በስመኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
“አነ ውእቱ ኖላዊ ኄር” ዮሐ ፲፥፲፩
ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን
ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ነቢያቱ ሓዲሩ ቃል ምጽንናዕን ተስፋን በብጊዜኡን ይልእኽን የዛርብን እኳ እንተነበረ፤ እቶም ኣባጊዑስ ክጥርነፉን ብዝግባእ ክጓሰዩን ኣይከኣሉን ነበሩ። እቶም ክጓስዩሉ ዝመደቦም ካህናተ ኦሪት ድማ ንርእሶም ኣብ ከቢድ ድቀተ ምግባርን ምክፍፋልን ኣትዮም፡ ጽቡቕ ኣብነታዊ ተግባር ይሰኣኖም ስለዝነበረ፤ ሕዝበ እስራኤል ክስዕቦ ዝኽእል ጓሳ ክርእይ፡ ድምፁ’ውን ከለልዮ ዝኽእል ሓቀኛ መምህር ክረክብ ኣይከኣለን ነበረ። ሕዝቢ ዝኣልዮ ስኢኑ ግዳይ ቀቢጸ ተስፋን ምብትታንን ኮይኑ ከኣ ይሽገር ነበረ። ፈተውቲ ርእሶም፡ ክብርን ረብሓን ነፍሶም እምበር ስለ መጓሴኦም ግዲ ዘይብሎም ጓሶቱ ድማ መምሰልቲ እምበር ካብ ልቢ ዝምንጩ ሰናይ ግብሪ ዝረሓቖም እዮም ነይሮም። ሓሪዶም ክበልዕዎ፡ ሓሊቦም ክሰትዪዎ እምበር ከብልዕዎን ከስትዪዎን ኣይረኣዩን ነይሮም። ስለዚ’ውን ነቶም ጓሶት ሕዝቡ ገይሩ ዝመደቦም መራሕትን ካህናት ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ኣትሪሩ ወቒስዎም ነይሩ። (ሕዝ ፴፬/34 ዘካ ፲፩፥፲/11፥10) እቲ ሕዝቢ ድማ ብኃጢኣት ምስ ዝወድቕ ዝሕክሞ፤ ምስ ዝስበር ዝጽግኖ፤ ምስ ዘደኽም ዘበርትዖ፤ ምስ ዝሓምም ዝፍውሶ፤ ምስ ዝሓዝን ዘጸናንዖ ሓቀኛ ጓሳ እምበር፡ አስራቱን በኵራቱን እናበልዐ፡ ብስምን ብሕግን እግዚአብሔር እናመኽነየ ዝሽቕጠሉ ይደልይ ስለዘይነበረ፡ ናብ እግዚአብሔር ካብ ምምልካት ዓዲ ኣይወዓለን ነይሩ።
ነቢያተ እግዚአብሔር ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ጓሳ ነቲ ሕዝቢ ብምሳሌን ትንቢት ይነግርዎን፤ ተስፋ ይህብዎን ከኣ ነበሩ። “ኦ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤት እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽ። (መዝ ፸፱፥፩/80:1) ብምባል እቲ ጓሳ ክግለጽ፤ ክውለድ ቅዱስ ዳዊት ጸሎቱን ትንቢቱን ኣቕሪቡ ነይሩ። “እግዚአብሔር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን።” መዝ ፳፪፥፩ (23፥1) “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።” (መዝ ፻፳፥፬/ 121:4) እናበለ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተስፋ ይገልጽ ነበረ። ልዑለ ቃል ኢሳይያስ’ውን “ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።” (ኢሳ ፵፥፲፩/40፥11) ብምባል ተነቢዩ ነበረ። ከምኡ’ውን በቶም ጓሶት እስራኤል ፈጺሙ ዘይተሓጐሰ እግዚአብሔር “ስለዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፡ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ።” ብምባል ባዕሉ መጺኡ ከምዝጓስየን ኣብ ሕዝቅኤል ሓዲሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኮይኑ ድማ እቲ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዘቋጸሮ ጊዜ ምስ ኣኸለ ግና ጐይታ ባዕሉ ተወሊዱ ንሕዝቡ ጓሰየ። ብነቢያት ዝተነግረሉ ርኅሩኅን ሕያዋይን ጓሳ፤ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰረቕትን ጓሓሉትን ዘይኮነሲ፡ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዘኅልፍ ሓቀኛ ጓሳ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣግሃደ። ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሥጋ ለቢሱ ነቲ ምስ ምንዋሕ ጊዜ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ኣትዩ ይብተን ንዝነበረ ወዲ ሰብ ኣኪቡን ጓስዩን ናብ ሓደ ደምበ ኣምጽኦ። (ዮሐ ፲፥፩-፲፰/10፥1-18 ማር ፲፬፥፳፯/14፥27) እቲ ሕያዋይ ጓሳና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ዝኣከቦም ጓሳ ብዝግባእ ኣለልዮምን ተጓሲዮምን፡ ጓሳ ኲሉ ሕዝቢ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ብዛዕብኡ መስከሩ። “ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።” (ቀዳማይ ጴጥ ፪፥፳፭/2:25 ዕብ ፲፫፥፳/13፥20) ስለዚ ብነቢያት ንዝተነግረ ቃል መሠረት ገይርና፡ ብጐይታ ንዝተመሃርናዮን ንዝተገብረልናን ኣሚንና ተቐቢልና፡ ብሓዋርያት ንዝተሰብከና ስብከት ሰሚዕና፡ ሎሚ’ውን ኖላዊነ ኄር እናበልና ከነመስግኖ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ገይራትልና ኣላ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።
Leave a comment