ኪዳነ ምሕረት
ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሓላ፣ መተኣማመኒ ውዕልን ዘይብተኽ ገመድ ሰላምን እዩ። ብተስፋ ቖይሙ ዝተጻሕፈ፡ ሥርዓት ንዚሓለወን ዜጽንዐን ዓስቢ ዚህብ፣ ንዜፍረሰ ግና ዚጐድእ’ውን ኪዳን ወይ ውዕል ይበሃል እዩ።
‘ኪዳን’፦ ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ካብ ደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ከኣ ዚፍጸም እዩ። ዓለም ካብ ዚፍጠር፡ ኵሉ ጊዜ እግዚአብሔር ምስ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገድን ጊዜን ቦታን ከከም ኣድላይነቱ ቃል ኪዳን ይኣቱን ኪዳኑ ይፍጽምን እዩ።
ኪዳነ አበው
ንሥነ ፍጥረት በቲ ሓንሳእ ዚሠርዖ ብኺዳኑ ዘጽንዕ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ብፍላይ ነቶም ናብኡ ዚምለሱ፡ ፍቓዱ ዚመልኡን ብሕጉን ኣምልኾኡን ዚጸንዑ ሰባት ትግሃቶምን ተጋድሎኦምን ተመልኪቱ ቃል ኪዳን ይኣትወሎም እዩ።
* ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ሕጊ ጥሒሱ፡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ፡ ምስ ወደቐ፡-“አልቦቱ ካልእ ሕሊና ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢአቱ/ ብኃጢኣቱ ምብካይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓሳብ ኣይነበሮን” ከምዝብል ብኡ ንብኡ ብንብዓት፡ ንስሓ እዩ ዝተንሥአ። ተወካፌ ንስሓ፡ ርኅሩኅ ኣምላኽ ድማ ንስሓኡ ተቐቢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡-“ ምልኣት ዘመን ምስ በጽሐ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ተሻይጡ ምእንቲ ኸውፅኦም ንሕና’ውን ውልድነት ምእንቲ ክንረክብሲ ኣምላኽ ነዚ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ትሕቲ ሕጊ’ውን ዝኾነ ወዱ ለኣኾ።” (ገላ. 4፥4) ኢሉ ከምዘረጋገጾ፡ ነቲ ዚኣተወሉ ኪዳን ኣብ ጊዜኡ ፈጸመሉ።
* ኣብ ዘመኑ ካብቶም ዝነበሩ ሰባት ዝመስሎ ዘይብሉ፡ ብፍቓድ እግዚአብሔር ዚመላለስ ዝነበረ ጻድቕ ኣቦና ኖኅ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ኽፍኣትን ዓመፅን ደቂ ሰባት፡ ዓለም ብማይ ኣይኂ ኣብ ዝተቐጽዓትሉ እዋን፡ ኣቦና ኖኅ ካብ መርከብ ወፂኡ መሥዋዕቲ ኣቕረበ። እግዚአብሔር ድማ መሥዋዕቱ ተቐቢሉ፡ “ድኅሪ ደጊም ሕይወት ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይኂ ኣይኪጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ኣይኂ ድማ መሊሱ ኣይከውንን እዩ። እንሆ ኪዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣሎኹ። . . . ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣሎኹ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኪዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።” (ዘፍ. 9፥11-17) ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ።
* ኪዳነ ኣብርሃም’ውን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ እግዚአብሔር ንኣበው ዝኣተዎ ኪዳን እዩ። ኣቐዲሙ ናይ በረኸት ቃል ኪዳን (ዘፍ. 12፥2) ዝተዋህበ ኣቦና ኣብርሃም፡ ምልክት ኪዳን ዝኾነ“ግዝረት” እዩ ዝተቐበለ። (ዘፍ. 17፥7-10) ኪዳነ ኣብርሃም በዚ ኣየብቕዐን፡ ኣቦና ኣብርሃም ክሳዕ ነቲ ሓደ ወዱ መሥዋዕቲ ምቕራብ ስለ ዝተኣዘዘ፡ እግዚአብሔር “ ኣዝየ ክባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን ኣዝየ ከብዝኆ እየ፡ ሕዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ መሓለሉ። (ዘፍ. 22፥16-18)። ብድኅሪኡ ውን ንይስሓቅን (ዘፍ. 26፥1-5)፣ ንያዕቆብን (ዘፍ. 28፥10-15) ቃሉ ከይለወጠ ኪዳን ኣትዩሎም እዩ።
* ከምዞም ዚቐደሙ ኣቦታት ፍቓዱ ምስ ዚፍጽም ንንጉሥ ዳዊት ውን “. . . ዘርእኻ ንዘለዓለም ኪጸንዕ ዝፋንካ’ውን ንውሉድ ወለዶ ኪሓንፅ እየ” (መዝ. 89፥3-4) ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወ።
ኪዳነ ምሕረት
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብኪዳነ ኣዳም፡ ኪዳነ ኖኅ፡ ኪዳነ ኣብርሃም፡ ኪዳነ ዳዊትን ብተወካልነት ነቢይ ሙሴ ዝተዋህበ ትእዛዛትን ሥርዓታትን. . . ወዘይመስሎ ዝተመሥረተ ብሉይ ኪዳን ጊዜያዊ ተስፋ ዝነበሮ፡ ፍጹም ምሕረት ዘይህብ እዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ነዚ ምሳሌያዊ ቃል ኪዳን ፍጹም ዚገብርን፡ ዚትርጕምን ኪዳን የድሊ ነበረ። “ኣምላኽ ብዛዕባና ዝኃይሽ ስለዝሓለየ፡ ብዘይካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ከይበጽሑስ እዚኣቶም ኵላቶም ብእምነት እኳ ተመስኪርሎም እንተኾነ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን” (ዕብ. 11፥39-40) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ፍጹም ድኅነት ዚህብ ኣማናዊ ኪዳን ተዋህበ። እዚ ቃል ኪዳን እዚ “ኪዳነ ምሕረት” ይበሃል። ንቀደምት ኣበው “እስመ ትቤ ለዓለም አሐንፅ ምሕረተ፡ በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ፡ ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ።” (መዝ. 88፥2-3) ተባሂሉ ዝተዋህበ ተስፋ፡ ፍጻሜኡ እዚ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተገልጸ፣ ብክቡር ደሙ ዝተመሥረተ (ማቴ. 26፥27-28) ናይ ምሕረት ሓድሽ ቃል ኪዳን እዩ።
ኣብ ዘመነ ሓዲስ “ኪዳነ ምሕረት” ቅጽል ስም ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ንአበው ብኅብረ ምሳሌ፡ ንነቢያት ብኅብረ ትንቢት ኪገልጾን ከተስፍዎን ዝጸንሐ ነገረ ድኅነት ካብኣ ተወሊዱ ስለ ዝፈጸሞ እዩ፡፡ ከምኡ’ውን ካብኡ ንኃጥኣን ለሚና ፍጹም ምሕረት ተውህበሉ ኪዳን ስለዝተቐበለት እዩ።
ቅድስት ድንግል ማርያም ድኅሪ ትንሣኤኡ ናብ መቓብሩ እናኸደት ትጽሊ ነበረት። ጸላኤ ሠናያት ዝኃደሮም እኩያን ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዋ መዲቦም ነቲ መቓብር ብወተሃደራት ኪሕሎ ብሥዉር መኺሮም ከብቅዑ፡ ንሳ ግና ብረድኤት ወዳ ተኸሊላ ናብቲ ቦታ እናኸደት ትጽሊ ነበረት። እንሆ ድማ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ዕለት 16 የካቲት ከም ልማዳ እናነብዐት ክትጽሊ ከላ ፍቁር ወዳ እልፍ ኣእላፋት መላእክት ኣኸቲሉ ብግርማ መለኮቱ ምስ ተገልጸላ፡-“ዝኽረይ ዚገብር፣ ብስመይ ቤተ ክርስቲያን ዚሐንፅ፣ ብስመይ ንዚዓረቐ ዚኸድን፣ ንዝጠመየ ዜብልዕ፣ ንዝጸምአ ዜስቲን ከምኡ ውን ንዝኃዘነ ዜጸናንዕ፡ ምስጋናይ ዚጽሕፍ፥ ብስመይ ውሉዱ ዚሰሚ፣ ኣብ ዕለት በዓለይ ምስጋናይ ዘብጽሕ፡ ኦ! ጐይታ፡ ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ልቢ ሰብ’ውን ዘይሓሰቦ፡ ብዙኅ ዓስቢ ሃቦ።” እናበለት ለመነቶ። ፍቁር ወዳ ድማ ጸሎታ ሰሚዑ፥”ስምኪ ዚጸውዐ፤ ብስምኪ ቤተ ክርስቲያን ዚሓነፀ፤ ብስምኪ ሽጉር ዚረድአን ኅዙን ዜጸናንዐን፤ ውዳሴኺ ዚጸሓፈን ዜጽሓፈን፤ ንውላዱ ብስምኪ ዚሰመየ፤ ኪምሕረልኪ እየ. . .ኵሉ ዚደለኽዮ ኪፍጽመልኪ፡ ዚለመንኪዮ ኪህበኪ እየ። ነዚ ኪዳን እዚ ንኸየፍርስ ድማ ብስመይ ምሒለልኪ ኣሎኹ።” ብምባል ቃል ኪዳን ምሕረት ኣተወላ።
ኪዳነ ምሕረት ዝተቐበለትሉ ድኅሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ 16 የካቲት ብምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወወርኁ ኾነ ኣብ ኣዓመቱ በዚ ቃል ኪዳን እዚ እናተማኅፀነት ብምዕሩግ መንፈሳዊ በዓል ተኽብሮ።“ብኪ ድኅነ ዓለም ወበወልድኪ ኮነ ሰላም/ ዓለም ብኣኺ ደኃነ፡ ብወድኺ’ውን ሰላም ኮነ።” ፤“ኪዳንኪ ኀይልነ ወጸወንነ/ ዝኣተወልኪ ኪዳን ኃይልናንን ጸግዕናን እዩ/. . .” እናበልና ነመስግንን፣ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ እሞ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝፍጽሞ ኵሉ መንፈሳዊ ሥራሕ ምኽንያት ከምዝኾነት ብዘይሕሶ ቃል ንምስክርን።
* ንሳ: ናይቶም ተምሳልን ጽላሎትን ዝኾኑ ቐዳሞት ኪዳናት መፈጸምታ ኣማናዊ ኪዳን ብምዃና፡- “ኖኅ ካብ ክፉእ ማይ ኣይኂ ዝደኃነላ መርከብ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።” (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 31)፣ ኣብ መርከብ ኖኅ ዝነበሩ ጥራይ ከምዝደኃኑ፡ ከምኡ ድማ ብሰንኪ ኃጢኣት ዓለም ካብ ዝዘንም መዓት ማይ ኣይኅን ብዕልቕልቕ ኣስጢሙ ናብ ሲኦል፡ ገሃነመ እሳት ካብ ዚወስድ ማይ ጥፍኣትን እተድኅነና መርከብ ኪዳነ ምሕረት፡ ንሳ እያ።
* ኣብሣሪት ሰላም ርግቢት’ውን ምሳሌ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መሊኡ ዝነበረ ማይ ኃጢኣት፡ ‘ካባይ ካብ ዝተወልደ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ብስቕለቱ ጐደለ’ እናበለት ንኃጥኣን ሰላምን ምሕረትን እተበሥር፡ ብኣማላድነታ ሓጐስን በረኸትን እትእውጅ ንሳ እያ። ቀስተ ደመና ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተዘርጊሑ ከምዝርአ፡ ኵሉ ትውልዲ ኣብ ዘመነ ብሉይ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብምሳሌን ትንቢትን፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ካብ ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ክሳዕ ምድራዊት ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝተዘርግሐ ውዳሴኣ፡ እናደገሙ ምልክት ድኅነቶም ከምዝገብርዋ ዘረድእ እዩ።
* ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ዅሉ ብምዃና ኣቐድም ኣቢሉ ክቡር ዳዊት “እምነ፡ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (መዝ. 86፥5) ብምባል ከምዝተነበየላ ኵሉ ሰብ “ኣዴና፡ ጀማሪት ድኅነትና፡ መሠረት ንጽሕናናን ኣኽሊል ትምክሕትናን” ዝብላ ንኪዳነ ምሕረት ድንግል ማርያም እዩ።
* ኣዴና ቅድስት ድንግል ካብ ፍቁር ወዳ ዝተቐበለቶ ናይ ኪዳን ምሕረትን ተራዳእነታን ኣብ ሓደ ዘመን ተፈጺሙ ጠጠው ዝብል ዘይኮነሲ ከምቲ ምስጋናኣን ውዳሴኣን ክሳዕ ኅልቀተ ዓለም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳገረ ዝቕጽል እዩ። ሓንሳእ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ከም ምዃኑ ድማ ነቶም ኣብዚ ሰማያዊ ኪዳን ተኣሚኖምን ኣጽሊሎምን ዚነብሩ ዘይዕጸፍን ጽኑዕን ኪዳን ምዃኑ ድማ ከነስተውዕል ኣሎና፡፡
“ ወካዕበ ተማኅፀነ በማርያም እምከ እንተ ይእቲ እግዝእትነ ወመድኃኒትነ ወትምክሕተ ዘመድነ በወሊዶተ ዚአከ፡ እስመ አንተ ትቤላ ዘገብረ ተዝካረኪ ወዘጸውዐ ስመኪ ቦ ሕይወት ዘለዓለም የሐዩ / ደጊምና ኸኣ ንኣኻ ብምውላድ እመቤትናን መድኃኒትናን ናይ ባህርይና መመክሒትን እያ እሞ ብኣዴኻ ማርያም ንምኅፀን ኣሎና። ከመይ! ንስኻ ‘ስምኪ ዝጸውዐን ዝኽርኺ ዝገበረን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ ኢልካያ ኢኻ።” ቅ. ያዕቆብ ዘሥሩግ ቍ. 86
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
ምንጪ፥ ልሳን ተዋሕዶ
Leave a comment