ክብረ በዓል ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደብረሲና(ደብረሲሓት)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
“መፍትው ትትሌዓል ደብረሲሓት ማዕዘንተ ገዳማት በጽድቅ፡ጸሓያ ወንጌል ሰረቀ ኣኮኑ እም ደብረሲና ምስራቅ”
ትርጉም
“ኣብ ምብራቕ ደብረሲና ጸሓይ ወንጌል ክርስትና ወጺኡ እዩ እሞ ደብረሲሓት ካብ ኩለን መኣዝን ገዳማት ክትዓቢይ ብሓቂ ይግባእ እዩ”

ኣግኣዚት ሃገረ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን ስፍራ ቅዱሳን ክትከውን ዝበቕዔት ሃገር ኮይና ኣስታት ኣርባዓ ዝኣኽሉ ናእሽቱን ዓበይትን ገዳማት ሓቑፋ ትርከብ።
እምበኣርከስ ክርስቶሳውያን ብጥንታውነቱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገዳማት ንገዳም ኣቡነ ሊባኖስ (ሃም) ፡ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ (ጻዕዳ ጸበሉ)፡ ገዳም ኣቡነ ፍሊጶስ( ደብረቢዘን) ኣኸቲሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ጥንታውን መሰረት ሃይማኖት ክርስትና ዝተነብረሉን ገዳም ደብረሲና እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ገጽ ንጉስ ሄሮድስ ማለት ካብ ቤተልሔም ናብ ግብጺ ኣብ ዝትሰደደትሉ ግዜ ንእትበልዖ ንመግቢ ይኹን ንእትሰትዮ ማይ ምስ ሰኣነት ፍቁር ውላዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኹን ዝተሓርዩም ህዝቢ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኣብ ወገን ደቡብ ከም ዘለዉ ንኣዲኡ ብምምልካት ኣብ ዘመን ንጉስ ባዜን ብሓደ ግንቦት ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ብምድረ ናግራን (ናቕፋ) ኣቢላ ፡ኣብ ደብረሲና ኣብዛ ሕጂ ቤተ መቕደስ ኮይና ዘላ በዓቲ ወለንሳ ፡ጎይታ ብኢዱ ብምድህሳስ ብተኣምራት ኣፍ ደጌን መስኮትን ምስ ከፈተላ፡ኣብኣ ተቐመጠት ።ሎሚ እዛ በዓቲ ቤተ መቕደስ ኣፍደጌኣ ክልተ እግሪ ከም ዘይብሉ መንበር እያ እትመስል ።ብምስትውዓል ንዝርእያ ካኣ መሬት ዝተንከፈት ኣይትመስልን።

ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ሕጂ በዓቲ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ክጽሊ ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ቀደም ኣብ ደብረ ምጥማቕ (ግብጺ) ዝተገልጸት ካብ ጸሓይ ሸውዓተ ግዜ በሪሃ፣መላእክት፣ሰማእታትን ጻድቃንን ፣ብየማናን ጸጋማን ኣኸቲላ ተገልጸት እሞ ከምዚ ክትብል ካኣ ተዛረበቶ፣ “ ስመይ ዝጸውዔ ፣ብስመይ ኣብዛ ገዳም ዝጸለየ ጸሎቱ ክስማዕ ፣ናብዛ ገዳም እዚኣ እውን ዝነገደ ናብ ጌተ ሰማኒ መቓብረይ ከም ዝነገደ ክቑጸረሉ እዩ’’ ብምባል ብዙሕ ቃል ኪዳን ኣተወትሉ፣፣ንሱ ድማ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቕ ዓቢ በዓል ገበረ፣፣ዳግም እውን ድሕሪ ወርሒ ብ20 ሰኔ ጎይታ ምስ ኣዲኡ 12 ሃዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ከምቲ ቀደም ኣብ ፊሊጵስዮስ ዝሰርዖ ቅዳሴ ቅዱስ ቁርባን ክሰርዕ ከሎ ምስ ረኣየ ዓቢ በዓል ገበረ፣፣በዚ ምኽንያት ካኣ 21 ግንቦትን 20- 21 ሰኔን ዓመታዊ በዓል ክኸውን ተሰርዔ፣፣
ብ480 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዘመን መንግስቲ ኣልኣሜዳ ወዲ ሰልዓዶባ ተስዓቱ ቅዱሳን ሮማውያን ኣቡነ ኣረጋዊ ( ዘሚካኤል) ዝርከብዎም ምእንቲ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሃገሮም ሮማ ናብ ኤርትራ ምስ መጹ ኣብ ኣግዓሮ ፊት ገዳም ደብረ ሲሓት (ደበረሲና)፣ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ብርሃን ኣብ ደብረ ሲሓት ( ደብረ ሲና) ዝተተኽለ ዓምደ ብርሃን ምስ ረኣዩ ደብረሲና ኢሎም ሰመይዋ ፣፣እቲ ብርሑቕ ዝረኣይዎ ትኹል ዓምደ ብርሃን ምስ ቀረቡ ይስወሮም ሰለ ዝነበረ ካኣ ድሕሪ ሰለሰተ ግዜ ምምልላስ ፣ኣብ መበል ሳልሳይ ግዜ ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ኣግዓሮ ክሳዕ ደብረ ሲና ዓበይቲ ኣእማን እና ጨርሑ ምስቶም ሸሞንቱ ቅዱሳን ናብቲ ብርሃን ዝዓሰሎ ገዳም ኣተዉ ፣፣ንመጀምርታ ካኣ እቲ ትኹል ዓምደ ብርሃን ንኣቡነ ኣረጋዊ ተገልጸሎም እሞ ኩሎም ካኣ ረኣይዎ፣፣በዚ ዝረኣይዎ ብርሃን ካኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ ንእግዚኣቤር እውን ኣመስገኑ ፣፣እቲ ሽዑ ዝገበርዎ ምልክት ጭርሒ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ፣፣
ቤተ መቕደስ በዓቲ ወለንሳ መሰረት ዘይብሉ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝቖመ እኳ እንተ ኾነ ፣ውሕጅ ናብ ውሽጢ ብምእታው የሽግር ስለ ዝነብረ ሎሚ ብዙርያ ተነዲቑ ኪንኡ እውን ብ1951 ዓ.ም.ግ. ንማህሌት ዘገልግል ምስቲ በዓቲ ቤተ መቕደስ ለጊቡ ዝተሃንጸ ዓቢይ ቤተክርስቲያን ንኽትርእዮ ኣዝዩ ዝምስጥ ናይ ምስጋና ማሕደር ኮይኑ ኣሎ፣፣በዚ ድማ ስፍራ ብዙሓት መነኮሳት ክኸውን ከኣለ፣፣ብ1889 ዓ.ም.ግ መምህር ኣባ ኣስራተ ማርያምን ብ1941 ዓ.ም.ግ መምህር ኣባ ፍስሓ ቦኽረይን ናይዚ ገዳም እዚ ኣበምኔታት( መራሕቲ ገዳም) ካብ ዝነበሩ ኮይኖም ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ዓቢ ብራና ተኣምረ ማርያም ክሳዕ ሎሚ ነቲ ገዳም ክብሪ ሂብዎ ይርከብ፣፣ብድሕሪኦም ካኣ ቁጽሪ መነንቲ እና ሰሰነ ብምኻድ ፣በቲ ኣባ ዮሓኒ ዝሰርዕዎ ስሮኣተ ጳኲሚስ ፣እዚ ናተይ እዚ ናትካ ዘይብሉ ብሓድነት እና ተአምርሑ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንዝመጽዎ መነንቲ ብማዕረ ይቅበል ኣሎ፣፣
ተጻብዖ ናይዚ ገደም እዚ ኲኖ እቲ ናይ ኣጋንንቲ ተጻብዖ ብ1527 ዓ.ም መሓመድ ግራኝ ዘብሔረ ዛይላ (ሶማል) ብዙሓት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዘቃጸለ ፣ካልእ እውን ብዙሓት መሳፍንቲ ዓቢይ ሽግር ከም ዘውረድሉ ይግለጽ እዩ፣፣ብኣንጻሩ ድማ ብዙሓት ነገስታት እኒ በዓል ንጉስ ባዜን ነግሰታት ኣኽሱም ኣብርሃ ወኣጽብሃ፣ሓጸይ ኣላሜዳ፣ሓጸይ ዮሓንስ፣ራእሲ ወልደሚካኤልን ራእሲ ኣሉላን ንበረኸት ዝኾኖም ብወርቂ ዝዓደግዎ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ርስተ ጉልቲ ከም ዘበርከቱ ታሪኽ ይነግር፣፣
ሎሚ እዚ ጥንታውን ተባሃግን ገዳም እዚ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ማለት 21 ግንቦትን 20-21 ሰኔን በዓል የኽብር ኣሎ፣፣ኣብዘን በዓላት እዚኤን ካኣ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝሳቐዩ ከምኡ እውን ብኻልእ ነገራት ዝሽገሩን ናይ ልመና ጸሎት ክጽልዩ እተን ውላድ ዝሰኣና ድማ ኣብ ልዕሊእምኒ ወለንሳ ደይበን “በዓልቲ ወለንሳ ሓዳጊት ኣበሳ በዓልቲ በዓቲ ክፉእ ዘይትዝቲ” እና በላ መሪር ልመናዊ መዝሙር ፣ኣብራኸን ደም ክሳዕ ዝሰርብ እና ዘወራ ፣ጎድኒ ጎድኒ ምስቶም ንሰማዒኡ ኣዝዩ ዝምስጥ ያሬዳዊ ማህሌት እና ቃነዩ ዘብጽሑ ሊቃውንቲ ኣቦታት መዓልትንለይትን ክዝምራ ድሕሪ ምሕዳር ፣ብሓባር መብጽዓ ይኣትዉ/ዋ እሞ ድልየቶም ምስ ተፈጸመሎም ካኣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት መብጽዕኦም ንምፍጻም ቀጻሊ ይነግዱ፣፣እቶም ኣስታት 45 ሽሕ ተኻፈልቲ በረኸት ንምዃን ዝነግዱ ኣመንቲ ክርስትናን ማስልምናን እውን ከይተረፉ ዓመት መጸ ብቑጽሪ እና ሰሰኑ ናብዚ ተኣምረታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ሲና ክውሕዙ ይረኣዩ፣፣ንሕና እውን ከምዛ ኢየሩሳሌማዊት ገዳም ደብረሲና ተጋቢእና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክንካፈል ምእንቲ ብሓይሊ ጸሎታ ሓይሊ ኣጋንንቲ ኣዐጊሳ ኣእጋርና ናብ ማሕደር ቅዱስ ስፍርኣ ክስጉማ፣ ባዕላ ትሓግዘናን ትደግፈናን፣፣ስለቲ ኩሉ ነገር ካኣ ነቲ ጸጋውን ርሕሩሕን ዝኾነ ኣምላኽ ቅዱሳን ኣቦታትና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ፣፣
ናይ ስለሴ ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ተረዳእነት ኣይፈለየና፣፣ኣሜን፣፣
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን፣፣