በስመ አብ ወወልድ ወመንብፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላከሜን!!!
ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወነኣብየኪ ኩልነ!!!
ነዚ ቃል እዚ ተዛራቢኡ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ሊቅ ናይ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ ድማ ብሰፊሑ ንረኽቦ። ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ብሕንሳ ዝተባህለ ቦታ ብኤጲስቆጶስነት ተሸይሙ ዘገልግል ዝነበረ ኣዝዩ ትሑት ኣቦ እዩ። ብዙኅ ዘይተማህረ እኳ እንተኾነ ብፍቕርን ብትሕትናን ዘገልግል፡ ስርዓተ ጾምን ጸሎትን ድማ ኣጽኒዑ ዝሕሉ ኣቦ እዩ ኔሩ። ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝነበሮ ክቱር ፍቕሪ ዝተላዕለ ድማ ከም ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ምስጋንኣ ከም ሑጻ ባሕሪ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተዝበዝሓለይ’ሲ ከም መግቢ ተመጊበዮ ከም ክዳን ለቢሰዮ ምነበርኩ ኢሉ ይምነ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ካብቶም ንሱ ዝመርሖም ዝነበረ ሰባት ዘይተማህረ ኣካል መራሒኦም ምዃኑ ዘይተዋሕጠሎም ብኸመይ የዋርድዎን የሕስርዎን ብምሕሳብ፡ ብሕዙሕ ሕዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ጊዜ ምእንቲ ከሕፍርዎ ኣይክእሎን እዩ ኢሎም ብምሕሳብ ቅዳሴ ክኣትዉ ከም ዘለዎም ገበሩ። ሽዕኡ እዩ ድማ እቲ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ኣምላኽ መንፈሱ ልኢኹ ሚስጥር ብምግላጽ ንሳቶም ብዘይፈልጥዎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ ብሓድሽ ድርሰት ቅዳሴ ከም ዝቕድስ ገበርቶ። እምበኣር ኣባሕርያቆስ ኣብዚ ቅዳሲ ማርያም ኣብ ዝደረሰሉ ጊዜ ካብ ዝተገልጸሉ ብዙሕ ምሥጢራት ብዛዕባ ናይ ኦሪት ዝሓለፈ መስዋዕትን ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣማናዊ መስዋዕትን ኣብ ዘነጻጸረሉ ዓንቀጽ እዩ እምበኣር “ኦ ማርያም በእንተዚ ናፈቅረኪ ወነኣብየኪ ኩልነ፡ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዓ ጽድቂ ዘብኣማን ወስትየ ሕይወት ዘብኣማን” ኦ ማርያም ንስኺ ንዓና ሓቀኛ መግቢ ሕይወትን ሓቀኛ መስተ ሕይወትን ስለ ዝወለድክልና ስለዚ ኢና እነፍቅረኪ ክብል ዝደረሰ። ሓቀኛ ኢሉ ዝገለጾ ድማ ካብ መስዋዕቲ ኦሪትን ካብ መብልዕ ናይ ሥጋን ከፈሊ ስለ ዝደለየ እዩ። ምኽንያቱ መስዋዕቲ ናይ ኦሪት ግዝያዊ ድኅነት ዝህብ ኣገልገልቲ ጥራይ ዝበልዕዎ እዩ ኔሩ። ስጋዊ ብልዒ ውን ንሥጋ ጥራይ ዘገልግል ዋላ ግዝያዊ ድኅነት ዘይህብ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ዘየድኅን እዩ። እዚ እመብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወለደትልና ሓቀኛ መግብን ሓቀኛ መስተን ዝተባህለ ግን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝህብ ሥጋን ደምን (ቅዱስ ቁርባን) ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ እዩ እምበኣር ነዚ ሓቀኛ መግብን ሓቀኛ መስተን ካብኣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስለ ዝረኸብናዮ ኢና እነዕብያን እነፍቅራን ዝበለ።
ስለዚ እምበኣር ንዓኣ እነዕብየሉን እነፍቅረሉን መኽንያት ኣብ ዝርዝሩ ኣቲና ካብቲ ተገሊጹ ዘይውዳእ ኣዝዩ ብዙሕ ገለ ውሑድ ክንርኢ እንተኮይና ፦
ንሕና ካብ ብርሃን ተባሪርና ኣብ ጸልማት ኔርና ግና ከምቲ ኣብ ዮሓ.1፡9፦ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጽአ ዝበሎ ናብ ዓለም መጺኡ ዮሓ.8፡12 ፦ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ሕይወት ክረክብ እምበር ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ። ብምባል ምስ ገዛእ ርእሱ ኣፋለጠና ።ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ሓቀኛ ብርሃን እያ።ካብ ጸልማት ሲኦል ዘውጽኣና ስለ ዝወለደትልና እዮም ቅዱሳን ከምዚ እናበሉ ዘመስገንዋ “ንዒ ማርያም ለዕውርብርሃኑ” ንዕዉር ብርሃን ዓይኑ ዝኮንኪ ማርያም ንዒ ናባና። ከም ዝበልዋ ንዓይንና ብርሃን ኮይና መሪሓ ገነት መንግሥተ ሰማይ ስለ እተእትወና ኢና ኣዚና እነዕብያን እነፍቅራን።
ንሕና ሓሚምና ንሞት ተቓሪብና እኳ እንተነበርና ከምቲ ኣብ ሉቃ.2፡11፦ ንኹሉ ዓለም ዝኣክል ዓቢ ሓጐስ የበስረኩም ኣለኹ። እንሆ መድኃኒት ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ። ከም ዝበሎ ድንግል ማርያም ኣደ መድኃኔ ዓለም እያ። ስለዚ መኽንያተ ድኂን ምዃና ኣሚና ኢና፡ “መሰረተ ሕይወት ማርያም ወጥንተ መድኃኒት ዘእምቀዲሙ” እናበልና ንዝምረላ። ካብ ሞት ዘድሕን መድኃኒት ስለዝወለደትልና ኢና ድማ ኣዚና ነዕብያን ነፍቅራን።
ነቢይ ኢሳይያስ ውን ኣብ ትንቢቱ
ኢሳ.7፡14 ፦ ናኁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ፡ ወትሰምዮ ስሙ ኣማኑኤል። ዝበሎ እመብርሃን ብድንግልና ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ንኣማኑኤል ወሊዳትልና። እዚ ድማ ኣማኑኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ ከም ዝብሎ። (ማቴ1፡23) ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ብምውሳድ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ብምዃን ወልደኣብ ወልደማርያም ተባሂሉ (ዮሓ5፡20, ሮማ.9፡5) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ኣምላኽ ስለ ዝኾነት ነዚ ኢና እነፍቅራ። ቅድስት ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ምስመልኣ ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ በለት(ሉቃ.1፡43) ንሕና ውን ኣፍቂርናያ ኣዕቢናያ ኢልና ክንንየት ዘይኮነ ብመንፈስ እንተ ደኣ ሃሊና፡ ንዓኣ ምፍቃር ዕቤታ ምንጋር ካበይ ኮነልና ንበል።
ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ እያ ካብ በልናያ ብስሙ ውን ክርስቲያን ተባሂልና ተጸዊዕና ኢና፡ ክርስቲያን ማለት ከኣ ሰዓቢ ክርስቶስ ማለት እዩ፡ ድንግል ማርያም ድማ ናይ ኩሉ ክርስቲያን መንፈሳዊት ኣደ እያ። ነዚ ከረጋግጸልና እዩ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ “እነሀት ኣዴኻ” (ዮሓ19፡27) ብምባል ዝሃበና። እታ ብኢድ ዮሓንስ ኣብ እግሪ መስቀል ዝተዋሃብናይ ዝኸበረት ህያብና ኢያ።ኣዚዩ ዘደንቕ ህያብ እዩ፡ ምኽንያቱ ሰባት ንዝፈትውዎም ዝተፈላለዩ ህያባት ክህቡ ይኽእሉ እዮም ኣዲኡ ዝህብ ግና መን እዩ። ኣምላኽና ግና ንኣዲኡ ኣደ ክትኮነና ብነጻ ህያብ እዩ ሂብና።ነዚ እዩ ቅዱስ ዳዊት መዝ.87፡5 ፦ካብኣ ስለ ዝተወልዱ ኣዴና ጽዮን ክብልዋ እዮም ዝበለ። ኣደ ኣምላኽና እምበኣር ኣዴና ስለ ዝኾነት ኢና ካብ ኩሉ ኣብሊጽና እነፍቅራ።
ሰኣሊተ ምህረት፡ንደቂ ሰባት ብሽግርን መከራን ተኸቢብና ከይንጭነቕ፡ ዕራቕና ወጺና ከይንሓፍር፡ ብሕማም ተደኒስና ተስፋ ከይንቖርጽ፡ ዙርያና ብጸልማት ተኸቢቡ ጽድቂ ሓሪምና ከይንኹነን፡ ምእንታና ንምህረት እትቐውም ኣደ ኢያ፡ ኩሉ በረኸትና ካብ ጽዮን እዩ ዝፍልፍል ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት፡ ብስማ እዩ ኩሉ ዝመልኣልና፡ ነዚ ኢየን ኣዴታትና ኣብ ጊዜ ወሊድ ኣደይ ማርያም ብሰላም ትምጻእኪ፡ እንቛዕ ማርያም መሓረትኪ ዝበሃል። ኣብ ጊዜ ስእነትና ውን ንዶኪማስ ዘየሕፈርት፡ ንወዳ ለሚና ሽሻዩ መሊኣ ሞጎስ ዝሃበት። ኣብ ጊዜ ጓሂኡ ሓዘኑ ክትናዝዝ ንዮሓንስ ወንጌላዊ ዝተዋህበት። 78 ነፍሳት ዝበልዐ ኣብ ፍርዲ ዘጽለለት፡ መጸግዕት እምባና ኣዴና ጽዮን እናበልና እንጽግዓ፡ ጸላኢ እነባርረላ በትሪ ሃይማኖት፡ እንድገፋ ምርኩስ ስለዝኾነት ኢና እነዕብያን እነፍቅራን።
ድንግል ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ዘለዋ ኣበርክቶ ኩሎም ሊቃውንቲ ክገልጹ እንከለዉ ብዙኅ ጊዜ መመኪሕትና ክብሉ እዮም ዝገልጽዋ። ብኪዳናን ኣማላድነታን ንዝኣምኑ ክርስቲያን፡ ናይ ነፍስን ሥጋን መጸግዒት(ጸወነ ሥጋ ወነፍስ) ምዃና ክገልጹ እንከለዉ “ምክሓ ዘመድነ” ናይ ባሕርይና መመኪሒት ይብልዋ። ንኣብነት ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ምክሃ ዘመድነ ወሰኣሊተ ምሕረት ለነፍሳቲነ” ንስኺ ብሓቂ ናይ ባህሪና መመኪሒት ንነፍሳትና ምሕረት እትልምኒ ኢኺ ይብላ። ኣብ ናይ ሰሉስ ውን “ኣክሊለ ምክሕነ ወቀዳሚተ መድሃኒትነ ወመሰረተ ንጽሕነ ኮነ በማርያም ድንግል” ኣኽሊል ትምክሕትና ናይ ድኅነትና መጀመርያ ናይ ንጽሕናና መሰረት ንስኺ ኢኺ (ብኣኺ ኮነ)።
ቅዱስ ያሬድ ውን ኣብ ኣንቀጸ ብርሃን ዝተባህለ ድርሰቱ ከመስግና እንከሎ “ኣንቲ ዘበኣማን ምክሓ ለዘመድ ክርስቲያን” ብሓቂ ንክርስቲያን ወገን መመኪሒትና ዝኾንኪ ይብል። ብኣኣ መኽንያት ኣባና ሓዲሩ ዝነበረ ናይ ስጋን ናይ ነፍስን መርገም ተሳዕረ። ስለዚ ኢና ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣዚና እነዕብያን እነፍቅራን።
ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ቅድስት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ዘለዋ ምትእስሳር ክርኢ እንተኮይና ውን ገና እቲ ናይ ዕለተ ዓርቢ ድኅነት ከይተፈጸመ እንከሎ “እቶም ከይረኣዩ ዝኣምኑ ብጹዓን እዮም” ከም ዝብሎ ወንጌል ገና ወንጌል ከይተበሰረ እንከሎ መንፈስ ቅዱስ ኣለቢምዎም ሕዝቢ ናይ ምድሪ ኣግኣዚት ብጹዓን ኮይኖም እዮም ተረኺቦም። ነዚ እዩ ድማ ኣይሁዳውያንን ሄሮዶሳውያንን ንቅድስት ድንግል ማርያም ከሳድድዋ እንከለዉ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናተሰደት ናብ ምድረ በዳ ግብጺ ምስ ረገጸት ሰብኣ ግብጺ ብዙሕ መከራ ኣውረዱላ፡ ጥሜትን ጽምእን ከርተትን ድኻምን ክበጽሓ እንከሎ፡ ፍቁር ወዳ ግና ናብ ኣዜብ (ደቡብ) ገጹ ብትእምርተ መስቀል ይባርኽ ነበረ። ኣዲኡ ውን በዚ ነገር እናተደነቐት ወደይ እንታይ እዩ እዚ ነገር ክትብል ሓተተቶ፡ ንሱ ግና ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት “እግዚኣብሔር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ” ዝተባህለ።ኣቐዲሙ ናብ ኣቤል ምባሉ መጀመርታ ናብ ልቡ ከም ዝጠመት ዝገልጽ እዩ። ብምቕጻል ናብ መስዋዕቱ ይብል። ንሰብ ምድሪ ኣግኣዚት ድማ ገና ምግባሮምን ኣቀባብልኦምን ከይተጋህደ እንከሎ፡ ጐይታ ቅንዕና ልቦምን ርህራሄኦምን ተመልኪቱ ንኣዲኡ ከምዚ ክብል ነገራ። በዚ ደቡብ ወገን ምድረ ኣግኣዚ (ምድሪ ሓበሻ) እትበሃል ሃገር ከይ ረኣየት እትኣምነኪ ክሳብ ምጽኣት ጊዜ ውን ናተይ ናይ ባህሪ ኣምላኽነተይ ናትኪ ውን ኣደ ኣምላኽ ምዃንኪ እናመስከረት ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ከበረ ኢላ እተመስግነናን ንዓይ ውን እተምልኸኒ ብኣቀማምጥኣ ደስ እተብል ሃገር ኣላ እሞ ንዓኣ ኢየ ዝባርኻ ዘለኹ በላ። ነዚ ሰሚዓ ቅድስት ድንግል ማርያም ውን ክትርእያ ተሃንጠየት ንወዳውን ተማሕጸነቶ። ንሱ ውን ደመና ጠቒሱ ወሰዳ፡ ሽዑ መልክዓ ምድሪ ናይታ ሃገርን ሕዝባን ኣዝያ ከም ዝፈተዎቶን ባህ ከም ዝበላን ንወዳ ነገረቶ። በሊ እንተ ፈቲኽያ ዓስራት (ዕሽር) ጌረ ሂበኪ ኣለኹ በላ፡ በዚ ድማ እዩ ምድረ ኣግኣዚት ናይ ቃል ኪዳን ሃገር፡ ሃገረ ቅዱሳን እትበሃል። ጐይታ ባዕሉ ብዘይሕሶ ቃሉ ኪዳን ዝኣተወላ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጸልና ድማ ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊታውን ታሪኽ፡ ኣሰር ዝረገጽዎን ዘዕረፍሉን ቦታታት ህያው ምስክር እዩ ። ስለዚ እዩ እቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ናይ ኣብነት ተማሃሮ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ኣብ ርሑቕ ገዳማትን ገጠራት ከይዶም ክመሃሩ እንከለዉ እንኮ ካብኦም ዘይፈልይዋ ስንቂ ድንግል ማርያም ኢያ ። ንሳ ስለ ዝኾነት ስንቆም “በእንተ ስማ ለማርያም” ኢሎም ብምልማን ድራር እለቶም ይምእርሩ፡ እቶም ዘይፈልጥዎም ስድራ ድማ ስማ ምስ ሰምዑ ብስማ ስንቆም ይህብዎም፡ ነዚ እዩ ደራሲ ናይ መልክዓ ማርያም “ማርያም ድንግል ለነዳይ ንዋየ ወርቁ እመ ነገደ ርኁቀ ወሖረ ዕራቁ ኢይኃዝን ለሲሳዩ እስመ ኣንቲ ስንቁ” ንስኺ ኢኺ ማርያም ንድኻ ጥሪቱ ወርቁ ጥራዩ እኳ ናብ ርሑቕ ሃገር እንተገሸ ብዝምገቦ ከይሓስብ ንስኺ ኢኺ ስንቁ፡ ብምባል ዝደረሶ። ኣብ መንጎ ተማሃርን ወሃብን ልቢ እተራህርህ መረዳዲእት ቋንቋ ንሳ ኢያ።ብሓፈሻ ሕዝብና ኣብ ኩሉ ሕይወቱስማ ከይጸውዐ ኣይውዕልን።
ንምንታይ ደኣ እዩ እሞ ንሕና ስማ ከይጸዋዕና ክንውዕል ዘይንደ ብኣንጻሩ ከኣ መናፍቓን ስማ ንምልዓል ዝቃወሙ፧ ጽሑፍ እዩ ዘፍ3፡15 ;- ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ ይተክል ኣለኹ፡ ንስኻ ሸኾንኡ ክትነክስ ንሱ ድማ ርእስኻ ክጭፍልቕ እዩ። ከም ዝተባህለ ኣብ ሞንጎ እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ተመንን ኣብ መንጎ እታ ወዲ እትወልድ ሰበይትን ብዝተተኽለ ጽልኢ እቶም ብግብሪ ውሉድ ናይዚ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ዝኾኑ መናፍቓን ድማ ካብዚ ጽልኢ እዚ ሓራ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። እምበር ንቅድስት ድንግል ማርያም ምፍቃር ካብ ኣምላኽ እዩ።ምኽንያቱ ካብ ሰማያውያን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ካብ ምድራውያን ድማ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ኣብነት እዮም፡ ነዚ መበገሲ ብምግባር ኩሎም ቅዱሳን ሊቃውንቲ ብኹሉ ኣመስጊኖም መልክዓ ማርያም ድማ ካብ ጸጉሪ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ እና ጠቐሱ ወዲሶማ እዮም። ዋላ እኳ እቲ መኽንያት ኣዝዩ ብዙሕ እንተኾነ ግና ከምቲ ናይ ኩሉ ጸሎታትና መዛዘሚ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ናይ ኩሉ ሚስጥራትና ድማ ቅዱስ ቁርባን እዩ። ስለዚ እምበኣር ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ “ኦ ማርያም በእንተ’ዚ ናፈቅረኪ ወነዓብየኪ ኩልነ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዓ ጽድቂ ዘብኣማ ወስቴ ሕይወት ዘብኣማን ዝበሎ። ከመይ ነቲ ኣይትብላዕ ዝብል ትእዛዝ ብምብላዕ ምስ ኣፍረስናዮ ብኡኡ መኽንያት ድማ ካብ ገነት ናብ ምድረ ፍዳ ካብ ጽጋብ ናብ ጥሜት ካብ ሕይወት ድማ ናብ ሞት ምስ ተደርበና ነቲ ኣቀዲሙ ብትንቢትን ብምሳሌ ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልት ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ኣብ መስቀል ተሰቒለ ደመይ ኣፍሲሰ ስጋይ ቆሪሰ ኢየ ዘድሕነካ ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል ፍጻሜ ኮይና ዝተረኽበት፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይጸርዎ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ዝወለደት ብምዃና፡ ንሱ ውን ኣብ ወንጌሉ ከም ዝበሎ ኣብ ዮሓ6፡53 ፦ ስጋ ወዲ ሰብ እንተዘይ በሊዕኩም ደሙውን እንተዘይ ሰቲኹም ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ከመይ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ውን ዝሰቲ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣላቶ ኣነ ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ። ምኽንያቱ ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ ደመይ ውን መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነውን ኣብኡ ይነብር።
ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝኾነ ሓቀኛ ብልዕን ሓቀኛ መስተን፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላ 4፡4 ፦ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውን ዝሓደረ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ። ዝበሎ ካብ ሞት ምእንቲ ክንድሕን ነቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ኣምላኽና ክንበልዒ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ኢና ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣዚና እነዕብያን እነፍቅራን፡ ንግዚኡ ካብ ስጋዊ ሞት ምእንቲ ክንድሕን ጥራይ ዘይኮነ’ስ ካብ ሓጢኣት ነጻ ኮይና ንናይ ዘልዓለም ሞት ስዒርና ኣብ ልዕሊ ናይ ነፍሲ ሞት ነጊስና ዘልዓለማዊ ሕይወት ተጓናጺፍና ኣብዚ ምድሪ እንከለና ንክርስቶስ ብምልባስ ከምቲ ቃሉ ዝበሎ “እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነውን ኣብኡ ይነብር ዝብለና። ክርስቶስ ኣባና ንሕና ድማ ኣብ ክርስቶስ ብምህላው ነዛ ግዝያዊት ዓለም ኣሕሊፍና ኣብታ ዘይትሓልፍ ሰማያዊት ኢዮሩሳሌም ጐይታ ብክበበ ትስብእቱ ብግርማ መለኮቱ ምስ ኣእላፍ መላእክቱ ንፍርዲ ኣብ ዝመጸሉ ሰዓት ኣብ ቅድሚኡ ብምቛም ኣቱም ብሩኻት ናይ ኣቦይ ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ዘዳለኹልኩም መንግስቲ ውረሱ ዝብል ቃል ሕይወት ንምስማዕ ዘብቅዕ ሓቀኛ መግብን ሓቀኛ መስተን ስለ ዝወለደትልና ንድንግል ማርያም ኣዚና’ነዕብያን እነፍቅራን። ዋላ እኳ ኣዚና ልዕሊ እቲ ክንገልጾ እንኽእል እንተዕበናያን እንተፍቀርናያን ክንድቲ ወዳ ዘዕበያን ዘፍቀራን ከነዕብያን ከነፍቅራን ስለዘይከኣለና ፡ ከም ኣባ ሕርያቆስ “ኦ ማርያም በእንተዚ ናፈቅረኪ ወንዓብየኪ ኩልነ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዓ ጽድቂ ዘብኣማን ወስቴ ሕይወት ዘብኣማን” እንብላ ምኽንያቱ ቅዱሳን ክብራ ንምግላጽ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘየለ ተረዲኦም ዝበልዎ እንተሃልዩ ኦ ማርያም በመኑ ወበኣምሳለ መኑ ናስተማስለኪ” ኦማርያም ንዓኺ እሞ ብመንን ብምንታይን እሞ ክንምስለኪ ኢና ዝበልዋ። ስለዚ እምበኣር ሕጂ ውን ከም ኣቦታትና፡ ከምቲ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰሉስ ዝበሎ “ኦ ድንግል ኦ ቅድስት ኦወላዲተ እግዚእ እስመ ወለድኪ ለነ ንጉሠ መንክር ምስጢር ኃደረ ላዕለኪ ለመድኃኒተ ዚኣነ። ናርምም እስመ ኢንክል ፈጽሞ ጥንቁቀ ነጊረ በእንተ ዕበዩ ለውእቱ ገባሬ ሠናያት” ኦ ድንግል ንጐይታ ዝወለድኪ ቅድስት ኣባኺ ብዝተገብረ ብዘደንቕ ተዋሕዶ ንጉሥ ወሊድክልና ኢኺ መንክር ዝኾነ ጐይታ ንምድኃና ኣባኺ ሓደረ ናይዚ ነገር እዚ ፈጺምና ምንጋሩ ኣይንኽእልን” ኢና’ሞ ባቃ ስቕ ንብል ” ብምባል ጽሑፍና ክንዛዝም።
ምሕረት ናይ እግዚአብሔር፡ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ጽሎት ናይ ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን አሜን!
ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወንዓብየኪ ኩልነ!!!
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment

