ስእልታት ኣብ ትሕቲ ቤተክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዝመሓደራ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ጉባኤን ኣቃንዔን። Church EditorNovember 5, 2021 at 4:39 pm795 Views054321 0 (0 votes) ኣብ ትሕቲ ቤተክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዝመሓደራ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ጉባኤን ኣቃንዔን። በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኣብ ትሕቲ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ እትማሓደር ቤተክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዝጥርነፋ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ምዱብ ዓመታዊ ጉባኤአን ኣቃንዔን። ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ትማሊ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም.ፈ ናይ ሕብረት ጉባኤ ኣብ ጊልጋል ኣቃኒዐን። ብጠርነፍቲ ንኡስ ክፍሊ ምክትታል ናይተን 14 ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዝተወደበ ጉባኤ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ እተን ኣብ ትሕቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ክህሉ ዘለዉ ሓድነትን ምልውዋጥ ተመክሮን፡ ክግታእ ዘለዎ ምንቅስቃስ መናፍቓንን ብሰፊሑ ዘትየናሉ። ንሓድነት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ብዝምልከት ድማ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ቀጻሊ ርክብን ምልውዋጥ ሓሳባትን ተመክሮን ክህሉ ከምዘለዎ ኣስሚረናሉ። ብተወሳኺ ንዝደከመት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ጸገማ ተለልዩ ዘድልያ ሓገዝ ክግበረላ ከመዘለዎ ኩላተን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ተሰማሙዐናሉ። ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተክርስቲያን ኣብ ዝዘተያሉ ዛዕባ ድማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ብፍላይ ኣብዚ ዓመት እዚ ዘርኣየቶ ቅጽበታዊ ለውጢን ብቕዱስ ሲኖዶስ ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ጻዕርታትን ከምዝሐጎሰን ድሕሪ ምግላጽ ፥ ቤተክርስቲያን ካብ ቅድም ጀምራ ካብ ፈተነ ኣዕሪፋ ስለዘይትፈልጥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘጋጥማ ፈተነታት ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት፡ ጸገም ቤተክርስቲያን ጸገመን ምኳኑ ተረዲኤን ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ርግኣትን ቤተክርስቲያን ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ብሓባር ኮይነን ክዓያን ቅልጡፍ መልሲ ዘድልዮ ድማ ቅልጡፍ መልሲ ክዋሃቦ ከምዘለዎን ኣስሚረናሉ። ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ርኢቶታትን ሕቶታትን ብምቕባል ከከም ኣድላይነቱቶ ድማ ንዝቐረበ ሕቶ ብምምላስ እቲ ጉባኤ፥ ናይ ሕብረት መዝሙር ብምዝማር ብሰላም ተዛዚሙ። ከምቲ ብጸሎት ዝተጀመረ ከኣ ብጸሎት ተዛዚሙ ጉባኤኛታት ብሰላም ነናብ ዝመጽኡሉ ከተማታት ተመሊሶም። እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ብኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ብሕብረት ዝግበር ጉባኤ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብቀንዱ ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ተዓናቒፉ ምጽንሑ ይፍለጥ። ጉባኤና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ዘፈጸመና ልኡለ ባህሪ እግዚአብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን አሜን!! ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!!! Leave a comment