፳፬/24 ሕዳር ዕረፍቱ ለኣቡነ ሴት ገዳም ደብረ ሐዋርያት (ዓዲ-ቂታ)

፳፬/24 ሕዳር ዕረፍቱ ለኣቡነ ሴት  ገዳም ደብረ ሐዋርያት (ዓዲ-ቂታ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!

ገድሊ ኣብነ ሴት

ኤርትራ ሃገርና ብጥንታውነተንን ቅድስነአንን ዝፍለጣ ብዙኃት ገዳማት እትውንን ሃገር’ያ። እዘን ገዳማት እዚኣተን ነናተን ታሪኽን ቅርስን ዝውንና እኳ እንተኾና፡ ነገር ግን ብዝተፋላለዩ ቅዱሳን አቦታትት መናንያን ዝተገደማን ገዳማት እየን። እዘን ገዳማት እዚኣተን ድማ ዝተገደማሉ ክፍለ ዘመን፡ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን- ክሳብ ዓሠርተ ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ምዃኑ፡አብ ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ። ካብዚ ዝተጠቅሰ ዓመታት ጀሚረን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ተልእኾአን ክልግሳን ከገልግላን ከም ዝጸንሓን ከምኡ ውን ከም ዘለዋን እሙን ነገርዩ። እንተኾነ ግን ሎሚ ብዝሐን ቀኒሱ፡ታሪኸን ሃሲሱ ይርከብ አሎ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርታራ ከም ዝሕብሮ፡ ብዝኂ ገዳማታትና ልዕሊ ፫፻/300 ይበጽሕ ከም ዝነብረ’  እዩ ዝሕብር። ሕጂ ግና ዝበዝሓ ጥፉኣት(ዝዓነዋ) ከም ዝኾናን  ገሊአን`ውን ናብ ገጠር/ዓዲ ከም ዝተቐየራን ይፍለጥ። እዚ አዝዩ ዘኅዝንን ዘስደምምን ኩነታት’ዩ። ሓንቲ ካብዘን ናብ ዓዲ ዝተቀየራ ገዳማት፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዘይደኮሎም እትርከብ፡       እያ።

ናይዚ ገዳም’ዚ መስራቲ ጻድቅ አቡነ ሴት ይብሃሉ። ስም አቡኦም ተኣማኔ እግዚአ፡ ስም አዲኦም ከኣ ሥርወ ድንግል ዝበሃሉ ኮይኖም፡ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ትግራይ ወረዳ ቡር ኣብ ዝተባህለ ቦታ እዩ።

አብዚ ዝተሰምየ ቦታ ብ1444ዓ.ም፡ ብብሕትውና ክቅመጡ ከልዉ፡ ንጉሥ ዘርአ ያዕቆብ ንሠራዊቶም ሕማም ተላገብ ስለ ዝወደኦም ብዙሕ ዝተጨነቁ። አብቲ ጊዜ እቲ አቡነ ሴት ስሞም ኣዝዩ ገኒኑ፡ ቅድስናኦም አብ ቅድሚ ሰባት ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቁሉ ስለዝነበረ፡ ናይ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብን ሠራዊቱን ጭንቀት ዝተመልከቱ ገለ ሰባት፡ ንንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ “አቡነ ሴት ዝብሃሉ ብቑዕ ጻድቅ መነኮስ ኣለዉ እሞ፡ ንሶም ኣብዚ መጺኦም ጸሎት እንተ ዝገብሩልና ምደኃና ኔርና” ምስበልዎ፡ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ ነቲ ዝበልዎ ብእምነት ተቐቢሉ ኣስታት {፴/30} ዝኾኑ ሰባት ናብ  ኣቡነ ሴት ለኣኸሎም። እቶም ልኡኻት ሰባት ኣብ አቡነ ሴት በጺሖም መልእክቲ ንጉሥ ነገርዎም። ኣቡነ ሴት ከአ ብትሕትና “ሐራይ ፍቃድ አምላኽና ይኹን ብምባል፡ ምስቶም ዓቀይቶት ተበገሱ። ናብቲ ንጉሥ ዝነበሮ ከተማ ኣትዮም ምስ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፀውዕሉ ጉዳይ ተዛራረቡ። ብድሕሪኡ አቡነ ሴት ብዙኅ ጸልዮም ነታ ብሕማም ተታሒዛ ዝነበረት ከተማ በርባዕተ መአዝን ባረኽዋ። “እግዚአብሔር ስርሑ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን መንክር’ዩ” ከም ዝተባህለ ኩሎም እቶም ሕሙማት ብጾሎት ኣቡነ ሴት ሓወዩ።  በቲ ዝተገብረ ተኣምር ንጉሥ እናተደነቀ እንከሎ፡ አቡነ ሴት ብደመና ተነጢቆም ገዳሞም ተመልሱ። ብድሕሪ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ ዝነገሠ፡ ንጉሥ በእደ-ማርያም ዝተባህሉ እዮም። ኣብ ዘመን ንጉሥ በእደ-ማርያም ከኣ ፡ እታ ከተማ ለይቲ ለይቲ ብምልእታ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ክትብህርርን ክትሃድምን ትሓድር ነበረት። ንጉሥ በእደ-ማርያም ከአ ዝገብርዎ ጠፊእዎም ተሸገሩ። ካብ ወተሃደራት ዘርኣ ያዕቆብ ዝነበረ ነቲ ናይ ቅድም ዝተገብረ ተኣምራት ንንጉሥ በእደ-ማርያም ብሰፊሑ ምስ ኣዘንተወሎም ብሕቡእ ንኣቡነ ሴት ዘምጽኡሉ ልኡኻት ሰደደ።

እቶም ልኡኻት ኣብዚ አቀዲምና ዝጠቀስናዮ ገዳም ደብረ ሓዋርያት ምስ በጽሑ፡ መልእኽቲ ንጉሥ ንኣቡነ ሴት ነገርዎም። አቡነ ሴት ድማ ብትሕትና ሐራይ ብምባል ምስቶም ልኡኻት ሓቢሮም ተበገሱ። ንጉሥ በእደ -ማርያም ንአቡነ ሴት ምስ ረኸቦም ኣዚዩ ተሓጐሰ።ኩሉ ጸበባኦምን ሽግሮምን ሓንቲ ከየጉደለ ንኣቡነ ሴት ነገርም።አቡነ ሴት ከአ ምሉእ ለይቲ ናብ አምላኾም ክጽልዩ ሓደሩ እሞ፡ ምስ ወግሐ ኸኣ ነታ ከተማ እናዞረ፡ ብኣርባዕተ ማእዝና  ‘በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን’ ኢሎም ብበትረ መስቀሎም ባረኽዋ’ሞ፡ እታ ከተማ ካብ ምብህራርን ምህዳምን ድኂና፡ ህድኣት ረኺባ ዝግ በለት።  ንጉሥ በእደ-ማርያም ከአ በቲ ዝረኣይዎ ተኣምራት ንአምላኽ ኣቡነ ሴት እናኣመስገኑ፡ “እንታይ ህያብ ክህቦም! እንታይ’ከ ከበርክተሎም’የ፧” ኢሉ እናሓሰበ ከሎ፡ ኣቡነ ሴት ከይተፋነውዎ (ከም ነቢይ ኤልያስ) ብዓምደ ደመና ተጻዒኖም ንገዳሞም ተመልሱ። ናይ አቡነ ሴት ቅድስናኦም  መመሊሱ ደመቐን ኣብ ኩሉ ተወርየን። አቡነ-ሴት በቲ እዋን’ቲ ኣዝዮም ሸሚጊሎም ስለዝነበሩ፡ መዓልቲ ዕረፍቶም ከም ዝኣኸለ ተረዲኦም፡ ንኣርድእቶም ብምጽዋዕ “ኣነ ካባካትኹም ብሞት ክፍለ እየ። ንስኻትኩም ድማ ብመንፈስ በርትዑን ጽንዑን፡ ንሓድሕድኹም ተፋቀሩን ተጻዋወሩን ነቲ ውዲት ሰይጣንን ተጻብኦኡን አጸቢቅኹም ፍለጥዎንን ጉርሑሉንን” እንዳበሉ መኸርዎምን ባረኽዎምን።

ኣቡነ ሴት ናብ ከዊነ እሳት ዝበሃል መዓርግ በጺሖም ስለዝነበሩ፡ ኣብ ጊዜ ጸልማት 10 ኣጻብዕቲ ኣእዳዎም ከም ጥዋፍ የብርህ ከም ዝነበረ መጽሓፈ ገድሎም ይነግረና። ኣቡነ ሴት ድሕሪ ብዙኅ ገድልን ትሩፋተ ጽድቅን ብ24 ሕዳር /1474 ዓ.ም. አብ መበል /130 ዓመት ዕድሚኦም ገድሎም ፈጺሞም ብሰላም ዓረፉ። አብ ደብረ ሓዋርያ ዓዲ ቂታ ድማ ተቀብሩ። ኣብዚ ዝተቀብሩሉ ገዳም ካልኦት ዝተቀብሩ ቅዱሳን አቦታት አቡነ ማቴዎስ አቡነ ሮማኖስ ዝተባህሉ ይርከብዎ። ኣብ መቓብሮም ከኣ ማየ ጸሎት ስለ ዝፈልፈለ ብዙኃት ሕሙማት ካብኡ ተሓጺቦም ካብ ደዌኦም ይፍወሱን ይድኅኑን ነበሩ።

ካብቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ አቡነ ሴት ዝተወልድሉ ዕለተ ልደቶምን፡ ካብ ዓለም ዘዕረፍሉ ጊዜን፡ አስኬማ መላእክት ዝደፍእሉ መዓልቲን ኩሉ ብ24 ሕዳር አብ ሓደ ዕለት ምዃኑ እዩ። ገድሎም ከም ዝሕብሮ ኣገልግሎቶም ካብ ምድሪ ሓሊፉ – ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ምንባሩ፥ ዕረፍቶም ከኣ 24 ካህናተ ሰማይ ኣብ ዝከብሩሉ ዕለት ምኳኑ፡ ዝገርም’ ዕጹብ- ግብሪ እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙኃት ኣሕዋት በዂሮም ምእንቲ ኺኸውን: ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ቐደም መደቦም፡ ነቶም ቀደም ዝመደቦም ንኣኣቶም ከኣ ጸውዖም፡ ነቶም ዝጸውዖም ንኣኣቶም ድማ ኣጽደቖም፡ ነቶም ዘጽደቖም ፡ ንኣኣቶም ውን ኣኽበሮም` ሮሜ 8፡29 – 30 ዝብለና፡ ጻውዒትን ሕርየትን ናይ ኣቡነ ሴት ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሩ እዩ ዝነበረ። ገዳም ደብረ ሓዋርያት ቅድሚ 300 ዓመት ዓቢ ገዳም፡ ብብዝኂ መነኮሳት ዝመልአ ውዕዉዕ ከም ዝነበረ ይንገረሉ። እዚ ዝከውን ዘሎ ኸኣ፡ ብጊዜ ኣዝማች ፍቅረየስ ምስሌነ ወረዳ ዛይድኣኮሎም’ዩ። ኣዝማች ፍቅረየስ ግኑን ኣመሓዳሪ ስለዝነበረ፡ ነዚ  ገዳም ዝመሐደርሉ ርስቲ ፈልዩ፡ ማይ እንዳ ህበይ ዝርእሱ፡ መረብ ብቱ ዝእግሩ፡ መንፈሳዊ ሰበኻ ጉባኤ፡ ብገዳም ደብረ ሓዋርያት ንኽውነን ፅኑዕ  ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ፡ መሰሉ ተሓልዩ ብዙኃት ገዳማውያን ደቂ ማኅበር ሐቒፋ፡ ብጽቡቕ ይምሕደር ከም ዝነበሮ ይትረኽ። እምበኣር በሓፈሻ ገዳማትና ናብቲ ንቡር ታርክ ንምምላስ፡ ናይ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ሓላፍነትን ዕማምን ምኳኑ ክንስሕቶ አይግበኣናን። ቆላሕታን ሓገዝን ዘድልዮም እንተ ድኣ ሃልዮም፡ ገዳማት እዮም እሞ ተካፈልቲ ናይዚ በረኸት’ዚ ንምኳን በዚ አጋጣሚ እዚ፡ መንፈሳዊ ዕድመ ነቕርብ!

ጥንታውያን ንዋየ  ቅዱሳን ክሳብ ሕጂ ዘለው  ከኣ ነዚ  ይመስሉ፥

 

 

 

ሰላም ለክሳድከ በመንፈስ ቅዱስ ዘተሣረረ፡ ወለመትከፍትከ ሰላም አርዑተ ወንጌል ዘዖረ

ምስለ ሱራፌል ሴት እንተ ተዓጥን መንበረ

ጸሊ በእንቲ አነ ኅበ አምላክከ ወትረ

ወባርክ አባ ሰማየ ወምድረ

ባርኮሙ ለውሉድከ ለእለ ተዝካረከ ገብሩ

ከመ ባረኮ ለኤልሳዕ ኤልያስ መምህሩ፡

ጸሎትን በረከትን ናይ አቡነ ሴት ምስ ኩላትና ይኹን

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክብር

ኣሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment