ጾመ ጽጌ

ጾመ ጽጌ

በስመ  አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ጾመ ጽጌ

ኦ ድንግል ናብቲ ንኵሉ  ዝዝክር፡ ዘይርስዕ  ኣዘክሪ።

ኦ ድንግል እቲ ካባኺ  ኣብ  ቤተልሔም  ዝተወልደን   በጭርቕቲ   ከም   ዝተጠቕለለን   ብእዋን   ቍሪ፡እስትንፋስ   አድግን   ላሕምን   ከምዘማምቝዎን   ኣዘክሪ።

ኦ ድንግል   ብዘመን    ርጉም    ሄሮድስ    ካብ   ሃገር   ናብ   ሃገር   ምስኡ   እናጐየኪ   ምሳኺ   ዝተሰደደ    ኣዘክሪ።

ኦ  ድንግል ካብ ኣዕይንትኺ  ናብ   ገጽ  ፍቁር  ወድኺ  ዝወሓዘ   መሪር  ንብዓት ኣዘክሪ።

ኦ ድንግል  ጥሜትን   ጽምእን   መከራን   ኃዘንን  ኵሉ    ምስኡ   ዝበጽሓኪ   ጸበባ   ኣዘክሪ።

ይቕረታ  ደኣ  ኣዘክሪ   እምበር   ጥጥፍኣት  ኣይኹን።

      ንኃጥኣን  ደኣ   ኣዘክሪ   እምበር   ንጻድቃን   ኣይኮነን።

ንርሱሓት  ደኣ  ኣዘክሪ  እምበር  ንንጹሓት  ኣይኮነን።

እወ  ኣዴና  ናብቲ  ዘይርስዕ   ኣምላኽ   ኣዘክሪ….

ኣዘክሪ  ድንግል…

 

ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ  ቤተ ክርስቲያና በብግዜ ዝኽበሩ በዓላትን ናይ ጾም ወርሓት ኣለዉ።

ብሓፈሻ ስለ ጾም ኣብ እንዛረበሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝጽወሙ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ተባሂሎም ዝጽውዑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብመልክዕ ኣዋጅ ክጽወሙ ከም ዘለዎም እትሕብርን በብግዚኦም ዝኽበሩን

ኢዩም። ካብዚ ሓሊፍና እውን ናይ ግሊ/ውልቂ ኣጽዋማት እውን ኣለዉ። ሓደ ካብኡ ዓመት መጸ ካብ መስከረም ፳፮/26 ክሳዕ ፮/6 ሕዳር ዝውዕል ጾመ ጽጌ እና ተባህለ ዝጽዋዕ ብምኽንያት ስደት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ምስ ሰሎምየን ኣረጋዊ ዮሴፍን ናብ ግብጺ ዝጽወም ጾም ኢዩ። ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸት ንምርካብ ደቂ ቅድስት ተዋሕዶ ዝጸምዎ ጾም ኢዩ። ከምኡ’ውን “አሠርጎኮ ለሰማይ በከዋክብት ወለምድርኒ በስነ ጽጌያት ግብረ. እደዊከ ኣዳም እግዚኦ” እና በልና ንቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር እነመስግነሉ ግዜ ኢዩ።

እዚ ወርሓት እዚ ክረምቲ ዝውድኣሉ ሰባት ፍርያት ናይ ክረምቲ ዝሓፍስሉ ወርሓት ከም ምዃኑ መጠን ጾመ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ ከመይ እዚ ጾም እዚ ዝጽወመሉ ኣብ ወርሓተ ጽጌ ስለ ዝኾነ።

ስደት ናብ ግብጺ

ናብቲ መሰረት ዝኾነ ታሪኽ ናይዚ ቅዱስ ወርሓተ ጾም ምስ እንምለስ ኣምላኽና ጌና ህጻን ከሎ ናብ ግብጺ ምስዳዱ ዘዘንትወልና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ኢና እንረክብ (ማቴ፪፡፲፫-፳፫/2፡13-23)።

መስፍን ሰላም፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ዓለም ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዒ ማል ምስ ተወልደ  ንዕኡ ናይ ኣምልኾ ስግደት ንወላዲት ንቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ስግደት ዝሰገዱ ፡

ገጸ በረኸት ሒዞምሉ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል ወይ ድማ ሰብ ርሑቕ ምብራቕ ነበሩ። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ካብ ዓዶም ተበጊሶም እስራኤል ክሳዕ ዝኣትዉ ብኾኾብ እዮም ተመሪሖም መጺኦም። እንተኾነ ግና ጌና ኣብቲ ክርስቶስ ዝነበሮ ቦታ ከይበጽሖ እቲ ንነዊሕ መገዲ መሪሕዎም ዝመጸ ኮኾብ ተሰወሮም። በዚ ምኽንያት ካኣ ናብቲ ኣብቲ ዘመን እቲ ገዛኢ ዝነበረ ሄሮድስ ንጉስ ኣትዮም  “እንሆ እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኮኾቡ ብምብራቕ ርኢና እሞ መጺእና “እና

    ነዚ ዝሰምዔ ንጉስ ሄሮድስ ኣዝዩ ተሸበረ ፡ካብ ምሽባሩ ዝተላዕለ ካኣ ክፍኣት ሓሰበ ።እንተኾነ ሓሳባቱ መታን ከይፍለጥ ነቶም ይፈልጡ ኢዮም ኢሉ ዝሓሰቦም ሽማሙንትን ፈላጣትን ኣኪቡ  ነቲ ሰብ ጥበብ ዝሓተትዎን ዝተዘረብዎን  ኩሉ ኣዘንተወሎም።

ንሳቶም እውን እንሆ ኣብ መጽሕፍትና “ኣቲ ቤተልሔም ምድሪ  ይሁዳ ንሕዝበይ እስራኤል ዝጓስዮም ሹም ካባኺ ክወጽእ እዩ እሞ ካብ ሹማሙንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ ዝብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ ኣብ ቤተልሔም ናይ ይሁዳ ኢዩ” ክብሉ ምላሽ ሃብዎ።(ማቴ፪፡፭-፮/2፡5-6)

ብድሕር’ዚ እምበር ንሰብ ጥበብ ኣፋነዎም። ኩሉ እቲ ዝኾነ ፈሊጦም ኣስተብሂሎም ክመጹ ከም ዘለዎም ሓቢሩ ድማ ሰደዶም። እዚ ዝገበረ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣበይ ቦታ ከም ዘሎ ፈሊጡ ንኽቀትሎ እዩ ዝነበረ። ነገራት ጌና ከይኮኑ ከለዉ ዝፈልጥ ሓያል ኣምላኽ ግና መልኣኹ ልኢኹ ብኻልእ ቦታ ከም ዝምለሱ ገበሮም። ሄሮድስ ንዓኣቶም ክጽበ ከሎ ንሳቶም ግን እግዚኣብሔር ንመንገዶም ኣሕጺሩ ብሰላም ናብ ዓዶም መለሶም።

ኣቐዲሙ ዝተረበሸ ሄሮድስ ዘይምምጻእ ሰብኣ ሰገል/ሰብ ጥበብ ተወሲኽዎ ሓረቖቱ ኣዝዩ ነደደ።እታ “ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ እዩ ዝውለድ ክንሰግደሉ መጺእና እትብል ቃል ሰብ ጥበብ ካብ ኣእምርኡ ምእላይ ኣበየት።ካብዚ ተበጊሱ ካኣ ነቲ ንዕኡን ንዓለም ብምልእታን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሞት ናብ ሂይወት ከውጽእ ዝመጸ ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክስርቶስ ንምቕታላ ኣኃዱ ኢሉ ተበገሰ። ምናልባት ከይቀተልክዎ ክተርፍ ስለ ዝኽእል ኩሎም  ህጻናት ክቕተሉ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ ከም ውጽኢቱ ካኣ 144,000 ሽሕ ህጻናት ቀተለ (ማቴ፪፡፲፮/2፡16)።

   በዚ ግዜ እዚ እዩ እምበኣር ቅዱስ እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ንጻድቕ ዮሴፍ፡ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ክቐትሎ ይደልዮ ኣሎ እሞ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ተመለስ ኢለ ክሳዕ ዝነግረካ’ውን ኣብኡ ጽናሕ ክብል ዝተዛረቦ (ማቴ፪፡፲፫-፲፭/2፡13-15)። ኣቐዲሙ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብኣፍ ነቢይ  ኢሳይያስ “ወይወርድ እግዚእነ  ውስተ ምድረ ግብጽ ተጽዒኖ ዲበ ደመና ቀሊል -እንሆ እግዚኣብሔር  ብቕልጡፍ ደመና ናብ ግብጺ ይመጽእ” ኢሉ ዝተዛረቦ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ኣብታ ብደመና ዝተመሰልት ቅድስት ድንግል ማርያም ሕቖ ተጻዒኑ ፡እቲ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ናብ ግብጺ ተሰደደ (ኢሳ፲፱፡፩/19፡1)።

 ንምቕታሉ ዝተሃንደደ ሄሮድስ እንሆ ብዙሓት ወተሃደራት ልኢኹ ንክርስቶስ ደልዮም ከምጽእዎ ንሱ ድማ ብዙሕ ወርቅን ስልማትን ክህቦም ምዃኖም ቃል ኣትዩ ለኣኸ። እዚ ክገብር ከሎ ዮሳ ዝተባህለ ወዲ ዮሴፍ ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ እሞ ነዚ ቃል እዚ ምስ ሰምዐ ካብ መደቀሲኡ ተንሲኡ እቲ ሄሮድስ ዝተዛረቦ ኩሉ ንቅድስት ድንግል ማርያምን ንሓላዊኣ ዮሴፍ ምእንቲ ክነግሮም ደድሕሪኦም ጎይዩ ከዱ። እንሆ ካኣ ብቐትሪ ጸሓይ ብለይቲ ካኣ ቁሪ  ስለ ዝወድኦም ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኢሎም ኣዕሪፎም ከለዉ ረኸቦም። ስምዖን እቲ ንጉስ ሄሮድስ ገይርዎ ዘሎን ንሳቶም ኮፍ ኢሎም ምስ ጸንሕዎን ካብ ልዑል ሻቑሎት ዝተላዕለ “ሄሮድስ ንዓኻትኩም ከርክብ ወተሃደራት ልኢኹ ከሎስ ንስኹም ኣብዚ ኮፍ ኢልኩም!!!” ክብል ብዓውታ ተዛረቦም። ነዚ ዝሰምዐት ርህርህተ ሕልና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ምድንጋጻ ዝተላዕለ ኣዝዩ መሪር ብኽያት በኸየት ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ዝበሎ፡ ልባ ብሓዘን ተመልኤ ንብዓት ካብ ገጸ ናብ መሬት ወረደ፤ ኣየ ኣደ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ክትነብዕ ከመይ ዕጹብ ድንቂ ኢዩ!!!። እቲ ንዓለማት ዝምግብ ጸባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተመገበ፡ ሱቕ ኢሉ ይዕዘብ ነበረ።ንዮሳ ካኣ ከምዚ ክብል ብኣምላኻዊ ቃሉ ተዛረቦ፡” እንሆ ሄሮድስ ሰራዊት ልኢኹ ክደልየኩም ይመጽእ ኣሎ ምባልካ ጽቡቕ ነይሩ እንተኾነ ግና  ንወላዲተይ ስለ ዘሰንበድካያ ብሰንክኻ ካኣ መሪር ብኽያት ከም እትበኪ ስለ ዝገበርካያ ፡ክሳዕ ብዳግማይ ምጽኣተይ ኣተንስኤ ዋጋኻ ዝኸፍለካ እምኒ ተተርኢስካ ሙት በሎ”‘ ከም ቃሉ ካኣ እምኒ ተተርኢሱ ሞተ ፡እምኒ መሲሉ ካኣ ተረፈ።

ካብኡ ተንሲኦም ጉዕዝኦም ቀጸሉ።ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሐት ሳግላ ብተኣምር ተኸፊታ  ንኹላቶም ኣእተወቶም ኣብኣ ካኣ ተዓቖቡ። እንሆ ኣብ ቅድሚኦም ዝረኣይዎም ወተሃደራት ክሕዝዎም እንተመጹ ክረኽብዎም ኣይከኣሉን።ድምጺ ኣድጊ ይሰምዑ እንተኾነ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ውሽጢ ሳግላ ከለዉ ክርእይዎም ኣይከኣሉን።ብኸምዚ ካኣ ስኢነሞም ናብ ዓዶም ተመልሱ።ሕጂ’ውን ጉዕዝኦም ቀጸሉ። እንተኾነ ነታ ተጻዒኖማ ዝነበረት ኣድጊ ንምሕላፉን ንምስጋሩን ኣዝዮም ኣሸገርቲ ዝኾኑ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኣእማን ጸንሕዎም።እንተኾነ ሕጂ’ውን ብተኣምራት ሰገርዎም ድኣ።ቀጺሎም ኣብ ግብጺ ምስ በጽሑ  ኩሎም ኮሮቤትን ጎቦታትን ሰገድሉ፡” ምዕረ ትትፌሣሕ ሶብ ተኅዘን ለሕፃን ወላዲቱ ርእያ ዘገብረ ተኣምረ ውስተ ደወለ ግብጽ ኣመ በኣቱ ኣንፈርዐጹ ኣድባር ወሰገዱ ሎቱ” ከም ዝበለ።

ከም ብሓድሽ ጉዕዝኦም ቀጸሉ።እንተኾነ ግን ሰይጣን ቀቅድሚኦም እና ኸደ ንሰባት ክፉእ ከምዝሓስቡን  መከራ ከም ዘውርዱሎምን ይገብር ነበረ።፡ኣብቲ መሪሪ ምድረ በዳ ማይ ስለ ዘይነበረ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝያ ተጨነቐት።ሓዘና ዝረኣየ  ጎይታ ግናካብቲ ኮፍ ኢለምሉ ዝነበሩ ከውሒ ጽሩይ ማይ ከም ዝወጽእ ገበረ።” ሰሚዖ ሕፃን ለእሙ ገዓራ ፡ባረከ ኰኩሐ ወአ ንቅዐ ማየ እምታሕተ እግራ ወእምኔሃ ለጽምኣ  ትስተይ ኣመራ ” ከም ዝበለ ደራሲ። “ወከመ ኢይስተይዋ ሰብኣ ሀገር ለይእቲ ማይ ኣምረራ ፡ወለር ሁቃን ፈውሰ ወጥዕምተ ገብራ- ነቶም ደቂ ሃገር መራር ንነጋድያን ንገያሾ ከም መዓር ጥዕምቲ ናይ ስጋ ፈውሲ ከም እተውህብ ገበራ።

ዝነበሮ ስንቂ ስለ ዝወድኡ ዝብላዕ’ውን ኣብ ከባቢኦም ስለ ዘይነበረ ዝብላዕ ንእሽተይ ቁራስ እንጌራ እንተረኸቡ ኢሎም ናብ ሓንቲ ትእማን እትብሃል ሰበይቲ በጽሑ ።ንቅድስት ድንግል ማርያም  ምስ ረኣየት ካበይ ዝመጻኺ ኢኺ ፧ ክትብል ሓተተታ።ቅድስት ድንግል ማርያም ካኣ ካብ ምድሪ ይሁዳ ክትብል መለሰት። እንሆ ንስኺ ስራሕኪ ክፉእ ስለ ዝኾነ እምበር ንስኺ ትመስሊ ካብ መጋረጃ ገዛኺ ምወጻኺ  ክትብል ብትዕቢት መለሰት። ነዚ ዝሰምዐ ኣረጋዊ ዮሴፍ “ከምዚ ዓይነት ጸርፊ እንታይ ኣድለየ! እንተኣለኪ ክትህብና እንተዘይብልኪ ካኣ ብሰላም እተዉ ክትብልና ኢዩ ዝግባእ “” ክብል መለሰላ። ኰቲባ እትብሃል ኣገልጋሊታ ድማ ካብ  ውሽጢ ገዛ መጺኣ እንሆ ንጎይታ ካብ ሕቕፎ ቅድስት ድንግል ማርያም ወስዳ ናብ ምድሪ ደርበየቶ።ሕጂ’ውን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምሪራ ኣልቀሳት ልባ ብጓሂ መልኤ፡ካብ ምድሪ ክተልዕሎ ኢላ ድንን ምስ በለት እንሆ ዮሴፍ “ኅድጊዮ ያርእየነ ኣምላክናሁ-ኣምላኽነቱ ይግለጽ ግደፍዮ ” በላ።እዘን ኣብ ልዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳን ግፍዕን መከራ ዘውረዳ ትእማንን ኰቲባን ምድሪ ኣፋ ከፊታ ወሓጠተን።

ካብኡ ወጺኦም ምስ ከዱ’ውን እቶም ብዕለተ ዓርቢ ብየማንን ብጸጋምን ናይ ጎይታ ዝተሰቕሉ ክልተ ሸፋቱ ማለት ዳክረስን ጥጦስን ኣብ መገዲ ተጓነፍዎም።እንሆ ካኣ ሰብኣ ሰገል ዘምጽእሉ ክዳን ጎይታ ገፊፎም ወሰድዎ። ቅሩብ ርሕቕ ኢሎም ግና “እዞም ሰባት ካብ ቤተ መንግስቲ ኢዮም ዝመስሉ ኣዝዮም ካኣ የደንግጹኒ ኣለዉ ስለዚ ክዳኖም ንምለሰሎም” ክብል ጥጦስ ንዳክርስ ተዛረቦ።እዚ ክብሉ ከለዉ ብዓይና ትዕዘብ ዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ንወደይ ክቐትሉለይ ኢዮም ቀልጢፍና ንርሓቕ ኢላ ኣምሪራ ኣልቀሰት ጎይታ ግና “ኢትከዐው ደምየ ዘእንበለ ዕለተ ዓርብ ኣቅድሞ- ቅድሚ ዕለተ ዓርቢ ደመይ ኣይፈስስን ኢዩ እንሆ ካኣ ሓደ ብየማነይ እቲ ሓደ ካኣ ብጸጋመይ ክስቀሉ ኢዮም” ክብል ብኣምላኻዊ ቃሉ ኣጸናንዓ።

ጥጦስን ደክረስን በቲ ሓሳብ ተሰማሚዖም ነቲ ዝወሰድዎ ክዳን መለስዎ ፡እንሆ ካኣ ጥጦስ ንጎይታ ተሰኪሙ ንሴፉ ተመሪኲሱ ምጉዓዝ ጀመረ ኣብ መንጎ ግና እታ ሒዝዋ ዝነበረ ሴፍ ኣብ ክልተ ተሰብረት ፡በቲ ዝኾነ  ነገር ጥጦስ ኣዝዩ ሓዘነ ጎይታ ካኣ “ኦ! ጥጦስ ኣስተጋብእ ስባራተ ሰይፍከ -ነቲ ዝተሰብረ ሴፍካ ኣላግቦ” በሎ እሞ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝተሰብረ ሴፍ ከም ቀደሙ ገብሮ።መጠን እቲ ዝጓሃዮ ጥጦስ ኣዝዩ ተሓጎሰ በለ ካኣ “ዝንቱ ህጻን እም ደቂቀ ነቢያት።”

ቅድስት ድንግል ማርያም  ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትንቀሳቐስ ከላ ኩሉ ኣተኲሩ ዝጥምታ ዘበለ ንወዳ ዝጸልእ ፡በረኻ እንተኸደት ካኣ ሽፍታ ዝረኽባ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ እንሆ ናይ ወደይ ደም ክፈስስ ብዓይነይ ካብ ዝርኢ  ኣነ ይቐድም ” ይእቲ ትበኪ ወትቤ ቀቲሎትየ ይቅድሙ እምእርአይ ለወልድየ እንዘይትከዐው  ደሙ ” ከም ዝበለ ደራሲ ኢላ እና ኣልቀሰት ናይ ቀትሪ ናይ ምድረበዳ ግብጺ ረስንን ምቑተን ለይቲ እቲ ሓያል ቁሪ ናይ ምድረ በዳ ጥሜትን ጽምእን ተጻዊራ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን(፵፪/42 ኣዋርሕ) ኣብ ስደት ጸንሐት።(ራእ፲፪፡፩-፲፯/12፡1-17)

ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንኹሉ ዝፈጠረ ኣብ ልዑል ዝፋን ዝነብር ዘልኣለማዊ ሓያል ኣምላኽ ከሎ ስለምንታይ ተሰደደ ፧ ስለምንታይከ እዚ ኩሉ መከራን ሽግርን ረኸቦ፧ ዝብል ሓታቲ ክህሉ ግድነት ኢዩ።ቅድሚ ምኽንያት ምስዳዱ ምዝራብና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ሰብ ከየለበሰ ብትእዛዝ ቃሉ ንኣዳም ካብ ባርነት ከውጽኦ ይኽእል ኢዩ።እንተኾነ ግና ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ማዕረ ክንደይ መወዳድርቲ ኣልቦ ምዃኑ ከርእየና ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ፍጹም ሰላም ሂቡና ኢዩ።

ናብቲ ሓሳብና ክንምለስ ፡ክርስቶስ ኣምላኽና ምስ ኣዴኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብታ ብሲኦል እትምሰል ግብጺ ምስዳዱ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ እዩ።እዚ ኮይኑ ናብ ግብጺ ምስዳዱ ብሃንደበት ዝኾነ ወይ ድማ ከም ቋንቋ ዓለም ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኣይኮነን።እንታይ ድኣ ትንቢት፡ምሳሌን ምስጢርን ሰለ ዘለዎ ኢዩ።

ትንቢት፡

“ወይወርድ እግዚእነ  ውስተ ምድረ ግብጽ ተጽዒኖ ዲበ ደመና ቀሊል -እንሆ እግዚኣብሔር  ብቕልጡፍ ደመና ናብ ግብጺ ይመጽእ”(ት.ኢሳ፲፱፡፩/19፡1) ከምኡ’ውን ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ “(ሆሴ፲፩፡፩/11፡1)ዝብል ቃል ትንቢት ስለ ዝነበረ’ዩ።

ምሳሌኡ

ኣቦታቱ እስራኤል ኣቐዲሞም ናብ ግብጺ ተሰዲዶም ስለ ዝነበሩ ኢዩ።ዘፍ፲፭፡፲፭-፲፮/15፡15-16  ዘፍ፵፮፡፫-፳፯/46፡3-27።ከምኡ’ውን ኪዳን መልከጼዴቅ ንምፍጻም ኢዩ።ማለት ህዝበይ መሓረለይ ኢሉ ምስ ለመኖ  ጎይታ “ንወደይ ናብ ግብጺ ምስ ጸዋዕክዎ ከድሕኖም ኢየ” ኢልዎ ነበረ ይብል ቅዱስ ቄርሎስ (መጽሓፈ ሊቃውንት) ።

ዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣብ ልዕሌና ክነግስ ጽባሕ’ውን ክገዝኣና ኢዩ ኢሎም ኣብ ልዕሊኡ ብኽፍኣትን ብቕንእን ተላዒሎም ናብ ግብጺ ሸጥዎ።፡(ዘፍ፴፯፡፩-፴፮/37፡1-36)።ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን እንሆ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ ” እንሆ እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧” እና በሉ ኢየሩሳሌም  ስለ ዝመጹ ነዚ ዝሰምዔ ንጉስ ሄሮድስ ድማ ንግስነተይ  ክምንጥለኒ ፡ሽመተይ ካኣ ክስዕረኒ ኢዩ ብምባል ናብ ግብጺ ከም ዝስደድ ገይርዎ ኢዩ።

ምስጢሩ

ኃይማኖት ኣብ ኩሉ ክለዋወጥ ከሎ ግብጺ ወልድ ዋህድ ብዝብል እምነት ጸኒዓ ከም እትነብር ንምግላጽ ኢዩ፡ ከመይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር  ግብጺ መሰውዒ  ንእግዚኣብሔር ክትከል ኢዩ። እዚ ካኣ ንእግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት  ምልክትን ምስክርን ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ስለ ዝተነግረ ኢዩ (ኢሳ፲፱፡፲፱-፳/19፡19-20)።

ስለምንታይከ ተሰደ እንተበልና፧

1) ኣዳም ካብ ገነት ተሰዲዱ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ካሕሳ ክኸወን ኢሉ ።

2) “ኦ! ዕልው ነጽር ከመ ጒየተ ሕጻን አጒየዮ ለዲያብሎስ” ቴዎዶጣስ ዘዕንቄራ

ናይቲ ሕጻን ስደት ንዲያብሎስ ከም ዘህደሞ(ከም ዘርሓቖ) ኣስተውዕል ከም ዝበሎ ኣጋንንቲ ካብ ልቢ ሰብ ኣውጺኡ ምእንቲ ክሰጉግ እዩ ዝተሰደ።መጽ. ሊቃውንቲ።

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስደት ኣብ ግብጺ ጥራሕ ዝተሓጽረ ኣይነበረን።ናብ ሃገርና ኤርትራን ኢትዮጵያን  እውን በጺሓ ኢያ።ነቢይ እንባቆም “እግዚኣብሔር ካብ ቴማን እቲ ቅዱስ ካኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ።ክብሩ ሰማያት ከደነ ምድሪ ድማ ምስጋንኡ መልኤት።ምንጽብራቑ ከም ብርሃን ነበረ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ ሓይሉ’ውን ኣብኡ ተሓብአ” ዝበሎ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ።(ት.እንባ፫፡፫-፬/3፡3-4) ፡እቲ ቅዱስ ካኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ ከም ዝተባህለ ከረን ፋራን ዝተባህለት  ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ። ካብቶም ሰለስተ ቅዱስ ሓደ ቅዱስ ኢየሱስ ክርስቶስ  ማኅተመ ድንግልንኣ ከይከፈተ /ብድንግልና/ኣትዩ  ማኅተመ  ድንግልንኣ ከይከፈተ ወጺኡ’ዩ።ብምቕጻል’ውን ሓላዊኣ ዮሴፍን  ኣዲኡ ድንግል ማርያምን እቲ ሕጻን ኢየሱስ ክርስቶስ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ሰለስተ ዓመትን መንፍቕን ኣብ ስደት ነበሩ።

ከምቲ ኣብ ወንጌል ነገረ ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጹ ዘሎ ነባቤ መለኮት ዝኾነ  ቅዱስ ዮሃንስ’ውን ኣብ መጽሓፍ ራእይ  ጽሒፉ ኣሎ።ኣብዚ ቃል ጥንስቲ ሰበይቲ ዝተባህለት ንኣምላኽ ብድንግልና ዝጠነሰት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።ጻዕሪ ተታሒዛ ክትወልድ ተጨነቐት ዝበሎ ብናይ ካልኦት ኣንስቲ ልማድ ምዝራቡ እዩ ኣምበር ኣዴናስ እዚ ኩሉ የብላን።ምስ ወለደት ነቲ ውሉዳ ክውሕጥ  ኣብ ቅድሚ እታ ክትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ ዝተባህለ ኣብ ሄሮድስ  ዝሓደረ ሰይጣን ኢዩ።ራእ፲፪፡፱/12፡9።ንሳ ንኣህዛብ ብጹኑዕ ስልጣኑ ንዝሕልዎም  ሓያል ወዲ ተባዕታይ/ወልድ/ወለደት።እቲ ወዳ ካኣ ናብ እግዚኣብሔርን  ናብ ዝፋኑን ተወስደ ዝተባህለ ከም ሰብነቱ /ሰብ ብምዃኑ/ ከምዝተሰደደ ኣምላኽ ከም ምዃኑ ካኣ ኣብ የማን ኣቦ ከም ዘሎ ምዝራቡ ኢዩ።ኣብ ግብጺ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ክትሕሎ ምእንቲ ናብቲ እግዚኣብሔር ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሃደመት ናብ ደብረ ቁስቋም ካኣ ከደት።

ገበል ዝተባህለ ሰይጣን ኣብ ሄሮድስ ሓዲሩ ንድንግል ማርያም ሰጎጓ።ሓደ ዘመን/ሓደ ዓመት/ ዘመናት’ውን /ክልተ ዓመት/ ፈረቓ ዘመን/ሽዱሽተ ወርሒ/ ብጠቕላላ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ናብ እትሕለወሉ ስፍራ  ምእንቲ ክትነፍር ክልተ ክንፊ ናይቲ ዓቢ ንስሪ ተዋህባ።ክልተ ክንፊ ዝተባህለ ነጽሓ ስጋን ነጽሓ ነፍስን እዮም።ምኽንያቱ ኣዴና ንኽልቲኡ ብሓባር ኣጣሚራ ዝሓዘት ኢያ።ኣቦታትና’ውን ከምዚ ገይሮም ነቲ ምስጢር ይገልጽዎ።

ብኣጣቓላሊ ኣዴና ኣብ እዋን ስደታ ብዙሕ መከራ ተቐቢላ’ያ።ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ “ኦድንግልብዘመንርጉምሄሮድስካብሃገርናብሃገርምስኡእናጐየኪምሳኺዝተሰዶስደትኣዘክሪ። ኦድንግልካብኣዕይንትኺናብገጽፍቁርወድኺዝወሓዘመሪርንብዓትኣዘክሪ። ኦ!ድንግልጥሜትንጽምእንመከራንኃዘንንኵሉምስኡዝበጽሓኪጸበባኣዘክሪ።” ዝበለ ነዚ እዩ።(ቅዳሴ ማርያም ቁጽሪ ፻፷፯/167)

ካብ ስደት ምምላስ

ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣንቀጽ ብጹኣን ትምህርቱ ” ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ መንግስተ  ሰማያት  ናቶም እያ እሞ  ብጹኣን እዮም” ኢሉ ኣሎ (ማቴ፭፡፲/5፡10)።በዚ ዓይነት ንጽድቂ ደልዮም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንዕኡ ንምርካብ ዝተሰዱ ብዙሓት እዮም።ናይ ድንግል ማርያም ስደት ግና ፍሉይ ኢዩ።ግዚኡ ከይበጽሐ  ከይመውት ምእንትኡ ንስደት ኣብ ቤተልሔምን  ኣብቲ ከባብን ዝነብሩ ክልተ ዓመት ዝኾኑን ካብኡ ዝንእስ ዕድመ ዘለዎምን ሕጻናት ካብ ማእከሎም ኣይስኣንን’ዩ ብዝብል ምኽኒት ብሄሮድስ ብሰራዊቱን ተቐቲሎም’ዮም።

ሄሮድስ ድሕሪ ምማቱ ኣብ ግብጺ እንዳተዘዋወረ ከሎ ካብ እግዚኣብሔር ዝተኣዘዘ መልኣኽ ንዮሴፍ ነገሮ።” ተንስእ ንሳእ ሕፃነ  ወእሞ ውሑር ውስተ ምድረ እስራኤል ” ተንስእ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን  ሒዝካ ናብ ምድረ እስራኤል  ተመለስ ፡እቶም ነፍሲ እዚ ሕጻን ዝደልዩ ሞይቶም እዮም”  በሎ።በዚ ጥቕሲ እዚ ጎይታ ካብ ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋ ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲ”ውን ከም ዝወሰደ ንርዳእ።

ኣብዚ ቃል እዚ መልኣከ እግዚኣብሔር እቲ ክቐትሎ ዝበለ ሄሮድስ ክንሱ “እቶም ነፍሲ እዚ ሕጻን ዝደልዩ ሞይቶም እዮም” ምባሉ ስለምንታይ ኢዩ እንተበልና ንጉስ ሄሮድስ ምስ ሰዓብቱ ስለ ዝሞተ ኢዩ።

ድሕሪ እዚ ኣረጋዊ ዮሴፍ ከምቲ ቅድሚ ግብጺ ምውራዱ “ክሳዕ ዝነግረካ ኣብኡ ጽናሕ” ዝተባህሎ ቃል መሰረት ግዜኡ ሰዓቱን ምስ ኣኸለ “ተመለስ” ተባህሎ እሞ ተንሲኡ ንድቅድስት ድንግል ማርያምን ነቲ ህጻን ንኢየሱስ ክርስቶስን ሒዙ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣተወ።እንተኾነ ኣርኬላዎስ ኣብ  ክንዲ ኣቡኡ ሄሮድስ ነጊሱ ስለ ዝነበረ ምንጋሱ ምስ ሰምዔ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ።እዚ ዝኾነሉ ካኣ ኣርኬላዎስ ናይ ኣቡኡ ክፉእ ጠባይ ሒዙ ከይጻረሮ በቲ ሓደ ወገን ካኣ ደቆም ዝተቐትልሎም ሰባት እውን በዚ ሕጻን እዚ ምኽንያትዶ ኣይኮነን ደቅና ዝተቐትሉ ኢሎም ከይቋወምዎ ስለ ዝፈርሐ ኢዩ።

ብሕልሚ ተረዲኡ ናብ ገሊላ ከይዱ “ብነቢያት ናዝራዊ ክበሃል ኢዩ” ዝተባህለ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።

1.ናዝራዊ ማለት ንእግዚኣብሔር ዝተፈልየ ማለት ኢዩ።ዘኁ፮፡፩-፳/6፡1-20

  1. ወደይ ከም ናዝራዊ ከም ሳምሶን ክበሃል ኢዩ ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ኣብ ናዝሬት ተቐመጠ።

ክርስቶስ ንሳምሶን ብምንታይ ይመስሎ እንተ በልና፡ሳምሶን ብዝተናዕቀት መሰንገለ ኣድጊ ንጸላእቱ ኣጥፊኡ ኢዩ (መሳ፲፭፡፲፭-፲፮/15፡15-16)። ክርስቶስ ድማ ኣይሁድ ኣጋንንቲ  ብዝነዓቕዎ ሞቱ ንሞት ኣጥፊኡ ኢዩ።”በሞቱ ደምሰሶ ለሞት ” ይብል መጽሓፈ ኪዳን ሳምሶን ብሂወቱ ከሎ ካብ ዘጥፍኦም ጸላእቱ ብሞቱ ዘጥፍኦም ጸላእቱ ይበዝሑ (መሳ፲፮፡፴/16፡30)። ክርስቶስ ድማ ቅድሚ ስቕለቱ ካብ ዘጥፍኦም ኣጋንንቲ ብስቕለቱን ብሞቱን ዝጠፍኡ ኣጋንንቲ ይበዝሑ (ቆላ፪፡፲፬-፲፭/2፡14-15)።

  1. ናዝሬት ማለት ፍልይቲ ማለት ኢዩ። ወደይ ፍሉይ ምእንቲ ክበሃል ኣብ ናዝሬት ተቐመጠ።”ከመ ይትፈጸም ዘተብህለ ስሙ ለልዑል ቅዱሰ ቅዱሳን” ተባሂሉ ብነቢይ ዝተነግረ  ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ኢዩ (ዳኒ፱፡፳፬-፳፭/9፡24-25)።

  2. ናዝሬት ማለት አጽቅ (ጨንፈር) ጽጌ ማለት ኢዩ። ወደይ ኣጽቃዊ ጽጌያዊ ምእንቲ ክበሃል ናብ ናዝሬት መጺኡ ተቐመጠ። እንሆ ሰርጸ መንግስት ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ቦትኡ ኪጭንፍር መቕደስ እግዚኣብሔር ድማ ክሃንጽ ኢዩ። ተባሂሉ ካብ እግዚአብሔር ብነቢይ ዝተነግረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ኢዩ (ዘካ፮፡፲፪/6፡12)። ከመይ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ከም ጉንዲ ንምእመናን ከም ጨንፈር  ጌይሩ ስለ ዝመሃረ ኢዩ (ኢሳ፲፩፡፩/11፡1, ዮሓ፲፭፡፭/15፡5)።

መልእኽቲ ጾመ ጽጌ

መቸም ንዉሉድ ፈትዩ ንወላዲ ዝፈቱ ሰብ ኣሎ ምባል ኣዝዩ ዝኸብድ ክኸውን’ውን ኣይክእልን።ሎሚ ኮነ ትማሊ ጽባሕ እውን ንወላዲት ኣምላክ ዝጸልእ እቲ በይኑ ዝኾነ ሳጥናኤል ጥራሕ እዩ።ብመገዲ ሳጥናኤል ዝኸዱ ኣብ ኣሰሩ ዝቖሙ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝጸልኡ  ሰባት’ውን ካብ መቅደንዮስ ጀሚሩም ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ወዮ ድኣ ሰይጣን ብተንኮሉ ልቦም ስለ ዘጸልመተ እምበር ንመድሓኒት ዝወለደት ኣደ መዳሓኒት ዝኾነ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ፡ነዚ ሎሚ ረኺብናዮ ዘለና ሰላም ንኽንረከብ፡ ንኣማናዊ ጸሓይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ፡ቅድስት ድንግል ማርያም እትጽላእ ኣይኮነት። ከም ሰማያዊ መልኣኽ መጋቤ ሓድሽ  ቅዱስ ገብርኤል፡ ከም ቅድስት ኤልሳቤጥ ውሽጥና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኣንደበትና ከፊትና ክነመስግና፡ከም ቅዱስ ዮሃንስ ወልደ ዘካርያስ ንኽብራ ፍግም ኢልና ክንሰግድ ይግብኣና ኢዩ።

በዚ ወርሒ እዚ ወይ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጾመ ጽጌ(ስደት ናይ ቅድስት ድንግል ምስ ወዳ ናብ ግብጺ) ኢላ ብድምቀት እተኽብሮ ግዜ ንሕና ደቃ ናይ ቅድስት ድንግል ፍቕሪ ካብ ልብና ከይርሕቕ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ሰይጣን ናይ መጨረሽታ ዝገብሮ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ፍቕሪ ድንግል ማርያም ካብ ልቢ ሰባት ፈጺሙ ተመንቊሱ ከም ዝጠፍእ ምግባር እዩ።ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕራ ኣብ ልብና ቦታ እንተዘይብሉ ካኣ ብፍጹም ነገረ ድሕነትና ክነስተውዕል ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እንሓስበሉ ግዜ ናታ ቅድስናን ድንግልናን ዝተዋህበቶ ፍጹምን ምሉእን ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሃብቲ ድንግልናን ቅድስናን ኣደ ኣምላኽ ናይ ምዃን ጸጋን ከም እንዝክርን ከም እነስተውዕልን ይገብረና። እንሆ እቲ ኣምላኽ ክንሱ ኣምላኽነቱ ከይሓደገ ሰብ ዝኾነ ፡ሥጉው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ውዒሉ ዝሃበና ፍጹም ሰላም ማዕረ ክንደይ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ፍቕሪ ክግለጽ ዘይክእል ምዃኑ ዝያዳ ኩሉ ብዓይነ ልቦና ከም እነስተውዕሎ ይገብረና።

ሎሚ ብዙሓት ትካላት እምነት ብጉልባብ ክርስትና እና ተጠቐማ ስም ክርስቶስ ይጽውዓ ኣለዋ።እንተኾነ ንክርስቶስ ከም መንነቱ ዘይይፈልጥኦ ፡ነገረ ተዋሕዶ ዘየስተውዓላ ፍጹም ናይ ቀራንዮ ውዕለት ዘይፈልጣ እየን።ብመንጽር እዚ ካኣ ንክርስቶስ ከም ተራ ሰብ ፡ንቅድስት ድንግል ድማ ከም ዝኾነት ሰበይቲ እምበር ቅድስት ንጽህትን ምዃና ፡ንድሕነት ዓለም ክብል ክርስቶስ ኣምላኽና ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ዝቖረሶ ስጋን ዘፍሰሶ ደምን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወስደ ከም ዝኾነ ከይተገንዘቡ ክነብሩ ይረኣዩ።

ንሕና’ኸ እቶም ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እንኣምን፡ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ድሕነት ዓለም ከም ዝኾነት እንኣምን ሰባት ውሽጣዊ ፍቕርና ፡ኣነባብራና ፡ስለ ድንግል ማርያም ዘሎና ፍቕሪ እንታይ ይመስል። ምናልባት ሰይጣን ካብ ኣዴና ክፈልየና ፡ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ብውክልና ዮሃንስ ወንጌላዊ ዝተቐበልናዮ ኣደናታ ክምንዝዓና ዘይፍትኖ ፈተነን ዘይዳልዎ መጻወድያን የለን። ስለ ዝኾነ ኣብ ጸጽባሕ ፍቕራን ጣዕማን ኣብ ልብና ዘለዎ ቦታ ክዛይድን ክዓብን ክኽእል ኣለዎ። ከም ኩሎም ቅዱሳን ንዓኣ ምምስጋን ናይ ዕለቱ መግብና ክኸውን ይግባእ።

በዚ ግዜ እዚ ኣምላኽ ጸጋ ዘብዝሓሎም ፡ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልቦም ሰፊሕ ቦታ ዝሓዘ ሰባት ነቲ ዝሓለፈቶ መሪር ስደት ምድረበዳ እና ዘከሩ ብጾምን ብጸሎትን ብልመናን ይሓልፍዎ ።

እወ! ስደት እሞ ኻኣ ጉዕዞ እስራኤል ናብ ግብጺ እቲ ማይ ኮነ ዝብላዕ ዘይርከቦ ጽንኩር ምድረበዳ ሲና ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይጠፍኣናን ኢዩ።እዛ ቅድስት ኣደ ነቲ እተፍቅሮ ወዳ ሓዚላ ለይቲ ብኣዝዩ ብርቱዕ ዝኾነ ቁርን ኣስሓይታን ፡ቀትሪ ካኣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሙቖት ክትጓዓዘሉስ ይትረፍ ንደቓይቕ እውን ጠጠው ክትብል ዘሸግር ጸሓይ ምድረበዳ ግብጺ ተጻዊራ እያ ንሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን መመላእታ ዝነበረት።

እሞኸ ድኣ ነዚ እንዝክር ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣሎና ዶ፧

 እስከ ህድእ ኢልና ነስተውዕል፡ነስተንትን ካኣ። ክርስቶስ ኣምላኽና ጌና ብህጻኑ ከሎ ዝተሰደዶ ስደት ስለ መን ኮን ይኸውን፧ ርህርህተ ሕልና ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ሸፋቱ ኣብ ዝረኸብዋ ግዜ  ንብዓታ ክሳዕ ምድሪ ክበጽሕ ፡ልባ ብጓሂ ከመልእ ፡እወ ልባ ብሓዘን ክስንጠቕ ትርኣየና ዶ፧ ሃየ ድኣ ነዚ ነስተውዕል ናይ ክርስቶስ ዘበልና ኩላትና።

እምበኣር ንሳ ኣምላኽ ዝዓደላ ለዋህ እያ እሞ ሎሚ’ውን ንሳ ንዘለና ድኻም ንዘሎና ሽግር ናብ ወዳ ለሚና ክተወግደልና ንዓኣ ንጸውዕ። ከም ኩሎም ቅዱሳን ንዒ ናባና ንበላ።  ንሳ ለዋህ ርግቢት ስለ ዝኾነ ብቑልጡፍ ክትመጻና እያ ። ንጸገምና፡ ንጭንቀትና ካኣ በቲ ናይ ሰላም በዓል ቤት ዝኾነ ወዳ ገይራ ክተህድኦ ኢያ እሞ ኩሉ ግዜ ናይ ኣዴና ፍቕራ፡ጣዕማ፡ኣማላድነታን ኣደነታን ከይፍለየና ብዘይ ምቁራጽ ንእግዚኣብሔር ንለምን። ከምቲ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ዝበሎ ካኣ ንዓና ነቶም ኣብ ርኽሰትን ውድቀትን ዘለና ሰባት ናብ ወዳ ለሚና ሰላምን ምርግጋእን ፡ጽድቅን ቅድስናን ወነንቲ ክትገብረና ናይ ኣምላኽና ናይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ጾምና ኣብ ሃይማኖት ዘጽንዕ ፡ፍቕሪ ድንግል ማርያም ኣብ ልቦናን ዝነድቕ ይግበረልና።

ናይ  እግዚአብሔር  ምሕረት

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት

ናይ ቅዱሳን በረኸት ፡ረዲኤት ኣይፈለየና።አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን።

Leave a comment

Send a Comment