አቡነ ብፁዓ አምላክ
ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርሚያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ኽትወልድ ኢኻ’ በሎ። ምስ ተንሥአ ኵሉ’ቲ ዝረኣዮ ንዘመደ ማርያም ነገራ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ኢሎም ብጸሎትን ምህለላን፡ ምጽዋትን ምቕባል ኣጋይሽን ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ሽግርን ኃዘንን ስለ ዘጋጠሞም ከም ኣቦና ኣብርሃምን ኣደና ሣራን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጣጥያ (ንኡስ ዞባ ዱባርዋ እምኒ ጸሊም) ከዱ። ኣብዚ ጊዜን ቦታን ስደቶም ድማ ኣብ 1 መስከረም 1425 ዓ.ም. ‘ብፁዓ አምላክ’ ተወልደ።ኣ
ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ገና ወዲ ሾመንተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ያፍቅረነ እግዚእ “ዝንቱ ዓለም ኃላፊ ወንብረቱኒ ከንቱ ወትፍግዕቱኒ ማሳኒ ብእሲትኒ ወውሉድኒ አኃውኒ ወአዕሩክትኒ ወታአሕማኒ ኢያድኅኑ ወኢይከውኑ ቤዛ በደኃሪ መዋዕል በዕለት ዓባይ አመ ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ/ እዚ ዓለም’ዚ ኃላፊ’ዩ ንብረቱ’ውን ከንቱ እዩ፡ ሓጐሱ ኸኣ ጠፋኢ እዩ፣ ደኃራይ መዓልቲ ኣብታ ዓባይ ዕለት ሕያዋንን ሙታንን ኣብ ዝፈርደሉ ጊዜ ሰበይቲ ኮነት ውሉድ ኣኅዋት ኮኑ ኣዕሩኽቲ ኣሕሙ ኣየድኅኑን እዮም . . . ” ዝብል ሓሲቡ ንሰበይቱን ደቁን ኣኪቡ ናብ ደብረ ቢዘን መንገዱ ኣቕንዐ። ቅድም ኣብ ፋሉቄ (ዓዲ ኣርዓዳ) ገዳመ መነኮሳይት ደቂ ኣቡነ ፊልጶስ በጽሑ። እታ እመምኔትን ካልኦት መነኮሳይያትን ንኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ምስ ርኣየኦ ‘ እዚ ሕፃን’ዚ ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፡ ብየማኑን ጸጋሙን መንፈስ ቅዱስ ዝኸበቦ መላእክት ዝሕልውዎ እዩ’ በላ።
ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ በጽሑ፡ ናይቲ ጊዜ ኣበምኔት ኣባ ሠረቀ ብርሃን ፡ ብዛዕባ ዕላማ መምጽኢኦም ሓተቶም። ያፍቅረነ እግዚእ ከኣ ‘ንሕና ሃብቲ ዓለም ደሊና ኣይመጻእናን፡ ካባኻትኩም መድኃኒት ነፍስና ዝኾነና ልብሰ ምንኵስና ኢና ንደሊ’ በሎ። ኣባ ሠረቀ ብርሃን ድማ ንያፈቅረነ እግዚእን ኃሙሽተ ደቁን ‘ግብረ ምንኵስና ጥሜትን ጽምእን ዕርቃንን ኵርዓተ ርእስን ስለዘለዎ ከቢድ እዩ። እዞም ደቅኻ’ውን ናኣሽቱ እዮም፡ ንስኻ’ውን ኣይትኽእሎን ኢኻ’ ምስ በልዎ፡ ያፍቅረነ እግዚእ ነቲ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ሕልሚ ነገሮ። ኣባ ሠረቀ ብርሃን ድማ እግዚአብሔር ገሊጽሉ ናብ ብፁዓ አምላክ እናጠመተ ‘እዚ ድዩ ብዛዕባኡ ዝተዛረብካኒ’ ኢሎም ንዅሎም ኣኅዋት ክመሃሩ ናብ ትምህርቲ ሰደድዎም።
ኣቡነ ብፁዓ አምላክ፡ ኣብዚ ደብረ ቢዘን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮ ብቁዕ መምህር ‘ቅዱሳት መጻሕፍቲ’ ተማሂሩ ናብ ርድእና ኣገልግሎት ኣረጋውያን ተጸምደ። ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ድማ ንእግዚአብሔር ኣሥመሮ። ዓበይቲ ተኣምራት ይገብር ስለዝነበረ፡ እቶም መነኮሳት ‘ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ይግብኦ እዩ ’በሉ። ኣብ መበል 15 ዕድመኡ ድማ ብኢድ ኣቡነ ጴጥሮስ መዓረገ ምንኵስና ምስ ኣኅዋቱን ኣቦኡን ተቐበለ። ኣብ 25 ዓመት ዕድመኡ ኸኣ ካብ ኣቡነ ይስሓቅ ግብጻዊ መዓርገ ዲቁናን ክህነትን ተቐበለ።
ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ኣገልግሎት ክህነት ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ‘ፈኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ ኣብ ዝብል ክበጽሕ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ፃዕዳ ርግቢ ኵሉ ሰብ እናረኣዮ ኣብቲ መሠውዒ የጽልል ከም ዝነበረ መጽሓፈ ገድሎም ይገልጽ።
ብድኅር’ዚ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ንዕሥራ ዓመት ኣብ ደብረ ቢዘን ምስ ጸንሐ፡ በረኸት ገዳማት ንምቕባልን ትምህርቲ ንምውሳኽን፡ ናብ ደብረ ዳሞ ከይዱ በረኸት ኣቡነ ኣረጋዊ ተሳቲፉ፡ ገድለ መነኮሳትን ተግባረ እድን ጽሕፈትን ድጉሰትን ስፌትንተማህረ።
ድኅሪ ኃሙሽተ ዓመት ትምህርቱ ወዲኡ፡ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ደብረ ኰዳዱ ንሕዝበ ክርስቲያን ትምህርተ ሃይማኖት እናሰበኸ ብጾምን ጸሎትን እናተጋደለ ንሠላሳ ዓመት ተቐመጠ። ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ሰንሰለት ሓፂን ተዓጢቑ ኣብ ርእሱ ሓፂን ገይሩ ኣእዳዉ ዘርጊሑ እናጸለየ ከሎ፡ ብብርቱዕ ድምፂ ነጐድጓድን በርቅን ማኅበር መላእኽቲ እናተመላለሱ ርእዩ፡ ሰንቢዱ ወደቐ እሞ ሥላሴ ብኣምሳል ሠለስተ ሰባት ተገልጹሉ። በዚ መሠረት ድማ ክሳዕ ሎሚ ክልቲኦም ገዳማት ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ‘ሙራደ ሥላሴ’ የኽብሩ።
ድኅሪ ብዙኅ ዓመታት ብሕትውናን ጽኑዕ ገድልን ኣስተምህሮን፡ ክፍሉ ‘ምድሪ እገላ’ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተረዲኡ፣ ደቀ መዛሙርቱ ኣኸቲሉ ንሕዝቢ ጽልማ ተፋንዩ ናብ ምድሪ እገላ ከይዱ፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ኣዕረፈ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ‘ኣቦና እዚ ቦታ’ዚ ምድሪ ሸፋቱ ምድሪ ኣራዊት ሥፍራ ኣጋንንቲ እዩ፣ ኣብዚ ከመይ ጌርና ንቕመጥ’ በልዎ። ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ድማ ‘ከምኡ ኣይትበሉ’ ኢሊ ብምግሣፅ ነቲ ቦታ በኣርባዕተ መዓዝን ባሪኹ ማኅደረ ቅዱሳን ገበሮ። ኣብኡ ድማ ገዳም መሥሪቱ ማኅበር ኣቍሙ ኣብ 1467 ዓ.ም. ገደሞ።
ድኅሪ ቁሩብ ዓመታት ድማ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 9 ግንቦት 1500 ዓ.ም. ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ዓረፈ። ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ድማ ተቐብረ። ኣብ መቃብሩ ክሳዕ ሎሚ ተኣምራት ይግበር ኣሎ። በብጊዜኡ ዝመጹ ሕሙማትን ድኑሳትን ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ ይፍወሱ ኣለዉ።
ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ፡ ዝገደመን ፍሉጣት ክልተ ገዳማት ኣለዋ።
* ገዳም ደብረ ኮዳዱ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ጽልማ ኣብ እምኒ ጸሊም ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ን30 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ዝተቐመጠሉን ሥላሴ ዝተገልጽሉን ቅዱስ ቦታ ብምዃኑ ከም ገዳም ተገዲሙ፡ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፅሉ ዓመት መጸ ክብረ በዓሉ ( 01 ታኅሣሥ) እናተኸብረ ይነብር ኣሎ።
* ገዳም ደብረ ምዕዋን ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፡ ካብ ማይ ዕዳጋ 20 ኪ.ሜ. ኣብ 1970 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። ኣብዚ ገዳም’ዚ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክን ናይ ወደ መዝሙሩ ኣቡነ በኵረ ድንግልን ኣሎ። ዓመት መጸ ክብረ በዓሉ 09 ግንቦት እናተኸብረ ይነብር ኣሎ።
ጸሎቱን በረከቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
Leave a comment