በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ነገር ቤተ ክርስቲያን 1ይ ክፋል
ነገር ዝብል ቃል ብናይ በቴ ክርስቲያን ኣስተምህሮ ንናይ ሓደ ትምህርቲ ዕላማ ከም መግለጺ ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ንኣብነት ነገረ ክርስቶስ, ነገረ ማርያም ፡ ነገረ ቅዱሳን፥ ወዘተ. . . እዚ ማለት ነገረ ማርያም ክንብል ኮሎና ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓፈሻዊ ብእግዚኣብሔር ንሰብ ዝተገልጸ ኩሉ እንመሃረሉ ትምህርቲ እዩ። ካልኦት ድማ ልክዕ ከምዚ ማለትእዩ። ስለዚ ኣብዚ ድማ ነገረ ቤተ ክርስቲያ ክንብል ከሎና ሓፈሻዊ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ማለት መን ከም ዝመሥረታ፡ኣመሠራርትኣ፡ ሕጋ፡ ሥርዓታ ኩለንትናዊ ሕይወታ እንመሃረሉ ክፍሊ እዩ።
ነገረ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያና ካብቶም ዶግማ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓደ እዩ። እዚ ማለት ካብቶም ዘይሰዓሩን ዘይልወጡን ትምህርቲ ማለት እዩ። ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሥራቲ በዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ግ.ሓ 20፡28 ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ጓስይዎ ይብል። ኤፈ.2፡19-22 እንተሪና ውን ስለ ነገረ ቤተ ክርስቲያን መንነት ናይ ክርስቶስ ኣምላኽናን ዝሓገገልና ኩሉ ነገርን ንእንማሃረሉ ማለት ኩሉ ምሥጢራት ዝፍጸመላ፡ ሰማያዊ ሥርዓት ዘለዋ እያ። ስለዚ ነገረ ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን እንመሃረሉ ትምህርት እዩ።
ነገረ ቤተ ክርስቲያን ምምሃር ንምንታይ ይጠቅመና፧
ነገረ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያና ካብቶም መሠረታውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ትምህርታት ሓደን ቀንድን ከም ምኻኑ መጠን ምምሃሩ ብጣዕሚ ኣዝዩ ኣገዳሳን ወሳንን እዩ ። ምኽንያቱ ነገረ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ዘይምምሃርን፡ ዘይ ምርዳእን ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዝግባእ ርክብ ይጎድል ምኽንያቱ ነገረ ቤተ ክርስቲያን ምምሃር ሓቀኛ መንነታ ንምፍላጥ ኣዝዩ ስለ ዝጠቅመና ስለዚ ድማ እንተ ዘይ ተማሂርካ ንቤተ ክርስቲያ መንነት ብዝግባእ ክትፈልጣ ከምዘይ ይከኣል ብእኡ መጠን ድማ ምስ መሥራቲኣ ዝኾነ ጐይታ ዘሎና ርክብ ኣዝዩ ይጎድል ማለት እዩ።
ምኽንያቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ንሓድሕዶም ከም ሰንሰለት ዝተተኃኃዘ እዩ። ስለ ዝኾኑ ሓደ ሰብ ኣብ ነገረ ቤተ ክርስቲያን እኹል ዝኾነ ርዲእትን ኣፍልጦን ምስ ዘይህልዎ ስሕተቱ ኣብ ነገረ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ ዝፍጠር (ዝቅየር) እንታይ ደኣ ኣብ ዝርእዩ እዚ ኩሎም ትምህርትታት ነገረ ክርስቶስ፡ነገረ ማርያም፡ ነገረ ቅዱሳን፡ኣብ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኣፍልጦ ጎዶሎ ይኾውን፡ ቅኑዕ እምነት ውን ኣይህልዎን ። ምኽንያቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሥራትን ርእስን ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ (ግ.ሓ.20፡28, ኤፎ.5፡23-27) ሰለዚ ነገረ ቤተ ክርስቲያንር ዘይተማህረ ሰብ ኣብ ነገረ ክርስቶስ ቅኑዕ ዝኾነ እምነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን መሠረት ንክርስቶስ ወልደኣብ (ወዲ እግዚአብሔር) ማለት ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ብባሕርይ እናተወልደ ዝነብር ወልደ አብ፡ ንዓለም ንምድኃን ድማ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ ወልደ ማርያም ኢልካ ምእማን እዩ። ኣብ ወንጌል ከም ዝተጻሕፈ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅሳርያ ናይ ፊልጶስ ዓዲ ንሓዋርያት ዝሓተቶም ሕቶ ሰባት ንወድ ሰብ መን ይብልዎ ዝብል (ማቴ16፡13) ናይ መንነት ሕቶ እዩ ነይሩ። ሓዋርያት ድማ እቶም ንናይ ቤተክርስቲያን መሥራቲ ዝኾነ ጐይታ እቶም መንነቱ ዘይፈልጡ ንዝብልዎ ማለት ኤልያስ፡ ዮሓንስ መጥመቅ፡ ኤርምያስ፡ ወይ ከኣ ሓደ ካብ ነቢያት እዩ ይብሉኻ ኢሎም መለስሉ። ነቶም ምስኡ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዝነበሩ ሓዋርያት: ምልስ ኢሉ ድማ ንስካኻትኩምከ መን ትብሉኒ፧ በሎም። ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ በሎ። ጐይታ ድማ ስምዖን ወዲ ዮና ነዚ ሥጋን ደምን ኣይኮነን ዝገለጸልካ እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ እዩ ገሊጽልካ እሞ ብፁዕ ኢኻ። ኣነ ከኣ እብለካ ኣለኹ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ: ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ኪሓንጻ እየ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይክኅይልዋን እዮም።
ስለዚ ንሕና ምእመናን ድማ ብጥምቀት ኣብ’ዚ ኸውሒ እዚ ንሕነጽ ምኽንያቱ ንሕና ውን ቤት መቅደስ ኣምላኽ ካብ ኮና ኣብ ጊዜ ጥምቀት ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሚናን ተጠሚቅናን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ንሕነጽ ስለዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ ዝኾነ እምነትን ትምህርትን እንተዘይብሉ መሠረታ ውን እንተ ዘይ ፈሊጡ ክሕደቱ ኣብ ነገረ ክርስቶስ ጥራይ እውን ዝውሰን ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብኸመይ ምስ እንብል ምሥጢራት ዝፍጸሙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ። ንኣብነት፦ ቅዳሴ ዝሥራዕ (ዝቅደስ) ኣብ ቤተ ክርስትያን እዩ። ቅዳሴ እንተ ሃልዩ ምሥጢረቁርባን ኣሎ። ጥምቀት ውን ዝፍጽም ቅዳሴ ኣብ ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ቃል ኪዳን ወይ (ምሥጢረ ተክሊል) ምሥጢረ ሜሮን ውን ብተመሳሳሊ። ስለዚ ሓደ ሰብ ነገረ ቤተ ክርስቲያን ዘይተማሂሩ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ይጠፍእን ይጎድልን። ኣብ ካልኦት ምሥጢራት ውን ሳዕቤን ስለዘለዎ ነፍስወከፍ ሰብ ነገረ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ክመሃር ኣለዎ።
ቤተ ክርስቲያን ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
ቤተ ክርስቲያን ብቋንቋ ግሪኽ ኤቅላስያ ዝብሃል ትርጉም ክከውን ከሎ፡ ብናትና ድማ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሠለስተ ዓበይቲ ነገራት ዘጠቃልል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ንሳቶም ድማ፥
- ቤተ ክርስቲያን ማለት ክርስቲያን ዝእከብሉ፡ ዝራኸብሉ ቦታ ማለት እዩ። እዚ ድማ ክርስቲያን ብሓደ ኮይኖም ዝጽልይሉ፡ ሥግኡን ደሙን ዝቅበልሉ ምስ እግዚአብሔር ብጸሎት ዝራኸብሉ ናይ ጸሎት ቦታ ማለት እዩ። ትንቢት ኢሳይያስ ውን ኩሎም ኣሕዛብ ሕዝቢ ኣምላኽ ከምዝኮኑ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል ” ከመይ ቤተይሲ ንኹሎ ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ተባሂሉ ኺትስመ እዩ።” ኢሳ.56፡7,
ነቢይ ኤርምያስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅንዕና ክንገብር ከምዝግበኣና ከምዚ ይብለና፥ “ኩሉ እዚ ፍንፋን ግብሪ እዚ ትገብሩ እሞ፡ናብዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብዚ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቆምኩም ድኁናት ኢና ትብሉ ኣሎኹም። እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤትዶ! በዓቲ ጐሓሉ መሲላትኩም እያ፧እንሆ፡ እቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ኩሉ ባዕለይ ርእየዮ እየ።ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ ኤር.7፡10-11። ስለዚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብቅንዕና ክንመላለስ ፡ ግብሪ ጽድቂ ክንፍጽም ኣምላኽና ይሓግዘና። ማቴ 21፡13, ማር.11፡17, , 1ቆሮ11፡18, 1ቆሮ.14፡19-35,
ኣብ ወንጌል ሉቃስ.19፡46-47 “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዋ” እናበለ ኼውፅኦም ጀመረ። ዕለት ዕለት ከኣ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዕለት ዕለት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክንመላለስ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ይዓድለና።
- መዝ 122፡1-2 ቅዱስ ዳዊት ውን ከምዚ ይብለና “ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ” ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ። ኦ ኢዮሩሳሌም! እንሆመጺእና ኣብ ደጌታትኪ ደው ኢልና ኣሎና።
- 1ጢሞ.3፡13-16 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ ክሞዕዶ ከሎ፥ “ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ንሕዝቢ ኣብ ምንባብን ምስባኽን ተጸመድ። ነቲ ብቃል ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝተዋህበካ ጸጋ ሽለል ኣይትበሎ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ፡ እናዓቤኻ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ኩለንትናኻ ወፊ። ንገዛእ ርእስኻ ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፡ ኣብኡ ጸኒዕካ ንበር፡ ነዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድኅን ኢኻ።” ይብሎ። ስለዚ ንሕና ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዕና መራሕቲ ኣቦታትና ዝብሉና እና ተግበርና ክነብር ቅዱስ ፍቃዱ ይኩን።
ኣብ ግ.ሓ 11፡26 “ኣብታ ቤተ ክርስቲያ ከኣ ዓመት ምሉእ ብኅብረት ነበሩ፡ ንብዙኅ ሕዝቢውን መሃሩ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣባንጾክያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ። በዚ መስረት ድማ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ሥርዓት ኣምልኾ ዝፍጽምሉ ቦታ እዩ።
- ቤተ ክርስቲያን ማለት ክርስቲያን ዝኮና ሰባት ወይ ድማ ጉባኤ ሕሩያን ምእመናን ወይ ውን ንቕድስና ዝተጸውዑ ናይ ክርስቲያን ጉባኤ ማለት እዩ (ግ.ሓ 8፡1. ግ.ሓ.11፡22, ሮሜ16፡5) ብሓፈሻ ኣብዚ ካልኣይ ንወለዶ፡ ዓሌት፡ ንወገንነት፡ ዜግነት ዘመልክት እዩ።
ንኣብነት፦ ቤተ ያዕቆብ ቤተ እስራኤል ከም ማለት እዩ። ካብ ያዕቆብ ዝተወልደ ኩሉ ቤተ እስራኤል ከም ዝበሃል ብመንፈሳውን ምሥጢራት’ውን ልደት ካብ ክርስቶስ ዝተወልዱ ምእመናን ድማ ቤተ ክርስቲያ ይበሃሉ። እዚ ማለት ሳዓብቲ ክርስቶስ ማለት እዩ (ግ.ሓ 5፡11, ግ.ሓ 9፡31, ግ.ሓ 12፡1-5, ግ.ሓ 18፡22)።
ካልእ እዚ ቤተ ክርስቲያን ማለት ጉባኤ ምእመናን ደኣ እምበር ሕንጻ ጥራይ ከም ዘይኮነ ኣብ ማቴ.16፡18-19 “ጴጥሮስ ኸውሒ ኢኻ ንቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ኸውሒ ክሓንጻ እየ” ምባሉ።
ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ብትምህርቲ ስብከት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣሚኖም ንክርስቶስ ዝሰዓቡ ምእመናን እዮም። ግ.ሓ 20፡28 “ንርእስኩምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጲሳት ጌይሩ ዝሓረየኩም ዝሸመኩም ኩሉ ሞጓሰ ሓልዉ ማለት መጓሰ ተባሂሎም ዘለው ንዝሕልውዎም ምእመናን እዮም (1ቆ16፡19-20, ግ.ሓ.14፡23)።
- ቤተ ክርስቲያን ዝብል ንነፍሲወከፍ ምእመናን ዝውክል መጸውዒ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ መኅደሪ ስለ ዝኹኑ እዩ። ክርስቲያን ዝብል ቃል ካብ ክርስቶስ ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ክርስቶስ መኅደሪ ንዝኾኑ ናይ ክርስቲያን ሰብነት እዩ ዘመልክት (1ቆሮ3፡10-16)። ኣብ ግ.ሓ.9፡5 ቅዱስ ጳውሎስ ቅድሚ ምጽውዑ ዘሳድዶም ዝነበሩ ናይ ክርስቶስ ኣካል ብምዃኖን፡ ጐይታ ንምንታይ ተሳድደኒ ብምባል ንምእመናን ምስዳድ ንክርስቶስ ምስዳድ ማለት ምዃኑ ኣረዲኡና ኣሎ (1ቆሮ.15፡9, 1ቆ12፡27, ግ.ሓ 3፡20)
- ቤተ ክርስቲያን ዝብል ንማዕርገ ክህነት ውን ዝገልጽ እዩ።
ንኣብነት፥ ማቴ 18፡17 ንኣኣቶም እንተዘይሰሞዕም ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፡ ንቤተ ክርስቲያን እንተዘይስምዓ ግና ከም ኣረሚንን ዘይንሳሕ ኃጢኣተኛን ቁጸሮ።
- ቤተ ክርስቲያን ዝብል ንቤተሰብ ወይ ንስድራ ቤት ዝገልጽ እዩ።
ንኣብነት፥ 1ቆሮ 16፡19 ፡ ሮሜ 16፡ 5
ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ነገረ ቤተክርስቲያን ምምሃር፦
- መንነት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ንምፍላጥ ይጠቕመና (ግ.ሓ.20፡28)።
2.ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ክንነብር ከም ዝግብኣና ይጠቕመና።1ጢሞ3፡15-16
- 3. ነገረ ክርስቶስ ንምምሃርን ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ንምፍጻም ይጠቕመና።
- 4. ምስ ካልኦት ናይ እምነት ትካላት ዘሎና ፍልልይ ንኽንፈልጥ ይኅግዘና።
- ምስ ኣምላኽና ዘለና ርክብ ጥቡቕ ከም ዝኸውን ይገብር።
2ይ ክፋል ይቕጽል ——–
ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም እስራኤል ማሕበር ቅድስት ድንግል ማርያም መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁጽሪ 11. ጥሪ 2012 ዓ.ም.ግ/ 2020 ዓ.ም.ፈ ዝተወስደ።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል
ኣሜን!!!
Leave a comment