በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኅዳር ጽዮን
ተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንፈቅድ ከሎና ኅዳር 21 ንቘጽር። ዓመት ዓመት 21 ኅዳር ድማ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያን ‘ኅዳር ጽዮን’፡ ‘ኅዳር ማርያም’ ተባሂሉ መንፈሳዊ በዓል ይኽበር። እዚ በዓል’ዚ ኣቦታትና ካብ ቀደም እናኽበርዎ ዝመጽኡ ዓቢይ በዓል እዩ።
ምኽንያት ኣበዓዕላኡ ድማ ፦
• ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ፦ ብተኣምራ ንዳጎን ሰባቢራ፡ ንዝደፈሩ ኣረማውያን ብመቕሠፍቲ ገሪፋ ናብ ሃገራ ዝተመለሰትሉ ወርኂ ኅዳር ምዃኑ እዩ። 1ይ ሳሙ. 2፥12፤ 7፥2። ‘ታቦተ ጽዮን’ ዝብል ስያመ’ ትርጕሙ ኣብ ጽዮን ዘላ ታቦት ማለት እዩ።
• ‘ታቦተ ጽዮን’ ኣብ ደብተራ ኦሪት (ኣብ ድንኳን) ንኣሽሓት ዓመታት ድኅሪ ምቕማጣ ንጉሥ ሰሎሞን ዓቢይ ቤተ መቅደስ ሓኒፁ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ በዓል ኮይኑ ዝኸበረሉ ወርኂ ኅዳር ምዃኑ ተፈሊጡ እዩ። (1ይ ነገ. 8፥1-67)
• ኣብዚ 4ይ ክፍለ ዘመን ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዘመን ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሐ ድማ ‘ታቦተ ጽዮን’ ብስም ‘ጽዮን ማርያም’ ተሰይማ ሥርዓተ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ወርኂ ኅዳር ተኸቢሩላ እዩ።
• . . . ወዘይመስሎ
ዓመት መጽአ፡ 21 ኅዳር ብኣምሳል ታቦተ ጽዮን፡ ናይታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ኅዳር ጽዮን” ብዝብል ስም ክብ ብዝበለ በዓል ምኽባርና መሠረቱ መጽሓፍ ቅዱሳውን ክርስቲያናዊ ትውፊትን እዩ።
• ኣብ ዘመን ቅዱስ ዳዊት፡ ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣሚናዳብ ሥርዓተ ንግሥ ተጌሩ ብዝደመቐ በዓል ብዜማ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ብ 30 ሺሕ ዝኣኽሉ ሰባት ተዓጂባ ብኽብሪ ኣብ ቤት ኣቢዳራ ን3 ወርኂ ተቐሚጣ እያ። ብምኽንያት ታቦት፡ እግዚአብሔር እቲ ንቤት ኣቢዳራ ከም ዝባረኸ ዝሰመዐ ዘማሪ ዳዊት ናይቲ በረኸት ተሳታፊ ምእንቲ ኪኸውን ነታ ታቦት ብማኅሌትን ብዝማሬን ብዓቢይ ክብርን ኣብ ከረን ጽዮን ስለ ዘዕረፋ፡ ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ‘ታቦተ ጽዮን’ እናተባህለት ክትጽዋዕ በቕዐት (2ይ ሳሙ 6፥1-19)።
• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ጽዮን” ዝብል ከከም ኣገላልጻኡ ዝተፈላለየ ትርጕም ኣለዎ፦
• ኣብታ ኣብ ከረን ሞርያ ዝተሓንፀት ቤት መቅደስ “ጽላተ ሕግ” (ታቦት ሕጊ) ስለ ዝነበረ ንከረን ሞርያ ‘ጽዮን’ ይብሎ። (ኢሳ. 8፥18 ፥ 18፥7 ፥ 24፥23)።
• ‘ኢዮሩሳሌም’ ውን ጽዮን ትበሃል ነይራ እያ። (2ይ ነገ. 19፥21 ፥ መዝ. 48፥2 ፥ 69፥35)።
• “ጽዮን” ዝብል ስም ሕዝቢ ኣይሁድ ይጽውዑሉ ኔሮም እዮም (መዝ 126፥1 ፥ ዘካ 9፥9)።
• ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ውን ከረን ጽዮን ተባሂላ ትፍለጥ እያ (ዕብ 12፥22፣ ራእ 14:1)።
• . . . ወዘይመስሎ
ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኵሉ’ቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ኣማናዊ ትርጕም ዝረኸበ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣካላዊ ቃል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብዘደንቕን ብዘይምርመርን ምሥጢረ ተዋሕዶ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ድኅሪ ምግላጹ እዩ። “ኣነ ንነቢያትን ሕግን ክፍጽም ደኣ እምበር ክስዕር ኣይመጻእኩን” ከም ዝበለ (ማቴ. 5፥17)። ድኅሪ ትንሣኤኡ ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣርድእቱ ኦሪትን ነቢያትን እናጠቐሰ ፍጻሜ ከምዝረኸበ ከም ዝመሃሮም ቅዱስ ሉቃስ መስኪሩ እዩ። ስለዚ እቲ ምሥጢራዊ ኣማናዊ ትርጕም ናይ ‘ጽዮን’፦ ነታ ኣደ ኣምላኽና ሓቀኛ ታቦተ ጽዮን ንድንግል ማርያም ዝምልከት እዩ።
ዘማሪ ዳዊት በመንፈሰ ትንቢት ‘እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ/ ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል’ (መዝ. 87፥5) ከምዝበለ፡ ዋላ እኳ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም፡ ናይ ኦሪት ቤት መቅደስ፡ ብዛዕባ ሕዝበ እስራኤልን ምስኣቶም ብሃይማኖት ዝምድና ብዛዕባ ዝነበሮም ኣኅጉራትን እንተገለጸ፡ እቲ ኣማናውን ምሥጢራውን ትርጕም ግና ብዛዕባ ናይ ሓዲስ ኪዳን ቤት መቅደስ (ቤተ ክርስቲያን)፡ ብዛዕባ እስራኤል ዘነፍስ ዝተባህሉ ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ እቲ ዋና ምሥጢራዊ ትርጕሙ ኸኣ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ኮይኑ ንረኽቦ።
‘ጽዮን’ ዝተባህለት ድንግል ማርያም ምዃና ንኣና ንኦርቶዶክሳውያን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ወትሩ ጸሎትና’ውን “እንተ ይእቲ ስምዕየ ማርያም ጽዮን ለዓለመ ዓለም/ እታ ናይ ዘለዓለም ምስክረይ ድማ ጽዮን ማርያም እያ” ክንብል ከለና ማርያም ጽዮን ከም እትበሃል ንፈልጥ። “ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ምባሉ ብወንጌል ኣሚኑ ዝተጠምቀ ክርስቲያን ናይ ሃይማኖቱ መንነትን ናይ ክርስትናኡ መረጋገጺትን ንዝኾነት ‘ጽዮን እምባ መጸግዒት ኣደይ ይብላ’ ንኽብል እዩ።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ጸወነ ሥጋ ጸወነ ነፍስ” ኮይና ንሕዝበ ክርስቲያን ብነፍሶምን ሥጋኦምን ተስፋ ከይቈርጹ በቲ ዝተዋህባ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን፡ ብጸሎታን ኣማላድነታን መጸግዒት ኮይና ብረዲኤታን ብለውሃታን እትሕልዎም መንፈሳዊት ኣደ ምዃና ፈሊጦም “ከውልና፡ መጸግዒት ኣዴና” እናበሉ ከም ዝምኅጸንዋ ንኽገልጽ እዩ ክቡር ዳዊት “ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ኢሉ ዝመስከረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሶምን ኃዘኖምን ቈልዑ ናብ ኣደኦም ከም ዝጽግዑ እሞ ንሳ ድማ ከም እተጸናንዖም ንኻልእ ዝተከወለ ኣይኮነን።
ከምኡ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም መንፈሳዊት ኣዴና ምዃና ብቓል ኪዳና ተማኅጺንና፡ ብኣማላድነታ ምስ ንኣምን ካብ መከራ ሥጋን ነፍስን ድኂንና ወረስቲ መንግሥቲ ወዳ ከምእንኸውን ዝተረጋገጸ እዩ።
ናይ ኣዴና ጽዮን ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈልየና፡ ኣሜን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር; አሜን!
ምንጪ፥ ልሳን ተዋሕዶ