ዳግሚት ሔዋን

ዳግሚት ሔዋን

#ዳግሚት ሔዋን
ስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
#እዚ ቃል እዚ ብዓቢኡ ዘረድኣና ቀዳመይት ሔዋን ምንባራ እዩ።ስለዚ ቀዳመይት ሔዋን ዝተባህለት ኣዴና ሔዋን ክትከውን ከላ ፡ካልአይት ሔዋን ዝተባህለት ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ፡ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም እያ። በዚ ድማ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምንታይ ዳግማዊት ሔዋን ተባሂላ ንዝብል ንምምላስ ኣቀዲምና ነዚ ነገር እዚ ብዕምቀት ንምርዳእ ናብ ዘኽእለና ክንከይድ ይግባእ። እዚ ድማ ብዛዕባ ዳግማይ ኣዳም ዝተባህለ ጎይታን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ንጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ኣዳም እናበለ ይጽውዖ እዩ። (1ይ ቆ 15፡40፡45) እዚ ማለት ናይት ዝወደቀ ኣዳም መተካእታ ኮይኑ ስለዝመጸ እዩ። (ሮሜ 5፡10፡መፈ)
እዚ ነገር እዚ ከመይ እዩ ምስ እንብል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኣርኣያኡን ምሳለኡን ንሰብ ኣኽቢሩ ፡ንጉስ ምድር፡ዘውዲ ፍጥረታት ግይሩ ኩሉ ዘድልዮ ኣዳልዩ ብዕለተ ዓርብ ፈጢርዎ። (ዘፍ 1፡26፡28 ፡ዘፍ 2፡7) ብድሕርዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰብ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኣዘዞ፡ ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ ፡ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልት ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ኣይትብላዕ በሎ።(ዘፍ 2፡15፡17) ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔውንን ግና ትእዛዝ ፈጣሪ ጥሒሶም ካብ ንኣምላኽ ንድያብሎስ ኣሚኖምን፡ ተኣዚዞምን ካብታ ኣይትብልዕዋ ዝተባህልዋ በልዑ። ኣምላኽ ድማ ኗብ ፍርዱ ቅኑዕ ዘየዳሉ ብምኻኑ ኩሉ ጸግኦም ተገፉ ፡ናይ ሞት ሞት ሞቱ።ብድሕርዚ ኣቦና ኣዳም ምስ ተሰጎገ ፡ጸጋኡ ምስተገፈ ብንስሓ ናብ ኣምላኹ ተመልሰ ኣምላኽ ድማ ካብ ጋልጋልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ሃቦ። ስለዚ ሕጂ ጋልጋሉ ተባሂላ ዘላ ድማ ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።ምኽንያቱ ኣብ ዉዳሴ ማርያም ናይ ሓሙስ ከምዝብሎ ብሔዋን ምኽንያት ኣፍደገ ገነት ተዓጽወ ፡እንደገና ድማ ብድንግል ማርያም ተኸፊተልና።ካብ ዕጸ ሕይወትክንበልዕ ዓደለና።እዚ ኸኣ ንዓና ስለዘፍቀረ ሰብ ኮይኑ ዘድሓነና ናይ ክርስቶስ ክቡር ስጉኡን ደሙን እዩ ከም ዝብል እዩ።ኣብ ዘፍ 3፡15፡22 ከምዘሎ ኣብመንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ዃብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ እተክል ኣለኹ ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቅ ፡ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ክትነክስ ኢኻ ይብል።ኣዚ ዘረድእና ንግዚኡ ሰበይቲ ዝተባህለት ሔዋን እያ ፡ፍጻሚኡ ግና ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።ኣብ መንጎ ዘርኣን ፡ዘርእኻን ምባሉ ድማ ንድያብሎስ ርእሱ ዝጭፍልቅ ክርስቶስ ኣምላኽና እትወልድ ብምኻና እዩ። በዚ ድማ እቲ ርእስ ድያብሎስ ዝጭፍልቅ ውዲ ምኻኑ የርኢ። (ት/ኢሳ 9፡6 7፡14 ማቴ 1፡18፡25) ስለዚ ብመሰረት ካብ ጋልጋልካ ተወሊደ ክድሕነካ የ ዝበሎ ድሕር 5500 ዘመን ጎይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፡ኣብ 33 ዓመትን 3ወርሕን ኣብመስቀል ተሰቂሉ ርእስ ድያብሎስ ጨፍሊቁ ኣድሒኑና እዩ።ማቴ 1፡1፡25 ሉቃ 2፡1፡15 ገላ 4፡4 ገላ 3፡13፡23)
ካብዚ እንርድኦ ኣቦና ኣዳም ንኣዴና ሔዋን ኣደ ኹሉ ሕያው ስለዝኾነት ሔዋን ኢሉ ሰመያ ይብል ፡ግና ኣዴና ሔዋን ሞት እያ ወሊዳትልና ፡ግናኸ ነዚ ምባሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብኣ ስለእትውለድ እያ ።ምኽንያቱ ናይት ኩሉ ዝመጽእ ትውልድ ምንጭ ስለዝኾነት።ስለዚ ኣቦና ኣዳም ከምዚ ምባሉ ብኣኣ ገይሩ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ምዝራቡ እዩ።ነዚ እዩ ኣቦና ኣዳም ካብኡ ከም ተውለድ ፈሊጡ ሕይወተይ ዝበላ። ዉዳ ማርያም ናይ ሰሉስ ውን ኦ መድሓኒታ ንሔዋን፡ ኣደ ኩሎም ሕያዋን እናበለ ውን ዝጽውዓ።
ስለዚ እምበኣርከስ ንኣቦና ኣዳም ብዝሃቦ ተስፋ መሰረት ግዚ ኡ ምስ በጽሐ ኣምላኽ ብፍጹም ተኣህዶ ሰብ ኮነ ።ማለት ኣምላኽ ስብ፡ሰብድማ ኣምላኽ ኮነ።ዮሓ 1፡1፡14።እዚ ማለት ጎይታ ሰብ ኮይኑ ብፍጹም ተዋህዶ ናብዝ ዓለም ክመጽእ ከለ ኣዳም ኣብ ገነት ከሎ ዝነበሮ ፍጹም ፡ንጽሕ ስጋ ተወሃሂዱ እዩ መጺኡ።በዚ ድማ ዩ ዳግማይ ኣዳም ዝተባህለ። ነዚ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ይ ቆሮ 15፡40፡49 ኣብዘሎ እቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ኮነ (ዘፍ 2፡7) እቲ ዳሕራይ ኣዳም(ክርስቶስ) ግና ሕይወት ዝህብ ኮነ።ግና ኸ ቅድም ዝመጽእ እቲ ባሕርያዊ (ኣዳም)እዩ እምበር እቲ መንፈሳዊ ኣይኮነን።እቲ ቀዳማይ ሰብ ካብ መሬት ስለጽተፈጥረ መሬታዊ እዩ(ዘፍ2፡7)። እቲ ካልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ (ዮሓ 3፡13 ዮሓ 16፡25፡27 ዮሓ 14 ፡1፡28 ዮሓ 3፡23፡34) እቶም መሬታውያን ከምቲ መሪታዊ እዮም።እቶም ሰማያውያን ድማ ከምቲ ሰማያዊ እዮም።ከምቲ ምስሊ እቲ መሬት ዝለበስና ምስሊ እቲ ሰማያዊ ውን ክንለብስ ኢና። ኣዳም ምስሊ እቲ ዝመጽእ እዩ።ኣዳም ናይት ክመጽእ ዝግብኦ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ ምስሊ፡ ጽላሎት እዩ። ብዘይ ምእዛዝ ናይቲ ቀዳማይ ሰብ ኩላትና ኣብ ትሕቲ ሞት ከምዝወደቅና ፡በዚ ድማ ኩላትና ኣብ ትሕት ባርነት ወደቅና ።ኮይኑ ግን በቲ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ በጃነት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገርና። ሮሜ 5፡10፡12።
ስለዚ ቅዱስ ሄሬኔዎስ ከምዚ ይብል ፡ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ዝተፈጥረ ኣዳም ተፍጥሮ ኣካላቱን ሰብነቱን ካብ ዘይተሓርሰት ድንግል ምድር ዝኾነ ፡ከምኡ ውን ኣካላዊ ቃል ወልድ ስጋኡ ካብታ ድንግል ዝኾነት ማርያም ወስደ።በዚ ድማ እት ዝመጽእ ክርስቶስ ብክልንትናኡ ንኣዳም ብምምሳል ዳግማይ ኣዳም ነገር ከም ብሓድሽ ጀመረልና።እቲ ቀዳማይ ምድራዊ ኣቦ እንተዝህልዎ እሞ ብዘርኢ ሰብኣይ እንተዝውለድ ነይሩ እቶም ተጻረርትና ድማ እቲ ካልኣይ ኣዳም ወድ ዮሴፍ እዩ ኢሎም ምዝራቦም ሓቂ ምኾነ። ግናኸ ከምኡ ኣይኮነን።
እቲ ቃል (ወልድ) ነቲ ቀዳማይ ኣዳም ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ሓመድ ወሲዱ ብኢዱ ፈጠሮ ።ንሱ ባዕሉ እቲ ዝፈጠአኦ ቃል ንዘርኢ ኣዳም ሓድሽ ምጅማር ክህበና ከሎ፡ኣገልግለቱ ክጅምር ከሎ ኣበጋግስኡ ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ ኣዳም፡ክገብር ነይርዎ።ማለት ቀዳማይ ኣዳም ካብ ድንግል መሬት ፡ከስቶስ ድማ ካብ ድንግል ማርያም ። ስለዚ ስለምንታይ ድኣ ኣምላኽ ከም እንደገና ካብ ሓመድ ካልእ ሰብ ዘይ ፈጠረ ፡ ስለምንታይ ነቲ ዝፈጠሮ ከድሕን ካብ ማርያም ስጋ ምውሳዱ ኣድለዮ ምስ እንብል፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዘድሕንን እት ዝድሕንን ሓደ ዓይነት ምእንቲ ክኾኑ። ካብ ሓመድ ካልእ ፍጥረት እንተዝፈጥር ነይሩ እቲ ዘድሕን ኣካል ካልእ ምኾነ ።ማለት ምስቲ ክስሕን ዝግብኦ ኣካል ሓድነት ዘይብሉ ምኾነ።እቲ ከድሕነና ዝኽእል ኣካል ከምቲ ቀዳማይ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዘድሕነና ከማና እንድሕር ኮይኑ ነቲ ናትና መንነት ናብት ናይ ቀደም ክብሩ ብምምላስ ንዓና ሓድሽ ምጅማር ክህበና ይኽእል። ዕብ 2፡14፡17 ።
ኣብ ምወዳእታ ናብት ኣርእስትና እንተተመሊስና ማለት ዳግሚት ሔዋን ናብ ዝብል ፡እዚ ቃል እዚ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ከመይ ምስ እንብል ቀዳመይት ሔዋን ዝተባህለት ምኽንያት ሞት ምስጋግ ካብ ገነት ዝኾነ እያ ። ኣዴና ቅድስት ድንግለ ማርያም ድማ ንኣቦና ኣዳም ብዝተዋህበ ተስፋ መስረት ካብ ዘርኡ ዝተውልደት ምኽንያት ድሕነት ፡ምምላስ ነብ ገነት እያ።ኣዳም ካብ ገነት ክስደድከሎ ተስፋኡ ዝነበረት እያ። ስለዚ ዳግማዊ ሔዋን ምባላ ብተመሳሳሊ ብመሰረት እቲ ተስፋ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝወደቀሉ፡ንጽሕና ኣብ ዝጠፍኣሉ ግዜ ነት ርእሲ ድያብሎስ ዝጭፍልቅ ንምውላድ ዝነበረ ክብር ንምምላስ ኣዴና ሔዋን ኣብ ገነት ከላ ብዝነበራ ንጽሕና ብምምጽኣ እያ ዳግማኢት ሔዋን ዝተባህለት።በዚ ድማ ብንጽሕና ብቅድስና ነቲ ዝተዋህበ ተስፋ ንምፍጻም ፡ትንቢት ንምፍጻም ጎይታ ብፍጹም ተውህዶ ኣብ ስጋኣ ብምስዋር ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲ ነቲ ኩሉ ግብር ድያብሎስ ኣፍረሰ፡ካብ ባርነት፡ካብ ጸልማት ሞት ነጻ ዝገበረና ።(1ዮሓ 3፡8)
ስለዚ ከምቲ ነቲ ዝወደቅ ኣዳም መተካእታ ዝኾውን ዳግማዊ ኣዳም ዘሎ ፡ከምኡ ውን ነታ ንውድቀትና ምኽንያት ዝኾነት እዴና ሔዋን መተካእታ እትኸውን ውን ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ሰበይት ድማ ወላዲት ኣምላኽ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።
ነዚ ኣመልኪቶም ሊቃውንት ቤተክርስትያን ካብ ዝበልዎ
1.ቅዱስ ጆስቲን ሰማእት (100፡165 ዓ/ም)
ምስ ቲሪፍ ዝብሃል ኣይሁዳዊ ኣብ ዝገበሮ ክርክር ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከመይ ገይሩ ከም ዘድሓነና ከረድእ ከሎ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ነገር እዚ ብግህዶ ንፈልጦ ኢና ምእንቲ እቲ ካብ ተመን ዝመንጨወ ዘይ ምእዛዝ ብተመሳሳሊ መንገዲ ምእንቲ ክስዓር ንሱ እቲ ቅድሚ ኩሉ ፍጥረት ዝነበረ (ወልድ) ብፍቃዱን ብሓይሉን ካብ ኣቦ ወጺኡ ፡ካብ ድንግል ተወሊዱ ሰብ ኮይኑ መጸ።ሔዋን ድንግል ሰብኣይ ከይቀረበት እንከላ ቃል ናይ ተመም ተቀቢላ ወይ ሰሚዓ ሞትን፡ዘይምእዛዝን ወለደትልና።ድንግል ማርያም ግና እቲ መልኣኽ ሰናይ ብስራት ሒዙ ምስ መጽኣ ነቲ ዝነገራ ቃል ብጽሞና ሰምዓቶ። ኣግዚኣብሔር መንፈስቅዱስ ናብኣ ከም ዝመጽእን ፡ሓይል እቲ ልዑል ውን ከም ዘጽልለላ ፡እቲ ካብኣ ዝውለድ ውን ቅዱስ ወድ ኣምላኽ ከምዝበሃል ኣስተውዒላ መርሚራ ብእምነትን ብሓጎስን ተቀቢላ ከም ቃልካ ይኹነለይ ኢላ መለሰትሉ።
2.ካልእ ሊቅ ውን ከምዚ ይብል፡
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቲ ብድያቢሎስ ዘዕነዎ መልክዑን ምስሉን ኣንጻራውን ተመሳሳልን ብዝኾነ መንገዲ ከም ዝሕደስ ገበሮ። ናብ ሔዋ ገና ብድንግልናኣ እንከላ ሞት ዘስዕብ ቃል ናብኣ ኣተወ ።ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ እቲ ሕይወት ዝህብ ወይ ዝፈጥር ቃል ኣምላኽ ናብ ድንግል ማርያም መጸ።ብኣንስታይ ጾታ ናብ ጥፍኣት ወዲቅና ብተመሳሳሊ ጾታ ድማ ድሕነት ረኺብና ። ሔዋን ንተመን ኣመነት ማርያም ግና ንገብርኤል ኣመነት ።ብእምነት ናይታ ሓንቲ ዝመጸ ጌጋ(ብሔዋን) ብእምነት ናይታ ካልአይቲ (ብድንግል ማርያም) ተኣልየ ይብል።
3.ቅዱስ ሄሬኔዎስ
ከምዚ ይብል፡ ድንግል ማርያም “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ”ብምባላ እዝዝቲ ኮይና ተረኽበት።ሔዋን ግና ድንግል ከላ ኣይተኣዘዘትን፡እዝዝቲ ኮይና ውን ኣይተረኽበትን። ሔዋን ወላ’ካ ኣዳም ሰብኣያ ይኹን ኣይቀረባን ነበረ። ስለዚ ውን ድንግል ነበረት ።ኮይኑ ግና ትእዛዝ ኣፍሪሳ ንገዛእ ርእሳን ንኹሎም ደቂሰባትን ምኽንያት ኮነትና ።ማርያም ግና ዝተመርጸት ሰበይቲ ስለዝኾነት ድንግል እንከላ ስለ ዝተኣዘዘት ንገዛእ ርእሳን ንኹሎም ደቂ ሰባትን ምንጭ ድሕነት ኮነትና ።ጎይታ ባዕሉ ክዛረብ ከሎ ቀዳሞት ዳሕረዎት ዳሕሮዎት ቅዳሞት ክኾኑ እዮም ኢሉ ኣሎ ።ነብያት ውን ህየንተ ኣበው’ኪ ተወልዱለኪ ደቂቀ (ኣብ ክንድ ኣቦታት ህጻናት ተውሎዱልኪ) ኢሎም መስኪሮም እዮም (መዝ 45፡16) ። ጎይታ ክውለድ እንከሎ (ብስጋ) ቦኽር ናይ ምዉታት ኮነ ።ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት ውን ናብቲ ናቱ ሕቅፊ ኣእተዎም።ኣዳም እካ ናይ ሞት መጀመርያ እንተነበረ ፡ጎይታ ግና ባዕሉ ሕይወት ዝህብ ስለዝኾነ መሊሱ ብኣምላኽ ንዝርከብ ሕይወት ዳግማይ ከምዝሓብሩ ከምዝውለዱ ገበሮም።ሓዋርያ ሉቃስ ኣብ ወለዶ ጎይታ ክጽሕፍ ከሎ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ናብ ኣዳም እዩ ዝወስድ። ከምዚ ምግባሩ ድማ ሓደነገር ከብርሃልና ደልዩ ኣዩ። እዚ ድማ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ናብ ኣዳም ምውሳዱ ክርስቶስ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት ናብቲ ብወንጌል ዝርከብ ሕይወት ማለት ዘልኣለማዊ ሕይወት ዳግማይ ከምዝወለዶም ንኸረድኣና እዩ።ንሳቶ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት ዘይኮኑ ዝወለድዎ ንሱ እዩ ናብ ሓድሽ ሕይወት ዝወለዶም።ስለዚ እቲ ብሰንኪ ዘይ ምእዛዝ ሔዋን ተኣሲሩ ዝነበረ ገመድ ብምእዛዝ ማርያም ዳግማይ ተፈትሐ።ብድንግልናኣ ዝነበረት ሔዋን ተጠራጢራ ዘምጽኣቶማእሰርቲ ብእምነት ድንግል ዝኾነት ማርያም ተፈትሐ።
ሔዋን ብቃል ናይ መልኣኽ ተታሊላ ካብ ኣምላኽ ብምርሓቃ ትእዛዙ ኣፍረሰት።ማርያም ግና ቃል ብስራት ናይ መልኣኽ ቅዱስገብርኤል ስሚዓ ንቃል ስለዝተ ኣዘዘት ንኣምላኽ ክትጸሮ በቅዐት። እታ ሓንቲ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዘትን እታ ካልአይቲ ግና ንኣምላኽ ክትእዘዝ ቀረበት ።በዚ ድማ ነታ ድንግል ዝኾነት ሔዋን ፡ድንግል ማርያም ጠበቀኣ ኮነት።ደቂ ሰባት ብሰንኪ ድንግል ሔዋን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሞት ወዲቆም ነበሩ ።መሊሶም ድማ ብድንግል ማርያም ደሓኑ። በዚ ድማ ናይታ ሓንቲ ድንግል ዘይምእዛዝ ብናይታ ካላአይቲ ምእዛዝ ሚዛኑ ሓለወ።
4.ቅዱስ ቄርሎስ ዘእዮርሳሌም (315፡386 ዓ/ም)
እዚ ኣቦ ከምዚ ይብል፡ ከምቲ ብሰንኪ ድንግል ሔዋን ሞት ዝመጸ ከምኡ ድማ ካብ ድንግል ማለት ብድንግል ማርያም ሕይወት ክግለጽ ግድን ኮነ። ነታ ሓንቲ ተመን ኣታለላ ነታ ካልአይቲ ግና ገብርኤል ኣበሰራ።
5 ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ (ኣብናይ ሓሙስ)
ከዚ ይብል፡ በእንተ ሔዋን ተኣጽወ ገነት ፡ወ በእንተ ማርያም ተርህወ ለነ ዳግመ ።
ኣብ ፈለማ ብሰንኪ ሓጥያት ቀዳሞት ወለድና ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ ሎሚ ግና ብሳላ ማርያም ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋጊርና ።
ኣብቲ ፈለማ ተመን ንእዝኒ ሔዋን መልኦ ሕንዙ ድማ ናብ ኩሉ ሰብነት ሓለፈ ።ሎሚ ድማ ካብ እዝኒ ማርያም ፈላሚ ዘልኣለማዊ ሓጎስ ተቀበልና።በዚ ድማ እታ ናይ ሞት መስርሒት ዝኾነት መሊሳ ድማ ናይ ሕይወት መስርሒት ኮነት።ብሰንኪ ሔዋን ሞት ብሰንኪ ማርያም ሕይወት ረኸብና።
6.ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዘቆጵሮስ
ከምዚ ይብል፡ ሔዋን ኣደ ኩሉ ሕያዋን ተባሂላ ተጸዊዓ እያ ። እዚ ንሔዋን ዝተነግረ ኣደ ኹሉ ሕያው ዝብል ናይ ክብር ስም ብምስጢራዊ መንገዲ ንዓዓ ንማርያም ዝምልከት እዩ።ምኽንያቱ እዚ ክቡር ስም’ዚ ድሕር ውድቀት ክትረኽቦ ምኽኣላ ኣዝዪ ይገርም እዩ።ብስጋዊ መንገዲ ክርአ ከሎ ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ካብ ሔዋንእዩተወሊዱ።ብኣማናዊ መንገዲ ክርአ ከሎግና ማርያም እያ ነቲ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ዝወለደቶ።ማርያም ባዕላ ነቲ ሕይወት ዝህብ ስለዝወለደት ባዕላ ኣደ ኩሉ ሕያው ኮይና እያ ። ስለዚ ማርያም ብምስጢራዊ መንገዲ ኣደ ኹሉ ሕያዋን ተባሂላ ንረኽባ። ብዛዕባ እዘን ክልተ ኣንስቲ ብዝያዳ ክንግንዘብ ዝግብኣና ኣዝዩ ዘገርም ነገር ኣሎ። ሔዋን ምኽንያት ናይ ሞት ኮነት ማርያም ድማ ምኽንያት ሕይወት ኮነት።ኣብ ክንድ ሞት ሕይወት ምእንቲ ክስዕርካብ ሰበይቲ (ማርያም)ሞት ዘይብሉ ሕይወት ተረኽበ(ክርስቶስ)።ማለት ንሱ እቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወለደ፡ (ካብ ድንግልዝተወልደ) ክርስቶስ ንዓና ሕይወት ኮነና።
7. ብተውሳኺ ካልእ ሊቅ ድማ ከምዚ ይብል፡
ንስኺ ድንግል ማርያም ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ።ካብ ኣንስቲ ማእከል ዝኾነት ሔዋን ካብ ማህጸና መርገምን ፡መቅጻዕትን ወለደትልና ።ማርያም ግና ብጽዕትን ሕርይትን ስለዝኾነት ባህ ይበላ ።ክብር ስለዝረኸበት ውን ሰባት ናብኣ ይጥምቱ ።እታ ብፍጥረታት ምዉታት ትወልድ ዝነበረት ሰበይቲ ሕጂ ብጸጋ ኣደ ኹሉ ሕያዋን ክትከውን በቂዓ ።ሰማያት ብሓይል ኣምላኽ የንቀጥቅጡ መላእኽቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይርዕዱ ።ዓለም ንዕዑ ኣይበቅዕን ተፈጥሮ ውን ክምግብዎ ኣይክእሉን ።እዛ ጎርዞ ኣገልጋሊት ድንግል ማያም ግና ተቀበለቶ ፡ሓብሓበቶ፡በጥባታ መገበቶ፡ኣብ ማሕጸናን ቤታን ስለዝተቀበለቶ ድማ ለመነት እሞ ኣብ ሰማያት ክብር ኣብ ምድር ድማ ሰላም ከምዝወርድ ገበረት ።ንዝጠፍኡ ድሕነት ፡ንዝሞቱ ሕይወት፡ንምድራውያን ሰማያዊ ዉሉድነት ሃበት።ውህደት ኣምላኽ ምስ ስጋ ሰብ ድማ ተፈጸመ ።
ስለዚ ውን እምብኣርከስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዳግማዊት ሔዋን ኩሉ ነገር ድማ በቲ ካብኣ ዝተወልደ ክርስቶስ ዳግማይ ተሓደሰን ተለወጠን።ድያቢሎስ ብተመን ኣቢሉ ንዘእተዎ ጥፍኣትን ምምሽማሽን ክርስቶስ ድማ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ፡ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብፍጹም ተዋህዶ ጸጋን ሂወትን ኣውረሰና።
ካብ ድንግል መሬት ኣዳም ተፈጥረ ካብ ድንግል ማርያም ድማ ዳግማይኣዳም፡ክርስቶስ ተወልደ ።ካብ ዓጽምን ስጋን ኣዳም ሔዋን ተፈጥረት፡ክርስቶስ ድማ ካብ ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ካብ ጎኑ ብዝፈሰሰ ደምን ማይን ኣቢሉ ቤየክርስትያን መስረተ። ሔዋን ቃል ናይቲ ዝወደቅቅው ሰሚዓ ብዘይ ምስትውዓል ከይመርመረት ትእዛዝ ኣፍሪሳ ሞት ወለደትልና ።ቀዳማይ ፍረ ምህጸን ሔዋን ቃኤል ቀታሊሰብ ነበረ።ድንግል ማርያም ግና ቃል ናይቲ ቅዱስ መልኣኽ ሰሚዓ ፡ኣስተውዒላ ፡መርሚራ ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ብምባል ተኣዘዘቶ።ቦኽር ወዳ ውን ክርስቶስ ውን ወሃቢ ሕይወት ኮነ።
እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ጋል 15 ዓመት ኮይና ተፈጢራ ናይ ሞት ምኽንያት ኮይና ።እታ ካልአይት ሔዋን ድማ ጋል 15 ዓመት ኮይና ቃል ብስራት ቅዱስ መልኣኽ ሰሚዓ ንሕይወት ወሊዳ ምኽንያት ድሕነት ኮነት።በዚ ድማ በታ ቀዳመይቲ ካብ ገነት ወጺእና በታ ካልአይቲ ድማ ናብ ገነት ተመሊስና። ስለዚ ኣብ መወድእታ እንርእዮ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እምነትን ተኣዛዝነትን ማዕረ ክንደይ ዓቢ ምኻኑእዩ። በዚ ድማ ናብቲ ኣርእስትና እንተመጺእና ብጉድለት እምነትን ፡ተኣዛዝነትን ኣዴና ሔዋን ዝመጸ ሓጥያት ፡መርገም ስደት፡ድኻም፡ ሞት ወዘተ ኣምላኽ ብዝሃቦም ተስፋ መሰረ ከም ቃል ነብያትን ድሕር 5500 ዘመን ሔዋን ኣብ ገነት ብዝነበራ ንጽሕና ፡ቅድስና ዝመጸት ትምክሕቲ ደናግል ዝኮነት ዳግማዊት ሔዋን ምኽንያት ምምላስ ኣብ ናይጥንት ቦታና ዝኾነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን

#ምንጪ መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁጽሪ.16

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉክቡአ

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment