በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
፪/2 ሓምለ ዕረፍት ለታዴዎስ ሓዋርያ
ገድለ ታዴዎስ ሓዋርያ
ታዴዎስ ማለት ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ዮሴፍ ክኸውን ከሎ ሃገረ ስብኩቱ ድማ ሶርያ ኢዩ። ቍጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት ዕረፍት ከኣ
፪/2 ሓምለ ።
1. ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ ደብረዘይት ተኣኪቦም ዕንጨይቲ ውድቕ ምስገበሩ ታዴዎስ ሓዋርያ ንሃገረ ሶርያ ክሰብኽ
ዕንጨይቱ በጽሓቶ።
3. በዚ መሠረት ድማ ንቅዱስ ጴጥሮስ እንየኒ ኢሉ ቢሮም እናኸዱ: ዘለው ሓደ ሓረስታይ ሰብኣይ ረኺቦም እንጌራ እንተሎካ እንዶ ግዳ ሀበና በልዎ ንሱ ድማ ሕጂ ንጊዚኡ ምሳይ የበለይን እንተኾነ ንስኻትኩም ምስዞም ኣቡሁረይ እሞ ጽንሑለይ ንገዛይ ከይደ ከምጽኣልኩም ኢሉዎም ንገዝኡ ከደ።
3. ንሳቶም ድማ እዚ አብዚ ምእንታና የማን ጸጋም ክብል ንምሥራሕ ጊዜ ክሓልፎ እዩ። እዞም ኣቡዑር ድማ ናቱ ከይኾኑ ናይ ልማኖ እዮም፡ ነጊሩና ከኣ እዩ። ስለዚ ክሳብ ንሱ ከይዱ ዝምለስ ክንሓርሰሉን ክንዘርኣሉን ዘይንጸንሕ ተባሃሂሎም ታዴዎስ እናሓረስ ጴጥሮስ እናዘርእ ነታ ግራት ወዲኦም ኣብቍሎም ኣፍርዮም ኣስዊቶም ኣጽንሑሉ።
4. እቲ ዋና ግራት ምስ መጸ ድማ ግራቱ ተሓሪሳ ተዘሪኣ በቝላ ስዊታ ጸንሐቶ። ነዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተኣምራት ብምርኣዩ ብምግራም፡ ንስኻትኩምሲ እንታዎት ኢኹም ኣማልኽቲ ዲኹም እናበለ ኣብ እግሮም ወዲቑ እቲ ኣነ ክገብሮ ዚግባኣኒ ንገሩኒ እሞ ክስዕበኩም በሎም።
5. ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ንቅድም ነዞም ኣቡዑር ልማና ኣብጽሓዮም ስለዝበልዎ ከብጽሖም ክይድ ከሎ ካብቲ ስዊት ኂዙ : ስለዝኸደ ናብ መገዲ ዝረኸቡዎ ሰባት አብ ዘይእዋኑ እዚ ሰዊት ስርናይ እዚ ካበይ ረኺብካ ኣምጺእካዮ እናበሉ ምኅላፍ መገዲ ከልእዎ። ንሱ ግን ነቶም ኣቡዑር
ልማኖ ንዋንኦም ሂቡ መቐመጢ ንሓዋርያት ዝኸውን ቦታ ንኸዳሉ ይህወኽ ስለዝነበረ መልሲ ከይሃቦም ንገዝኡ ኣተወ።
6. እታ ነገር ሰዊት ግን ፈኸም እናበለት ናብ መኳንንቲ _ እታ ሃገር (ዓዲ) በጽሐት እሞ ጸዊዖም ሓተትዎን ኣፈራርህዎን። በል ብትኽክል ኣዘንትወልና ገሊጽካ እንተ ዘይነገርካና ክንቀትለካ ኢና በልዎ። ንሱ ድማ ከይወሰኸን ከይነከየን ነገሮም ንሳቶም ግን እዞም ሰባት እዚኦም ክንርእዮም አሎና መሠርያን እዮም። ስለዚ ስቅ ኢልና ክንርእዮም የብልናን
7. ካብኣታቶም ግና ፍርቆም እዞም ሰባት እዚኣቶም ተቓዳዲምና እንተደኣ ቀቲልናዮም እቲ ኣምላኾም ዝደለይዎ እዩ ዝገብረሎም፡ ስለዝበሃል ሓዊ ወይ ድማ ማየ ኣይኂ ኣውሪዶም ከየጥፍኡና ክንሓስበሉ ኣሎና ዝብሉ ተረኽቡ።
8. በዛ ዳኅረወይቲ ዘረባ ድማ ብቕትለት ዘይኮነ ብኻልእ መገዲ ክከላኸሉዎም መደቡ፡ ማለት ኣርድእተ ክርስቶስ ምዝማው እዮም ዝጸልኡ ስለዝበሃል ሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ
ብዘይ ክዳን ጥራይ ነፍሳ ጌርና ኣብዛ በሪ ናይ ዓድና ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ሰቒልና ነጽንሓሎም እሞ ምስ ረኣይዋ ንድኅሪት ክምለሱልና እዮም ኢሎም ምስታ ዘማዊት ውዕል ገበሩ፡ ንሳ ድማ ከም ውዕላ ገበረት፡ ማለት ጽያፍ ተግባራት ክትገብር ተራእየት።
9. ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ እቲ ትንቢት ንክፍጸም ለይኰኑ ከመ ጸበል ዘቅድመ ገጸ ነፋስ ወመልእከ እግዚኣብሔር ለይሳቅዮሙ ዝበሎ ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት መቅድም ጸሎቶም ኣብጺሖም ቅዱስ ሚካኤል ካብቲ ዘላቶ ቦታ ኣልዒሉ ኀዲግ ሰማይ ኀዲግ ምድሪ ክሰቕላ ናብ ጐይታ ጸለዩ እሞ እቲ ዝጸለይዎ ዝገብረሎም ኣምላኽ ንቅዱስ ሚካኤል ልኢኹ ብጸጕሪ ርእሳ ኣብ ኅዋኀው ኣንጠልጠላ።
10. ንሳ ድማ ኣንቱም ናብዛ ኵሉ ፈተነ እዚ ዘእቶኹሙኒ ክምሕሩኒ ንሓዋርያት ለምኑለይ በለቶም። ሓዋርያት ድማ ነቶም ናብ ልቢ እቶም ሰባት ኣትዮም ዘጋግይዎም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ገሢጸም ኣርሒቖም ንኵሎም ኣእሚኖም ኣጠሚቖም ነታ ስቕልቲ ሰበይቲ ድማ ምሕረት ገበሩላ።
11. በቲ ዝተገብረሎም ምሕረት ንሳን ንሳቶምን ኣሚኖም ምስ ተጠምቁ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ቤተ ክርስቲያን ሠሪሖም ነታ ሰበይቲ ኣገልጋሊት ቤተክርስቲያን፡ ካብቶም ዝኣመኑ ሕዝቢ ድማ ዲያቆናትን ካህናትን ጳጳሳትን ሸሙሎም፡ ብድኅርዚ ድማ ሓደ ሃብታም ናብ ሓዋርያት ከይዱ ሕይወት ክረክብሲ እንታይ ክገብር ኢሉ ሓተቶም።
12. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ዓሠርተ ቃላት ኣንቢቡ እዚአን ሓሌ በሎ። ንሱ ድማ ነዘን ዝበልካኒ እንተ ሓሎኹወንከ ኸማካትኩም ዶ ተኣምራት ክገብር እኽእል እየ በሎ፡ ቅዱስ ታዴዎስ ከኣ እንታይ ድዩ ሥራሕካ ሰበይትኸ ኣላትካዶ፧ ኢሉ ስለዝሓተቶ ሰበንይቲ የብለይን፡ ሥርሐይ ግን ጽርበት እዩ፡ ብዙኅ ገንዘብ ድማ ኣሎኒ፡ ዝደሌኹምዎ (ዘድልየኩም) ድማ ንገሩኒ ክህበኩም በሎም። ግሓ.8፡18
13. ቅዱስ ጴጥሮስ እምበኣርከስ ዘሎ ሃብትኻ ንድኻታት ሂብካ መንን በሎ። ንሱ ግን ገቢረ ተኣምራት ብገንዘብ ስለ ዘይሸጠሉ ጉህዩ ስለዝነበረ ሃብተይ ኣጥፊእኩም ኣብ ፈተነ ከተእትውኒ ኢሉ ተቖጢዑ ንጴጥሮስ ዝረኸበ መሲሉዎ ንታዴዎስ ብጐረርኡ ሓነቖ። ግሓ.19፡16። ታዴዎስ ድማ ጐይታ እኳ ከምዚ ናትካ ዝኣመሰለ ስለ ዝረኸበ እዩ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ ዝኣቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክኃልፍ ይቐልል ዝበለ ኢሉ ወቐሶ።
14. ንሱ ድማ ከም እንደ ገና ብጐረርኡ ሓኒቑ ክቐትሎ ደለየ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ንምንታይ ሓዋርያ ክርስቶስ ከምዚ ጌርካ እትሓንቕ ኢሉ ገንሖ። ኣብ መንጐ እዚ ሓደ ሰብ ገመሉ ኂዙ ብቕድሚኦም ክኀልፍ ርእዮም ናብኦም ጸውዕዎ። ንሠራሕ መርፍእ ድማ መርፍእ ክሰደሎም ሰብ ለኣኹሉ። ማቴ.19፡24።
15. እቲ ሰራሕ መርፍእ ድማ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ነገር ሰሚዕዎ ስለዝጸንሐ ዓይኑ ኣግፍሕ ኣቢሉ ንጊዚኡ ሠሪሑ ሰደደሎም ንሳቶም ግን ነቲ ሃብታም ምኽንያት ከይኮኖ ግዲ ኢሎም ኮይኖም ምንም ዓይኒ መርፍእ እንተገፍሐ ገመል ክኀልፍ ስለዘይከእል ከምቲ ልክዑ ጌርካ ደኣ ለኣኸልና ኢሎም መለሰሉ።
16. ንሱ ድማ ከም ኵሉ ዓይኒ መራፍእ ጌሩ ሠሪሑ ሰደደሎም እሞ ቅዱሳን ሓዋርያት እቲ ልሙድ ጸሎቶም ኣብጺሖም ነቲ በዓል ገመል ምስ ገመሉ በታ ጸባብ ዓይኒ መርፍእ ሠለስተ ጊዜ ኣታሓላለፍዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ነቲ ተኣምራት ምስ ረኣየ፡ እተን ዝፈጸመን ድፍረት ዘኪሩ ክዳኑ እንዳቀደደ ኣብ ትሕቲ እግሪ ሓዋርያት ወዲቑ ምሕረት ክግበረሉ ሓተተ፡ ንጊዚኡ ድማ ምሕረት ተጌሩሉ ኣሚኑ ተጠምቀ።
+++ንምርስክርነት ዕረፍቱ +++
ብድኅርዚ ሓዋርያ ታዴዎስ እምነቶም ምስ ኣረጋገጸ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ክኸይድ ከሎ እቶም ሰብ ሃገር ብሰላም ኣፋነውዎ። ሓዋርያ ታዴዎስ ድማ ናብ ፍልእዋን እትበሃል ምድረ ይሁዳ ምስ ከደ፡ ጥዑም ድቃስ ወሲድዎ እንከሎ ብሰላም ዓረፈ።
በረኸቱን ረድኤቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!



