በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላክ አሜን!
መሪሕ ቃል ዓመታዊ በዓል ኣስተርእዮ ማርያም ምምስራት ቤ/ት/ሰ/ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል።
እግዚአብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና. 1ይ ሳሚ .7፡12
ብክርስቶስ ክርስቲያን ብውህበት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም ሕዝበ እግዚአብሔር ብኣማላድነት ናይ ኣዴን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረኸትን ረዲኤትን ናይ ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኹን እናበልና፡ መጽሔትና መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ሠናይ ፍቓድ እግዚአሔር ኮይኑ ካብ ዚኃለፈት ዓመት ኣብ ዕድሜና ናይ ንስሓ ዓመት ወሲኹ ናብዚ ሓድሽ ዓመት ዘብጽሓና ኣምላኽና እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ከመይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብታ ዝኃለፈት ዓመት ንሕይወትና ብቃልን ብግብርን እናመሃረ፡ ከምቲ ዘይውዳእ ሃብተ ምሕረቱ ድማ ንንስሓ እቲበቅዕ ዓመት ሂቡ ዘጽንሓና እና ኣመስገንና፡ ነዚ ዝሃበና ንኣእምሮና ዘቕስቅስ ብዙኅ ዝዓይነቱ ትምህርቲ ከነተግብር ከብቅዓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን ንብል።
ኦ’ ሕዝበ ክርስቲያን፡መጽሔትናን መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ከኣ ነዚ ናይዚ ዓመትን መበል 18 ዓመት ምምሥራት ማኅበር ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ምኽንያት ብምግባር፡
“እግዚአብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና” (1ሳሙ.7፡12) ብዝብል መሪሕ ኃይለ ቃል ንሕዝባ መልእኽታ ተመኃላልፍ ኣላ። 
እግዚአብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ማለት፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱን ብጾሎት ቅዱሳንን ክሳብ ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ ዓቂቡና እዩ ካብ ዓይኖም ዘፍጥጡ ካብ በትሪ ዘወጣውጡን ካብ ግሁዳንን ሥውራንን ርኹሳት መናፍስትን ሓልዮናን ረዲኡናን እዩ’ሞ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ነዚ ቅዱስ ቃል አዚ ዝተዛረበ ነቢይ ሳሙኤል እዩ። ነቢይ ሳሙኤል ብመብጽዓ ዝተወልደ ናይ መብጽዓ ውላድ እዩ። ብሕፃንነቱ ኣብ ቤተ መቕደስ ብቅድስና ዓብዩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞጎስ ብምርካብ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ አስራኤል ብነቢይነት የገልግል ነበረ። እስራኤላውያን ግና ካብ ቀደም ኣትኂዞም ጓኖት ኣማልኽቲ (ጣኦት) የምልኹ ስለ ዝነበሩ ንሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ ድማ ኣቖጥዕዎ። እግዚአብሔር ግና ምአንቲ ቅዱስ ስሙን ምአንቲ ኪዳን ቅድሳንን ክብል ንኹሎም ጸላኣቶም እና ሰዓረ ምድረ ከነኣን ኣብጽሖም። ድኅሪ መሪሕነት መስፍን አያሱ ድማ ነቢይ ሳሙኤል ይመርሖም ነበረ። እቶም ሕዝቢ ግና እግዚአብሔር ብሓያል ቅልጽሙ ኣውጺእዎም ክነሱ ንጓኖት ኣማልኽቲ ምምላኽ ግና ኣየቋረጹን። ስለዚ ድማ ፍልስጥኤማውያን ኣሳጐጉዎም። እቶም ሕዝቢ አስራኤል ድማ ናብ ነቢይ ሳሙኤል መጺኦም እግዚአብሔር ምእንቲ ይቕረ ክብለልና ምአንታና ናብ እግዚአብሔር ጸሊ በልዎ። ነቢይ ሳሙኤል ድማ ካብ ዝወደቕክሞ ተንሥኡን ናብ እግዚአብሔር ድማ ተመለሱ። ናብ እግዚአብሔር ክትምለሱ አንተድኣ ኮይንኩም ድማ ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚአብሔር ተመለሱ ካብ ማአከልኩም ድማ ጓኖት ኣማልኽት ኣርሕቁ ይብሎም ነበረ። እቶም ሕዝቢ ድማ ብልብና ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽና ንምለስ ጓኖት ኣማልኽቲ ድማ ካብ ማእከልና ነርሕቅ በሉ። ነቢይ ሳሙኤል ናብ እግዚአብሔር ጸለየ እግዚአብሔር ድማ ረድኦም ነቢይ ሳሙኤል ድማ እግዚአብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ኢሉ ኣእማን ጨሪሑ ኣቐመጠሉ። ኤቨን ኤዘር ኢሉ ድማ ሰመዮ።ንእግዚአብሔር መስዋዕቲ ከነቕርበሉ ኢና አሞ ጓኖት ኣማልኽትኩም ካባኹም ኣርሕቁ፡ በሎም። ጓኖት ኣማልኽቲ ዝተባህሉ እንታይ ኢዮም እንተበልና ቂም፡በቀል፡ክፍኣት፡ ሕስድና፡ ተንኮል ዝኣመሰሉ እዮም። ስለዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ካብ ጓኖት ኣማልኽቲ ርሒቕና ብቅድስናን ብንስሓን ክንነብር ድማ ኩሉ ጊዜ ትጽውዓናን ትምዕደናን ኣላ።ስለዚ እታ ኣብ ቅድስቲ ሃገር እስራኤል እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ን18 ዓመታት ዝኣክል ብተሓድሶን ብመናፍቃንን ዝመጽአ ምንፍቕናዊ ትምህርቲ ግቡአ መልሲ እናሃበት ንሕዝባ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ምእንቲ ክነብሩ ግቡእ መንፈሳዊ ማዕዳን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እና መሃረት ከይተሓለለት ንሕዝባ ናብ መገዲ ሕይወት እና መርሐት ትኸይድ ዘላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እያ ።ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ መከራ’ዶ፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ሽግር፡ ካብ እግዚአብሔር ዝፈልየኒ የሎን ቤተ ክርስቲያን ውን ብብዙኅ ፈተና እናተፈተነት ኣብዚ ውሽጢ 18 ዓመታት ብዙሓት በብግዚኦም ንዝመጹ ዓበይትን ንኣሽቱን ፈተናታት ንኹሉ ብትዕግሥቲ እናኃለፍት ከም ወርቂ ሓዊ እናተፈተነት ንኹሉ ኃሊፋ ኣብዚ ደረጃ’ዚ በጺሓ ኣላ።እግዚአብሔር ብሠናይ ፍቓዱ ክሳብ ኣብዚ ጊዜ፡ ክሳብ እዚ ዓመት እዚ ረዲእና እዩ፡ ንዝመጽእ ጊዜውን ይርድኣናን ይሓግዘና እናበልና፡ ናብቲ ዝሰፍሐ ትሕዝቶ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ነሰጋግረኩም። ሠናይ ንባብ!!! እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያናን ንሃገርናን ይባርኽ!!!
Leave a comment
