በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፩/1 ጥቅምት ዕረፍት ሰማዕት ቅድስት አንስጣስያ
ቀደም ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሮም እዚ ስም ዝተለመደ እዩ ነይሩ።በዚ ስም ዝጽወዓ ቅዱሳት እውን ቁጽረን ቡዙኅ እዩ ዝነበረ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ከም ዝነግረና ሃገረ ሮሞ ክሳብ 5ይ ክፍለ ዘመን ናይ ኲሉ መንበሪ እያ ነይራ።
ሕማቕን ፅቡቕን፡ ኃጥእን ጻድቕን፡ አረማዊን ምእመንን: ጨካንን ርህሩህን ወዘተ ብሓባር ይነብሩላ ነይሮም። ኣብ ዘመና ‘ውን ብዙኃት ሐዋርያት: ሰማዕታት: ሊቃውንትን ጻድቃንን ኣፍሪያ እያ። (ዋላኳ ሎሚ ኣይኹደኣም’በር)
ካብዘን ቅዱሳን እታ ሓንቲ ድማ ሰማዕትነትን፡ ድንግልናን ዝሓዘት ኣዴና ቅድስት አንስጣስያ እያ።እዛ ቅድስት ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ከባቢ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣብ ሮም ውሽጢ እዩ። ወለዳ ክርስቲያን ብምዃኖም ገና ብቑልዕነታ ናይ ክርስትና እንታይነት ጠንቂቓ ክትፈልጥ ክኢላ እያ።
ዓቅሚ ሔዋን ምስ ኣኸለት እውን እዛ ዓለም ጠሊፋ ከይተውድቓ ትጥንቀቕ ነበረት።እዛ ዓለም መፃውዳ ብዙኅት እዮም እሞ፡ ብፍላይ ድማ መልክዕ ስለዝነበራ ወለዳ እውን ሰብ ጸጋታት ስለዝነበሩ ትሕርምቲ ተብዝኅ ነበረት።
ድንግልናኣ ብንፅህና ንኽትሕሉ ጾምን ጸሎትን ምስ ስግደት ኣዘውተረት። ብኸይዲ ድማ ኣብ ውሽጣ ፍቕሪ ክርስቶስ እናተቐጸለ ብምኻዱ እዚ ዓለም ክትገድፎ ሓሰበት።ነገር ግን ወለዳ “ጓልና ንኣካለ መጠን በጺሕኺ ኢኺ እሞ ከነመርዕወኪ” በልዋ።
ንሳ ድማ “ኣነ ንሰማያዊ መርዓት: ንመንፈሳዊ ድማ መርዓ ተጸዊዐ እየ’ሞ ግደፉኒ” ኢላቶም ናብ ገዳም ከደት። በቲ ዘመን ኣብ ሮም ከተማ ዙሪያ ብዙኃት ናይ ደናግል ገዳማት ነበሩ’ሞ ካብኣቶም ናብቲ ሓደ ኣተወት።
ንነፍሳ ብጾም ንምቕጻዕ ኣብ 48 ሰዓት(2 መዓልቲ) ሓደ ጊዜ ጥራሕ ትበልዕ ነበረት።
ምግባ ድማ ቁራስ ቅጫ ብጨው ጥራሕ ነበረ። ዓብይ ጾም ኣብ ዝኾነሉ፡ ግን ካብ ሰንበት ወፃኢ እኽሊ ኣይትጥዕምን ነይራ።ናይ ጐይታኣ ፍቕሪ ሓዲርዋ እዩ’ሞ ንሰሙን ንነፍሳ ካብ ምግቢን ምቾትን ትኽልክል፡ ብጸሎትን ብስግደትን እናተግሀት: ንደናግል ብሙሉአን ትእዘዘን ነበረት።
ንቑሩብ ዓመታት ብኸምዚ ዝበለ ገድሊ ጸኒሓ ምስ እመምኔት በዓል ንምኽባር ሓደ መዓልቲ ካብ ከገዳመን ወጻ።ኣብ መገዲ እናሃለው ኣረማዊ ንጉሥ ክርስቲያናት ኣኺቡ እናሰቓየ ርኣየት።
ብርግጽ ዋላኳ ሪአን እንተ ሓዘና ቅድስት አንስጣስያ ግን ኣይከኣለትን።ናይ ወገና ስቓይ ስለ ዝሕዘና ብድፍረት ናብቲ መኮንን ቐሪባ ዘለፈቶ። “አእምሮ ዝጎደለካ! ከመይ ብኣምላኾም ደም ዝተገዝኡ ክርስቲያናት ብዘይ በደሎም ተሳቕዮም፧” በለቶ። ብድፍረታ ዝተገረመ እቲ መኮንን ድማ “ንመን ተኣምኒ፧” በላ።ንሳ ድማ ሰማይን ምድርን: ባሕሪን መሬትን ዝፈጠረ: ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ዝሞተን ዝተንሥኤን: ዘለ ዓለማዊ ንጉሥ ኢየሱስ ክርስቶስ የምልኽ” በለቶ።ብጣዕሚ ስለተበሳጨወ ከሳቅይዋ ኣዘዘ።ብገድሊ ዝተቐጥቐጠ ለምለም ኣካላ ወታደራት ብብዙኅ ማህረምትን፡ ኩነኔ(ጸበባ) ኣሰቓይዋ።
ድሕሪ ብዙኅ ስቃይ ኣብ መጨረሻ ሞት ተፈሪድዋ በዚኣ ዕለት እዚኣ ፩/1 ጥቅምት ነፍሳ ካብ ሥግኣ ተፈልያ ብሰማዕትነት ዓዕረፈት።
ጽሎታን በረኸታን ናይ ቅድስት ሰማዕት ኣንስጣስያ ምስ ኲላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።

