፩.1ጥሪ ልደቱ ለቀዳሜ ሰማዕት ሊቀ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዲያቆናት  

፩.1ጥሪ ልደቱ ለቀዳሜ ሰማዕት ሊቀ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዲያቆናት  

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!!!

፩.1ጥሪ ልደቱ ለቀዳሜ ሰማዕት ሊቀ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዲያቆናት

ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣቡኡ ስምዖን: ኣዲኡ ማርያም ስና ይበሃሉ። እስጢፋኖስ ማለት ብናይ ግሪኽ ቋንቋ “ፀጥታ” “ወደብ” “ኣክሊል” ፋና ማለት እዩ። ነገደ ትውልዱ ብንያማዊ እዩ። ጥሪ ዕለት 1 ተወልደ። ወለዱ ፈራህቲ እግዚአብሔርን ኣመንትን ክትስቶስ ነበሩ። ዝተወልደላ ቦታ “ሃኖስ” “ከለዳዊ” እያ፡ እትብሃል።ኣብ ዘመን ሓዋርያት ዝነበሩ ማሕበረ መእመናን ኣብ ሞንጎ ናይ ኣረማውያንን ኣይሁድን ኣንስቲ ክርክር ተላዒሉ ምንቕቓፍ ምስ ኮነ ንምእመናን ብግቡእ ዘመሓድሩ ሸውዓተ ዲያቆናት ተሾሙ። ካብ እዚኦም ሓደ ቅዱስ እስጢፋኖስ እዩ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ናይቶም 6 ዲያቆናት ሓለቓ (ሊቀ ዲያቆናት) ኮይኑ ንምእመናን ብግቡእ እናስተምሃረ ተኣምራት እናገበረ ብርቱዕ ሊቀ ዲያቆናት ኮነ።

***ካብ ዝገበሮ ተኣምራት***

ኣብ መጽሓፈ ገድሉ ከምዝተጻሕፈ “ናዖድ” ዝተባህለ ጠንቋሊ ናብ ሓደ ብዕራይ ከይዱ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ እንተበሎ ብምትሃት ናብ ክልተ ተኸፍለ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝተዋህቦ ጸጋ ነቲ ዝተመቕለ ኣጋጢሙ ነቲ ዝሞተ ብዕራይ ኣተንስኦ፡ ነቲ ብዕራይ “ንናዖስ ንዓ ኢልካ ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ” በሎ። እቲ ብዕራይ ከም ኣድጊ በልኣም ከም ሰብ ኣፍ ኣውጺኡ ንናዖስ “ቅዱስ እስጢፋኖስ ይደልየካ ኣሎ ኢሉ ጸውዖ”። ኣቐዲሞም በዚ ጠንቋሊ ዝታለሉ ዝነበሩ ሕዝቢ ዝተገብረ ተኣምራት ብምርኣይ ኣሚኖም ተጠመቑ። በዚ ምኽንያት ኣብ ኣይሁድ ቅንኣት ሓደረ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እስጢፋኖስ ክፉእ ንኽፍጽሙ ከኣ ኣበጋገሶም።

ኣብ ዘመን ሓዋርያት ኣብ ኢየሩሳለም ጥራይ 480 ምኩራባት ነበራ። እዘን ምኩራባት እዚኣተን ብናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣይሁድ መዕረፊኦም ኢሎም ዘስርሕወን ንደቆም ትምህርቲ ዘምህሩሉ እውን ኣብኡ ብሓደ ነበረ። ካብዚኣተን ከኣ እተን 5 ምኩራባት ንቅዱስ እስጢፋኖስ ክቐትላኦ ተሰማምዓ ንሳተን ድማ፦

፩ ኣብ ሮም ዝነበሩን ደሓር ካብ ባርነት ነጻ ዝወጽኡ ኣይሁድን ዘስርሕዎ

፪ ናይ ቀሬን ኣይሁድ

፫ ናይ ቂልቅያ ኣይሁድ

፬ ናይ ንእሽቶይ እስያ ኣይሁድ

፭ ናይ እስክንድርያ ኣይሁድ እየን።

እዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ናብ ቅዱስ እስጢፋኖስ መጺኦም ይከራኸርዎ ነበሩ (ግ.ሓዋ 6፡8) መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንታይ ብዝብል ክርክር ከምዝተኸራኸርዎ ኣይነግርን እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ። “ኣንታ መንእሰይ እስከ ንገረና ነዚ የዋህ ሕዝቢ ዘይከውን ነገር እናስተምሃርካ ማራኺ ዝኾነ ተኣምር እናገበርካ፡ ስለምንታይ ተስሕቶ ኣለኻ፧ እዚ ኣምላኽ እዩ እናበልካ እትሰብኮ እስከ ንገረና ካብ ማርያም ዝተወልደ ወዲ ጸራቢ፡ ዓለም ክፈጥር ዝኽእል ኮይኑ’ዶ ይመስለካ፧ ምስተወልደ ካብ ብዝሒ ድኽነቱ ዝተላዕለ ዝጽግዓሉ ስኢኑ፡ ብጨርቂ ተጠቕሊሉ፡ ካብ ንጉስ ሄሮድስ ፈሪሁ ዝሃደመ ካብ ሓጢኣቱ ክጸሪ (ክነጽሕ) ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፡ ዝጠሚ፡ ዝጸምእ፡ ደኺሙ ዝድቅስ፡ ክትሓዝ እንከሎ ከምልጥ ዘይክእል፡ ተኸሲሱ ንዝተዋህቦ ሕቶ ምምላስ ዝስእን፡ ክሰቕልዎ እንከለዉ ካብ መስቀል ንምውራድ ዘይክእል፡ ከምቲ ርጉም ዝኾነ ብመስቀል ተሰቒሉ ዝመውት ዝተሰቕለ፡ ኣብ መቓብር ዝቐበርናዮ” “ኣቡነ ዘበሰማያት ኢልና ክንኣምነልካ” እስከ ሕሰቦ እግዚአብሔር እንተ ዝኸውን ከምዚ ጌሩ ኣይምተሳቐየን፡ ነይሩ በልዎ።

ቅዱስ እስጢፋኖስ ንኹሉ ዘቕረቡሉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ እናሃበ ስለ ዘሕፈሮም ብቑጥዐ ተላዒሎም ብዘይ ሓንቲ ፍርዲ ካብታ ከተማ ንወገን ሰሜን ዘሎ ናብ ቄዳር ዝወስድ መገዲ ብእምኒ ቀጥቂጦም (ጨፍሊቖም) ቀተልዎ። ክዳውንቶም ዝሕልወሎም ዝነበረ ሳውል (ጳወሎስ) እዩ። ንሱ’ውን ምስቶም ናይ ኪልቅያ ኣይሁድ ተሓባባሪ እዩ ነይሩ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ንሰማይ ቅንዕ ኢሉ እንተረኣየ ምሥጢረ ሥላሴ ዝተገልጸሉ ቀዳማይ ሰማዕት ነቶም ብእምኒ ዝቐትልዎ ዝነበሩ ከምቲ ናይ ጐይታ ይቕረ በለሎም ኢሉ ጸለየ፡ ብእምኒ ክቐትልዎ ከለዉ ኦ ጎይታ ነፍሰይ ተቐበል፡ በደለይ ሕደገለይ ክብል እንከሎ እዩ ሰማይ ተኸፊቱ ዝረኣየ (ግ.ሓዋ 6፡7)።

***ዕረፍቱ***

ቅዱስ እስጢፋኖስ መስከረም ዕለት 15 ፍልሰተ ሥጋኡ ክኸውን እንከሎ ጥቅምት 9 ከኣ ቅዳሴ ቤቱ እዩ። ጥቅምት 17 ሊቀ ዲያቆናት ተሾመ፡ ጥር ዕለት 1 ከኣ ቅድስት ነፍሱ ንእግዚኣብሔር ዝሃበላ ዕለት እያ። ናይ 15 መስከረም ስንክሳር ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦ “ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሰ ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሥጋ ኣብ ዝነበረሉ ከባቢ ናይ ጋማልኤል ትብሃል ቦታ ሉክያኖስ ዝተባህለ ሰብ ነበረ። ነዚ ሰብ’ዚ ቅዱስ እስጥፋኖስ ብሕልሚ እናተገልጸ “ኣነ እስጢፋኖስ እየ፡ ሥጋይ ኣብዚ ቦታ’ዚ ተቐቢሩ ኣሎ” ይብል ነበረ። እዚ ሰብ’ዚ ንናይ ኢየሩሳሌም ኤጲስቆጶስ ኩሉ ዝረኣዮ ነገሮ። ንሱ ከኣ ብኽብርን ብምስጋናን ንመቓብሩ ኩዒቱ ኣውጺኡ ናብ ጽርሃ ጽዮን ወሰዶ።

ድኅሪኡ ኣብ ቁስጠንጥንያ ዝነብር እለስክንድሮስ ዝተባህለ ጽብቕቲ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሓሉ። ሥግኡ ናብኡ ኣግዓዝዎ። ንሱ ሞይቱ ድሕሪ 5 ዓመት ኣብ ጎድኒ እስጢፋኖስ ቀበርዎ። ሽዕኡ ሰበይቱ ናይ ሰብኣያ ሬሳ ኩዒታ ናብ ቁስጥንጥንያ ክትወስድ ክትብል ተጋግያ ንናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣስከሬን ካብ ዝመውት ድሕሪ 300 ዓመት ኣብ መርከብ ጽዒና እናተጓዕዘት ካብቲ ሳጹን ጥዑም ሽታን ምስጋና መላእኽትን ትሰምዕ ነበረት። ሽዕ ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣስከሬን ምዃኑ ፈለጠት፡ እዚ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ተረዲኣ ንኢየሩሳሌም ክትመልሶ ኣይደለየትን። ከይዳ ከኣ ንንጉስ ነገረቶ። ንሱ ምስ ጳጳስ መጺኡ ብኽብሪ ተቐቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተዉዎ። ብዙሕ ተኣምራት ከኣ ኣርኣየ። እቶም ተጻዒንዎም ዝነበሩ ኣፍራስ ቁስጥንጥንያ ምስ በጽሑ ምኻድ ኣብዮም ቆሙ፡ ዋላ እንተኸትከትዎም ኣበዩ። ሽዕኡ “ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሥጋ ኣብዚ ኣንብርዎ” ዝብል ድምጺ ካብቶም ኣፍራስ ሓደ ተሰምዐ ነዚ ዝሰምዑ ኩላቶም ተገረሙ፡ ንኣምላኽ ኣመስገኑ፡

ጸጋ ኣምላኹ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

 

  • ሰላም ለእስጢፋኖስ አፍልሶ ሥጋሁ ዘተበሃሉ።

  • በዲበ አብቅልት ክልኤቱ እንዘ ያሌዕሉ።

  • አመ ነድእዎሙ ሶበ ለአርእዮ ዓቢይ ኃይሉ።

  • ነበበ እንዘ ይብል አሐዱ እምእሉ።

  • መካነ ሥጋሁ ዝንቱ ለቅዱስ ዘይደሉ።

 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ

 

ምንጪ፡- መጽሓፍ አሰረ ቅዱሳን።

 

Leave a comment

Send a Comment