በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዓምደ ሕጻናት
ንደቅኹምን ንደቂደቅኹምን መሃርዎም ዘዳ.4፡9
እምበኣርከስ እዚ ኣርእስት እዚ እስራኤል ናብ ምድር ርስት ቅድሚ ምእታዎም ብዛዕባ ክገብርዎ ዝግባእ ሙሴ ካብ እግዚአብሔር ተቀቢሉ ንሶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ክገብርዎ ዝግባእ ዝመሃሮን ዝኣዘዞን እዩ።ናብቲ ኣርእስት እንተ ተመልኪትና ትሕዝትኡ እዙዛት ክኾኑን፡ናብ ምድር ርስት ንኻትዉ ትእዛዝ ኣምላኽ ክሕልዉ፡ ኣምላኽ ብአምላኽነቱ ቀናእ ምኻኑን በዚ ድማ ነቶም ካብ መንግኦም ጣኦት ዘምለኹ ከምዘጥፍኦም ንዕዖም ግና ኣብኡ
ስለዝተጸግዑ ከምዘድሓኖም፡ ኣብ እምባ ሲና ኣምላኽ ብብዙሕ ዘፍርሕ ነገር ከም ዝተዛረቦምን 10 ትእዛዛት ከምዝሃቦምን ክሕልውዎ ከም ዝኣዘዞምን፡ድምጹ ከም ዝሰምዑ ግናኸ መልክዑ ስለዘይርእዩ ብምስሊ ፍጥረታት ቀሪጾም ከየምልኽዎን፡ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ምድር ርስት ምስ ኣተዉ ውን ትእዛዙ ክሕልዉ ከም ዝግባእ፡ደቂ ፡ደቂ ደቂ ምስ ወለዱ ውን እንተኾነ ካብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከይ ወጹ ክነብርሉን ክምህርዎምን ከም ዝግባእ፡ ነዚ ነገር እዚ እንተዘይ ገይሮም ግና ኣምላኽ ናብ እህዛብ ፋሕ ከም ዘብሎምን ናብ መከራ ከምዝወርዱን ግናኽ እንተድኣ ተጣዒሶም ንስሓ እንተ ኣትዮም ገጹ ከምዝመልሰሎም ዘረድእ እዩ። ስለዚ እምበኣርከስ ነዚ ነገር እዚ ናባና እንተኣምጺእናዮ ዘረድኣና ነገር እንተሃልዩ ፡እምነትን ተኣዛዝነትን ኣብ ቅድም ኣምላኽ ዘለዎ ዋጋ ፡ ተራ ናይ ወለዲ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ፡ሃገር ፡ቤተክርስትያን ንምቅጻል ትውልድ ዓቢ ምኻኑ ዘርኢ እዩ።ስለዚ ነፍስ ወከፍ ሲድራቤት ኣብ ደቆም ብዝገብርዎ ኣበርክቶ ንቀጻልነት ሃይማኖት ወሳኒ እዩ።ንእስራኤል ብዓቢ ሓይል ካብ ምድር ግብጺ ዘውጽአ ኣምላኽ ንዓና ውን ብዓቢ ግብሪ ካብ መርገመ ሰጋን ነፍስን ኣድሒኑ ካብ ሲኦል ባርነት ኣውጺኡ ክንፍጽሞ ዝግባእ ትእዛዝ ሂቡና እዩ።እዚ ድማ እንተነበርናሉ ሂወት እንተዘይ ኮነ ግና ሲኦል ግሃነመእሳት ከም ዝረኽበና እዩ።ስለዚ ነቲ ዓቢ ግብርታቱ እናዘከርና ንትእዛዛቱ ብእምነት እና ሓለና ምስ እንነብር ፡ንደቅ ደቅና ድማ ነዚ ነገር ብዝግባእ ምስ ንምህር ንርእስና ድሒና ትውልድ ከም እነድሕን ዘረድእ እዩ። ሕዝብ እስራኤል ዮርዳኖስ ሰጊሮም ምድር ርስት ከም ዝኣተዉ ንሕና ውን ካብ ማህጸን ዮርዳኖስ ካብ ኣብራኽ ስላሴ ብጥምቀት ተወሊድና ናብ ርትና ዝኾነት መንግስተሰማይ ናይ ምእታውና ምሳሌ እዩ።እዚ ነገር ዝኾውን ግና ክሳብ መወዳእታ ብእምነት ምስ እንሕልዎ እዩ።ስለዚ እምበእርከስ ነዚ ካብ ተረዳእና ከምቲ ዝተኣዘዝናዮ ንደቅ ደቅና ህጻናት እንታይ ክንምህሮም እዩ ዝግበእና ምስ እንብል ዕላማ ምፍጣርና ንአምላኽ ኣመስጊንካ መንግስቱ ምውራስ እንተድኣ ኮይኑ ፥ ደቅና መንግስቱ ዝወርስሉ መገዲ ምምሃር ፡ምርእይ ፡ምሕላው ፡ ምምዓድ ይግባእ። ምኽንያቱ ሕጻንት ከም ተኽሊ እዮም። ተኽሊ ከም ተኻሊኡ ከም ዝኾነ ደቅና ውን ከምናትና ኣካይዳን ተገዳስነት ቅንኣትን ስለዝኾኑ ዝዓብዩ መጀመርያ ንሕና ኣብ ሃይማኖትና ፡ኣብ ኣምላኽና ፡ኣብ መንፈሳዊ ግብርታትና ዘለና እምነት ተኣዛዝነት ርድኢት ክዓቢ ኣለዎ።ኣሰር ኣሰርና ክስዕቡ እንተኾይኖም ንሕና ብኹልንትናና ክንመርሖምን ኣርእያ ክንኮኖምን ይግባእ።እቲ ሕያዋይ ጋሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣራዊት ዝከላኸል፡ናብ ዝበልዓሉን ዝሰትያሉን ዛዓርፋሉን ዘውጽእን ዘእቱን ንሕና ውን ብብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ከምኡ ክንክውን ይግባእ። ሰብ ዝዘርኦ ከም ዝዓጽድ እዩ። ስለዚ ብመጀመርታ ንደቅና ቅድም ምምሃርና ናትና ድልውነትን ተገዳስነትን ወሳኒ እዩ። ደቅና ግዚኡ ክሳብ ዝኣክል ኣምላኽ ብሓደራ ዝህበና ንብረቱ ክሳብ ዝኾኑ ንሕና ውን ሓደራና ብዝግባእ ከነረክብ ስለ ዝግብኣና ናትና ድልውነት ወሳኒ እዩ። እት ካልኣይ ድማ ፡ህጻናት ናይ ሎሚ ዕንበባ ናይ ጽባሕ ፍረ ከም ምኻኖም መጠን ፡ፍረ ድማ ከም ዘራኢኡን ተኻሊኡን፡ከም ዝኾነ ፥ 10 ትእዛዛት እንታይ ከምዝኾኑን ብዝርዝር ምምሃርን ንዕዖም ፈጺምም ዝተዓወቱን ብዘይ ምፍጻሞም ዝተቅጽዑን ብኣብነት ምምሃር። እዚ ነገር እዚ ብሓፈሻ ኣምላኽነት፡ፈጣሪነት፡ዘልእለማዊነት፡ ፍራዲነት እግዚአብሔር ብምርዳእ ፡መጀመርያ ጥበብ ፍርሓት ኣምላክ ከም ምኻኑ መጠን ብፍቅሪ ዝተመስርተ ፍርሓት ኣምላኽ ምምሃር የድሊ።ከመይ ህጻናት ንጹሃት ኣእምሮ፡ጽዕዳ ወረቀት ፡ ምሳሌ መንግስተሰማይ ከም ምኻኖም መጠን ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልቦም ክሳብ ዝሰኣል ብቃልን ብተግባርን ምስ እንምህሮም ንዘልኣለንም ካብኡ ኣይከልግሱን እዮም።ስለዚ ሰብ ሓደራ ከም ምኻና መጠን እቲዝጠቅሞም ኣባና ስለዝሙርከስ በዚ ንምሃሮም።
ስለዚ ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ ቆልዓ ብንእሱ፡ቆርበት ብርሑሱ ከም ዝብሃል እዚ ከኣ ቆርበት ብርሑሱ ከሎ ከም ዝደለናዮ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ከምኡን ነቲ ህጻን ኣብ ጊዜ ቁልዕነቱ ዝግባእ ትምህርቲ እናማሃርና ብመገዲ ቅድስና ክንመርሖ ንኻእል ኢና።
ዝከበርኩም ክቡራት ወለዲ ከምቲ ኣብ ኣርእስትና ዘሎ ኣብ ዘዳ 4፡9“ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን መሃርዎም ከምዝበለና ንህጻናት ደቅና እቲ ካልእ ክንምህሮም ዝግበኣና ድማ ብኣብነት ዝተሰነየ ህልውና እግዚአብሔር ፡ ብግብርን ኣርኣያን ዝተሰነየ መንፈሳዊ ምግባራት(ፍቅሪ ፡ትሕትና ፡ምጽዋት ትዕግስት፡ጸሎት ፡መዝሙር ምንባብ ቅዱሳት መጻሕፍት፡ኣብ መንፈሳዊ ዑደትከምዝሳተፉ ምግባር ፡ ኣብ መንፈሳዊ በዓልት ከም ዝሳተፉምግባር ስርዓተ ኣለባብሳ ምምሃር ወዘት)፡ከምኡ ውን እቶም10 ትእዛዛትን 6 ቃላት ወንጌልን፡ኩሉ ጊዜ ትምህርት ቤተ ክርስትያንን፡ጉባኤ ምስታፍን፡ ቅዳሴ ብምቅዳስ ምስጢራት ከምዝካፈሉ ብምግባር ከምኡ ውን ንሕይወቶም ብዝጠቅም መገዲ ብርድኢት ኣካድያማዊ ትምህርት ከምዝመሃሩ ምግባር።
ዘይምርመር ረቂቕ ኣብዚ ተረኺቡ ዘይባሃል ቀዳማዊ በዚ ጊዜ ዘይሓልፍ ዘይበሃል ነዛ ዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ዝፈጠረ ዳግማይ ውን ንዓለም ካብ ምንባር ናብ ዘይምንባር ኣሕሊፋ ዝገዝእ ጎይታ እዩ። ስለዚ ህልውና እግዚአብሔር ሰብ ብተፈጥሮ ብዝተዋህቦ ኣእምሮ ኣድቂቑ ናይ ምፍላጥን ናይ ምእማንን ድሌት ዋላ እተሃለዎ ናይ ሰብ ፍጥረት ብጣዕሚ ውሱን ብምዃኑ እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ንገዛእ ርእሱ እንተዘይገልጽ ኔሩ ተማራሚሩ ክፈልጦ ኣይምኻኣለን ኔሩ። ስለዚ ህልውና እግዚኣብሔር ንፈልጠሉ ወይ መረዳእታ ንረኽበሉ እዞም ዚስዕቡ ነገራት ምዃኖም ንህጻናት ደቅና ብዝግባእ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናዛመድና ክንምህሮም ይግባእ።
ናይ ፍጥረታቱ ስነ-ስርዓት ኣሰራርሓ፡ ክረምትን ሓጋይን ፡ መዓልትን ለይትን፡ ብርሃን ጸልማትን፡ ናይ ሙቐትን ቁርን ዝናብን ደመና፡ ልምላሜን ድርቀትን ዘርኢ ተዘሪኡ ክሳብ
ዝሕፈስ ኩሎም ጊዝያቶም ሓልዮም ዝጓዓዙ ምዃኖም ዘርእየና ሓዳ ላዕለዋይ ሓላውን ተቖጻጻርን ምህላው እዩ። ከምኡ ናይ ወዲ ሰብ ኣፈጣጥራ ኣወላልድኡ ኣተዓባብያኡ ናይ ሰብነቱ ክፍልታት ስነስርዓት ማለት ብእግሩ ምኻድ፡ ብኢዱ ምድህሳስን ምሓዝን ምስርሑን፡ ብዓይኑ ምርኣዩ፡ ብእዝኑ ምስምዑ፡ ብልሳኑ ምዝራቡን፡ ብኣፋ ምብልዑ ምስታዩ፡ ብስኑን ኩሩምቱን
ምሕያኹ፡
ብኣፍንጭኡ ምሽታቱን እዞም ኩሎም ምፍጣሩ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ኣፈጣጥራ ስነ ስርዓት የርእየና። ኣብ መዝ.19፡1 ‘ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትው ጠፈር ካኣ ግብሪ ኣእዳውካ የውሪ። ብምባል ክብሪ እግዚኣብሔር ብኣድናቆት ይገልጽ። ከም ውን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ እቲ ካብ ፍጥረታት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይረአ ባሕርይ እዚ ካኣ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን እሱ ብዝፈጠሮም ነገራት ግልጺ ኮይኑ ኣጸቢቑ ይርአ።
ሮሜ 1፡20 ብምባል ፍጥረታቱ ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ መረዳእታ ምዃኑ ይገልጽ።
⮚ቃል እግዚአብሔር ናይ ታሪኽ ምስክርነት፡ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ትንቢታት ተነጊሮም ኢዮም። እዞም ዝተነገሩ ትንቢታት ውን በብግዚኡ ዝተፈጸሙ ምዃኖም ብታሪኽ ዝተረጋገጸ እዩ። ንመጻኢ ዝጽፍጸሙ ውንኣቐዲሞም ክዛረቡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንነብያት ዝገለጸሎም እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ዝነበረ ዘሎን ዝነብርን እዩ።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚአብሔርህልውና ዘረጋግጹ ገለ ጥቅስታት ንምጥቃስ ኣብ መዝ.14፡1 ዓሻ ብልቡ ኣምላኽ የልቦን ይብል።
እዚ ናይ ሓደ ዓሻ ምልክት እምነት ዘየብሉ ፍጡር እዩ።እግዚአብሔር ግና ብዘመናት ዝቑጸር መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ዘለኣለማዊ እዩ። ናይ ጊዜን ናይ ዘመናትን ፈጣሪ ምዃኑ ንህጻናት ብዝግባእ ምምሃር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ ዓለምና ናይ እምነት ድርጅታት ዝብሃሉ፡ ኣምላኽ የለን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ።እግዚአብሔር ብገዛእ ርእሱ ዝነብር ኮይኑ ፍጥረታቱ ግና ብግዚአብሔር ኣቢሎም እንተዘይኮይኖም ብገዛእ ርእሶም ክነብሩ ኣይክእሉን እግዚአብሔር ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እዩ።
ስለዚ እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ዓለም ምሉእ እዩ፡ ኣብዚ የለን ወይ ኣብቲ ኣሎ
ኣቲ የለን ኣይባሃልን እዩ። ስለዚ ወለዲ ንደቅና ካብዚ ጋሻ ዝኮነ ትምህርቲ ክንኣልዮም እንተኮይና ሃይማኖቶን ባህሎምን ሓልዮም ዝኸድሉ ባይታ ምፍጣር ናይ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ
ሓላፍነት እዩ። ንሓደ ህጻን መግቢ ምቅራብ፡ ክዳን ምኽዳን እኹል ኣይኮነን፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ካኣ ከነምህሮ ይግባኣና፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምምሃር ብቀሊሉ ንቤት ኣምላኽ ዝፈልጠሉ መገዲ እዩ።
⮚መንፈሳዊ ትምህርቲ ክንብል ከለና እቲ ቀንዲ መሰረት ነዊሕ መገዲ ዝወስድ ናብ ኣምላኽ ዘቅርብ መሳልል እዩ። ስለዚ ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ እቲ ቀንዲ ዕላማ ህጻናት መንፈሳዊ ትምህርቲ ተማሂሮም ፈጠሪኦም መን ምዃኑ ፈሊጦም መንግስቲ ኣምላኽ ምውራስ እዩ። እዚ ግን ናይ መን ተራ እዩ፧ ንዝብል ናይ ወለዲ ዓቢ ተራ ምስ ዝህሉ እዩ። ህጻናት ነቲ ብግዳም ኮነ ብውሽጢ ዝመጽኦም ፈተና ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ንኽስዕሩ ከምቲ ኣቦና ቢንዋ ንኣቦና ቡሻይ ንምንኩስና ከፈንውዎም ከለው ዝመዓድዎም፡ ማለት ሓደ ፈላሲ ብዘይ መንፈሳዊ ኣቦ ኣብ ገዳም ልክዕ ከምታ ኣብ ኣፍ ድቢ ዘላ በጊዕ እዩ ከም ዝበልዎ፡ ወለዲ ኣብ ህጻናት ደቅና መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ምምሃራሃር ዓቢ ተራ ክህልዎና ይግባእ። ኣብ ምሳሌ 22፡6 “ዘሎ ንቆልዓ እታ ዝኸደላ መገዲ ኣላምዶ እሞ ክሳዕ ፍጻሜ ህይወቱ ካብኣ ኣይከልግስን እዩ። ነዚ ዝበለ ኣብ ዓለም ክልተ
መገዲ ስለ ዘሎ እዩ። እታ ሓንቲ መገዲ ናብ ሕይወት እተውስድ እታ ሓንቲ ካኣ ናብ ሞት እትወስድ ኢያ። ስለዚ ንኣሽቱ ኢዮም ኢልካ ኣብ ክንዲ ምንዓቅ መሰረት ዝሕዝሉ ባይታ ክንፈጥር ይግባእ። እዚ ማለት፡
❖ ብንእስነቶም መንፈሳዊ ሕይወት ንክለማመዱ ምሕጋዝ
❖ እቲ ዘለካ እምነት ብዝግባእ ምትሕልላፍ
❖ ናይ ኩሉ ቅኑዕ ስነምግባር ኣርኣያ ምኳን
❖ ኣብ ክንዲ ብተግጻጽ ሕልንኦም ከም ዝዓርብ እንገብር ብጌጋኦም ኣሪምና
ብተስፋ ክጓዓዙ ምብርታዕ
❖ ህጻናት ናብ ኣምላኽ ቐርቡን ካብ ኣምላኽ ክርሕቑን ኣብ ጊዜ ህጻንነቶም
ዘሎ ዕድመ ስለ ዝኮነ ብዝግባእ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከነምህሮም ግዴታና እዩ።
⮚ ስነ-ምግባር ክንምህሮም ኣለና፡ ስነ ምግባር ክንብል ከለና ሰናይ ስራሕ ምስራሕ ወይ ስናይ ነገር ምግባር ኢዪ። ስለዚ ስነ ምግባር ምምሃር ንህጻናት ቀንድን ኣገዳስን ህጻናት ክመሃርዎ ዝግባእ ትምህርቲ እዩ። ስለዚ ስነ ምግባር ናይ ሓደ ህጻን ካብ ገዛኻ እዩዝጅምር። ከምኡ ውን እቲ ዝዓበ ናይ ስነ ምግባር ቤት ትምህርቲ ናይ ሓደ ህጻን ኣብ ቤቱ እዩ። ወለዲ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓድነት ብሓደ ስጋን፡ ብሓደ ኣካልን ናይቲ ቤተሰብ መራሕቲ ብምዃኖም ክገብርዎም ዝግብኦም ነገራት ኣለው። እዞም ክልተ ናይ ቤተ ሰብ መራሕቲ ንደቆም ብሰናይ ዝኾነ ስነ-ምግባር ምዕባይን በብዕለቱ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ እንዳ ተኽታተሉ ብጽቡቕ ስነ ምግባር ከዕብይዎም ይግባእ።
ገለ ካብቲ ስነ ምግባር ክንምህሮም ዝግባኣና፡ ንዓበይቲ ምኽባር፡ ንመምሃራኖም ምኽባር፡ ፍቅሪ፡ ትሕትና ክንምህሮም ይግባኣና። ከምኡ ውን ክንምህሮም ዘይግባኣና ንህጻናት ከም ጽልኢ፡ ባእሲ ምስኦም ሒዞሞ ስለ ዝዓብዩ ጽቡቕ ስለዘይኮነ ክንምህሮም ኣይግባኣናን።
ብተውሳኺ ህጻናት ካብ ዝመሃርዎ ንላዕሊብዝርእይዎ ነገር ሕማቕ ይኹን ጽቡቕብ ስለ ዝማረኹኣብ ቅድሚ ህጻናት ሰናይ ተግባር እተዘይኮይኑ ኣብ ቅድሚ ህጻናት ሕማቕ ነገር ክንሰርሕ ዘይኮናስ ኣብ ቅድሚ ህጻናት ሰናይ ተግባር ክንገብር እዩ ዝግባኣና።
በቲ ንሕና ሰናይ ነገር እንገብሮ ከኣ ናይ ስነ ምግባር ህጻናት ኮይኖም ክዓብዩ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ።
⮚ ኣካዳሚ ትምህርቲ ክምህሮም ኣለና፡ኣካዳሚ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሓደ ህጻን ዓቢተራ ኣለዎ። ዓቢ ተራ ከም ዘሎዎ ተረዲእና ካኣ ንህጻናት ደቅና ብዝግባእ ኣካዳሚ ትምህርቲ ክምሃሩ ከምዘለዎ ምግባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ሓላፍነትን ግዴታን እዩ። ጥቅሚ ናይ ኣካዳሚትምህርቲ ብዙሕ እኳ እንተኾ ከም ኣብነት እንወስዶም ግን እዞም ዚስዕቡ ኢዮም።
❖ናይ ምምዝዛን ዓቅሞም ልዑል ይኸውን
❖ንባብ ከንብቡን ንክጽሕፉን ይሕግዞም
❖ኣፍረይቲ ሕብረተ ሰብ ንኽኮኑ ይሕግዝ።
❖ቋንቋ ብዝግባእ ንክዛረቡ ይሕግዞም
ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹም መሃርዎም ከም ዝበለና ኣብ (ዘዳ 4፡9) ዘሎ ንሕናካኣ ንህጻናት ደቅና ኣብ ቤትና ኮፍ ምስ በልና፡ ኣብ መገዲ ክንከይድ ከለና፡ኣብ ምትንስሳእና፡ ኣብ ምድቃስና መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ስነምግባር ክንምህሮም ይግባእ። ንኣብነት መንፈሳዊ ሕይወት ካብ ወለዶም ካብ ዓበይቲ መንፈሳውያን ኣቦታት ተማሂሮም ነታ እምነት ሓልዮም እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ከሎ ኣብ 2ይጢሞ 3፡14-15 ንስኻ ግና በቲ ዝተማሃርካዮን ዝተረዳእኻዮን ጽናዕ ካብ ህጻንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ትፈልጠን ኢኻ ንሳተን ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምእማን ናብ ምድሓን ከብጽሕ ዝኽእል ጥበብ ክባኻ ይኽእላ እየን ይብል። ንቅዱስ ጢሞቴዎስ መጀመርታ ዝመሃርኦ ካብ ዓባዩ ክሳብ ኣዲኡ ካብኡ ንድሓር ካኣ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝመሃሮ ይንገር። ቅዱስ ጳውሎስ ክምስክር ከሎ ውን እታ እምነት ቅድም ኣብ ዓባይካ ድሓር ካኣ ናብ ኣዴኻ ይብሎ። ስለዚ ክቡራት ወለዲ ንደቅና እንታይ ኢና ክንምህሮ ዝብል ካብዚኦም ክንማህር ንኽእል ኢና ተማሂርና ንደቅና ክምህሮም ካኣ ዘጸግም ኣይኮነን እሞ ኣንቢብና ተርዲእና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ኣእምሮ ይዓድለና።
ስለዚ ከምቲ ኣዴና ቅድስቲ ፌቤን ንዳግማዊ ጳውሎስ ወዳ ናብ መምህር ሓዋርያ ጳውሎስ ኣምጺኣ ዘምሃረቶ ከምኡ ውን ኣዴና ሓና ነቲ ካብ ኣምላኽ ለሚና ዝረኸበቶ ውላዳ ንኣምላኽ ዘወፈየት ናብ ካህን ኤሊ ኣምጺኣ መንፈሳዊ ትምህርቲ ውን ክማሃር ዝገበረቶ እንሆ ንሱ ውን ንህዝቢ እስራኤል መራሕን መስፍንን ነቢን ኮይኑ ብጽድቂ ዝመርሖም ፡ ከም ቅድስት ሶፍያ ንደቃ ብፍቅሪ ኣምላኽ ብምህናጻ ብሕይወታ ከላ ፈረ ደቃ ዝርኣየት ንሕና ውን ንደቅና ናብ ቤተክርስቲያን ኣምጺእና መንፈሳዊ ትምህርቲ ከነምህሮም ይግባኣና። ስለዚ ከምቲ ጥበበኛ ሰለሙን ኣብ ምሳሌ 22፡6 ንቆልዓ ነታ ዝከደላ ዝግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ካብኣ ኣይከልግስን እዩ ዝበሎ። ንሕና ወለዲ ከኣ ነቶም ዝወለድናዮም ህጻናት ውህበት እግዚአብሔር ምዃኖም ተረዲኢና ብስነ-ምግባር ፡መንፈሳዊ ትምህርቲ እናመሃርና ከነዕብዮም ግዴታና እዩ። እዚ ምስ እንገብር እቶም ህጻናት ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ራእይ ዘለም ኣፍረይቲ ይኹኑ።
እምበእርከስ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ምምሃር ኣብ ቀጻልነት ቤተክርስትያን ኮነ ሃይማኖትና ጥዑይ ሕብረተሰብ ሃገር ኣብ ምህናጽ እቲ ዝዓበየ ተራ ዘለዎ እዩ ሞ ነዚ ንምግባር ብእምነትን ተኣዛዝነትን ብቃልን ብግብርን ክንፍጽም ኣምላኽ ይሓግዛና ኣሜን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment
