በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
30/፴ ሚያዝያ ዕረፍቲ ሓዋርያ ማርቆስ
ማርቆስ ማለት ንህቢ፡ ኣንበሳ፡ ካህን ማለት እዩ። ንህቢ ዝተባህለሉ ንህቢ ንኹሉ ዕንባባታት ክም ዝጥዕሞ እሱ ድማ ቅድም ካብ ጐይታ ድሓር ድማ ካብ ሓዋርያት ስለ ዝተማህረ እዩ። ኣንበሳ ዝተባህለሉ ድማ ኣንበሳ ንላም ከም ዝሰባብራ እሱ ድማ ብአምሳለ ላም ዝተሰርሑ ጣኦታት ግብጺ ብሓያል ትምህርቱ ስለ ዝሰባበሮም፡ ካህን ዝተባህለሉ ድማ “ወአምጽኡ ማሬ ዘድዮስ” (ግ.ዋ 14፡13)። ቀዳማይ ሽሙ ዮሓንስ እዩ፡ ቁጽርሩ ካብ 72 ኣርድእቲ እዩ። ኣቦኡ ኣርስጦቦሎስ ኣዲኡ ድማ ማርያም ይበሃሉ። ኣዲኡ ብጐይታ ዝኣመነት ንወንጌል ዝተቐበለት ጐይታ ምስ ዓረገ ገዝአ ቤት ጸሎት ክኸውን ንሓዋርያት ዝሃበት ንዕኦም ድማ ተገልግሎም ዝነበረት ካብ 36 ቅዱሳን ኣንስቲ እያ (ግ.ዋ 12፡12)።
ጐይታ ድሕሪ ምዕራጉ ደድሕሪ ሓዋርያት እናኸደ ይመሃር ነይሩ ንጳውሎስን ንባርናባስን ተኸቲሉ ኣንጾኪያ ከይዱ ምሂሩ እዩ (ግ.ዋ 12፡25)።
ድሕሪ’ዚ ንሓዋርያ ጴጥሮስ ተኸቲሉ ሮም ከደ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ከም ዝተማህረ ምስ ፈለጠ ብጵጵስና ሸይሙ ናብ ሃገረ ግብጺ ለአኾ። ኣብ ግብጺ ምስ በጽሐ ኣብ ኣፍደገ ናይ ሓንቲ ከተማ ጫምኡ ተበትከ ኣንድያኖስ ዝተባህለ ሰፋይ ጫማ ረኺቡ ስፈየለይ ብምባል ሃቦ፡ ክሰፍየሉ ከሎ ኢዱ ወግአ እሞ “ኢስ ታኦስ” ኢሉ ኣድመጸ፡ እዚ ማለት ድማ ሓደ ኣምላኽ ማለት እዩ፡ ዝጸዋዕካዮ ትፈልጦ ዲኻ ብምባል ድማ ሓተቶ፡ ክብሉ ሰሚዔ እምበር ዝመሃረንስ የለን ኢሉ ድማ መለሰሉ፡ ፍቃዱ ርእዩ ድማ ምስ ቤተሰቡን ጎረቤቱን ኣሚኖም ተማሂሮም ተጠመቑ። ኣድያኖስ ድማ ቀንዲ ሓጋዚኡ ብምዃን ንህዝቢ ከስተምህር ጀመረ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ትምህርቱ ሰሚዖም ተአምራቱ ርእዮም ኣመኑን ተጠመቑን። ንጣዖታት ሰባቢሮም ድማ ቤተ ክርስቲያን ሰርሑ። ኣምለኽቲ ጣዖት ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝተላዕሉ እቶም ህዝቢ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዝ ለመንዎ ምኽንያቱ መምህሮም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብካህናተ ጣዖት ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ክቕተል ክርእዩ ኣይደለዩን። ንእንያሞስ ኢጲስቆጶስ ንደቁ ድማ ካህንን ድያቆንን ገይሩ ነቶም ህዝቢ ሸመሎም። ኣብ ባርቃናን ከባቢአን ዘለዋ ሓሙሽተ ኣህጉራት እናሰበኸ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንክርእዮ ናብ ሮማ ኸደ። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ወንጌሉ ብሮማይስጥ ጸሓፎ። ጐይታ ምስ ዓረገ 11 ዓመት ክውዳእ ከሎ መበል 12 ዓመት ክጅምር ክሎ ቀላውድዮስ ቄሳር ምስ ነገሰ ኣብ 4ይ ዓመቱ (45-46) ዓ/ም) እዩ።
ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ምስተመልሰ ኣመንቲ በዚሖም ጸንሕዎ በዚ ድማ ብዙሕ ተሓጎሰ ከምቲ ሓረስታይ ዝዘርኦ ዘራእቲ በቂሉ ዝተኸሎ ድማ ጸዲቑ ምስ ረአዮ ደስ ዝብሎ ንዕኡ ድማ ደስ በሎ። በዓለ ትንሳኤ ምስኦም ኮይኑ ከምዝሕልፎ ምስ ሰምዑ እቶም ዓላውያን ኣብ ልዕሊኡ ተላዕሉ። እቶም ኣመንቲ ድማ ህደም በልዎ “ኖላዊሰ ሄር ይሜጡ ነፍሱ በእንተ ኣባግኢሁ” (ዮሓ 10፡11) ሓቀኛ ጓሳ ስለ ኣባጊዑ ነፍሱ እዩ ዘሕልፍ ስለዚ ካብዚ ኣይሃድምን ብምባል ኣበዮም። እቶም ዓላውያን ድማ ሒዞም ገመድ ኣብ ክሳዱ የእትዮም ምሉእ መዓልቲ ክጓትትዎ ወዓሉ፡ ስጋኡ ከኣ ተበሳስዐ። ናብ ጐይታ ምስ ኣመልከተ ድማ ጐይታ ልመናኡ ሰሚዑ ስቓዩ ርእዩ” ከዕርፈካ መጼ ኣለኹ በቲ ዝተቐበልካዮ መከራ ምስ 12 ሓዋርያት ሰርዔካ ኣለኹ፡ ብስምካ ዝተማሕጸነ ምሒረልካ ኣለኹ” ብምባል ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ስግኡ ፈለያ። ብቃለ ኣቅርንት ብስባኤ መላእኽት ድማ ንነፍሱ ኣዕረጋ። ክዓርፍ ከሎ ወዲ ሰብዓ ዓመት ኣረጋዊ ነበረ።
እቶም መምለኽቲ ጣዖት ህዝቢ ስጋኡ ብሓዊ ከቃጽሉ ዕንጨት ኣኪቦም ኩሉ ምስ ኣዳለዉ መሬት ብነጎድጋድ ተጨነቐት ጸሓይ ብርሃና ከልአት እቶም ህዝቢ ድማ መዓት ወረደና እናበሉ ሃደሙ መእመናን ስግኡ ብብርሃነ መብረቕ ተኸቢቡ ረኸብዎ ብኽብሪ ድማ ቐበርዎ።
ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም እናመሃሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ንሓደ ዓመት ብኃባር ምስ ተቐመጡ (ሉቃ. 24፡53)፡ “ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም/ ኣብ ኵሉ ዓለም ኬድኩም መሃሩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ንምትግባር ንዓለም ብዕጫ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈርሉ ጊዜ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብዕጫ ግብጺ በጽሓቶ፣ ሮም ድማ ናይ ሕልቕና ብላዕሊ ተዋህበቶ። በዚ ኸኣ ነቲ ናቱ ረድእ ዝኾነ ቅዱስ ማርቆስ ሃቦ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዝዩ ስለዝፈትዎ ዝነበረ ‘ወደይ’ ይብሎ ነበረ። (1ይ ጴጥ. 5፡13)
ቅዱስ ማርቆስ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ብንእሽቶይ ኤስያ ገይሩ ክሳብ ሮም ሰበኸ። ቀጺሉ’ውን ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብምምጻእ ኣብ ሃገረ ኣፍራቅያ፡ በርቃን ኃሙስቱ ኣህጉርን (ኃሙሽተ ኸተማታት ምዕራባዊ ወገን) ስብከተ ወንጌል እናኣስፋፍሐ ናብታ በቲ ዘመን እቲ ናይ ንግድን ባህልን ፖለቲካን ማእከል ዝነበረት እስክንድርያ በጽሐ።
ናብዛ መምለኽቲ ጣዖት ዝነብሩላ ኸተማ እስክንድርያ ምስ ኣተወ ካብ ብዝኂን ንውኃትን መንገዲ እቲ ወድይዎ ዝነበረ ሣእኒ ቈርበት ተበትከ። ብኡ ንብኡ ናብ ‘ኣንያኖስ’ ዝተባህለ ሰብኣይ ሰፋዪ ኣሣእን ከይዱ ክሰፍየሉ ሃቦ። ኣንያኖስ እናሰፈየሉ ከሎ፣ በቲ ዝሰፍየሉ ዝነበረ መስፈ ንሣእኒ ስሒቱ ኢዱ ምስ ወግኦ ዓው ኢሉ “ኤስ ታዖስ! (EIS THEOS)” በለ። “ኤስ ታዖስ!” ብልሳነ ጽርእ (ግሪኽ) “ኦ ሓደ አምላኽ” ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ማርቆስ መእተዊ ስብከት ረኺቡ “ንምዃኑ እዚ ሕጂ ዝጸዋዕካዮ ኣምላኽ ትፈልጦ ዲኻ፧. . . ኣምላኽ ሓደ ኸም ዝኾነ ትፈልጡ እንተ ዄንኩም ደኣ ስለምንታይ ኢኹም ብዙኃት ኣማልኽቲ እተምልኹ፧ . . .” እናበለ ኣምልኮተ እግዚአብሔርን ግብረ ጽድቅን ድኅሪ ምስትምሃር ኣብ ኣፃብዕቱ ምራቕ ገይሩ፡ ምስ መሬት ለዊሱ ኣብታ ዝደመየት ኢዱ ብምግባር ‘ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢድካ ትሕወ’’ በለ። በዚ ኸኣ ኢድ ኣንያኖስ ሓወየት።
ኣንያኖስ በቲ ዝረኣዮ ተኣምርን ዝሰምዖ ትምህርትን እምብዛ ተሓጒሱ ኂዝዎ ናብ ቤቱ ከደ። ቅዱስ ማርቆስ ድማ ካብ ዝነኣሱ ክሳዕ ዝዓበዩ ኣዝማዱን ጐረባብቱን ካልኦትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ልደት ጀሚሩ ክሳዕ ዕርገት ዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ዝፈጸሞ ትሩፋት መሃሮም እሞ ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ካብ ምግባረ ኃጢኣት ናብ ምግባረ ጽድቂ ተመልሱን ኣመኑን። ብስም አብን ወልድን ወመንፈስ ቅዱስን ድማ ኣጥመቖም። በብጊዜኡ ናብዚ ማኅበረ ምእመናን ዝጽንበሩ እናበዝኁ ከዱ እሞ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ቤት ኣንያኖስ መሥረተ።
ነዚ ዝኾነ ነገር ንኽዕንቅፉ ብቕንኣትን ክፍኣትን ዝተላዕሉ ሰብአ ሃገር ኣብ ቅዱስ ማርቆስ ናይ ሞት ክሲ ኣቕረቡ። እንተኾነ ንኣንያኖስ ናይ እስክንድርያ ኤጲስ ቆጶስ (መራሕ ቤተ ክርስቲያን) ገይሩ፡ ንሠለስተ ብመዓርገ ካህናት፡ ንሾብዓተ ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሙ ናብታ ቅድም ዝነበራ ሲረኒካ ዝተባህለት ዓዲ ከደ። ኣብ ሀገረ በርቃን ኣብ ኃሙሽተ ኣህጉርን ወንጌለ መንግሥት እናሰበኸ ኸኣ ንኽልተ ዓመት ጸንሐ። ንብዙኃት ኣእሚኑ፡ ኤጲስቆጶሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሠይሙ ናብ እስክንድርያ ተመልሰ።
ምእመናን በዚኆም ስብከተ ወንጌል ሰፊሑ ጸንሖ እሞ ኣብ ገማግም ምዕራብ እስክንድርያ ኣብ ቦካልያ (ሰፈር ከብቲ) ዝተባህለ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀሎም።
‘ኣብ ቃል ዘሎ ይርሳዕ ኣብ መጽሓፍ ዘሎ ይውሳእ’ ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስ ማርቆስ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ኮይኑ ወንጌል ክጽሕፍ በቕዐ። ነዚ ወንጌል’ዚ ኣብ መበል 11 ዓመት ድኅሪ ዕርገት ጐይታ (44 ዓ.ም.)፡ ብልሳነ ሮማይስጥ ጸሓፎ። ኣብዚ ወንጌል’ዚ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከሃሊነት፣ ኃያልነት፣ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ሥልጣንን ብዝመሃሮም ትምህርታትን ዝፈጸሞም ተኣምራትን ብብዝኂ ሰፊሮም ኣለዉ።
እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ 16 ምዕራፋት ኣለዎ።
- ካብ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 1፡13 ፦ ብዛዕባ ትምህርቲ ዮሐንስ መጥምቅን ጥምቀተ ክርስቶስን፣
• ካብ ምዕራፍ 1፡14 ክሳዕ ምዕራፍ 10 ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ተኣምራትን፣ በዓለ ፋሲካን ናብ ኢየሩሳሌም ምኻዱን፣
• ካብ ምዕራፍ 11 ክሳዕ 16 ብዛዕባ ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ምእታው፣ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ምፍራስ ቤተ መቕደስን ምዝራቡ፣ ብኣይሁድ ተፈሪዱ ተሰቒሉ ሙማቱ፣ ካብ ሞት ምትንሣኡ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ምግላጹ ኸምኡ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ኽምህሩ ከም ዝለኣኾም ይጠቅስ።
ብናይ ቅዱስ ማርቆስ ፀሓይነት ብርሃን ክርስቶስ ዝበርሃሎም ምእመናን እንክሕጐሱ፡ እቶም ዲያብሎስ ዘጸልመቶም መምለክያነ ጣዖት ግና ኣብ ዓሚቝ ባሕረ ቁጥዓ ሰጠሙ። ነቲ ጓሳ ቅዱስ ማርቆስ ዝቐትልሉ፡ ንመጓሰ ምእመናን ዝብትንሉ ጊዜ የጠዓዕሙ ነበሩ።
እንሆ ድማ በዓለ ትንሣኤ ክርስቶስ 29 ሚያዝያ ምስ በዓል ናይቲ ፍሉጥ ናይ ግብጻውያን ሰራፒየስ ዝተባህለ ዘኽብርዎ ጣዖት ኣብ ሓደ ጊዜ ውዒሉ ነበረ።
ቅዱስ ማርቆስ ምስ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን (ቦካልያ) በዓለ ትንሣኤ እናኣኽበረ ከሎ፡ እቶም መምለክያነ ጣዖት ብኃይሊ ኣትዮም ኃዝዎ። ብገመድ ኣብ ኣቡዑር ኣሲሮም ከም ዕንጨይቲ ሠራው ክጓስስዎ ድኅሪ ምውዓል ናብ ጸልማት ቤተ ማእሠርቲ ዳጐንዎ። እንተኾነ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ መልኣኽ እግዚአብሔር እናመጽአ የጸናንዖ ነበረ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ተገሊጹ ቃል ኪዳን ሃቦ እሞ ሰላሙ ኃዲርዎ ኣዝዩ ተሓጐሰ።
ንጽባሒቱ ንግሆ 30 ሚያዝያ እቶም መምለክያነ ጣዖት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፂኦም ክሳብ ደሙ ዝውዳእን ሥጋኡ ዝቈራረጽን ከምቲ ዝቐደመ ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ኬጓስስዎ ምስ ወዓሉ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ ዓረፈ።
ብስቓዩን ሞቱን ስለ ዘይዓገቡ፡ ንሥጋኡ ከቃጽሉ ዕንጨይት ኣኪቦም እናኣጐዱ ከለዉ ዘሰንብድ በርቅን ነጐድጓድን ኮይኑ ብርቱዕ ዝናም ዘኒሙ ነቲ ሓዊ ኣጥፍኦ። ንሳቶም ድማ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሎም ፈሪሖም ሃደሙ።
እቶም ሕዝበ ክርስቲያን ግና ንሥጋኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቦካልያ ወሲዶም ብጽሩይ ልብሲ ገኒዞም ኣብ ኅቡእ ቦታ ኣዕረፍዎ።
ቅዱስ ማርቆስ ዝመሃሮም ሕዝበ ክርስቲያን ኣዝዮም በዝኁ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ተሓንፃ፡ መንበረ ማርቆስ ጸኒዓ ፓትርያርካት እናተቐመጥዋ እናተወራረደት ትርከብ ኣላ። ናይ ቅዱስ ማርቆስ መንበር መበል 21 ተረካቢ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ። ሥርዓትን ቀኖናን ሥልጣነ ክህነትን ቅዱሳን ሓዋርያት ብዘይ ሓደ ጉድለትን ምፍላስን ኣጽኒዑ ካብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መዓርገ ጵጵስና ተሠይሙ ናብ ሃገርና ብሔረ አግዓዚ ዘምጽኣልና ድማ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን እዩ።
ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ጸኒዓን ወግዓዊት ኮይናን ብቀኖና ቅዱሳን ሓዋርያት ተሠሪታ ክሳዕ ሕጂ ኣላ፣ ብሕጅውን ንመጻኢ ክሳዕ ምጽአተ ክርስቶስ ክትነብር እያ።
ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ማርቆስ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ይኹን።
ሰላም ለማርቆስ ለማርያም ዕጓላ፤
ዘሰሐብዎ በአሕባል ውስተ ዓፀደ ላሕም ከመ ዳቤላ፤
አመ አውዕየቶ ፈቀዱ ለእሳት በነበልባላ፤
ዝናም ወአስሐትያ አጥፍኡ ማዕበላ፤
መብረቅኒ ለሥጋሁ ከለላ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ማርቆስ ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!!!
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
Leave a comment