ድሕሪ ትንሳኤ ዘሎ ሰሙን
በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ጾም ግዜ ብሰላም ብጥዕና ናብዚ ቅዱስ ዕለት ፡ቅዱስ ሰሙን ስለ ዝብጽሕና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን።ኣሜን!
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙነ ሕማማት ክንቕርበልኩም ዝቐነና ናይ ዕለቱ ጽሑፋት፡ሎሚ እውን ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ብዛዕባ እዘን ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሰንበት ዘለዋ መዓልታት ክነቕርብ ኢና ። ኣምላኽና እግዚኣብሔር ምኽሩን ጥበቡን ይግለጸልና።ኣሜን፡
ሰኑይ- —ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ።
ማዕዶት ማለት ምሕላፍ፡ምስጋር ማለት እዩ።በዚ ዕለት እዚ ብናይ ክርስቶስ ሞት ፡ስለና ክብል ብዝረኸቦ መከራ መስቀል ፡ዘፍሰሶ ደምን ዝተቖርሰ ስጋን ካብ ሞት ናብ ሂወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ፡ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ምስጋርና ይስበኽን ይንገርን።
ሰሉስ—-ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ።
ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት -ቶማስ ሃዋርያ ቅዱሳን ሃዋርያት ንጎይታና ረኺንብና ዮ ካብ ምዉታን ተንሲኡ ኣብ ዝበልዎ ግዜ ዘይምእማኑን ፡ጎይታ ካብ ትንሳኤ ሰሙን ኣብ ዘላ ዕለት ሰንበት ምስ ኩሎም ሃዋርያት ከሎ ብዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ምግላጹን ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ርእዩ ቶማስ ምእማኑን ዝንገረሉ ዕለት እዩ።(ዮሓ20፡27-29)
ሮቡዕ-—ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ።
በዚ ዕለት እዚ ትንሳኤን ሕይወትን ዝኾነ ጎይታ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ብስልጣኑ ከም ዘተንስኦ ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ።9(ዮሓ11፡1-44)
ሓሙስ —–ሓሙስ ኣዳም ትብሃል።ንኣቦና ኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋን ዝተኣተወሉ ቃል ኪዳንን ምፍጻሙ እና ዘከርና እነብዕሎ እዩ።
ዓርቢ –——ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ።
ክርስቶስ ኣምላኽና ንቤተ ክርስቲያን ብሞቱን ብትንሳኤኡን ምምስራቱ፡ኣብ ክንድኣ ሂወቱ ኣሕሊፉ ምሃቡን ፡ዕጣርን ርኽሰትን ዘይብላ ንጽህትን ቅድስት ምግባሩ እዩ።ኣብዚ ክፍሊ እዚ ቤተ ክርስቲያን ክበሃል ከሎ ንህንጻ ወይ መንደቕ ኣይኮነን ከመይ ክርስቶስ ንህንጻዊ ቤተ መቕደስ ኣይሞተን ።
ቀዳም——-ቅዱሳት ኣንስት ።
በዚ ዕለት ቅዱሳት ኣንስቲ ጸልማት ከይበላ ብድኻምን ብጻዕርን ናብ መቓብር ጎይታ ሽቱ ክገብራ ምኻዳንን ቅድሚ ኩሎም ናይ ትንሳኤ ብመላእኽት ምብሳረንን ዝስበኸሉ ዕለት እዩ።(ማቴ28፡1-110)
ሰንበት(እሁድ)—-ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂላ ትጽዋዕ።
በዚ ዕለት ክርስቶስ ኣምላኽና ንቅዱሳን ሃዋርያት ንሳልሳይ ግዜ ምግላጹን ስልጣን ምሃቡን ዝዝከረሉ ዕለት እዩ።(ሉቃ24፡36,ዮሓ20፡19-23)
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
Leave a comment