ነገረ ማርያም
ቤዛዊተ ኩሉ ዓለም
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!
ቤ ዛ፦
ቤዛ ዝብል ቃል ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ ብዙኅ ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ። ቤዛ ማለት፡ ዋጋ፡ ካሕሳ፡ ለውጢ፡ መተካእታ፡ ዋሕስ፡ መድኅን… ወዘተ ዝብል ኮይኑ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገላልጻ ድማ ብዙኅ ትርጉም ስለዘለዎ ንልዑለ እግዚአብሔር፡ ንፍጡራን ክውሃብ ንርእዮ ኢና።
ስለዝኾነ እዚ ቃል እዚ ንቅድስት ድንግል ማርያም ክንጥቀመሉ ኸሎና ንጽሕንኣ ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና ፡ብኣማላድነታ ንዓለም ዝተመሰሉ ሰባት ናብ ወዳ ኣማሊዳ ናብ ገነት ስለተእትዎም ቤዛዊተ ዓለም “ዋሕስ” ዝብል ትርጉም ይህብ።
ቅድሚ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤዛዊተ ዓለም ምዃና ምርኣይና “ቤዛ” ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተገሊጺ ኣሎ ንርአ፡-
ቤዛ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙኅ ነገር ንእግዚአብሔር ንቅዱሳን ሰባት ንመላእኽቲ ንካልእ ነገራትን ተጠቒሱ ንረኽቦ። ብብዝኂ ተጠቒሱ እንረኽቦ ግን ንእግዚአብሔር እዩ።
ንኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ንመልከት፡-
“ነቲ እተበጆኻዮ ሕዝቢ ብምሕረትካ መራሕኻ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማኅደርካ መራሕኻዮም።(ዘፀ.15፡13)
“ኦ እግዚአብሔር ፡ ነዚ እተበጆኻዮ ሕዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹሕ ደም ድማ ኣብ ማእከል ሕዝብኻ እስራኤል ኣይትቚጸር። እቲ ደም ከኣ ይስረየሎም” ይብል።(ዘዳ.21፡8)
ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልደ ሥጋ ብምልባሱ ስሌና ካሕሳ ብምኽፋሉ ቤዛ ኩል ዓለም ተባሂሉ ይግለጽ ።
ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።(ዮሓ.3፡16) እዚ ተበጃውነት እዚ ንእግዚአብሔር ወልድ ጥራይ ዝግለጽ እዩ። ምኽንያቱ እግዚእብሔር ወልድ እዩ ሥጋ ለቢሱ ዳግማይ ኣዳም ተባሂሉ ኣብ ክንዲ ኣዳም መከራ ዝተቐበለ።
እግዚአብሔር ወልድ ስለምንታይ ሰብ ኮነ እንተበልና፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ቤዛ ካሕሳ ንምኳን እዩ። ነዚ ንምግላጽ ጐይታ ባዕሉ ከምዚ ይብል፡
“ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን። ይብል(ማቴ.20፡28) ።
*ቤዛ ዝብል ንመላእኽቲ ከም ዘገልግል
“ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ፡ዚሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ። (እዩ. 33፡23-24) ይብል ኣብዚ ካሕሳ ዝብል ቃል ቤዛ ዝብል ትርጉም ሂቡ ንረኽቦ።
*ካልእ ቤዛ ዝብል ቃል ንሰባት ተዋሂቡ ንረኽቦ ኢና
“ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድኃንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ።(ግ.ሓ7፡35)
ኣብዚ “መድኃን” ዝብል ቃል ነቢይ ሙሴ ንእስራኤልውያን ቤዛ ወይ ሓላቓን መድኃንን ከምዝኾኖም ንምግላጽ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዘፀ.32 ከም ዝተገልጸ እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ብኃጢኣቶም ምኽንያት ጣዖት ብምምላኾም ተቘጢዑ ከጥፍኦም ምስ በለ ነቢይ ሙሴ ኣብ ክንዲ እስራኤል በጃ ኮይኑ ነዚ ሕዝብ ይቕረ በለሉ እንተዘይኮይኑ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ሕኸኸኒ ብምባል ንሕዝቡ ካብ ጥፍኣት ስለ ዘድኃኖም እዩ። (ዘፀ.32፡32)
ቅዱስ ዳዊት ውን ነዚ ፍጻመ እዚ ክገልጾ ኸሎ፥
“ሽዑ እግዚአብሔር ኼጥፍኦም እየ’ በለ፡ ግናኸ እቲ እግዚአብሔር ዝኃረዮ ሙሴ፡ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሕዝቡን ቆይሙ ተቘጢዑ ኸይጥፍኦም ካብ ቊጥዓኡ ኺመልስ ንእግዚአብሔር ለመነ” ይብል። (መዝ.106፡23) ስለዚ ኣብዚ ነቢይ ሙሴ ንሕዝቡ በጃ ኮይንዎም ማለት እዩ። እዚ ግና ምስ ናይ እግዚአብሔር ተበጃውነት ፍጹም ዘራኽብ የብሉን። ናይ እግዚአብሔር ተበጃውነይ ብዝኾነ ይኹን ፍጡር ክፍጸም ክትካእ ዝኽእል ተበጃውነት ኣይኮነን።
ቤዛ ዝብል ቃል ግን ኣይኮነን ንቅዱሳን ንሓጥኣን ውን ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና ፦ ጥበበኛ ሰለሞን ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ ከምዚ ይብል “ክፉእ ሰብ በጃ ጻድቕ ይኃልፍ፡ ጠላሚ ድማ በጃ ቕኑዕ ይኸውን። (ምሳ.21፡18) ይብል።
ኣብ ካልእ ድማ፡- “ሃብታም ብገንዘቡ ንሕይወቱ ይብጀዋ። ይብል (ምሳ.13፡8) ኣብዚ ድማ ገንዘብ በጃ ተባሂሉ ኣሎ።
ስለዚ ቤዛ ዝብል ቃል ከከም ዝተገልጸሉ ዓውደ ንባብ ክንርድኦ ይግባእ እምበር ንገንዘብ ዝተባህለ ንእግዚአብሔር ከም ዝተባህለ፡ ንዝተፈላለየ ተጠቒሱ ንረኽቦ ምስ ናይ እግዚአብሔር ቤዛነት ክንሓዋውሶ ኣይግባእን። ንናይ እግዚአብሔር ቤዛውነት ዝትክእ ማንም ፍጡር ስለዘየለ።
ስለምንታይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል፧
ቅድስት ድንግል ማርያም ስለምንታይ ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል፧ ብዙኃት ቅዱሳን ንኣዴና ቅድስት ድንል ማርያም ቤዛዊተ ዓለም ይብልዋ እዮም። ከም ብዓል ቅዱስ ያሬድ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ዝተፈላለእዩ ድርሰቶም ብተደጋጋሚ ቤዛዊተ ዓለም ኢሎም ክጽውዕዋ ንርእይ። ግና ስለምንታይ እያ ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል፧
1.አበው ‘ዝወደቐ ይትስእ ብኢድ፡ ጸኒሖም ይኸብሩ ብውሉድ’ ከምዝብሉ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ኃዘንን መከራን ዝተወገደ ድኂሮም ብዝረኸብዋ ጓሎም እዩ። አባ ሕርያቆስ ‘ወብኪ ተሓደሰ ቀዳሚ ኩሉ ፍጥረት” – ብኣኺ ኣቐዲሞም ዝተፈጥሩ ናይ ኩሉ ፍጥረት መጀመርታ ዝኾነ ኣርባዕተ ባህርያት ዝተሓደሱልኪ ኢኺ” ከምዝበላ ድንግል ማርያም ንወለዳ ኣዳምን ሔዋንን ዳግም ዝወለድቶም ኣደ እያ። አባ ጊዮርጊስ ‘አቡሃ፡ ለሔዋን ተወልደ እምወለተ ሔዋን – ኣቡኣ ንሔዋን ካብ ጓል ሔዋን ተወልደ” ከምዝበለ ቅድስት ድንግል ማርያም ንናይ ኣዳምን ሔዋንን ፈጣሪ ወሊዳ ንወለዳ ዳግም ዝወለደት ኣደ እያ።
ስለዚ ናይ ሔዋን መተካእታ ኮይና ስለዝመጸት ዳግሚት ሔዋን ትብሃል።
ቀዳመይቲ ሔዋን ድንግልንኣ ኣጥፊኣ ኃጢኣት ፀኒሳ ሞት ክትወለድ ከላ፥ ዳግሚት ሔዋን ዝተባህለት ቤዛዊተ ዓለም ለዋህ ርግቢት እመብርሃን ድንግል በክልኤ ኮይና ጸኒዓ ብምርካባ፡ ነቲ ቀዳመይቲ ሔዋን ዘፍረሰቶ ድንግልና ብድግልንኣ ካሓሰትልና። ነቲ ንሰይጣን ዝሰመዐትሉ እዝና ቅድስት ድንግል ማርያም ስብሐተ መላእክት ሰሚዓ ካሕሳ ከፈለትልና፡ ኣብ ሲኦል ንነብር ዝነበርና ኣብ መቕደስ ነቢራ ናብ መቕደስ ናብ ገነት መለሰትና። ስደተኛ ዝነበርና፡ ብስደታ ናብ ርስትና መለሰትና፡ ረኀብተኛታት ዝነበርና፡ ብርኀብ ብጭንቅ ተሰዲዳ ወዳ መገበት፡ ኣብ ጸልማት ዝነበርና ብለይትን ብቑርን ኣብ በረኻ ብስደት ተንከራቲታ ብናይ ወዳ ብርሃን ብርሃን ኮነትልና።
ኣብ ላዕሊ ኣብ መእተዊ ከምዝረኣናዮ ቤዛ ዝብል ሓደ ትርጉሙ ልዋጥ መተካእታ ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ክንድቲ ሓደ ካልእ መተካእታ ኮይኑ ዋጋ ክኸፍል ከሎ፥ ዕዳ ክቕበል ከሎ፡ ብሓፈሻ ልክዕ ከምቲ ሰብ ኮይኑ ናቱ ዝኾነ ነገር ኩሉ ክትክእ ከሎ ቤዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ዝተባህለት ቅድስት ወላዲተ ኣምላኽ ብኸምዚ እያ ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል። ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ መልክዐ ሕማማት ዝተባህለ ድርሰቱ ቤዛዊተ ኩሉ ዓለም ምዃና ክገልጽ ከሎ
“ቤዛዊተ ኩሉ ዓለም ሰላም ለኪ
ሰፋኒት በአርያም ስለም ለኪ”
ኣብ ኣርያም ብንግሥነት ዘለኺ መድኃኒ ኩሉ ዓለም ሰላም ንዓኺ” ይብላ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ኣካላዊ ቃል ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ፡ ብተዋሕዶ ምስ መለኮት ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኮይኑ ኣብ ዝባነ ኪሩብ ዝተቐመጠ ብሓድነትን ሠለስትነትን ዝምስገን ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።
ማርያም ብቃል ናይ መልኣኽ ገብርኤል ናይ ደስታ ኣኽሊል ዘግየጸት እያ፡ ሎሚ ጥራይ ዝኸበረት ዝተመስገነትን ኣይኮነትን፡ ገና ኣብ ሕቖ ኣቦኣ ኣዳም ከላ ዝተመስገነት እያ። “ማርያምሰ ተኀቱ እምትካት ውስተ ከርሡ ለአዳም ከመ ባሕርይ ፀዓዳ” ከም ዝብለ ቅዱስ ያሬድ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ከምዝተገልጸ ሠርክ (ኣጋ ምሸት) ምስ ኮነ እግዚአብሔር ናብ ኣዳምን ሔዋንን ናብ ገነት ምስ መጸ ድንግል ማርያም ብትንቢት ተገሊጻ ኢያ። (ዘፍ.3፡8) ቀጺሉ ድማ እግዚአብሔር “እንሆ ኣዳም ከም ሓዳ ኻባና ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኮነ፡ ይብል (ዘፍ.3፡22) ነዚ ዝበለ ስለ ኣዳም ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እንተበልና ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ዝተዋሓሓዶ ምስ መለኮት ሓዳ ስለዝገበሮ ንጽሑን ቅዱስን ዝኾነ ስለ ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ምዃኑ ዝፈልጥ ኣምላኽ ስለዝኾነ “እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኮነ” በላ።
ካብታ ንጽሕትን ቅድስትን ዝኾነት ዘርኢ ኣዳም ቅድስት ድንግል ማርያም ንንጹሕ ሥጋ ዝተዋሕደ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ስለኾነ “ኣዳም ከም ሓዳ ኻባና ኮነ” በለ። ቃል ብቓሉ እንተ ኾይኑ ግና ኣዳም ካብ ሠለስተ ኣካላት ከም ሓደ ኣካል ኣይኮነን። ኣዳምን ሔዋንን ካብታ ኣይትብልዕዋ ዝተባህሉ ዕፀ በለስ ምስ በልዑ ጸግኦም ተገፊፉ እዩ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ መከራን ሓዘንን ፡ ጭንቀት ጻዕሪ ሞት ኩሉ ኣብ ባሕርይ ኣዳም ነገሠ።
ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ንጹሕ ሥጋኣ ነገር ግና ቅድሚ ደቂ ሰባት (ቅድሚ ነቢያት) ኣቐዲሙ ብእግዚአብሔር ዝተገልጸ እዩ። ክብሪ ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ክብሪ ናይ ነቢያት ከም ናይ ሓዋርያት ጻድቃን ሰማዕታት ኣይኮነን። “ኣዳም ከም ሓዳ ኻባና ኮነ” ተባሂሉ ዝተነግረሉ ካብ ሠለስት ኣካላት ሓደ ኣላል ዝተዋሕዶ ንጹሕ ዘርኢ ኃጢኣት ኣዳም ዘይኃለፎ እዩ። ስለዚ እምበኣር እዩ ቤዛዊተ ኩሉ ዓለም ሰላም ለኪ
ሰፋኒት በአርያም ስለም ለኪ” ዝበላ።
- ኣምላኽ ካብኣ ሰብ ኮይኑ ስለዘድኃነና በዚ ምኽንያት ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል። ኣምላኽ ሰብ ንኽኸውን ንዓለም ወኪላ ብንጽሕና ዝተረኽበት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝኾነት ቤዛዊት ዓለም ትብሃል። ትምክሕተ ዘመድነ ትብሃል በዚ ምኽንያት እዩ። ይኩነኒ በከመትቤለኒ ብምባል ንዓለም ወኪላ ናይ ድኅነት ብሥራት ዝተቐበለት ስለዝኾነ፡ በዚ ምኽንያት ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል። ብቐዳመይቲ ሔዋን ምኽንያት ሞት ናብ ዓለም መጸ። ብምኽንያት ድንግል ማርያም ድማ ሕይወት ናብ ዓለም መጸ። በዚድማ ቤዛዊት ዓለም ንብላ። እመ ሕይወት እመ ብርሃን እመ ቤዛ ትብሃል። ኃደሪ ብማኅደር ስለዝጽዋዕ መሕደሪት ኣምላኽ ስለዝኾነት ንቤዛ ዓለም ክርስቶስ ስለዝወለደት ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል።
- ብኣማላድነታ ንኃጥኣን ቤዛ ስለትኸውን ቤዛዊት ዓለም ትብሃል። ነዚ ኽገልጽ ከሎ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ
“እሙ በሊዮ በእንቲአየ ለፍሬ ከርሥኪ እብኖዲ”
ላዕሌሁ ምሕረት ኢታጐንዲ
እመ አሕዘነከ ብእሲ እባዲ
ቤዛ ነፍሱ ንጽሕየ እፈዲ”
(ኣደ ጐይታ ንናይ ማኅፀንኪ ፍረ እብኖዲ ምእንታይ ከምዚ በሊ ኣብ ልዕሊኡ ምሕረትካ ኣይተደንጒ፡ ሰነፍ ኮይኑ ሰብ እኳ እንተሕዘነካ ፡ ናይ ነፍሱ መተካእታ(ቤዛ) ንጽሕናይ እኽፍል)
እዚ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ንጹር ኣማላድነታ ዝገልጽ እዩ። ንሕና ቅዱሳን መላእኽቲ ይኹኑ ቅዱሳን ሰባት ናብ ፈጣሪኦም ኸማልዱልና ክንጽሊ ከለና፡ ንሳ ግና ናብ ፍቑር ወዳ ንኽተማልደልና ኢና ንምሕጸና። ምኽንያቱ ብናታ ኣማላድነት እነቕርቦ ጸሎት ኣዝዩ ልዑል ተቕባልነት ዘለዎ ስለዝኾነ። ሊቃውንት “ናይ ኣደ ልመና ገጽ ኣይመልስ ክሳድ ኣይቅልስ” ከምዝብሉ። እዚ ናይ ኣደ ልመና ብውሉድ ፍጹም ተቐባልነት ከምዘለዎ ዘረድእ እዩ።
እዚ ኸኣ እንኳን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ዝኾነት፡ ኣካላዊ ቃል ንኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝወለደት፡ ኣዴታት ናይቶም ምድራውያን ዝኾኑ ነገሥታት እኳ ብደቀን ልዑል ክብርን ተቐባልነትን እዩ ዘለወን።
ንኣብነት እንተርኢና ኣደ ንጉሥ ሰሎሞን ቤርሳቤህ ብወዳ ንጉሥ ሰሎሞን ዝነበራ ክብርን ተሰማዕነይን መጽሓፍ ቅዱስ ክገልጽ ከሎ፦
‘“ቤርሳቤህ ድማ ብናይ ኣዶንያስ ኽትዛረብ ናብ ንጉሥ ሰሎሞን አተወት። እቲ ንጉሥ ከኣ ኪቕበላ ተንሥኤ። ኢድ ድማ ነስኣላ፡ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ፡ ነደ ንጉሥውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት።
ንሳ ኸኣ፡ ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒ፡ በለቶ። ንጉሥ ድማ፡ ኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ” ብምባል ናይ ኣደ ተሰማዕነት ብውላዳ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ከምዝኾነ ይነግረና። (1 ነገ.2፡19-20)
ስለዚ ኸኣ እዩ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ናይ ሓሙስ ውዳሴ ማርያም “ወበእንተዝ ንስአል ኀቤሃ ኩሉ ጊዜ ከመ ታስተሥሪ በእንቲአነ ኀበ ፍቁር ወልዳ ኄርት ይእቲ በኀበ ኩሎም ቅዱሳን” (ስለዚ ናብ ፍቁር ወዳ ከተማልደልና ናብኣ ነመልክት ብኹሎም ቅዱሳን ርኅርሕቲ ስለኾነት) ብምባል ዘውትር ካብ ወዳ ከተማልደልና ኣብ የማን ወዳ ንኣማላድነት ዝቖመት ኣደ ኣምላኽና ክንማፀና ዝምህረና።
ኣብ ነገረ ማርያም ከም ዝተጻሕፈ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጊዜ ዕረፍታ ምስ ኣኽለ ጐይታ ክትመውት ምዃና ምስ ነገራ፡ ኣነ ንዓኻ ንኣምላኽ ወሊደ፡ ኣደ ሕይወት ተባሂለ ከመይ ኢሉ ሞት ይረኽበኒ፧ ብምባል ሓተተቶ፡ ቅዱስ ያሬድ ከምዝገለጾ “እፎኑመ እመ አምላክ በከየት ደንጊፃ ከመ ኩሉ ሰብ ሞት ሶበ ሐወጻ – ከም ማንም ሰብ ሞት ምስ መጻ ኣደ ኣምላኽ ከመይ ደንጊጻ ኣልቀሰት፧ ከምዝበለ
ሞት ብሰንኪ ኃጢኣት ኣዳም ዝመጸ ዕዳ እዩ።
እዚ ኸኣ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይምልከታን እዩ። ምኽንያቱ ንሳ በደል ኣዳም ዘይኃለፋ ንጽሕተ ንጹሓን እያ። “ወኢረኩሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ” ከምዝበል ቅዱስ ቴዎዶጦስ ዘአንቆራ። ሞት ባህርያዊ ዘይኮነስ ባህርያዊ መሲሉ ምስ ባህርና ተሰማሚዑ ዝነበረ ፍዳ እዩ። ሞት ብጐይታና ቅድሚ ምቕታሉ/ምስራዙ ናብ ሲኦል ዝወስድ መገዲ እዩ ነይሩ፤ክርስቶስ ምስ መጸ ግና እዚ ሞት ዝብል ስም ንባቡ ከይተቐየረ፡ ትርጉሙን ምሥጢሩን ተቐየረ፤ ነቲ መስተዪ ጽዋዕ ከይቀየርካ ነቲ መስተ ከም ምቕያር ማለት እዩ፤ ሞት ኣብ ሓድሽ ኪዳን መሰጋገሪ እዩ፤ ሞት ማለት ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት መጸዋዕታ እዩ፤ መቓብር ድማ ንትንሣኤ ዘጉባኤ ንጽበየሉ ስፍራ እዩ።
ሞት ውፅኢት ጥንተ አብሶ እንተኾይኑ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለምንታይ ሞይታ፧ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝሞተት “ላቲ ስብሐት” ጥንተ አብሶ ስለዘለዋ እዩ ኢሎም ዝከራኸሩ ሰባት ኣለዉ።
እዞም ሰባት እዚኦም ሞት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን እንታይ ምዃኑ ብግቡእ ስለዘይተረድኦምን፡ ምኽንያት ሞት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንታይ እዩ ዝብል ስለዘይፈልጡን ዝዛረብዎ እዩ።።
ሞት እቶም ጥንተ አብሶ ዘለዎም ጥራይ እዮም ዝሞቱ እንተተባሂሉ ጐይታና ምማቱ ጥንተ አብሶ ኣለዎ ዘስምዕ እዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ንጹሐ ባሕርይ፡ ንጹሕ ከሎ ምእንታና ሞተ ንብሎ ናይ ድኅነት ፅንሰ ሓሳብ ከንቱ ዝግበር እዩ። ስለዚ ሞት ድኅሪ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤ መስርሕ እንጽበየሉ መገዲ እዩ።
ናብቲ ዘልዓልናዮ ኣርእስቲ ንመለስ፦
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ሞት ስለዘይብላ ጐይታ ኸኣ ብፍቓዳ ንኽትመውት ንቅድስት ወላዲቱ ብመላእኽቲ ኣዕጅቡ ነቶም ኣብ ገነት ዘለዉ ነፍሳት ኣርኣያ፡ በዚ ኸኣ ኣዚያ ተሓጎሰት።
ቀጺሉ ድማ ኣብ ሲኦል ዝሳቐዩ ነፍሳት ኣራኣያ። ነዞም ኣብ ሲኦል ዝሳቐዩ ነፍሳት ንቅድስት ድንግል ማርያም ምርኣዩ ጐይታ ብምኽንያት ክምሕሮም ስለዝደለየ እዩ። ሕዝቡ ንምምሓር ንነቢይ ሙሴ ነዚ ሕዝቢ እዚ ከጥፍኦ እየ፡ ከም ዝበለ’ሞ ነቢይ ሙሴ ድማ ነዚ ሕዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ ናይ ሕይወት መጽሓፍ ሕኸኸኒ ከምዝበለ፡ ኣብዚ ድማ ጐይታ ናይ ኣዴኡ ርኅራኄ ስለዝፈልጥ ነዚኦም መሓረለይ ንኽትብሎ ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት ኣርኣያ። ስለዚ ኸኣ ንሳ ነዚ ምስ ርኣየት መሪር ኃዘን ሓዘነትን ኣልቀሰትን፡ ነዚኦም መሓረለይ በለቶ። ጐይታ ድማ ከምቲ ኣነ ብሞተይ ካብ ሲኦል ነፍሳት ናጻ ዘውፃእኹ፡ እዚኦም ናጻ ንኽወፁ ኣብ ክንድኦም ክትሞቲ ካሕሳ ቤዛ ክትኮንዮም ኣለኪ በላ። ብናተይ ሞት ናጻ ዝወፁን ዝድኅኑን እንተኾይኖም ኣብ ክንድኦም ኣይኮነን ሓደ ጊዜ ሾብዓተ ጊዜ እመውት ኢላ ብፍቓዳ ሞት ከም ትቕበሎ ገበረ።
“ቅተለኒ በእንተ ቤዛሆሙ – ኣብ ክንድኦም ኣነ ኽመውት መሓረለይ ክትብል ለመነቶ። ጐይታ ድማ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ወሪዱ ነፍሳት ኣውፅኦም። በዚ ኸኣ ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል። ንሥግኣ ከቃጽሎ እየ ኢሉ ካብ ኢድ ሓዋርያት ክውስዶ ዝሓሰበ ታውፋንያ ብኢድ መልኣኽ ኢዱ ምስተቖርጸ ብናይ ቅድስት ድንግል ኣማልድነት ኢዱ ተመሊሳትሉ ጥዓየ በዚ ድማ ቤዛ ኮነቶ። ስለዚ በዚ ኹሉ ምኽንያት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤዛዊተ ዓለም ትብሃል። ኣብ መወዳእታ ከም መዛዘሚ በዚ ወትሩ ኣብ መቅድመ ትአምረ ማርያም ዘሎ ሓሳብ ክንዓጹ
አክብርዋ ኩልኩሙ ውሉድ ቤተ ክርስቲያን እስመ ቤዛኩሙ ይእቲ ለኃጥእን።
ምንጪ ካብ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.17
ብቤት ትምህርቲ ሰንበት #ቅድስት #ድንግል #ማርያም ቤተ ክርስቲያን #መድኃኔ ዓለም
ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል
Leave a comment



