ነገረ ቤተ ክርስቲያን 3ይ ናይ መወዳእታን ክፋል

ነገረ ቤተ ክርስቲያን 3ይ ናይ መወዳእታን ክፋል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ነገረ ቤተ ክርስቲያን  3 ናይ  መወዳእታን  ክፋል

 

  1. ቅድስት ዝተባህለትሉ ምኽንያት

ቅድስት ዝብል ንኣንስታይ ጾታ ዝገልጽ ኮይኑ ምንጩ ቀደሰ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወፅአ እዩ።

ቀደሰ ማለት ድማ ፈለየ፡ ኣኽበረ፡ ኣንጽሐ፡ መረጸ ማለት እዩ።

ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት እያ ክበሃል እንከሎ ዝኸበረት፡ ዝተፈልየት፡ ዝነጽሐት፡ ዝተመርጸት እያ ማለት እዩ።  ንቤተ ክርስቲያን ርእሳ ዝኾነ ኣምላኽናን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ቅዱስ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።  ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣነ እግዚኣብሔር ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ድማ ቅዱሳት ኩኑ”ይብለና (ዘሌ 19፡1, ዘሌ 11፡44)

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም ድማ ቅዱሳት ኩኑ” ይብለና (1ጴጥ 1፡15-16)።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ውን “እቲ ኩሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ጌሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ” ኢላትና እያ (ሉቃ 1፡49)።

ንኣምልኾተ እግዚኣብሔር ዝተፈልዩ ካብ ዓለም ናይ ዘይኮኑ ምእመናን ጉባኤ ስለዝኾነት ቅድስት ትበሃል (ዮሓ 15፡19, ዮሓ 17፡14) ።

ናይ ኣኽሊል ዓውት ዝዓተሩ ቅዱሳን ኅብረት ዘለውዋ ስለዝኾነት ቅድስት ትበሃል። በዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ጐይታ ብደሙ ዝቐዳሳ ንሱ ባዕሉ ርእሰ መኣዝና ቅዱስ ስለዝኾነ ቅድስት ተባሂላ ትጽዋዕ (ኤፌ 5፡26-27, ግ.ሓ 20፡28) ።

ካልእ ጐይታ ንቤተ-ክርስቲያን ብምሥጢራት ጌይሩ ቀዲስዋ እዩ። ኣብ          ቤተ-ክርስቲያን ዝዝከር እግዚአብሔር እዩ።  እግዚአብሔር ማለት ድማ አብ፡ ወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ስለዚ ቅድስት ዝተባህለትሉ ዝሓድርዋ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን (ቅድስት ሥላሴ) ስለዝኾኑ እዩ።  ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህሉ ዝምስገኑ እዮም (ኢሳ 6፡1-3, መዝ 30፡2, ዮሓ 17፡19, 1ተሰ 4፡7)

  1. ዓለም ለኻዊት ዝተባህለትሉ ምኽንያት

ዓለም ለኻዊት ማለት ኣብ ኩሉ ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ቦታ ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ሃብቲ፡ ድኽነት፡ ዓሌት ከይበለት ስለ እትሰብኽ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ዓለም ንዘሎ ፍጥረት እትሰብኽ ስለዝኾነት እዩ። ጐይታ’ውን ንደቂ መዛሙርቱ ብቃሉ ክነግሮም ከሎ፥ “ኪዱ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ እናመሃርኩም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም” እዩ ዝበሎም። ብተወሳኺ ውን “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ወንጌል ስበኹ” በሎም (ማቴ.2819, ማር.1615)። እዚ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኩሉን ንኹሉን ምኳና ዝገልጽ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዙኅ ቦታታት እኳ እንተሃለወት ግናኸ ሓንቲ ኅብረት እያ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ባርያ፡ ጭዋ፡ ዕብራዊ; ግሪኻዊ ዝብሃል የለን። ወንጌል ንኹሉ እያ። ጐይታ ዝሞተ ውን ምእንቲ ኹሉ ዓለም እዩ (ራእይ59)።

ናይ ኩሉ ዓለም መድኃኒት ውን እዩ (ሉቃ2፡1-10፡ ምሳ3፡14-16)።ነዚ ውን እዩ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ መዝ 19፡4, ሮማ 10፡18 “ድምጾም ናብ ኩላ ምድሪ ቃላቶም ድማ ክሳብ ወሰን ዓለም በጽሐ” ዝበሎ።

 4, ሓዋርያዊት ዝተባህለትሉ ምኽንያት

ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊት እያ ዝተባህለት ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዓለም ዝሰበኽዋ ሓዋርያት ስለዝኾኑ እዩ።  ብዘይካ እዚ ትምህርቲ ሓዋርያት ብዘይ ጉድለት ኂዛ እትርከብን ሓዋርያት ዝመሃርዎን ዝኣዘዝዎን ዝደንገግዎን ኩሉ ኂዛ ስለ እትርከብ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነት ድማ እያ ሎሚ ናይ ሓዋርያት ትምህርትን ትውፊትን ብምኃዛ ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ ብተኸታታሊ ከየቋረጸት ናይ ኣሰያይማ ክህነት ተኸቲላ ትኸይድ ዘላ። ነዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌ.2፡19-21 “እምበኣር ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ርእሰ መኣዝኑ ዝኾነ ኣብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነደቕኩም ድጊም ደቂ ዓዶም ንቅዱሳን ስድራ ቤት ኣምላኽን ኢኹም እንበር ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን” ዝብለ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎ ከምዝበሎ ነቲ ሓደ ጊዜ ዝተዋህበና ክሳዕ መወዳእታ ክንኅዝ እንበር ብጋሻ ዝኾነ ትምህርትን ትውፊትን ክንታለል የብልናን  “ግናኸ ንሕና ኮነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝጻረር ካልእ ወንጌል እንተ ድኣ ሰቢኹልኩም ውጉዝ ይኹን” (ገላ 1፡8)

ስለዚ ነቲ ብቃል ኮነ ብትውፊት ካብ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝተቐበልናዮ ክሳዕ መወዳእታ ክንኅዞ ይግበኣና (2ተሰሎ.2፡15, 1ይተሰሎ.3፡6)።

ቤተ ክርስቲያን ድኅነት እትህበሎም መገድታት

ቤተ ክርስቲያን ብመሠረት ናይ ጐይታ ትእዛዝን ናይ ሓዋርያትን ሓዋርያውያን ኣበው ትምህርትን ድኅነት እትህበሎም መገድታት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ገለ ካብኣቶም ድማ፥

  1. ብቃለ እግዚኣብሔር፦

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ድኅነት ብዛዕባ እትህቦም ነገራት ብብዝኂ ተጠቒሱ ንረኽቦ።  ጐይታ ውን በቲ ሕያው ቃሉ ንደቂ መዛምርቱ ንድኅነት ደቂ ሰባት ሚሂሮም ናብኡ ከም ዝምለሱን ብእኡ ከም ዝኣምኑን ገይሩ ምሂርዎም እዩ (ማር.16፡15, ግ.ሓ.6፡4, ግ.ሓ.11፡14, ገላ5፡21, 1ቆሮ.9፡16, ማቴ28፡19-26,           ግ.ሓ.2፡37-38,    1ጴጥ.4፡16)።

  1. ምሥጢራት

, ምሥጢረ ጥምቀት (ዮሓ. 3፡5-6, ማር.16፡16, ሮሜ.6፡3-8,  ግ.ሓ.22፡16)

, ምሥጢረ ሜሮን   1ይ ዮሓ 2፡20 “ንስኻትኩም ድማ ኻብቲ ቕዱስ ዝኾነ ቕብኣት ኣሎኩም፡ንኹሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

ሐ, ምሥጢረ ንስሓ (ዮሓ 20፡23 “ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩምሎም ኪኅደገሎም፡ ንዘይኃደግኩምሎም ግና ኣይኪኅደገሎምን እዩ” በሎም።

ግ.ሓ,22፡16 “ሕዲኸ እንታይትጽበ ኣሎኻ፧ ተንሥእ፡ ሽም ጐይታ እናጸዋዕካ ተጠምቕ፡ ካብ ኃጢኣትካውን ተሓጸብ” በለኒ።

ማቴ.4፡17 ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ” እናበለ ክሰብኽ ጀመረ።

ኢያሱ.7፡19 ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደየ በጃኻ፡ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣማኅጽነካ ኣሎኹ። ተናዘዝ ፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ ኣይትኅብ ኣለይ” በሎ።

ግ.ሓ.2፡37 , 1ቆሮ.11፡23-28, ማቴ.27፡23, , ሉቃ.7፡36,)

, ምሥጢረ ቁርባን (ማቴ 26፡28, ዮሓ 6፡52-54, 1ቆሮ 11፡23-28)

  1. ብክህነትን መሠረታዊ ኣገልግሎትን ኤፌ4፡11, ዮሓ.21፡15, ማቴ.9፡36, 1ጴጥ.5፡8, ያዕ.5፡20 ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ክህነትን ኣገልግሎቱን ሓደ ካብቲ  ቤተ ክርስቲያን ድኅነት እትህበሉ መገዲ እዩ። ሊቀ ካህናት ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳት ሓዋርያት ካህናት ገይሩ ሰይምዎም እዩ።     ሓዋርያት ድማ በቲ ዝተዋህብዎ ሥልጣነ ክህነት ኩሉ ምሥጢራት ይፍጽሙ ኔሮም (ዮሓ.20፡23, ማቴ.16፡18)። ሓዋርያዊት ዝኾነት ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ሰንሰለት እዚ ብምኃዝ ትፍጽሞን ትጥቀመሉን ኣላ።

­­­­­­­­­­­­­­­­ሓደ ካብቲ ሓዋርያዊ ቅብብል ክህነት እዩ። ክህነት እንተዘየለ ቤተ ክርስቲያን የላን። ክህነት እንተዘየለ ድኅነት የለን። ምኽንያቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸሙ ሥርዓታት ይኹኑ ምሥጢራት ክምኡውን ናይ ድኅነት መገድታት ኩሎም ዝፍጸሙ ብሥርዓተ ክህነት እዮም። ስለዚ ክህነት እንተ ሃልዩ ቤተ ክርስቲያን ጥምቀት ቁርባን ሜሮን ንስሓ ቀንዴል ዝኣመሰሉ ምስ ክህነት ዝተተኃኃዘ ድኅነት ዝህብ እዩ።

ስለዚ እምበኣርከስ መንነትን ኣስተምህሮን ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ፈሊጥናን ተረዲእናን ክነብርን ካብ ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ መናፍቃን ተሓሊና፡ ኣብዛ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንቅዱሳን ዝተዋህበት ብሓዋርያት ኣቦታትና ዝተሰብከት ሓንትን ቅድስትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዶጉማኣን ቆኖናኣን ሕጋን ሥርዓታን ሓሊና ክነብር ይግበኣና።

ናይ  እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጸሎትን በረከትን ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ምንጪ  መጽሔት ጽርሃ ጽዮን   ቁጽሪ 11

 

 

 

 

 

ስብሐት  ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል

ወለምስቀሉ ክቡር ወኃያል

ኣሜን!!!

 

 

 

Leave a comment

Send a Comment