በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
“ኦ ጐይታ ናብ ዕረፍትኻ ተንሥእ፡ ንስኻን ታቦት መቕደስካን” መዝ. 132፡8
ወርኂ ነሐሴ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ክርስቲያን ፍልይቲ እያ። ምኽንያቱ እዛ ወርኂ’ዚኣ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝንገረላ፡ ብእኡ ኣቢልካ’ውን ብጸሎት፡ ጾም፡ ስግደትን ካልእ መንፈሳዊ ተግባራትን ኣብነት ሓዋርያት ብምስዓብ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ናብ እግዚአብሔር ልቦም ዝህቡላ ወርኂ እያ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዓረፈት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ንክቐብርዋ ናብ መካነ ዕረፍቲ ጌቴሴማኒ ኂዞማ ኽኸዱ ከለዉ፡ ኣይሁድ ብኽፉእ መንፈስ ተላዒሎም፡ “ኣቐዲሞም ንወዳ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሢኡ በርብዓ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ዳኅራይ’ውን ተመሊሱ ነዚ ዓለም’ዚ ንከኅልፍ ክመጽእ’ዩ’ እናበሉ ብምምሃር ነቲ ሕዝቢ ፈጺሞም ወሲዶሞ’ዮም፡ ሕጂ ኸኣ ስቕ ኢልና እንተገደፍናዮም ንእኣ’ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ’ እናበሉ ብምምሃር ክህዉኹና’ዶ ኣይኮኑን፧ ንዑ! ተኣኪብና ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ተማኺሮም መጽኡ። ካብ መንጎኦም ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጐበዝ ተመሪጹ ከይዱ፡ ነቲ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ዝተሰከሙሉ ዓራት ንኽግልብጥ ምስ ኃዞ፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ብሰይፈ እሳት ንኽልተ ኣእዳዉ ቈሪጽወን ኣብቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን ደኣ እምበር ታውፋንያ ብዝፈጸሞ ድፍረት ተጣዒሱ ናብኣ ስለዝተማሕፀነ ብተኣምር ኣእዳዉ ተፈዊሰን ከም ቀደመን ኮናሉ።
ሽዑ መልኣከ እግዚአብሔር ንሥጋ ኣዴና ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወሲዱ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣቐመጦ። ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ቅዱስ ዮሓንስ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ተመሊሱ፡ ሥጋ ኣዴና ኣብ ገነት ምህላዉ ነገሮም። ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ንሥጋ ኣዴና ንምቕባር ካብ ዝነበሮም ድልየት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሴ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን ድኅሪ ምቕናይ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ /መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ/ ጐይታና ንሥጋ ኣዴና ኣምጺኡ ስለዝሃቦም ወሲዶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌቴሰማኒ ቀበርዋ።
ኣብ ናይ ኣዴና ሥርዓት ቀብሪ ንከርክብ፡ ሓደ ካብቶም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢየሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ረኸባ። በዚ ጊዜ’ዚ ንትንሣኤኣ ካልኦት ቅዱሳን ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ “ወፈቀደ ይደቅ እምደመናሁ” ይብሎ ማለት ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ ሕጂ ኸኣ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ ኢሉ ካብቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። ኣዴና ግና ብዘይካኡ ካልኦት ሓዋርያት ንትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ ነጊራ ኣጸናኒዓ፡ ከይዱ ንኣኅዋቱ ሓዋርያት ነቲ ዝኾነ ኵሉ ክነግሮም ኣዚዛ፤ ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክኾኖ መግነዛ ሂባቶ ፈጺማ ብዝማሬን ይባቤን መላእክቲ ናብ ሰማይ ዓረገት።
ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ “ንኣዴና ቀቢርናያ” ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ድማ ከምዘይፈለጠ ኮይኑ “ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቀብሪ ከመይ ጌሩ ይኸውን፧” በሎም። “ንስኻ ብቐደሙ’ውን ንትንሣኤ ጐይታ ተጠራጢርካ ሕጂ’ውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ኢሎም ብቅዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ መካነ መቓብር ኣዴና ኂዞሞ ከዱ። ከርእይዎ መቓብር እንተኸፈቱ ንሥጋ ኣዴና ስኣንዎ። በዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ቶማስ “ኣይትኣምኑንን ኢኹም ኢለ’የ እምበር ኣዴናስ ተንሢኣ ዓሪጋ እያ” ኢሉ ኵሉ’ቲ ዝተፈጸመ ምስ ነገሮም ንመረጋገጺ ምልክት ክኸውን ንዝሃበቶ መግነዛ ኣርኣዮም። ንሳቶም ከኣ ነቲ መግነዛ ንበረኸት ተማቒሎም ነናብ ኣህጉረ ስብከቶም ከዱ።
ኣብ ዓመቱ ‘ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ከይርኣና ንተርፍ’ ኢሎም ባሕቲ ነሓሴ ሱባኤ ኣትዮም በቲ መወዳእታ ሱባኤ 16 ነሓሴ ጐይታ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም መንበር፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንዅሎም ድኅሪ ምቝራብ ንዕርገት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምርኣይ ኣብቅዖም።
ስለዚ ከምቲ ቅንዑ ለእንተ ተዓቢ ጸጋ ዝብል ዝብል ቅዱሳን ሓዋርያት ክልተ ሳዕ ሱባዔ ኣተዉ። እዚ ድማ ቅድም ቅዱስ ዮሓንስ ዝረኣዮ ክንርኢ ኢሎም፡ ደኃር ድማ ቅዱስ ቶማስ ዝረኣዮ ትንሣኤ ክግለጸልና ኢሎም፡ ብመንፈሳዊ ቅንዒ ተመሲጦም ዝኣተውዎ ሱባዔ ኣብ ጊዜኡ ተፈጸመሎም።
ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ኣቐዲሙ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝትንሥእ ምስ ገለጸ ቀጺሉ’ውን ናይ መቅደሱ ታቦት ማለት ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም እትትንሥእ ክገልጽ ከሎ “ኦ ጐይታ ናብ ዕረፍትኻ ተንሥእ፡ ንስኻን ታቦት መቕደስካን” ይብል። መዝ. 132፡8

ታቦት ማለት ናይ ጽላት ሕጉ ማኅደር፡ መኅደሪት እግዚአብሔርን ናይ ክብሩን ጐይትነቱን መግለጽን መፍለጥን እያ። መቕደስ ከኣ እግዚአብሔር ዝምስገነላ መንበሪ ታቦቱ እያ። (ዕብ. 9፡3-4) ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ መቕደስን ታቦቱን ምሳሌን ሥርዓቱን ናይታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ መቕደስን ታቦትን እያ። ምኽንያቱ፦ “ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማኅደርን ምስሊ ኵሉ ኣቍሑቱን ከምኡ ግበርዎ” (ዘፀ. 25፡9) ከምኡ’ውን ኣብ ራእይ ዮሐንስ 11፡19 “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ከኣ ተኸፍተት ኣብታ መቕደስ’ውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ” ይብል።
“ታቦት መቕደስካ” ተባሂሉ ዝተነግረላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማኅፀና ዝነበረን ደኃር’ውን ብኢዳ ዝተሓቍፈን ኣብ ዝባና ዝተሓዝለን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቃልን ሥጋን ዝተወሓደ ሓደ ንሱ እዩ። ምስ ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ ዝተገልጸ ናይ ክርስቶስ ሰብነት ብቤት መቕደስ ተመሲሉ እዩ። ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብታቦት ተመሲላ እያ። “ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ” ዮሐ. 2፡19-21 ክብል ወንጌላዊ ዮሓንስ ዝጸሓፎ ነቲ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ቤተ መቕደስ’ዚ ኣፍርስዎ ኣነ ከኣ ኣብ 3ተ መዓልቲ ከተንሥኦ እየ ኢሉ ንኣይሁድ ምስ ተዛረቦም፡ ኣይሁድ ግና “እዚ ቤተ መቕደስ’ዚ ብ46 ዓመት እዩ ዝተሓንፀ ንስኻ’ዶ ብሠለስተ መዓልቲ ከተልዕሎ ኢኻ” ምስ በሉ ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሥጋኡ እዩ ዝተዛረበ ክብል ኣብርሆ። እዚ ድማ ነቲ ቤተ መቕደስ ዝተባህለ ሰብነተይ ክትቀትሉኒ ኢኹም ብሞት’ውን ነፍሰይ ካብ ሥጋይ ከም እትፍለ ክትገብሩ ኢኹም። ኣብ ሣልስቲ ግና ነፍሰይ ምስ ሥጋይ ኣዋሒደ ብገዛእ ሥልጣነይ ክትንሥእ እየ ማለቱ እዩ። ናይ መቕደስካ ታቦቱ ትተንሥእ ማለቱ እምበኣር ናይ ኣካልካ መኅደሪት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣኻ በዅሪ ገይራ ትተንሥእ ማለቱ’ዩ። ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ካልኦት ጻድቃን ትንሣኤ ዘጉባኤ ኣይትጽበን እያ ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እያ። ኣብ የማን ወዳ ቆይማ እያ ዘላ። (መዝ. 45፡9)
‘ኦ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ነፍስኺ ነፍስ ካብ ሥጋኺ ሥጋ ወሲዱ ፍጹም ሰብ ካብ ዝኾነ ወድኺ ጸጋን ክብርን ለምንልና’ ንዝብላ ኵሉ በቲ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ከተማልድን ከተታዓርቕን ትነብር። ብሓቂ ድማ ንጽሙእ ከልቢ ብሣእና ማይ ዘስተየት፡ ንታውፋንያ ኣእዳዉ ዝመለሰት ርኅርኅተ ሕሊና ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብንጽሕና (ዘእንበለ ኑፋቄን) ብዘይ ጥርጥር ኣብ ጸሎታ ንዝምዕቘብ ኣይተኅፍርን እያ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ጣዕማ ኣብ ልሳንና ፍቕራ ድማ ኣብ ልብና የኅድረልና!