ዓውደ ዓመት "ሓድሽ ዓመት"

ዓውደ ዓመት  "ሓድሽ ዓመት"

 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!!!

ዓውደ ዓመት “ሓድሽ ዓመት”

    መስከረም መጀመርያ ወርሒ ናይ ዓመት ኢያ “ብላዕ በሃፈ ገጽከ” (ዘፍ 3፡18)። እግዚኣብሔር ንኣዳም ዝነገሮ ቃል ከም ሕገ ተፈጥሮ ኮይኑ ደቂ ሰባት ላዕልን ታሕትን ኢሎም፡ ሓሪሶም፡ ኮስኪሶም ጽዒሮም እንጌራ ዝበልዑ ኮኑ። በዚ መሰረት ድማ ዘርኢ ዘሪኦም፡ ተኽሊ ተኺሎም ዝነብሩ ሓረስቶት ብክረምቲ ዝዘርእዎ ዘራእቲ ሸዊቱን ፈርዩን መሬት ብለምለም ተሸሊማ እንስሳታት ለምለም ሳዕሪ ግሂጾም ጽሩይ ማይ ሰትዮም ጸጊቦምን ጸቢቆምን ዝርኣይሉ ናይ ለምለምን ናይ ፍረን ወርሒ እዩ።

“ሓወጽካ ለምድርብ ወኣርወይካ ወኣብዛህኮ ለብዕላ….ንምድሪ ትሓልየላ፡ ዝናብ ሰዲድካ ከኣ ተጽግባ፡ ፍርያምን ሃብታምን ትገብራ ንርባታት ብማይ ትመልኦ።…….”(መዝ 65፡9-13)።

    ወርሒ መስከረም ዓመት ሓሊፉ ንዓመት ዝትክእ መለወጢ ዓመት እዩ።

“ወትባረክ አክሊለ ዓመት ምሕረትከ/ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ ንስኻ ኣብ

ዘለኻዮ ጽጋብ ኣሎ”(መዝ 65፡11)። ቤተ ክርስቲያን ድማ ንዓመታት ብሰላምን ብፍቕርን ንዝባረኾ ንእግዝኣበሔር ምስጋና ብምቕራብ ቅዱስ ዮሓንስ ብዝብል ስያመ ኣኽቢራቶ ትነብር።

    ሓድሽ ዓመት ብስም ቅዱስ ዮሓንስ ዝተሰመየሉ ምኽንያት “ካብ ኣንስቲ ዝተወለዱ ዘበሉ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘይተንስአ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ”(ማቴ 1111)ተባሂሉ ከም ዝተነግረሉ፡ ዮሓንስ ናይ ሰማዕታትን ናይ ጻድቃናትን ርእሲ (ቦኽሪ) ከም ዝኾነ፡ ብዓለ መስከረም ድማ ናይ በዓላት ቦኽሪ እዩ።

ዮሓንስ ካብ ነቢያት መወዳእታ ካብ ሓዋርያት ድማ መጀመርታ ዝኾነ ካብ ሰማያት ክወርድ እዩ፡ ካብ ድንግል ክውለድ እዩ ምባል ሓዲጉ “እነሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” (ዮሓ 129) ኢሉ ሓድሽ ዘመን ከም ዝመጸ ሰበኸ። ወርሒ መስከረም ድማ ናይ ዓመት መለወጢ ሓድሽ ዘመን መቑጸሪ እዩ።

  ድሕሪ ዕርገት ጐይታ ኣብ 180 ዓ/ም ንናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ድሜጥሮስ መንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሎም ባሕረ ሓሳብ ብዮሓንስ ጀሚሮም ደሪሶም፡ “ርእሰ ኣውድኣመት ዮሓንስ ወላዴ መጥቅዕ ወኣበቅቴ” ዝተባህለሉ በዚ ምኽንያት እዩ።

Leave a comment

Send a Comment