በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
፩፭/15 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ሰማዕት ቅዱስ ቢላሞን
ቅዱስ ቢላ
ሞን አብ ዘመነ ሰማዕታት ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ብክርስትናዊ ህይወቱ ዘይኮነስ ብዝነበሮ፡ናይ ፍልስፍና ትምህርቲ ብዙሕ ተፈላጥነት ነበሮ። አብ ፍልስፍና ዘተኮረ ህይወት ስለ ዝነበሮ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይፈልጥ ካብ ኢኣማንያን ወገን ነበረ። እግዚአብሔር ብምኽንያት ከም ዝበጽሕ ምስ ሓደ ካህን ተዓራረኸ። ኣዝዩ ዕሙቅ ዝበለ ዕርክነት መሥረቱ’ሞ፣ ስለ ብዙሕ ነገር ከዕልሉን ክዛተዩን ይውዕሉ ነበሩ። እቲ ካህን ስለ ክርስትያናዊ ሕይወትን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ መንፈሳውነት ዘይለቀቁ ፍልስፍናን ርቀት ምሥጢራትን በዓቢኡ ድማ፡ ተልእኾ ክርስቲያን ስለ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምዃኑ ኣጸቢቁ ብተገዳስነት የዕልሎ ነበረ። በዚ ኣጋጣሚ ቅዱስ ቢላሞን ንክርስትያናዊ ሕይወት እናፈተዎ ድሕሪ ምምጻእ ኣሚኑ ተጠምቀ።
ቀጺሉ ውን ንክርስትና ሕይወት አሐዱ ኢሉ ብምጅማር ኣብ ጾምን ጸሎትን ተፀምደ። ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ ጾምን ጸሎትን ድዉያን ናይ ምፍዋሥ ጸጋ ተዋህቦ። ብዝተወሃቦ ጸጋ ብዙሓት ድዉያን እናፈወሠ ናብ ክርስትና ብምምጻእ ከም ዝድሕኑ እናገበረ ፡ አብ መንፈሳዊ ኣገልጉሎት ተጸምደ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ዓይነ ስዉር ኣብሪህካ ተባሂሉ ብምኽሳሥ ናይ ሞት ፍርዲ ተወሰነሉ። ዝተኣዘዙ ወተሃደራት ቅድሚ ምቅታሎም ጎይታ መጺኡ፡ “ፍቁር ወደይ ኣጆኻ” ክብሎ ከሎ ሠምዑ እሞ 158 ወተሃደራት ብዝሰምዕዎ ድምጺ ኣሚኖም ተጠምቁ። ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ቢላሞን፡ ስምዕትነት ተቀቢሉ ብሰላም ዓረፈ። አምላከ ቅዱሳን ሰማዕታት ንስለ ክብሪ ስሙ ብኸምዚ ብቅዓት ክንዛዝሞ ሓይልን ትዕግስትን ልቦናን ይኃበና። በረኸት ናይ ቅዱስ ቢላሞን ሰማዕት ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር አሜን።
” ሽዑ ጴጥ
ሮስ መሊሱ፡ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧በሎ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ በሎም፥ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ንዓሠርተው ክልተ ነገድ ፳ኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”።
(ማቴ.፲፱፥፳፯ – 19፥27)
ጸለቶምን፣በረኸትን፣ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ቢላሞን ምስ ኩላትና ይኩን!
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!
፩፭/15 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ሰማዕት ቅዱስ ቢላሞን

