ዜና መዋዕል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ

ዜና መዋዕል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ
✝️✝️✝️ዜና መዋዕል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ ✝️✝️✝️
✝️✝️✝️ልደት ክሳዕ ምንኵስና✝️✝️✝️
ሠሉስ ዕለት 16 መስከረም ኪዳነ ምሕረት መዓልቲ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ለይቲ እዩ። ኣብ ዘመነ ዮሓንስ 1920 ዓ.ም.ግ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ከባቢ ሩባ ናጻ እንዳ ዳሽም እንዳ ጻድቓን ባረክንሃ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዓጽመ ቅዱሳን ዝርከበሉ፡ ቅዱሳን ባዕሎም ኣብ ዝሰመይዎ ቦታ ካብ ዝነበሩ መፍቀርቲ እግዚአብሔር ዝኾኑ ወለዲ ኣቦይ ቀሺ ረዳ ተክለን ወ/ሮ ወለተመድህን ሓጎስን ሓደ ህጻን ኃይለማርያም ዝስሞም ተወልዱ።
ንሶም ብትርኢቶም ምልኵዕ ብጠባዩም ምስጉንን እዙዝን ኣኽባሪ ወለዶምን ነበሩ። ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ወላዲኦም ብሞት ስለዝተፈለይዎም ብፍቕሪ ምስ ሥድራ ቤት ዓበዩ፡ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ ደብረ ምእዋን ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ብምኻድ ኣብ እግሪ የኔታ ዜና ገብርኤል ግብረ ዲቁና ተማህሩ። ብዕለት 09 ግንቦት 1936 ዓ.ም.ግ ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ኤርትራን ትግራይን መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ።
መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምስፋሕን ምቕጻልን ብ1937 ዓ.ም.ግ. ናብ ደብረ ዓባይ ብምኻድ ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ሊቅ የኔታ የኋላሸት ቃል ትምህርቲ፡ ሰዓታትን መዝሙረ ዳዊትን ኣጠናቒቖም ንዓዶም ተመልሱ። ክሳብ ወዲ 16 ዓመት ብግብረ ዲቁናን ብልዙብ ትሕትናን ተኣዝዞን ንዓዶምን ነታ ፊደል ዝጀመሩላ ቅድስቲ ገዳሞምን ኣገልገሉ።
ኣቦና ገና ብንኡሶም እግዚአብሔር ኣቦይ እመ ብርሃን ኣደይ ኢሎም ብጸሎት ቅዱሳን ተማሕጺኖም ንክልተ መዓልቲ ሓንቲ ጣይታ እናተመገቡ 15 መልክዓት ኣብ መዓልቲ ብምጽናዕ ነቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይዘልቅዎ ነበሩ። ካብቲ ፍሉይ መለለይኦም ሓደ ለውሃቶምን ጣዕመ ዜማኦምን እዩ። ካብ ዕለታት ሓደ ጊዜ ገልዒ ስለዘይረኸቡ ነቶም ዝረድእዎም ዝነበሩ ኣረጋዊ መነኮስ ሓዊ ብነጸልኦም ዘብጽሕሉ እዋን ዘይርሳዕ ኣብነታዊ ተግባር ለውሃቶም ክኸውን ከሎ፡ ብዝነበሮም ንዓጽሚ ዘጥልል ተውህቦ ድምፂ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ክብረ በዓላትን ኣድባራትን ገዳማትን ካብ ሃገርና ወፃኢ’ውን ከኣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ተዓዲሞም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህቡ ነይሮም። እዚ ካብ ዲቁና ክሳብ ሊቀ ጵጵስና ናይ ወትሩ ተግባሮም ነይሩ ።
ቅዱስ ኣቦና ካብ 1936 – 1944 ዓ.ም.ግ፣ ን8 ዓመታት ብተወፋይነትን ትሕትናን ንኣረጋውያን መነኮሳት ብምርዳእ ዕንጨይቲ ብምእራይ ብማሕረስን ከምኡ`ውን ማኅረጽን ቅዳሴን ብግብረ ዲቁና ድኅሪ ምግልጋል 09 የካቲት 1944 ዓ.ም.ግ ኣስኬማ ምንኵስና ተቐበሉ። ብዕለት 21 ሚያዝያ 1944 መዓርገ ክህነት ብብፁዕ አቡነ ማርቆስ ተቐብኡ። ብማዕጠንትን ቅዳሴን ኣብ ገዳምን ከባቢ ገዳምን ዘለዋ ዓድታት ብምብጻሕ ንሕዝቢ የገልግሉን ካብቲ ሕዝቢ ክኣ ነቲ ገዳም ዘድሊ ንዋየ ቅድሳት ብምምጻእ ንገዳሞምን ኣቦታቶምን ይረድኡን ነበሩ።
ብሓፈሻ ኣቦና ካብ 1944 – 1986 ዓ.ም.ግ ብቐሸ ገበዝ፡ መጋቢ፡ ሊቀ አርድእት፡ አፈ መምህርን ጽሓፍን ኮይኖም ነቲ ገዳም ኣገልገሉ። ብተወሳኺ ቃል ትምህርቲ፡ ጾመ ድጓ ከምኡ`ውን ኣቋቋም ኣብ እግሪ የኔታ ዋካ፡ የኔታ ኣሰፋው፡ የኔታ ይኄይስ ኣጠናቒቖም ተማህሩ። ዳግማይ ናብ ደብረ ዓባይ ብምምላስ መዝገብ ቅዳሴ ኣመስከሩ። ብዝነበሮም ትሕትናን መንፈሳዊ ትምህርትን ጣዕመ ዜማን መምህሮምን ገዳማውያንን ኣብ ደብረ ዓባይ ከትርፍዎም እኳ እንተጻዓሩ ብዝነበሮም ፍቕሪ ሃገሮምን ገዳሞምን ብንብዓት ተፈላልዮም ናብ ሃገሮም ተመልሱ።
✝️✝️✝️አበምኔት ክሳዕ ጵጵስና✝️✝️✝️
ካብ 1944 – 1957 ዓ.ም.ግ ብመዓርገ ክህነት ን13 ዓመታት ድኅሪ ምግልጋል ብዝነበሮም መንፈሳዊ ጥብዓትን ትሕትናን ትግሃትን ጥበብን ብቕዓቶም ስለዝተመስከረሎም ገዳም ንክመርሑ ብምልኣት ገዳማውያን “ይደልዎ” (ይግብኦ) ተባሂሎም 14 ታኅሣሥ 1957 ዓ.ም.ግ ኣበምኔት ተመርጹ ። “እስመ መምህረ ሕግ መምህር ኃይለማርያም ኣበምኔት ገዳም ደብረ ምዕዋን አቡነ ብፁዐ አምላክ” ዝብል መጸውዒ ኂዞም መሪሕነት ገዳም ተረከቡ።
ከም ባሕታዊ በዓል ዓቕሊ (ባሕታዊ ዘበኅድአት) ንኵሉ ፈተና እናተሰከሙ፡ ንዝገጥሞም ጸገም ከም ኣመስጋኒ (ድውይ ዘበአኰቴት) ብምስጋና እናተግሁን፡ ከም ተባዕ ኣገልጋሊ (ረድእ ዘበጥብዓት) ንኵሉ ጉዕዞኦም ንእግዚአብሔር ኣምሪሖም ብትብዓት፡ ብቐዳምነት ውሥጠ ደንብ ማኅበር (መምርሒ) ኣርቒቖም ኣቕረቡ። ቀለም ጠሚዖም ብርዒ ጸሪቦም ዝተፈላለዩ ናይ ብራና መጻሕፍቲ ጽሓፉ። ንደቂ ዓድን ሰብ ጸጋን ብምውኅኃድ መደባት ሓንጺጾም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣሥመራ ኣብ ገጀረት ብዓል 15 ክፍሊ ከምኡ`ውን ብዓል 10 ክፍሊ መንበሪ ኤምባሲ፡ ኣብ ከባቢ ኣልፋሮማዮ ብዓል 3 ክፍልን ጋራጅን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ደቀምሓረ ብዓል 24 ክፍሊ፡ ኣብ ማይ ዕዳጋ ከኣ ብዓል 3 ክፍሊ መዕረፊ መነኮሳት ዝኾኑ ገዛውቲ ሓነጹ። ክሳብ ሕጂ ከኣ መዕረፍን ምንጪ ኣታዊ ገዳምን ኮይኖም የገልግሉ ኣለው።
ኣብ ውሽጢ ገዳም ጥሓኒት መኪና ብምእታው ንገዳምን ሕዝብን፡ ኣብ ጊዜ ሰውራ ከኣ ንውድብ ሕዝባዊ ግንባር ናይ መጥሓን ኣገልግሎት ከምትህብ ገበሩ። ነቲ ዝነበረ ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ ንምፍዋስ ምስ ነገሥታትን ሃጸያትን ብምርድዳእ ነቲ ገዳም ጽሩይ ዝስተ ማይ የእተውሉ። ገበርቲ ሠናይ ብምውኅኃድ ከኣ እቲ ገዳም መብራህቲ ከምዝረክብ ገበሩ።
ነቲ ኣብ ሃገርና ብባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ኤርትራን ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕን ኣደራዕን ንከብቅዕ ካብ 1976 ዓ.ም.ግ ጀሚሮም ንፍትሒን ናጽነትን ብጸሎትን ተልእኮን ካብኦም ብዝሕተት ዕዮን ተቓለሱ፡፡ ብደረጃ ኣበምኔት ከኣ ካብ 1957 – 1986 ዓ.ም.ግ ን29 ዓመታት ኣገልገሉ።
✝️✝️✝️ ሢመተ ጵጵስና ክሳዕ ሊቀ ጵጵስና✝️✝️✝️
ድኅር’ዚ ኣብ ናጻ ኤርትራ መራሕቲ ጳጳሳት ስለዘድለዩ ምስ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ብምርድዳእ ካብ 20 ገዳማት ካብ ዝተዋጽኡ 15 መነኮሳት ካብቶም ብዝለዓለ ድምጺ ዝተረቚሑ ኃሙሽተ ኣበ ምኔታት ሓደ ኮይኖም ተሓርዩ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ምስግጋር መዝነትን ሥልጣንን ኣቦና ብንብዓትን ኣይግብኣንን እዩ ብምባልን ነቲ ብኣቦታት ዝተዋህቦም መዝነትን ሥልጣንን ይኣብዩ እኳ እንተ ነበሩ ኣብ 1986 ዓ.ም.ግ ንግብጺ ብምኻድ ንሽዱሽተ ወርኂ ዝኣክል ምስ ጸንሑ፣ ብ12 ሰኔ 1986 ዓ.ም.ግ፣ 60 ግብጻውያን ሊቃነ ጳጳሳትን ሜትሮጶሊታንን ከምኡ’ውን ሊቃውንቲ ሃገርናን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብኢድ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሥርዓተ ሢመትን ጸሎተ ተቀብኦን ጵጵስና ተፈጸመሎም። ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ተባህሉ። ካብቲ ጊዜቲ ጀሚሮም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኮኑ። በቲ ኣቐዲሙ ጊዜያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መዲብዎ ዝጸንሐ ምደባ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ኣድያመ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ (ዞባ ደቡብ) ኮይኖም ከገልግሉ ተመደቡ።
ኣብ መዋዕለ ሢመቶም ንቤተ ክርስቲያን ብርሃን ብምዃን ንሃገረ ስብከቶም ብልዑል መንፈሳዊ መሪሕነት ኣገልገሉ። ንድፊ(ፕላን) ኣዳልዮም ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኣሥርሑ፡ ኣብ ዘመን ጵጵስናኦም ን10 ቆሞሳት፡ 1249 ዲያቆናት፡ 5539 ካህናት ብጠቕላላ 6798 ውሉደ ክህነት ቐቢኦም። ንንኡስ ሃገረ ስብከታት ቤት ጽሕፈታት ኣሥሪሖም፡ ብመኪናን ብበቕልን እናተጓዕዙ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾም፡ ነቲ ብኵናት ዝዓነወ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መንክራት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብፍሉይ ዲዛይንን ቅርጽን ብዝለዓለ ወፃኢታት ባጀትን ምስ መንግሥቲ ብምርድዳእ ኣብ ሃገርና ብፍሉይ ካብ ዝተሓንፀ ዓበይቲ ኣድባራት ሓደን ታሪኻውን ከምዝኸውን ጌሮም።
ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ንዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ መሣርሕቶም ብምምኽኻርን ብምርድዳእን ማዕዳን ተግሣጽን ብምሃብ ኣብ መንጎ ጦርዓን ጽንዓ ደግለን፡ ሐሬነን ገደለን ዝነበሩ ክርክር ብሰላም ከም ዝዓርፉ ገይሮም። በዚ ከኣ ቅዱስ ሲኖዶስ ንሃገረ ስብከቶም ከም ኣብነታዊ ሃገረ ስብከት ብምርኣይ ይምጒሶም ነበረ።
ነዚ ኵሉ መንፈሳዊ ገድሊ ብምፍጻሞም ከኣ ካብ መዓርግ ጵጵስና ተሰጋጊሮም ብ21 ሐምለ 1990 ዓ.ም.ግ ካብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ሢመተ ሊቀ ጵጵስና ተቐበሉ። ሥርዓተ ተቐብኦ ካልኣይን ራብዓይን ፓትርያርካት ሃገረ ኤርትራ ብመሪሕነት ኣቡነ ቄርሎስ ተፈጺሙ። ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃኢን፡ ግብጺ፡ ኣሜሪካ፡ ጥልያን፡ ጀርመን፡ ስዊድን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኖርወይ፡ ኬንያ፡ ዱባይ፡ ኣቡዳቢ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጎላ፡ እስራኤል በጺሖምን ንህልው ኵነታትን ሓዋርያዊ ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ሃገርና መብርሂ ሂቦምን።
✝️✝️✝️ ሢመተ ፓትርያርክነት ክሳዕ ዕረፍቲ✝️✝️✝️
ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ በዚ መንፈሳዊ ገድሊ ብምኅላፍ ቅዱስ ሲኖዶስ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኪካየድ ብዝወሰኖ መሠረት ብዕለት 05 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ግ ወከልቲ ኣበ ምኔት ገዳማት ኤርትራ፡ መራሕቲ ሥራሕ (ሊቃነ ካህናት)፡ ተወከልቲ ኣድያማተ ስብከታት፡ ሃገረ ስብከት ወፃኢ፡ ኣድባራትን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ዝተረኽብሉ ብናጻን ርትዓውን ፍትሓውን ምርጫ ካብቶም ንሕጹያት ዝተመርጹ ኃሙሽተ ጳጳሳት ብዕቤቶምን ተመኵሮኦምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ቅዱስ ሲኖዶስ ብምልኣት ድምጺ ንብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ብዝለዓለ ድምጺ መሪጽዎም። ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ንናይ ሢመቶም ሥርዓት ብዝምልከት እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ይርከብ።
ቃል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ እዋን ምርጫ ፓትርያርክ
“በዚ መሠረት ካብ ቀደም’ውን ክበሃጉ ዝጸንሑ፡ ብዝኃለፉን ብዘለዉን ፓትርያርካት፡ ጳጳሳት፡ ገዳማውያን ኣበው፡ ሥዩማን ኣገልገልቲ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ብሓፈሻ ብሕዝበ ኤርትራን ተፈታዊን ተኸባርን ዝኾኑ፡ ብብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሲኖዳ ሣልሳይ ጵጵስና ዝተቐብኡ፡ ብመዓርገ ሊቀ ጵጵስና ነዊሕ ዓመት ዘገልገሉ፡ ንኵሉ ብትዕግሥቲ ዝጾሩ ወላዲ፡ ሓቛፊ ኵሉ ዝኾኑ፡ ብመንፈሳዊ ፍሪኦምን ትግሃት ተግባሮምን ኣብ ሃገረ ስብከቶም ዝተመስከረሎም፡ መዓድን መኻርን፡ ብትምህርቶምን መንፈሳዊነቶምን ምሉእን ብቝዕን ዝኾኑ፡ ጸጋ ዕድመን ጥዕናን ዝሃቦም፡ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ዘለዎምን ብግብሪ ዘመስከሩን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ክመርሑናን ክጓስዩናን ኣብ ርእሲ መረጽቲ ዝሃብዎ ድምጺ ንሕና ቅዱስ ሲኖዶስ ብሥሙር ድምፂ ብምልኣት ከምዝመረጽናዮም ብሓጐስ ነበሥረኩም። ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ በጺሖሞ ምስ ዘለዉ ጸጋ ዕድመ፡ ነዚ ምርጫ ንምቕባሉ ፈጺሙ እንተኸበዶም’ውን ድኅሪ ብዙኅ ልመና ንዓናን ንኵነታት ቤተ ክርስቲያንን ጉባኤተኛን ክርእዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ታሪኽን ከይንሕተት ኣብ እግሮም ወዲቕና ድኅሪ ምልማንና፡ ‘ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ንምምላእን፡ ነዚ እዋን ንምስግጋርን ቅዱስ ሲኖዶስ መሪጹ ዝሃበኒ ሕጹያት ንምብራኽን እንተዘይኮይኑ፡ ዝሠርሓሉ ጊዜን ዕድመን ኣይኮነን’ብምባል ብንብዓት ተሰንዮም ከምዝተቐበልዎ ብኣኽብሮት ንሕብረኩም።” ዝብል ቃል ምስክርነት ይርከቦ። እዚ ከኣ ትሕትናን ለውሃትን ቅዱስ ኣቦና ዘርኢ እዩ።
ከም ውፅኢቱ ከኣ ብዕለት 13 ሰኔ 2013 ዓ.ም.ግ ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺሙሎም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮኑ። እዚ ፍጻመ’ዚ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ፈታኒ መድረኻትን ቃልስን ዝኃለፎ መሥርሕ ብምዃኑ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፍሉይ እናተዘከረ ዝነብር እዩ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ድኅሪ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተባሂሎም ምሻሞም ኣብዘን ሓፀርቲ ናይ ፕትርክና ዘመኖም ኣዝዮም ዓበይትን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ወሰንትን ዝኾኑ ጒስነታዊ ዕዮ ፈጺሞም እዮም። ካብ ዝፈጸምዎም ዓበይቲ መንፈሳውያን ዕዮታት ቤተ ክርስቲያን ንምጥቃስ፦
1. ኣብ ዕዮን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወጻእን ማሕንቖን ሃጓፍን ኮይኑ ዝጸንሐ ሕጽረት ጳጳሳት ንምምላእን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከኣ ዓቢይ እፎይታ ንምፍጣርን ቅዱስ ኣቦና ከም ቀዳማይ ዕዮ ቤት ዝኃዝዎ ሓደስቲ ጳጳሳት ምቕባእ እዩ። ነዚ ንምምላእ ከኣ ብ 29 ሓምሌ 2013 ዓ.ም.ግ. (05 ነሓሴ 2021. ፈ) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ብምክያድ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ጳጳሳት ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ፈጺሞም። እዚ ነቲ ዝነበረ ከቢድ ጾርን ዝተደራረበ ሥራሕ ብፁዓን ኣቦታት ዘቃለለ፡ ንቤተ ክርስቲያን ከኣ ዓቢይ መስተርኆት ዝፈጠረን ንመጀመርታ ጊዜ ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ ጳጳሳት ኣብ ሓደ እዋን ዝተቐብኡሉ ፍሉይ ፍጻመ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ኣሎ።
2. ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተሰይሙ ናይ ፈለማ ተመሃርኡ ተቐቢሉ ኣብ መፋርቕ 2017 ዓ.ም.ፈ ምዱብ ናይ ትምህርቲ ጊዜኡ ዝጀመረ መንፈሳዊ ኮለጅ ነገረ መለኮት፡ ነቶም ዝተቐበሎም ተመሃሮ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ምሂሩ ብዕለት 8 መስከረም 2014 ዓ. ም. (18-09-2021 ዓ. ም. ፈ.) 27 ብደረጃ ዲፕሎማ፡ 65 ድማ ብደረጃ ሰርተፊኬት፣ ብጠቕላላ 92 ተማሃሮ ብሓፈሻዊ ነገረ መለኮት (General Theology) ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንመጀመርታ ጊዜ ብምዕሩግ ኣገባብ ንመመረቕታ ኣብ ዘብቕዓሉ ጊዜ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ መሪቖሞም። እዚ ድማ ካልኦት ብዙኃን ክርእይዎ ዝበሃጉ ግና ዘይረኣይዎ፡ ኣብ ዘመኖም ዝተፈጸመ ፍሉይ ፍጻመ ነበረ።
3. ኣብ መንጎ ንነዊሕ እዋን ጥንታዊን ሓዋርያዊን ዝምድና ዝጸንሐን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጽን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ናብ ንቡርን ኅውነታውን ዝምድና ንምምላስ ቅዱስ ኣቦና ብዝነበሮም ባህግን ጸሎትን “ብእሴ ሰላም/ ገባሬ ሰላም” ብምዃን ድኅሪ ብዙኅ ጻዕሪ ናብ ሰላም ኣብ ምምላስን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ምስግጋርን ዝለዓለ ግደ ዝፈጸሙን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እናተዘከሩ ዝነብሩን ቅዱስ ኣቦ እዮም።
4. ብተመሳሳሊ’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ምስ ካልኦት ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዘለዋ ኅውነታዊ ዝምድና ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ምብራቓውያን ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናትን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለምን ዝነበራ ኤኮሜናዊ ዝምድና ኣብ ምጥንኻር ብመሪሕነቶምን ቡራኬኦምን ዓቢይ ተግባር ፈጺሞም እዮም። ከም ውፅኢቱ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ቆጵሮስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናትን ንመጀመርታ ጊዜ፡ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ን3ይ ጊዜ ተሳቲፋ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንመጀመርታ ጊዜ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ብምዃን ንሾመንተ ዓመት ከተገልግል ተመሪጻ።
5. ቅዱስ ኣቦና ንመጀመርታ ጊዜ ክልቴኣን መንፈሳዊ ኮሌጃት ብሓባር ብምዃን ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ብ7 መስከረም 2015 ዓ.ም.ግ (17-09-2022 ዓ. ም. ፈ.) 10 ብዲፕሎማ፡ 160 ብሰርተፊኬት፡ 24 ብሥልጠና ካህናት ብጠቕላላ 194 ተመሃሮ ብሓፈሻዊ ነገረ መለኮት (General Theology) ዘመረቐ መንፈሳዊ ኮለጅ ነገረ መለኮት ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ኮለጅ ፍኖተ ብርሃን ከምህሮም ካብ ዝጸንሐ 4 ብድጓ (ቅዉም ዜማ)፡ 9 ብኣቋቋም፡ 1 ብዝማሬ ወመዋሥዕት፡ 13 ድማ ብመዝገበ ቅዳሴ፣ ብጠቕላላ 27 ተመሃሮ ብደረጃ መምህርነት ኣብ ዘመረቐሉ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ኃሙሻይ ፓትርያርክ መሪቆምን ባሪኾምን ንኣገልግሎት ኣፋንዮም።
6. ነተን ኣብ ጸቢብ ቦታ ኮይነን ሰፊሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክህባ ዝጸንሓ መነኮሳይያት ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ናብቲ ብመንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ዝፍለጥ ሰፊሕ ቦታ ንምግዓዝ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ብ12 ጥር ዋዜማ ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ድምያና፡ ኣብቲ ቦታ እምነ መሠረት ኣንቢሮም።
7. ብተወሳኺ ብ6 ኅዳር 2015 ዓ.ም.ግ (15/11/2022 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ከተማ ድባርዋ ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቍስቋም ብስም ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ተሰምዩ ዝተሓንፀ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ መሪቖም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከምዝጅምር ጌሮም።
8. ድኅሪ ሢመተ ፓትርያርክናኦም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቅዱስ ኣቦና 42 ካህናት፡ 104 ዲያቆናት ከም ተወሳኺ ናይ እዚ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ንዝተማህሩ 16 ተማሃሮ ብማዕርገ ዲቁና ቐቢኦም። ቅዱስ ኣቦና ምስ ዕድመ ንዝመጽእ ድኻምን ኵነታት ጥዕናን ተጻዊሮም፡ ደኺሙኒ ከይበሉ ሓዋርያዊ ኃላፍነቶም ብምጽናዕ፡ ካብ ሕዝቦምን ቤት ጽሕፈቶምን ከይተፈልዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገረ ስብከታትን ክብረ በዓላት ኣብያተ ክርስቲያናትን እናተረኸቡ ንሕዝበ ክርስቲያን ባሪኾምን ኣባታዊ ምኽሮም ሂቦምን።
ብሓፈሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሓፂር ዘመነ ፓትርያርክናኦም ክግለጽ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ኣዝዩ ብዙኅ ሓዋርያዊ ዕዮ ኣሳሊጦም እዮም። ልዕሊ ኵሉ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ተጻብኦታት ኣብ ከቢድ ፈተና ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ነዛ ሓመረ ኖኅ ዝኾነት መንፈሳዊት መርከብ ካብቲ ዝነበረ ማዕበልን ነፋሳትን መሪሖም ናብ ሰላማዊ መርሶ (ማርሳ) ዝመለሱ፡ ኅድኣትን ሓድነትን ዝሰበኹ፡ ፍቕርን ሰላምን ዝኣወጁ፡ ህውከትን ምፍልላይን ዘርሓቑ፡ እግዚአብሔር ነዛ ቅድስት ቤቱ ኣብ እዋኑ ዝመረጾም ቅዱስ ኣቦ እዮም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኤርትራ ንእግዚአብሔር ደኺመ ከይበሉ ብትግሃትን ፍቕሪን ድኅሪ ምግልጋሎም ብ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘድሊ ሕክምናዊ ረዲኤት ክግበረሎም ድኅሪ ምጽናሕ ብዕለት 23 ኅዳር 2015 ዓ.ም.ግ (02/12/2022 ዓ.ም.ፈ) ሰዓት 4፡15 ድ.ቀ. ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም።
እንሆ ድማ ኃሙስ ዕለት 29 ኅዳር 2015 ዓ.ም.ግ (08/12/2022)፣ ብፁዓን አበው ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፣ ብፁዓን አበው ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺን ብፁዓን አበው ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያን፣ ከምኡ’ውን ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ካብ ውሽጥን ወፃእን ዝመጹ አበምኔታትን ሊቃነ መናብርትን ሊቃነ ካህናትን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ፈተውቲን ቤተሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ ካብ ለይቲ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣሥመራ ጸሎተ ፍትሐትን ስብሐተ ማኅሌትን ወግዓዊ ምፍናውን ምስ ተገብረሎም፣ ኣብ ገዳሞም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ ሥርዓተ ቀብሮም፡ ግብአተ መሬት ተፈጺሙ።
ቅዱስ ኣቦና ንቤተ ክርስቲያን ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮን ኃላፍነትን ዘገልገሉ ዝመርሑ ዘመኃደሩን ዝኣለዩን ዝመሃሩን ኣቦ እዮም እሞ “እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ” (ዮሐ. 11፡25) ብዝብል ኣምላኻዊ ቃሉ ሎሚ ምስቶም ቅዱሳን ኣብ ገነት ኣብቲ ዘይቋርጽ ስብሐተ እግዚአብሔር ከምዝርከቡ ዝተኣምነ እዩ።
“ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ አቡነ ቄርሎስ ወአኅድሮ በውስተ መንግሥተ ሰማያት ምስለ ጻድቃን፡ ወአንብር ለነ ዲበ መንበሩ ህየንቴሁ ኖላዌ ኄረ ኢንኩን ከመ መርዔት ዘአልቦ ኖላዊ ወኢይምሥጠነ ተኵላ መሣጢ ወኢይጽዐሉነ ሕዝብ ነኪራን እለ ውፁአን እምኔነ። / ኦ ጐይታ ነፍሲ ኣቡነ ቄርሎስ ኣዕርፍ፡ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ድማ ምስ ጻድቃን ኣኅድሮ። ሓላዊ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይንኸውን፡ መንጣሊ ተዂላ`ውን (ዲያብሎስ) ከይበታትነና ካባና ዝተፈልዩ መናፍቓን ድማ ከይሳለቑልና፡ ኣብ ክንድኡ ርኅሩኅ ሓላዊ ኣብ መንበሩ ኣንብረልና።” (መጽሓፈ ቅዳሴ ቍ.10)
ጠለ በረኸቶም ምስ ኵልና ይኹን፡ አሜን!
Leave a comment

Send a Comment