በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!
“ካብ ፳፮/26 ሰኔ ክሳዕ ፳፭/25 መስከረም” ዘሎ ክፍለ ዓመት ዘመነ ክረምት ይብሃል።
“እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!”
“ክረምተ ወሐጋይ ዘአንተ ፈጠርከ – ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም መዝ.73፥17)”
ናይ ዓመት ክፍልታት ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት፦ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ መጸ ዝንበብ ናይ ቅዱሳት መጻሓፍቲ ንባብ፡ ዝዝመር መዝሙር፡ ዝቕደሶ ቅዳሴን ዝወሃቦ ትምህርትን ኣብ ውሽጢ ዓመት ንዘለዉ ጊዜያት፡ (ወርኃትን በዓላትን ኣጽዋማትን) ዝምልከት እዩ። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ክህልዉ ከለዉ፡ ኣብ ውሽጦም ከኣ ቤተ ክርስቲያን እትጥቀመሎም ካልኦት ንኡሳን ክፍልታት ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ኵሉ ጊዜ ንእግዚአብሔር ዝተፈላለየ ምስጋና ንምቕራብ ዝተመደቡ እዮም። ኣርባዕተ ዓበይቲ ናይ ዓመት ክፍልታት ዝበሃሉ ጸደይ (ጽድያ)ን፡ ክረምትን መፀው፡ ቀውዒ፡ ሐጋይ እዮም። ነንሓደ ክፍለ ዓመት 91 መዓልታት ኣለውዎ፡ ንዓመት ብትኽክል ይካፈልዎ ማለት እዩ።
ዘመነ ክረምት
ክረምቲ” “ክረመ” ካብ ዝብል ናይ ግዕዝ ቃል ዝመፀ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ጊዜ ዝናብ፡ ጊዜ ልምላሜ ጊዜ ሕርሻ ማለት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ተኽልታት፡ ኣእካልን ኣሕምልትን ዝዓብዩሉን ዝዕምብቡሉን፡ መሬት ድማ ብቐጠልያ ተኽልታትን ዕምባባታትን እትዕምብበሉ ወቕቲ እዩ።
ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ክፍለ ዓመት ዘመነ ክረምት ይብሃል፡
ኣብ ውሽጢ ዘመነ ክረምት ሸብዓተ ንኡሳን ክፍለ ዘመናት ይርከብዎ።
- ካብ ሰኔ 26 ክሳዕ ሓምሌ 18 ዘሎ ጊዜ በአተ ክረምት ይብሃል። እዚ ናይ ዝናም፡ ናይ ደመና፡ ናይ ዘርእን ናይ ብቚልን ወርኃት ተባሂሉን ይጽዋዕ፡ እግዚአብሔር፡ በዚ ጊዜ እዚ፡ ዝናሙ፡ ኣብ ዘድሊ ቦታ፡ ብዛዕባ ምዝናሙ፡ ዝተዘርአ ስለ ምብቋሉ፡ ምድሪ ብዝናም ብዛዕባ ምጽጋቡን ንሓረስታይ ምሕጓሱ ይምስገን።
ኣብ ጊዜ ክረምቲ ካብ ማያት፡ ጠሊ ብኃይሊ ነፋሳትን ሙቘትን ተኃጊዙ ናብ ኣየር ይዓርግ እሞ ኣብ ደመና ተዓቝሩ ዝናም ይዘንም። ዘርኢ ኣብ ማኅፀነ ምድር ተፀኒሱ ይውለድ፣ ብነፋስ ነቒጹ ብፀሓይ በሲሉ ኸኣ ኣብ ፍረ ይበጽሕ። እዚ ዅሉ ዝኸውን ብኃይልን ትእዛዝን እግዚአብሔር እዩ።
2.ካብ ሓምሌ 19 ክሳዕ 9 ነሓሴ ዘሎ ጊዜ፡ ናይ መብረቕን ናይ ነጐዳን፡ ናይ ምምላእ ኣፍላግን ወሓይዝን ጊዜ ኰይኑ፡ በዚ ጊዜ እዚ፡ ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኦም፡ ንእግዚአብሔር ምስጋና ይቐርብ፡ ዝዝመር መዝሙር፡ ዝንበብ ንባብ፡ ነዚ ዝምልከት እዩ።
3. ካብ 10 ነሓሴ ጀሚሩ ክሳዕ 27 ነሓሴ ዘሎ ክፍለ ዘመን፡ እግዚአብሔር ንጨቓውቲ ኳዃት ምምጋቡ፡ ዓይኒ ኵሉ ፍጡር ብተስፋ ንዕኡ ምጽባይ ዝዝከረሉ፡ ምስጋና
ዝቐርበሉ ጊዜ እዩ። ዕጒለ ቋዓት ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ።
- ካብ 28 ነሓሴ ክሳዕ 5 (6) ጳጉሜን ዘሎ ጊዜ፡ ጎሕ (ወጋሕታ)፡ ጽባሕ (ንግሆ)፡ ብርሃን ይበሃል። ናይ ክረምቲ ጊዜ ክኃልፍ ምቕራቡ የመልክት፡ ምስ እዚ ሓሙሽተ ናይ ጳጉሜን መዓልታት፡ ናይ ክርስቶስ ጐይታ ካልኣይ ምምጻእ መዘከርታ እዩ።
- ካብ 1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም _ ዘመነ ዮሐንስ ይበሃል። ዮሐንስ መጥምቅ ብድኅሪኡ ንዝመጽእ ክርስቶስ ንምቕባል፡ ሰባት ንኽዳለዉን ንንስሓ ዝግባእ (ዝበቅዕ) ፍሬ ንኽገብሩ ምምሃሩ ዝዝከረሉ ጊዜ እዩ።
- ዘመነ ፍሬ፡ እዚ ክፍለ ዘመን እዚ፡ ካብ 9 መስከረም ክሳዕ 16 መስከረም ዘሎ ጊዜ እዩ። እግዚአብሔር፡ ዘርኢ ኣብ ፍረ ምብጽሑን ንደቂ ሰባት ስለ ዝህቦ ጸጋን ብዛዕባ ዝተፈላለየ በረኸቱ ኵሉ፡ ምስጋና ዝቐርበሉ ጊዜ እዩ።
- ዘመነ መስቀል ካብ 17 መስከረም ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ጊዜ ዘመነ መስቀል ይበሃል። አይሁድ ናይ ጐይታ መስቀል ቀቢሮምዎ ንብዙኅ ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ ብቅድስቲ እሌኒ ምኽንያት ምርካቡ። ብመስቀል ኣደናቒ ተአምራት ምግባሩ ዝዝከረሉ ጊዜ እዩ።
እግዚአብሔር ዝናም ኣብ ዘድልዮ ቦታ ከዝንም፡ ምእንቲ ዝናማት ንለምን፡ እግዚአብሔር ንምድሪ ዝዝራእን ዝዕፀድን ፍረ ክህባ፡ ምእንቲ ፍረ ንድሪ ንለምን!
“በዝክረምት ዘመዋዕሊነ: ዘእንበለ ፍሬ እንዘ በቈጽል ሀሎነ: ናስተበቍዓከ በክረምት ኢይኩን ጕያነ።”
ኣብ ክረምት ዝተባህለ ዕድሜና: ብዘይ ፍረ (ብዘይ ሠናይ ግብሪ) ኣብ ልምላሜ ከለና፡ ኦ ጐይታ ጕያና ብክረምት ከይከውን (ሞት፡ምጽኣት ከይረኽበና) ንልምነካ ኣሎና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment


