ሰላም ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን ማሕበረ ማርያም ከአመይ ኣለኹም ኣነ ተኸታታሊት መደብኩም ካብ ጉተንበርግ ስዊደን ዝቕመጥ ሓብትኹም እየ ሕቶ ኣላትኒ እሞ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ተገዲስኩም ክትምልሱለይ ብስም ኣምላኽ ይምሕጸነኩም። ንእትገብሩለይ ምትሕብባር ኣቐዲመ ብስም ኣላኽ የመስገን።
ሕቶ፥
ሕቶይ ድማ፥ ዮሴፍ ኣረጋዊ ስለምንታይ እዩ ንቅድስት ድንግል ማርያም ሕጹያ ተባሂሉ፧
ንኽምርዓዋ እዩ ዝብሉ ብዙሓት ኣሕዋት ይረክብ እሞ እነ ድማ ግቡእ መልሲ ስለዘይረኽበሎም ስቕ ይብል።
መልሲ
– ሕጹይ ዝብል ቃል ትርጉሙ ሰበይቲ ንዘእቱ ጥራይ ዝዋሃብ ዘይኮነስ
ብሓለዋ እውን ይዋሃብ እዩ። ኮይኑ ግና ድንግል ማርያም ንዮስየፍ ዝተሓጸየትሉ ምኽንያታት ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ክንርኢ ኢና።
1ይ, ጐይታ ወዲ ዳዊት ተባሂሉ ምእንቲ ክጽዋዕ ንዮሴፍ ተሓጽየት። ምኽንያቱ
ኣይሁድ ብጓል ኣንስተይቲ ወልዶ ስለ ዘይቆጽሩ ብኣዲኡ ከይጽዋዕ ኣይሁዳ
ኣይቅበልዎን እዮም ማቴዎስ ውን ናይ ጐይታ ትውልዲ ክጽሕፍ ብዮሴፍ ቆጺሩ እዩ ጽሒፍዎ። ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቕ ስለ ዝነበረ ጠኒሳ ምስ ረኣያ ብስዉር ክሓድጋ ሓሰበ እንተኾነ ግን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ተገሊጹ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ካብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራህ ወዲ ክትወልድ እያ ንሱ ከኣ ንህዝቡ ካብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ” (ማቴ 1፡20-21)።
ንሓዳር እንተዝኾውን ነይሩ ግና ብስውር ክሓድጋ ፈጺሙ ኣይምሓሰበን ነይሩ። ከምኡ’ውን ማቴ 1፡16 ምስ እንኸይድ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ወልዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ተጻሒፉ እንረኽቦ ዮሴፍ እምበር ድንግል ማርያም ኣይኮነትን እዚ ንምንታይ ኮነ፧ ተባሂሉ ምስ ዝሕተት ዝምልስዎ
መልሲ የብሎምን። ኮይኑ ግና ዝምድና ክልቲኦም ዝቀረበ ስለ ዝነበረ ማቴዎስ
ቁጽሪ ወለድኡ ብዮሴፍ ፈጺምዎ። ዝምድናኦም ደማ ኣብ ማቴ 1፡15 ዘሎ ኣልኣዛር እዩ።
ኣልኣዛር
ማታን ———— ቅሳራን
ያዕቆብ ———–ኢያቄም
ዮሴፍ ————–ማርያም
በዚ መሰረት ድማ ዝኾነ ሰብ ዘመዱ ክምርዖው ኣይፍቀድን እዩ(ዘሌ 18፡3-17)። ስለዚ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዮሴፍ ዝተሓጸየትሉ ምኽንያት ወዲ ዳዊት ተባሂሉ ምእንቲ ክጽዋዕ ምዃኑ ግልጺ እዩ።
2ይ, ንኽሕልዋ እዩ። ነዚ ድማ እዩ እቲ መልኣኽ ዮሴፍ ሓዲግዋ ንኸይከይድ ዝተዛረቦ።
3ይ, ንኸገልግላ እዩ። ኣብ ግዜ ስደት ሒዝዋ ኽኸይድ ዝተኣዘዘ ዮሴፍ እዩ’ሞ ሰበይቱ ንኽትከውን ተሓጺዋ ነይሩ እንተዝኸውን ግና ንዮሴፍ ሰበይትኻ ሒዝካ
ኪድ ምበሎ እምበር ነቲ ህጻንን ነዲኡን ኣይምበሎን ነይሩ ዋላ ደሓር’ውን ንዮሴፍ ሕጽቲኻ ሒዝካ ኪድ ክብሎ ኣይንርእን ኢና፡ ስለዚ ንኸገልግላ ምእንቲ ብሕጽይቲ ተዋህበቶ (ማቴ 2፡13, ማቴ 2፡19)።
4ይ, ንሳ ካብ ሰብ ምዃና ምእንቲ ክፍለጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ’ውን “ከምኦም ሰብ ኮነ” ዝበሎ ነዚ እዩ (ዕብ 2፡14)። እዚ ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኣይኮነትን ኣርያማዊት እያ፡ ክርስቶስ ከኣ መልኣኽ ኢዩ ዝብሉ መናፍቃን ስለ ዘለው፡ ከመይ ገይራ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ትወልድ ንኸይብሉ እዩ።