፩/1 ጥቅምቲ ሰማዕት ኮነት ቅድስቲ ኣንስጣስያ

፩/1 ጥቅምቲ ሰማዕት ኮነት ቅድስቲ ኣንስጣስያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፩/1 ጥቅምቲ ሰማዕት ኮነት ቅድስቲ ኣንስጣስያ

ቅድስቲ ኣንስጣስያ ሃገረ ትውልዳ ሮማ ኾይኑ ወለዳ ኣመንቲ ኸርስትና ብምንባሮም ንጓሎም ናይ መንፈሳውን ሥጋውን ትምህርቲ እናመሃሩ ኣዕበይዋ፡ ወለዳ ከመርዕውዋ ግዲ እንተበልዋ ንሳ ግና “ኣነ ናይ ሰማያዊ ንጉሥ መርዓት እየ” ብምባል ናብ ሓደ ገዳም ኣትያ መንኰሰት። ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት ናይ ዓለም ሓሶት ኵሉ ኻብ ሰብነታ ብምርኃቕ ዓመት ምሉእ ከክልተ መዓልቲ ትጸውም ነበረት፡ ኣብ ገዜ ጾመ ኣርብዓ ግና ንኣርብዓ (፵) መዓልቲ እኸሊ ዚብሃል ኣይትጥዕምን ነበረት፡ ማለት ብጀኻ ቐዳምን ሰንበትን ኣብዘን ክልተ መዓልቲ’ውን ንቑጽ እንጀራ ብዘይጨው ትምገብ ነበረት። ጸብሒ ዚብልዎ ድኅሪ ምምንኳሳ ኣይጠዓመትን።

   ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ከባቢኣ ናብ ዝነበረ ገዳም ክብረ በዓል ኪነግዳ ምስ ብጾታ እናኸደት ከላ ናይ ንጉሥ ዳኬዎስ ወተሃደራት ንገለ ክርስቲያን ኂዞም ከጋፍዕዎም ምስረኣየት ነቶም ወተሃደራት ካብ ቅንኣት ሃይማኖታ ዝተላዕለ “ኦ ድንዙዛነ ልብ ወከሓድያን ለምንት ትገብሩ ከመዝ ላዕለ ዘፈጠሮሙ እግዚኣብሔር በአርአያሁ ወበአምሳሊሁ ወመጠወ ነፍሶ በእንቲአሆሙ” ትርጉሙ ኣቱም ድንዙዛትን ከሓድትን እግዚኣብሔር ብምስሉ ዚፈጠሮም ስለምንታይ ከምዚ ጌርኩም ተሳቕይዎም ኣሎኹም፧ » በለቶም። ንሳቶም ሓሪቖም ኂዞም ናብ ንጉሥ ወሰድዋ። ንሱ ተቐቢሉ “ብሓቂ ንስኺ ክርስቲያናዊት ዲኸ፥ ነቲ ተሰቒሉ ዝሞተ ዲኺ ተምልኺ” ምስ በላ ንሳ “እወ” ብምባል ዘለዋ እምነት ከይፈርሀት ምስ ገለጸትሉ፡ ኣብ ሰብነታ ሓዊ ኸዓወላ፡ ድኂሩ’ውን ቊልቊል ኣፋ ሰቒሉ ኣብ ትሕቲኣ ሓዊ ኣጐደላ፡ እዚ ዅሉ ጌይሩ ንጣፆቱ ምምላኸ ስለ ዝኣበየቶ ርእሳ ብሰይፊ ኺስይፍዋ ንወተሃደራቱ ልኢኹ ኣሰየፋ፡ ዅሎም እቶም ዚረኣይዋ ዘበሉ ንብዝኂ ትዕግሥታን ጽንዓታን ኣድነቑ። ኣኽሊል ሰምዕትና ተቐበለት፡

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ (መዘከርታ(ምተሓሳሰቢ) ክልተ ኣንስጣስያ ኣለዋ መለለይአን እታ ሓንቲ ወለዳ ኣመንቲ ኺኾኑ ኸለዉ እታ ሓንቲ ግና ወለዳ መምለኽቲ ጣዖት እዮም) ።

ሰላም ፡ለአንስጣስያ’ ዘአጥብዓት፡ኵሎ፡መዋዕለ። ከመ፡ኢትብላዕ፡ምንተኒ፡በእሳት፡ብሱለ። እምድኅረ ፡ ፈጸመት፡ ዘንተ ፡ ዘመናንያን፡ገድለ። ወሰላመ ፡ እብል፡ለምትረተ፡ርእሳ፡ ከዋለ። ወለሶስና፡ እኤምኅ፡ድንግለ።

መወከሲ ስንክሳር ዕለት ፩ ጥቅምት።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment