ጥቅምቲ ፪/2–ዕረፍቱ ለኣባ ሕርያቆስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ሕርያቆስ ማለት ኅሩይ ማለት እዩ፡ንሹመት መሪጸሞ እዮም፡ከምኡ’ውን ረቂቕ ማለት እዩ። ረቂቕ ምስጢረ ሥላሴ ይናገር እዩ።ካብ ሊቃውንቲስ ምስጢረ ሥላሴ ዘይናገር የልቦን፡ካብ ኩሉ ብዝበለጽ ንሱ ኣስፊሑን ኣጒሊሑን ተናጊሩ እዩ።ከምኡ’ውን ጸሓይ ማለት እዩ።”ኣብ ጸሓይ ፡ወልድ ጸሓይ፡መንፈስ ቅዱስ ጸሓይ” እና በለ ደሪሱ እዩ። ከምኡ’ውን ብርሃን ማለት እዩ፡ናይ ምእመናን ልቦና ብትምህርቱ ብሩህ ይገብር እዩ።”‘ዘኣብርኃ መንበረ ማርቆስ በብርሃኑ ” ከም ዝብል።ከምኡ’ውን ሕርያቆስ ማለት ንህቢ ማለት እዩ። ንህቢ ዘይቀስሞ ዕንባባ የልቦን ንሱ ድማ ዘይጠቕሶ ሊቅ የልቦን። እዚስ ከመይ እዩ እንተበልና ሓዋርያት ዝተማህረ ሥነ ምግባር ዘለዎ ይሸየም ኢሎም ሥርዓት ሠሪዖም እዮም። ከመይ ብትምህርቱ ምእመናን ዝሕሉ ንመናፍቓን ተኻራኺሩ ዝመልስ ምእንቲ ክኸውን ብሥነ ምግባሩ ብጸሎቱ ይረድእ እዩ። ኣባ ሕርያቆስ ካኣ ሥነ ምግባር ዘለዎ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ ፡ኣብ ብህንሳ ኣብ ልዕሊ እልፊ መነኮሳትን እልፊ መነኮሳይያትን ብኤጴስ ቆጶስነት ተሸይሙ ብምንባሩ ፡ኣብ ብዙኃት ምሻም ልሙድ እዩ፡ኣባ ሆርን ኣባ ኤስድሮስን ኣብ ብዙኃት ከም ዝተሸ
ሙ።እዛ ብህንሳ ቅድም ኣርጋድያ ትበሃል ነበረት ድሓር ግና መኑፍ ተባሂላ ይብላ፡ብዙሕ ግዜ ናይ ስም ለውጢ ገጢምዋ እዩ።ሎሚ ካኣ ብህንሳ ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።ኣባ ሕርያቆስ ድማ ብትሕትናን ብፍቕርን ዝጸንዐ እዩ።ስርዓተ ቆኖና ተኸቲሉ ጽሙ ፡ጸልዩ፡ተፋቐሩ ፡ትሕትና ግበሩ፡እና በሉ ስርዓት ስለ ዘጽንዓሎም ግና ክጸልእዎ ጀመሩ።ዘይተማህረ እዩ እሞ ካብ ምጥምጣም ምምሃር ይቕድም ከምዝበሃል ።ካብ ምሻም ምማህር ምቕዳምዶ ኣይሓይሽን! እና በለ ይንዕቅዎ ነበሩ።ንሱ ግና “ወእቀውም ዮም በትሕትና ወፍቅር” ኢሉ ከምዘምጽኦ ፡ከምቲ ዝጸልኡኒ ክጸልኦም ከምቲ ዝነዓቑኒ ክንዕቆም ከይበለ ብፍቕርን ብትሕትናን ጸኒዑ ይምህሮም ነበረ።
ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ብምንታይ ምኽንያት ኢና እንስዕሮ በሉ’ሞ ቀዲስካ ኣቕሩበና ኢልና በዚ ንስዕሮ ኢሎም መኸሩ።ንሱ ግና ከም ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋና ከም ኆጻ ባሕሪ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ በዚሑለይ ከም መግቢ ተመጊበዮ ከም ክዳን ለቢሰዮ ምነበርኩ ኢሉ ይምነ ነበረ።ድኅርዚ ቅዳሴ ኣትዩ ሥርዓት ቅዳሴ ኣብጺሑ ኣብ ፍረ ቅዳሴ ክበጽሕ ከሎ ካብ ናይ ሊቃውንቲ ቅዳሴ ክብድ ዝበለ ሽግር ንሃቦ እና በሉ ክመኽሩ ከለዉ ዝለመንዋ ዘይትኸልእ ዝነገርዋ ዘይትርስዕ እግዝእትነ ማርያም ንግዜኡ ገሊጻትሉ “ጎሥዐ ልብየ ቃለ ሠናየ” ኢሉ ወይእዜኒ ንሰብሖ ክሳብ ዝብል ሰተት ኣቢሉ ተናገሮ።
ዝንዕቅዎን ዝጸልእዎን ዝነበሩ እዚስ ዝነገርዎ ቀለም እኳ ኣጠናቂቑ ምንጋር ዘይተኻእሎስ ሓድሽ ድርሰት ክደርስ ኢሉ ሃተው ተው ይብል ኣሎ ኢሎም ተገረሙ።ዝእዘዝዎን ዘፍቅርዎን ዝነበሩ ግና መንፍስ ቅዱስ ገሊጽሉ እዩ እምበር ከምዚ ዝበለ ምስጢር ዶ ካብ ሰብ ይርከብ እዩ ኢሎም ኣደነቑ።ንግዚኡ እቶም ዘኽብርዎን ዘፍቅርዎን ጽሒፍና ደጒስና ዘይንኅዞ በሉ።እቶም ዝጸልእዎን ዝንዕቅዎን ድማ ኣየ መን ተናጊርዎ ኢልና ኢና እንኅዞ በሉ ከም እተለምደ ገይርና እንሕዞ ድማ በሉ ።ኣብ ሃገሮም ሓድሽ ድርሰት እንተ ተደሪሱ ጽሒፎም ደጒሶም ናብ ሓዊ የእትውዎ ድኃን እንተወጸ ናብ ማይ የእትውዎ፡ካብ ማይ’ውን ድኃን እንተወጸ ኣብ ልዕሊ ሕሙም የንብርዎ እሞ ሕሙም እንተ ፈወሰ ቅቡል ድርሰት ኢሎም ይኅዝዎ።
ነዚ ድማ ከምኡ ጽሒፎም ደጒሶም ናብ ሓዊ ኣእተውዎ ድኃን ወጸ ናብ ማይ ኣእተውዎ ድኃን ወጸ ኣብ ሕሙም ኣንበርዎ ፈወሶ ብዝበለጸ ድማ ምዉት ኣተንስአ።ስለዚ ሓቂ ብሓቂ ቅቡል ድርሰት እዩ ኢሎም ሓዝዎ።ኣብ መጽሓፍ ቅዳሴ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ኮይኑ ብኽብሪ ተታሕዘ።ካብ ዓሰርተ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ቅድሴ ተኣምራት ዘይተገብረሉ የልቦን ፡ዝቐደሰሉ መዓልቲኸ መዓስ ነበረ እንተበልና ፡ካብ ሰላሳን ሰለስተን በዓላት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓደ መዓልቲ እዩ። ሓደ ባሕታዊ ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ካብዘን ሰላሳን ሰለስተን በዓላትክስ ነየናይ ከኽብሩልኪ ደስ ይብለኪ በላ።ንሳ ካኣ “ኪዳነ ምሕረት ፲፮ ለካቲት፡ልደተይ ሓደ ግንቦት፡ዕረፍተይ ፳፩ ጥሪ ፡ በዓል ፍልሰተይ ፲፮ ነሃሴ ” በለቶ።ደጊሙ ካብ ኣርባዕቲኤንከ በላ።ካብ ጸቢብ ናብ ርኂብ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝወፃእኩሉ እዩ’ሞ መዓልቲ ልደተይ ከኽብረለይ እፈቱ በለቶ።ማር፮፡፳፩/6፡21።
ከምኡ’ውን ኣነ ከየተወለድኩ ንወለደይ መባእኩም ኣይንቕበለኩምን ኢሎሞም ኃዚኖም ኔይሮም ኢዮም ሓዘኖም ሓዘነይ እዩ።ከም ዝበለቶ ዝቐደሰሉ መዓልቲ በዓል ልደታ እዩ።
ካብ ስግር ባሕሪኸ መን ኣምጻኣልና ፡ቅዱስ ያሬድ ማይ ከይራሕ መደባይ ታብር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተቐሚጡ ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ንቅዱስ ኤፍሬም ካብ ሶርያ ንኣባ ሕርያቆስ ካብ ብህንሳ ብደመና ተቒሳ ኣብታ ቅዱስ ያሬድ ዘለዋ ቦታ ኣምጺኣ ንስኻ ውዳሴይ ፡ ንስኻ ቅዳሴይ ንገርዎ ብዜማ ይድረሶ በለቶም።ነጊሮማ ብዜማ ደረሶ፡ድኅሪ’ኡ ነዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዓሰርተ ሰለስተ ቅዳሴ ‘ውን ብዜማ ደሪሱ እዩ።ካብ ዓሰርተ ሰለስተ ቅዳሴ ቀዲሙ ብዜማ ዝተደርሰ ቅዳሴ ማርያም ስለ ዝኾነ ማርያም ስለ ዝኾነ ዝበዝሕ ምልክት(ሥራዪ) ኣብኡ እዩ ዝርከብ።
ሓደ ባሕታዊ ካብ ኩሉ ምስጋናኺስ ኣየናይ ክደግሙልኪ ትፈትዊ በላ ።ንሳ ድማ ወደይ ዳዊትን ኣቡነ ዘበሰማይትን ክደግምሉ ከም ዝፈቱ ኣነ ድማ ውዳሴየይን ቅዳሴይን ክደግሙለይ እፈቱ ደስ ይብለኒ በለቶ ይበሃል።(ታሪኽ ኣበው) ።ኣባ ሕርያቆስ ተሸይሙ ከሎ ብዙሕ ድርሳንን ጠቓሚ ተግሳጽን ጽሒፉ እዩ።
ዕረፍቱ ክልተ ጥቅምቲ እዩ። ጸለቱ እንተበልና ናቱ ፡ ጸሎታ እንተበልና ድማ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ረድኤት ምሳና ይኹን ኣሜን።
ቅዳሴ ማርያም (ኣባ ሕርያቆስ ዝደረሶ ቅዳሴ)
“ጎሥዓ ልብየ ቃለ ሠናየ ፡ጎሥዓ ልብየ ቃለ ሠናየ ፡ጎሥዓ ልብየ ቃለ ሠናየ “
ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ መጀመርታ ድርሰቱ “ጎስዓ ልብየ ቃለ ሠናየ ” ኢሉ ምጅማሩ መጽሓፍ ምስ መጽሓፍ ምትሕሓዝ ልማድ ስለ ዝኾነ እዩ።ቅዱስ ዳዊት ንንጉስ ሰማይን ምድርን ምስጋና ከቕርብ ከሎ “ጎሥዓ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።ኣባ ሕርያቆስ ካኣ ንንግስቲ ሰማይን ምድርን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋና ከቕርብ ኢሉ “ጎሥዓ ልብየ” በለ።(መዝ፵፭፡፩) “መዝሙር ንንጉስ ክደርሰሉ ከለኹ ካብ ልበይ ጽቡቕ ቃላት ይግንፍል ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ ቅኔ ትደርስ” ከም ዝበለ ቅዱስ ዳዊት።
ወአነ ኣየድ
ዕ ይብል
ብልቢ መደብ ቆይሙ–ልቦናይ ሰናይ ነገር ኣውጺኡ ተናገረ።”ወትጎዖሙ ይእቲ ባሕር ለነጋድያን” ከም ዝብል ፡ከምኡ’ውን ልህኲት ልቦናይ ብእሳት መንፈስ ቅዱስ ፈሊሑ ሠናይ ነገር ኣውጺኡ ተናገረ ፡ከምኡ’ውን ሠናይ ነገር ጎሥዐ።