ዮም ፍስሃ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም!!!

ዮም ፍስሃ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም!!!

ዮም ፍስሃ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም!!!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ኢያቄም (ካብ ወገን ይሁዳ ዝተወልደ ) ካብ ኣዲኣ ሃና( ካብ ወገን ካህናት ) እያ ተወሊዳ ። ብዛዕባ ልደታ ኣብ እንሓስበሉ ግዜ ንድሪት ምልስ ኢልና ምርኣይ የድልየና። እንሆ ኣቡኣ ኢያቄምን ኣዲኣ ሃናን ብሕጊ እግዚኣብሔር ዝምርሑ፡ሕያዎትን ርህሩሃትን ነበሩ። እንተኾነ ሃና መኻን ነበረት እሞ ውላድ ኣይነበሮምን። ውላድ እኳ እንተ ዘይነበሮም ንዕኡ ካብ ምምስጋንን ንድኻታት ካብ ምሕጋዝን ግን ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን። ከምዚ ኢሎም ንብዙሕ ግዜ ቀጸሉ። ኩሉ ግዜ መባእን መስዋዕትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔር የቕርቡ፡ ብተስፋ ካኣ ይነብሩ ነበሩ እንተኾነ  መኻናት ብምንባሮም ህዝቢ ኣይሁድ ኩሉ ግዜ የባጭውሎም ነበሩ።

ሓደ ግዜ ኢያቄም ምስ ሰበይቱ ሃና ካብ ቤት ወጺኦም ከዱ እሞ ኣብ ሓደ ኣታኽልቲ ዝነበሮ ስፍራ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ እንሆ ርግቢት ምስ ውላደን ክጻወታ ረኣዩ፡ደስ ምባለን ካኣ ተዓዘቡ ፡ በዚ ሰዓት እዚ ኣዝዮም ተከዙ “ነዘን ርግቢት ውላድ ዝሃብካ ንዓና ውላድ ዘይብልና” ኢሎም ኣዝዮም ሓዘኑ፡ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ ካኣ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ድቃስ ወሰዶም እሞ ደቀሱ።

ሃና ደቂሳ ከላ ኣብ ኢድ ኢያቄም ሰብኣያ በትሪ ተታሒዛ፡ እታ በትሪ ድማ ዓምቢባን ፈርያን ርኣየት። ኢያቄም እውን ብወገኑ ኣብ ሕቑፊ ሃና፡ ካብ ኩሉ ፍረ ዝበለጸ   ሰናይ ጥዑም ፍረ ረኣየ።

ካብ ድቃሶም ምስ ነቕሑ ድማ ደስ በሎም። ነቲ ዝረኣይዎ ካኣ ንሓድሕዶም ተነጋገሩ።በዚ ኩሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣዝዮም እና ኣመስገኑ ካኣ ናብ ቤቶም ተመልሱ።በቲ ግዜ ሃና ጠነሰት።ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረላ ዓቢ ውዕለት ካኣ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገነት ካብ ርኹስ ዘበለ መግቢ እውን እና ተሓለወት ትነብር ነበረት።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ሃና ጥንሲ  እና ተፈልጠ ከደ።ነዚ ዝሰምዑ ቤተሰባ እቲ ዝኾነ ነገር ንምርኣይ ኩሎም ብሓባር ናብ ቤት ኢያቄምን ሃናን መጹ።እዚ ነገር እዚ ከመይ እዩ ኣብ እርግናኺ ብሓቂ ጠኒስኪ !! እና በሉ ካኣ ተገረሙ።ንምርግጋጽ ዝኣክል ካኣ ከብዳ ይድህስሱ ነበሩ።ሓንቲ ካብ ኣዝማድ ኣዲኣ ንቅድስት ሃና ጓል ኣርሳባን ፡ዓይና ዝዓወረት ነበረት እሞ ከብዳ ምስ ዳህሰሰት ፡ብቅጽበት ሓወየት፡ንብጽእት ሃና ድማ ብጽዓን ይግብኣኪ ፡ዓለም ካብ ዝፍጠር ከማኺ ብማሕጸኑ ናይ ዕዉራት ዓይኒ ዘብርህ የለን በለታ።ኩሎም ኣዝማዳ ድማ ሰገዱላ።ጸሓይ ካብ ኮኾብ ከም እትኸብር  ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ኣዝያ ከበረት።ንብዙሓት ሕሙማትን ድኑሳትን ካኣ በታ ኣብ ማሕጸና ተጸይራ ዝነበረት ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ተፈወሱ።

ነዚ ዝሰምዑ እስራኤላውያን፡ እንሆ ሃና  ሰበይቲ ኢያቄም ጠኒሳ ፡ብጥንሳ ጌይራ ካኣ ብዙሓት ሕሙማት ትፍውስ ኣላ ስለዚ ኣብ ልዕሌና ክነግሱ መንግስቲ እስራኤል ካኣ ከፍርሱዶ እዮም፧ ብምባል ኣዝዮም ተረበሹ ።ኣብ መወዳእታ ካኣ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዋ ተቛጸሩ።እንተኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እቲ ፈጣን መልኣኽ ቅዱስ ገብሪኤል ናብ ሃናን ኢያቄምን ንረዲኤት ለኣኾ።ሒዝዎም ካኣ ናብ ደብረሊባኖስ ከደ።እቲ ብጥበበኛ ሰሎሞን ዝተባህለ ቃል መታን ክፍጸም ካኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓደ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወልደት።

“” ኣቲ ፍትውተይ ኩሉንትናኺ  ጽብቕቲ ኢኺ ሕፍቲ’ውን  የብልኪን፡ካብ እምባ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ፡ኣቲ መርዓተየ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ፡ካብ እምባ ኣማናን  ካብ እምባ ሰኒርን ሄርሞንን ካብ ማህደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን  ንዒ ውረዲ።””(መሃ 4፡7-8)

ብልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ጩራ ድሕነት ተጀመረ። ነዚ ርእዮም ኩሎም ኣዝማዳ ተሓጎሱ ከምኣ ዝኣመሰለት ጽብቕት ውላድ ርእዮም  ስለዘይፈልጡ ካኣ ኣዝዮም ባህ በሎም። ንሸውዓተ መዓልቲ ዝኣክል ካኣ ብሓብር ንኣምላኽ ኣመስጊኖም ናብ ዓዶም ተመልሱ።

ብድሕሪ እዚ ስድራቤታ ብጽቡቕ እና ተኻናኸኑ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ኣዕበይዋ።ልክዕ ሰለስተ ዓመታ ምስ መልኤት ግና ከምቲ ኣቐዲሞም ዝኣተውዎ መብጽዓ ብሰለስተ ታሕሳስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ወሰድዋ።ኣብ ቤተ መቐደሰ ኣምላኽ ብንጽህናን ብቕድስናን ካኣ ነበረት።

ሕጂ ውን ብልደታ ደስ ክብለና ይግባእ። ከመይ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓና ምኽንያት ድሕነትና እያ። ካብ ሞት ናብ ሂወት ፡ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ንጹሕ ስጋን ነፍስን ብተዋሃዶ ምስ መለኮት ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ጥራሕ ዕራቖቱ ተሰቒሉ፡ ደሙ ኣፍሲሱ ፡ስጋኡ ቆሪሱ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ወልድ ፡መለኮታዊ ቃል፡ ንዓና ንምድሓን ፡ሰብ ዝኾነሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ዘብሎ መላእ ሰብነት ብምውሳድ እዩ። ነዚ እያ ካኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ንቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ድሕነትና  ኢላ እትኣምን።

ደጊምና ቅዱስ እግዚኣብሔር ነዛ ክብርቲ ኣደ ስለ ዝሃበና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።ምኽንያት ድሕነትና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎታ ብረዲኤታ ትሓልወና።ጣዕማ ፡በረኸታ ፡ፍቕራ ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ምስኩላትና ናይ ቀራንዮ ደቃ ይኹን ።ኣሜን!!!

ንዓመታ ብሃይማኖትን ብምግባርን  ሓልዩ ከጽንሓና ናይ ኣምላኽና ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፣ኣሜን!!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

Leave a comment

Send a Comment