፩፰/18 ሕዳር ዕረፍቲ ሓዋርያ ፍሊጶስ

፩፰/18 ሕዳር ዕረፍቲ ሓዋርያ ፍሊጶስ

 

 

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

፩፰/18 ሕዳር ዕረፍቲ ሓዋርያ ፍሊጶስ

    ፍሊጶስ ማለት ስዉር ቦታ፡ ፈታዊ ኣሕዋት ማለት እዩ። ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት፡ ሃገረ ስብከቱ ኣፍራቅያ እዩ። ምስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ

ሓንቲ ከተማ ምስ በጽሑ ኤላውንትሮስ ዝተባህለ ጋኔን ዝሓደሮ ረኸቦም እሞ ፈዊሶም ሒዞም ናብ ከተማ ኣተዉ። ዓቢ ዓንዲ ረኸቡ እሞ ኣብዚ

ደይብካ መስክር በልዎ። እቲ ዓንዲ ድማ ንታሕቲ ወሪዱ፡ ኤለውንትሮስ ኣብቲ ዓንዲ ምስ ደየበ ናብ ዝነበሮ ንላዕሊ ወጸ። ኣብኡ ኮይኑ ክምስክር ከሎ፡ ምድሪ ተናወጸት፡ ብስምባደ ዝሞቱ እውን ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ድማ “ኣመነ በእምላክክሙ ይእዜሰ ኣድኅኑነ ከመ ኢንሙት” ብኣምላኽኩም

ኣሚንና ስለዘለና ከይንመውት ኣድሕኑና በልዎም። ንሳቶም ድማ ምሂሮም ኣጥመቕዎም። ብድሕሪ እዚ ነቲ ህዝቢ ካብ ገቢረ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ፡

ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር መለሶም። ነቢያት ሓሶትን ካህናት ጣኦትን ካብ ንጉስ ፍቓድ ወሲዶም ንቑልቁል ሰቒሎም ቀተልዎ ።

ንስግኡ ከቃጽሉ ምስደለዩ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ማእከሎም ብምውሳድ ኢየሩሳለም ኣብጽሖ። ድሓር ግን እቶም ህዝቢ ኩሎም ስለ

ዝኣመኑ፡ ብሓባር ኮይኖም ድማ ንእግዚኣብሔር ስለ ዝለመኑ፡ መለሰሎም እሞ ብዓቢ ክብሪ ቀበርዎ።

 

 

Leave a comment

Send a Comment