በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፩፱/19 የካቲት “ፍልሰተ ሥጋሁ ለቅዱስ መርትያኖስ”
(ማር.9፡39-50)
ኢየሱስ ከኣ በለ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪ
ዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ዘይበኣሰና ዘበለ ዅሉ ምሳና እዩ። ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕቲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ።
ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ሃልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኴንካ ናብ ሕይወት ምእታው ይሔሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ሕይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቋር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ። ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቕር። ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቕርዎ፧ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። እግዚኣብሔር ስለ ቃላቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።
“ፍልሰተ ሥጋሁ ለቅዱስ መርትያኖስ”
እዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ኣባ መርትያኖስ ሥግኡ ካብ ኣቴና ናብ ኣንጾክያ ዝግዓዘሉ ዕለት እዩ።
ቅዱስ መርትያኖስ ኩሉ ነገር ሓዲጎም ብምንኩስና ንእግዚኣብሔር ዘስመሩ ኣቦ ኮይኖም፡ ብብርቱዕ ተጋድሎ ለይቲ ለይቲ ኣብጸሎትን ምንባብ መዝሙር ዳዊትን ክጽመዱ ከለው ፥ ኣብ መዓልቲ ድማ ኣብ ጾምን ስራሕ ጉልበትን ይግዝኡ ነበሩ። ሰሪሖም ዘምጽእዎ ድማ ድራር ዕለቶም ኣትሪፎም ዝተረፈ ኩሉ ንነዳያን ይምጽውቱዎ ነበሩ።
ሓደ እዋን ሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ ክብሪ ቅድስናኦም ሰሚዓ፡ ብናይ ዝሙት መንፈስ ተታሊላ፡ ከይዳ ብዝሙት ከተውድቖም ከም ዘለዋ ፥ ዲያብሎስ ርኹስ ሓሳባት ኣብ ልባ
ዘርኣላ።
ብድሕሪ እዚ ናብቲ ኣቦና ቅዱስ መርትያኖስ ዝርከቡሉ ደብሪ ከይዳ፡ ጸሓይ ክሳብ ዝዓርብ ኣብ ጥቓ እቲ ደብሪ ደቂሳ ወዓለት። ሽዑ ጸሓይ ምስ ዓረበ፡ ከም ጋሻ ተመሲላ ብምኻድ ንኣቦና ቅዱስ መርትያኖስ ኣብ በዓቶም ከይዳ ኳሕኩሓቶም። ከምዚ ድማ በለቶም። ኣቦየ ጋሻ እየ፡ ክገይሽ ክብል ጸሓይ ኣብ መንገዲ ስለ ዝዓረበትኒ፡ ኣራዊት ከይበልዑኒ ከተሕድሩኒ ኢለ እየ ተኣልየኩም ዘለኹ በለቶም።
ብድሕሪ እዚ ኣቦና ቅዱስ መርትያኖስ ኣብ ልቦም ክልተ ሓሳብ መጾም፡ ከምዚ ድማ በሉ “እንተ ከፈትኩዋ ጓል ኣንስተይቲ እያ እሞ እዚ ግናይ ክፍትነኒ እዩ። ከይከፈትኩዋ ስቕ እንተበልኩ ድማ ኣራዊት በረኻ ኪበልዑዋ እዮም ፥ እሞ ኣነ ድማ ብሕይወታ ኣምላኽ ክሓተኒ እዩ ፥ ጋሻ ኮይነ መጺአካስ ግን ኣይተቐበልካንን እውን ክብለኒ እዩ በሉ።” ብድሕሪ እዚ ጸሎት ጌይሮም ዝመጸ ፈተና ይምጻእ ብሓይሊ ኣምላኸይ ክስዕሮ ኢየ ኢሎም ኪኸፍቱዋ ከም ዘለዎም ወሰኑ። ብድሕሪ እዚ ከፈቱዋ እሞ፡ እታ ዘማዊት ሰበይቲ ናብ በዓቲ ኣቦና ቅዱስ መርትያኖስ ኣተወት። ምስ ኣተወት ድማ ኣብቲ ውሽጢ በዓቲ ኮይና ናይ ዝሙት ምንቅስቓሳት ክትገብር ጀመረት፡ ንሰውነታ እውን ናይ ዝሙት ጨና ተለኸየት። ኣቦና ቅዱስ መርትያኖስ ድማ መዝሙር ዳዊት ይደግሙ ነበሩ። ብድሕሪ እዚ ናይቲ ርኹስ መንፈስ ፈተና እንዳ ዛየደ ምስ ከደ ፥ ኣቦና ቅዱስ መርትያኖስ ድማ ጸሎት ንግበር እዛ ጓለይ በሉዋ። ንሳ ግና ከምዚ በለቶም። ኣቦይ ዋላሓደ ዝርእየና ስለ ዘይብልና ሲ ብሓደ ንደቅስ ብሓደ ንሕደር በለቶም። ብድሕሪ እዚ ኣብቲ ማእከል ገዛ ሓዊ ብምእጓድ፡ ነቲ ሓደ እግሮም ኣብቲ ሓዊ ኣእተውዎ። እቲ ናይ እግሮም ሕራር ጨና ቃሬት ድማ ነቲ ናይታ ዘማዊት ሰበይቲ ገይራቶ ዝነበረት ናይ ዝሙት መንፈስ ጨና ዓብለሎ።
እዚ ምስ ረኣየት ድማ ኣዚያ ደንገጸትን ሰንበደትን እሞ “ንምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ምስ ሓተተቶም ምስኣ ብርክበ ስጋ ዝሙት ከይረኽሱ ኢሎም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምዃኑ ገለጹላ። ከምዚ ድማ በሉዋ፡ “እዚ ትርእይዮ ዘለኺ እግረይ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ኪሓዊ እዩ። ምሳኺ ዝሙት ምስ ዝፍጽም ግና ናብ ናይ ዘልዓለም ገሃንም እሳት እየ ክድርበ በልዋ። ብድሕሪ እዚ እቲ ዘለዎም ቅድስና መንፈሳዊ ሕይወት ተዓዚባ ፥ መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድራ ኮነት።
ንስሓ ከነስሕዋ ድማ ለመነቶም እሞ ፥ ካብ ዝፍለጣ ጀሚሩ ዝገበረቶ ሓጢኣት ብግልጺ ተነስሐት። ናብ ዝነበርኩዎ ናይ ዓለም ሕይወት ክምለስ ኣይደልይን ኢየ ስለ ዝበለቶም ድማ፡ ጸሎት ጸልዮም መሪቖምን ባሪኾምን ናብቲ ደቂ ኣንስትዮ መነኮሳት ዝነብራሉ ደብሪ ገዳም ኣፋነውዋ። ኣብኡ ድማ ብሓያል ጾምን ጸሎትን ስግደትን ክሳብ ዕለት ዕረፍታ ብቅዱስ ዝኾነ ክርስቲያናዊ ሕይወት ትጋደል ነበረት።
ኣባ መርትያኖስ እንበኣር ስለ ኣብ ሓጢኣት ዝነበረት ነፍሲ ብከምዚ መስዋእቲ ከፊሎም ዘድሓኑ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም።
ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ መርትያኖስ፡ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ፡ ከምኡ ውን ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
Leave a comment

