ሕጽር ዝበለ ብዛዕባ ትንሳኤ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን እዩ።
“ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታት ትደልይኦ ኣለኽን፧”(ሉቃ24፡5) ኢሎም ዝተዛረቡ ቅዱሳን መላእክት ኮይኖም እንሆ እተን ንግሆ ሰንበት ኣንጊሄን ከም ልማድ ኣይሁድ ኣብቲ መቓብር ተረኺበን ሽቱ ሒዘን ናብቲ ጎይታ ተቐቢርሉ ዝነበረ ስፍራ ዝኸዳ ኣንስቲ እዩ ነይሩ።(ሉቃ24፡5,ማቴ28፡1-5፣ ዮሓ20፡12)
ኣቐዲምና ብዕለተ ዓርቢ ምሸት ዝተፈጸ እንተርኢና ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓዲሽ መቓብር ቀበርዎ እሞ ዓቢ እምኒ ኣንከራርዮም ካኣ ነቲ መቓብር ከደንዎ፡ዓጽዮሞ ካኣ ከዱ ይብል (ማቴ27፡57-61)።
ንጽባሒቱ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው(መዓልቲ ምድላው ተባሂላ ዘላ ዓርቢ እያ ንጽባሒቱ ዝተባህለት ካኣ ቀዳም እያ።) ሊቀ ካህናትን ፈሪሳዉያንን ተኣከቡ እሞ ናብ ጲላጦስ ከይዶም ” እቲ መስሓቲ (ሎቱ ስብሓት) ብሂወቱ ከሎ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ክትንስእ እየ ከም ዝበለ ዘከርና።ስለዚ ደቂ መዛሙቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ ንህዝቢ ካኣ ካብ ሞት ተንሲኡ ከይብሉ ፡ካብ ቀዳማዩ እቲ ዳሕራዩ ዝገደደ ስሕተት ከይከውንሲ ፡ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ እታ መቓብር ብጽኑዕ ክትሕሎ ኣዝዝ” በልዎ። ጲላጦስ ካኣ ” ሓለውቲ ውሰዱ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ካኣ ኪዱ ኣጽኒዕኩም ሓልውዎ ” በሎም።ንሳቶም ድማ ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽኒዖም ዓጸውዎ። ምስቶም ወተሃደራት ኮይኖም ነቲ እምኒ ማሕተም ገበርሉ”(ማቴ27፡62-66)
ነዚ ዝገበሩ እንሆ ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘይኣመኑን ፡ብዛዕብኡ ኣብ መዝሙራትን ትንቢታት ዝተጻሕፉ ስለ ዘየስተውዓልዎን እዩም።እንተኾነ “ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንስእ ሰብ ተንስኤ ፡ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንስኤ” ከምዝበለ ቅዱስ ዳዊት(መዝ78፡65)፡ እቲ ኣብ ክፉት መቓብር ኣእትዮም ኣዝዩ ዓቢይ ብዝኾነ እምኒ ነቲ መቓብር ዓጽዮም ዝገደፍዎ፡ብድሕሪኦም ሰብ መጺኡ ነቲ መቓብር መታን ከይከፍቶ ማሕተም ዝገበርሉ ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ግና ፡ነቲ ዝተዓጽወ መቓብር ብወተሃዳራት ከም ዝሕሎ ጌይሮም ከብቅዑ እቲ ሓይል ኣምላኽ ግና ነቲ ዕጹው ማዕጾ ከይተንከፈን ከይከፈተን ብዕጽዉ ክሎ ብሓይሊ ብሓይሊ ስልጣን ተንስኤ።ክብሪ ንዕኡ ይኹን።ኣሜን።(ማቴ 27;62-66, ማቴ 28;1-10 ፣ሉቃ 24፡1-12፣ማር16፡1-8 ፣ዮሓ 20፡1-10)
እወ! እቲ መከራን ሽግርን ክረኽቦ ፡ ኣይሁድ ብላግጺ ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ ክገብርሉ ከለዉ ፡ክዳንቱ ቀንጢጦም ጥራሕ ዕራቖቱ ክገብርዎ፡ መጺጽ ሓሞት ከስትይዎ፡ኣእዳዉን ኣእጋሩን ክሽንክርዎ ፡ብግፍዒ 6666 ግዜ ገሪፎም ኣዳባባይታ ቀራንዮ ክሰቕልዎ ከለዉ ፡ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኸይድ ገንሸል ሱቕ ኢሉ ዝተኣዘዘ ፡ብሓይሊ ስልጣኑ ኩሉ ዝፈጠረ ብፍጡራቱ ክፍረድ ነቲ ቄናን ፍርዶም ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ ኣምላኽ ፡ንሞት ስዒሩ ብሓይሊ ስልጣኑ ተንስኤ።ብሞቱ ንሞትና ስዒሩ ፡ብትንሳኤኡ ካኣ ምስኡ ሓቢርና ከም እንትንስእ ተስፋ ትንሳኤ ሃበና።
ኣቐዲሙ ጎይታ ቅድሚ ስቕለቱ ንደቂ መዛሙርቱ ሰለ ሞቱን ትንሳኤኡን ብዙሕ ግዜ ነጊርዎምን ምሂርዎም እዩ።
እንተኾነ ቅዱሳን ሃዋርያት ኣየስተውዓሉን ነበሩ።ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክርስቶስ ኣምላኽና በታ ቀዳመይቲ መርዓልቲ ሰንበት ለይቲ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ተንስኤ። እንሆ ንማርያም መግደላዊት ተራእያ ፡ንሳ ካ ከይዳ ንሓዋርያት ነገረቶም፡ ቅዱስ ጲጥሮስን ዮሓንስ ካኣ ጎዮም ናቲ መቓብር ከዱ እንተኾነ ክርስቶስ ኣይጸንሖምን ፡መግነዙን መኣረምያኡን ጥራሕ ረኣዩ፡ኩሎም ነዚ ዝሰምዑ ካኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ።
ብዛዕባ እተን ሰንበት ናብ መቓብር ዝኸዳ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ከምዚ ዝስዕብ ጽሒፎም ኣለዉ።ማቴዎስ -ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ደገ ፡ማርቆስ ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ውሽጢ፡ ሓደ መልኣኽ ከም ዝረኣያ ይጽሕፍ።
ሉቃስ -ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ ከይበለ ብዙሓት ኣንስቲ ክልተ መላእኽቲ ርእየን ይብል።ዮሓንስ ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መላእኽቲ ከም ዝረኣየት ይጽሕፍ።እዚ ከመይ እዩ እንተ በልና ቀዳማይ -ቀዳም ምሸት ጀሚረን ክመላለሳ ሓዲረን በብዝመጽኦ ርእየን ስለ ዝተመላለሳ እዩ።
ካልኣይ- ማቴዎስ ከምዝጸሓፎ ብሓደ ወገን ዝመጻ ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ደገ ሓደ መልኣኽ ርእየን ከዳ።ማርቆስ ከም ዝጸሓፎ ካኣ ብሓደ ወገን ዝመጻ ብዙሕእት ኣንስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ መልኣኽ ርእየን ከዳ።ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ ብሓደ ወገን ዝመጻ ኣንስቲ ክልተ መላእኽቲ ርእየን ከዳ ።ዮሓንስ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መላእኽቲ ረኣየት ማለቱ ንምስክርነት ትኣክል እያ ኢሉ እዩ።
እተን ትንሳኤ ጎይታ ዝረኣያ ኣንስቲ ናብ መቓብር ዝተመላለሳሉ ክፍሊ ግዜ
ማቴዎስ ~ ሰርክ ሰንበት ለጸቢሐ እሑድ–ማለቱ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ ይብል፡
ማርቆስ፡ ንግሆ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ይብል
ሉቃስ –ኣንጊሀን ከዳ ይብል።
ዮሓንስ – ጌና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት ይብል። ንመዓልቲ ሰርክ ከም ዘለዎ ንለይቲ እውን ሰለ ዘለዎ እዩ። ስለዚ እተን ኣንስቲ ትንሳኤ ጎይታ ዘረጋግጻሉ ግዜ ወጋሕታ ከምዝነበረ ዝገልጽ እዩ።
ድሕሪ ሰለስተ ለይትን ሰልሰተ መዓልትን ዝተባህለ ከመይ እዩ፧
ጎይታ ዝተቐብረሉ ዓርቢ ናይ ምሸት እዩ ፡ጎይታ ካኣ ኣብ ወንጌል ከም ዝተዛረቦ ትንሳኤኡድሕሪ ሰለሰተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን እዩ ።እዚ ከመይ እዩ፧
እዚ ዝኾነሉ በዚ ዝስዕብ እዩ።ካብ ንግሆ ጀሚሩ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብርሃን ነበረ -ቀዳመይቲ መዓልቲ
ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ጸልማት ኮነ – ቀዳመይቲ ለይቲ(ሉቃ23፡44)
ካብ ሰዓት ሰለስተ ክሳዕ ኣብ መቓብር ዝኣቱ ዘሎ ሰዓት ብርሃን ኮነ —ካልኣይቲ መዓልቲ
ድሕሪ ምቕባሩ ክሳዕ ንግሆ ቀዳም ጸልማት ነበረ———-ካልኣይቲ ለይቲ
ካብ ቀዳም ንግሆ ክሳዕ ምሸት ብርሃን ነበረ——ሳልሰይቲ መዓልቲ
ካብ ምሸት ቀዳም ክሳዕ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ዘሎ ግዜ ጸልማት ነበረ—-ሳልሰይቲ ለይቲ
ቅድሚ ሞቱ ዘሎ ግዜ ድኣ ስለምንታይ ምስኡ ተቖጽረ ንዝብል ካኣ ሕማሙ ፡ሞቱ ምስኡ ቆጺሩ እዩ።(ማቴ12፡40)
ብጠቕላላ እምበኣር ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ይኸውን።
ስለ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኣብ እንሓስበሉ ግዜ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ፡ስሌና ስለ ድሕነትና ክብል እቲ መሪር ሞት ምቕባሉን ኣብ መወዳእታ ካኣ ብሓይሊ ስልጣኑ ምትንስኡን እዩ።ዝሓለፎ ናይ መስቀል ጉዕዞ ኣብ እንዝክረሉ ግዜ ከምቲ ካብ ቤተ ፋጌ ናብ ኢዮሩሳሌም ኽኣቱ ከሎ ብዕልልታ ዝተሰነየ ፡ከምኡ ኣይነበረን።እንተኾነ ጸላእቱ ብላግጺ እና ገፍዑ ፡ጡፍ ክብልሉ፡ብዓበይቲ መሳምር ኣእዳዉን ኣእጋሩን ክሽንክሩ፡በቲ በሊሕ ኲናት ጎድኑ ክወግኡ ፡ብኣንጻሩ ካኣ እታ ኣብ ማሕጸና ጸይራ፡ሓዚላ ዘዕበየት፡ ነቲ ናይ ግብጺ ምድረ በዳ ብጽምእን ብጥሜትን ፡ብኽዕቀን ዘይክእልን ብለይቲ ኣስሓይታ ፡ብቐትሪ ካኣ ብርቱዕ ምቐት ተቐቢላ ግብጺ ተሰደደት ርህርህቲ ኣደ-ቅድስት ድንግል ማርያም፡ኩሎም ፈተውቱን ልቦም ብሓዘን መሊኡ ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ ፡ኮታስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ሂወቱ ንመከራን ስቓይን ኣብ መወዳእታ ካኣ ንሞት ዝወፈየሉ ዕለት እዩ።
በዛ ቅድስት ዕለት ትንሳኤ ካኣ ነዚ ኩሉ ጸበባን ሽግርን ሓሊፉ ብርሃን ትንሳኤ ዘርኣየና ፡እቶም ዝሰቐልዎን ዝገረፍዎን ሰባት ዝተጨነቕሉ ፡ ልቦም ብራዕዲ ዝተመልኣሉ ፡ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር መላእኽትን ደቂ ኣዳምን ድማ ብዓውታ ዘመስገንሉ ዕለት እዩ ኔይሩ።
ስለዚ መዓልቲ ትንሳኤ ንዓና ንደቂ ተዋህዶ ዓባይን ቅድስት ዕለት እያ።እንተ ኾነ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኢልዎ ዘሎ ሃገርና ኣብ ሰማያት እምበር ምድራውያን ኣይኮናን(ፊሊ3፡20)፡እዚ ስለ ዝኾነ ካኣ ኣብ መወዳእታ ሞትና ክንትንስእ ኢና፡ምትንሳእ ጥራሕ ዘይኮነ ግን ምስተንሳእና ዝጸበየና ናይ ሞት ስፍራ ወይ ድማ ናይ ዕረፍቲ ስፍራ እዩ።(2ቆሮ5፡10)
ነዚ ኣመልኪቱ ነቢይ ኢሳያይስ ~ምዉታን ህዝብና ሕያዋን ክኾኑ እዮም ሬሳታቶም ካኣ ክትንስኡ እዮም እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ክትንስኡ ዕልል ካኣ ክብሉ እዮም።(ኢሳ26፡19) ነቢይ ዳንኤል እውን “እቶም ዝሞቱ ክትንስኡ እዮም ገሊኦም ናብ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ገሊኦም ካኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘልኣለም ነውርን ክኸዱ እዮም“(ዳን12፡2)
ኣብ መወዳእታ ክንትንስእ ኢና፡እንተኾነ ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ኴንና ክንጸንሕ እዩ ዝግብኣና፧ ሓጥኣን መዓልቲ ጎይታ ዘይትመጽእ መሲልዎም ክስሕቁ ፡ከላግጹ ፡ኣብ ኩሉ ዓይነት ሓጢኣትን ርኽሰትን ይዋፈሩ።ጻድቃን ግና ናይ ጎይታ ምጽኣትን ትንሳኤ ዘጉባኤን ብዘይተፈልጠ መዓልቲ ምዃኑ ኣስተውዒሎም ብሰናይ ገድሊ እን ተጸበዩ ይነብሩ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ካኣ ናብታ ብርሃናዊት ስፍራ መንግስተ ሰማያት ይኣትዉ።ንሕና እውን ናብታ ተስፋና ዝኾነት መንግስተ ሰማያት ምእታው መታን ክከኣለና ፡ሎሚ ኣብ ምድራዊ ሂወትና ብጽድቂ ብንጽህናን ቅድስናን ምምልላስ የድልየና።
ኩሉ ግዜ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና እትህበና ትምህርቲ እና ተኻታተልና ነብስና ካብ ኩሉ ሓጢኣት ዘበሉ ፈሊና ኣብ ምግባር ጽድቂ ክንዋፈር ፡ሃይማኖትና ፈሊጥና ብምስትውዓል ክንከይድ ናትና ሓላፍነት እዩ።ምናልባት ካብ ጽድቂ ምስራሕ ተቖጢብና ፡ሰብነትና ኣብ ርኽሰት እንተ ኣዋፊርናዮ ነቲ ስሌና ክብል ዝሞተልና ፡ብትንሳኤኡ ካኣ ብርሃን ትንሳኤ ዘጓነጸፈና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና ክብል መከራ መስቀል ከም ዘይተቐበለን ምቑጻርን ፡ንዓና ብሞቱ ካብ ሞት ኣውጺኡና ፡ካብ ባርነትን ግዝኣትን ዲያብሎስ ሓራ ጌይሩና ከሎ ፡ብገዛእ ፍቓድና ናጽነት ፡ሓርነት ኣየድልየናን ፡ኣብ ጋሃንም ምንባር ይሕሸና ኢና ንብል ዘለና።ስለዚ ስፍራና ጋሃንመ እሳት ከይከውን ኣዚና ንጠንቀቕ። ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ኣይንኹን።ንሕናስ ተስፋ ትንሳኤን መንግስተ ሰማያት ዘሎና ስለ ዝኾና ኣብዚ ተስፋ እዚ ጸኒዕና ክነብር ፡ይግብኣና።እዚ ክንገብር ቅዱስ እግዚኣብሔር ሓይሊን ጥበብን ይዓድለና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!