በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፪/2 እግዚአብሔር ንሠለስቱ ደቂቅ ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል መልኣኹ ልኢኹ ኣድሓኖም
እዞም ሠለስተ መንእሰያት ኣናንያ (ሲድራቅ) ትርጕሙ ደመና ዝነበረ ወዲ ኣስታዪ ተኽሊ፡ ኣዛርያ (ሚሳቅ) ትርጕሙ ረድኤት ዝነበረ፡ ትጉህ፡ ልኡኹ፡ ሚሳኤል (ኣብደናጎ) ትርጕሙ ስምዓኒ እግዚኣብሔር ዝነበረ ገብረ ዳጎን ማለት ኢሉ ንጉሥ ናቡከደናዖር ስም ኣውፅኣሎም፡ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ደቂ ኤልያቄም ንጉሥ ይሁዳ ኾይኖም ንጉሥ ናቡከደነፆር ማሪኹ፡ ኣብ ቤቱ ኣዕብዩ ኣብ ዞባታቱ ዝሸሞም እዮም።
**ምኽንያት ኣብ እቶን ሓዊ መእተዊኦም ከምዚ ዚስዕብ እዩ**
ንጉሥ ናቡከደነፆር 27 ሜትሮ ዝቑመቱ 3 ሜትሮ ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስለ ገበር፡ አብ ጎልጎል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከኣ ኣቖሞ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኸርትን መገብትን ደያኑን ሓላቑን ኣብ ሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ምእንቲ ንጽምብልዎ ኺእከቡ ለኣኸሎም፡ ሽዑ ዅሎም እቶም ሹማምንቲ ናብቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ኺጽምብልዎ ተኣከቡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘቖሞ ምስሊ ኸኣ ቖሙ እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ ኣቱም ሕዝብታትን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋ እትዛረቡን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ ናውቲ ሙዚቃን ክትሰምዑ ኢኹም፡ ሽዑ ነቲ ዝቖመ ምስሊ ወርቂ ፍግም
: ኢልኩም ስገዱሉ፡ ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ናብ ጕሁር ሓዊ ኺድርበ እዩ’ ኢሉ ኣወጀ። ስለዚ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰምዑ ዅላቶም ኣሕዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዚዛረቡን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ዳን. 3፡1-18
*ሠለስቱ ደቂቅ ከምዝተኸሱ*
በቲ ጊዜ እቲ ገለ ሰብ ባቢሎን ናብ ንጉሥ ናቡከደነፆር ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም፡ ንንጉሥ ከኣ “ኦ ንጉሥ ሕያው ኩን፡ ንስኻ ነፍስ ወከፍ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ኪስማዕ ከሎ ነቲ ምስሊ ፍግም ኢሉ ኪስገደሉ ኣዘዝካ፡ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ግና ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ ኸኣ ኣዘዝካ፡ ኦ ንጉሥ እቶም ኣውራጃ ባቢሎን ከማኃድሩ ዝሸምካዮም ኣይሁድ ሲድራቅን
ሚሳቅን ኣብደናጎን ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን ነተ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ’ውን ኣይሰግዱን እዮም በልዎ።
ሽዑ ናቡከደነፆር ኮርዩን ነዲሩን ከምጽእዎም ኣዘዘ፡ ንሳቶም ድማ ናብ ቅድሚ ንጉሥ ቀረቡ፡ ናቡከደነፆር ከኣ “ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ኣብደናጎ እቲ ንኣማልኽቲ ዘይምምላኽኩም ነቲ ዘቖምኩዎ ምስሊ ወርቂ’ውን ዘይምስጋድኩምሲ ሓቂ ድዩ፧ ሕጂ ድማ ደሃይ መለኸትን፡ እምብልታን ክትሰምዑ ኸሎኹም ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱን ተዳለዉ፡ እንተዘይሰጊድኩምሉ ግና ናብቲ ጕሁር ሓዊ ክትድርበዩ ኢኹም፡ እቲ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም ኣምላኽ’ከ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኦ ንጉሥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸናግፈና ይኽእል እዩ፡ ንሱ ኸናግፈና እንተዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከምዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ወርቂ’ውን ከምዘይንሰግደሉ ፍለጥ’ በልዎ።
ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣዝዩ ተቖጥዐ። ትርኢት ገጹ’ውን ተለወጠ፡ ነቲ እቶን ካብቲ ዚነበሮ ሾብዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ኬንድድዎ ኣዘዘ፡ ካብ ሰራዊት ኃያላት ሰባት ጸዊዑ ኸኣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኪኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም ኣዘዘ፡ ሽዑ እዞም ቅዱሳን ኣኅዋት ምስ ቀሚሶምን ምስ ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ምስ ኵሉ ክዳውንቶም ተኣስሩ። ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸኣ ተደርበዩ፡ እቲ ንጉሥ እቲ እቶን ሓዊ ኣዝዩ ኺረስን ስለ ዝኣዘዘ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዚደርበይዎም ሰባት ኣቃጺሉ ቐተሎም፡ ሠለስቲኦም ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ግና ብእሱራቶም ናብቲ እቶን ሓዊ ወደቑ።
ሽዑ እቶም ሠለስተ መንእሰይ ከም ሓደ ኾይኖም፡ ካብቲ እቶን ሓዊ ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ንእግዚኣብሔር ኣመስገንዎ። ኣኽበርዎ፡ መደስዎ “ኦ እግዚኣብሔር! ኣምላኽ ኣቦታትና፡
ንዘለዓለም ምስጉንን ልዑልን ኢኻሞ፡ ነመስግንካ ኣሎና።
ክቡርን ቅዱስን ንዝኾነ ስምካ፡ ንዘለዓለም ኣዝዩ ምስጉንን ልዑልን እዩሞ፡ነመስግኖ ኣሎና።
ንስኻ ንዘለዓለም ልዑልን ኣዚኻ ኽቡርን ኢኻ ኣብቲ ቅዱስ ተባሂልካ እትኸብረሉ ቤት መቕደስ ኴንና ነመስግነካ ኣሎና። የቡል
ንስኻ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጥካ መዓሙቕ ቀላያት እትርኢ፡ንዘለዓለም ክቡርን ኣዚኻ ልዑልን ኢኻ እሞ፡ ነመስግነካ ኣሎና።
ንስኻ ኣብ ዝፋን መንግሥትኻ ዘሎኻ፡ ንዘለዓለም ልዑልን ኣዚኻ ምስጉንን ኢኻ እሞ፡ ነመስግነካ ኣሎና።
ንስኻ ኣብ ላዕለዋይ ሰማይ ንዘለዓለም ምስጉንን ክቡርን ኢኻ እሞ ነመስግነካ ኣሎና። “ኵልዅም ፍጥረት እግዚኣብሔር! ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ ንዘለዓለም ከኣ ልዕል ኣብልዎ። 36 ኣቱም ሰማያት! ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ። ኵሉ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ
ኵልኹም መላእኽቲ እግዚኣብሔር ኣብልዎ። ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ ከኣ ኣዚኹም ልዕል ንዘለዓለም ኣብልዎ.————-
(መዝ ሰልስቱ ደቂቅ1÷29——ፍጻሜ)
ሽዑ ንጉሥ ናቡከደነፆር ሰንበደ፡ ተቐላጢፉ’ውን ተንሥአ፡ ንኣማኸርቱ ድማ “እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ እቶን ዝደርቤናዮምሲ ሠለስተ ሰባት ዶ ኣይኮኑን፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ኦ ንጉሥ ርግጽ እዩ” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ኸኣ እንሆ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ገለ እኳ ከይተጐድኡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኪመላለሱ እርኢ ኣሎኹ። ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ መልኣኽ ይመስል’ በለ።
ድኅሪኡ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐሪቡ “ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ኣብደናጎ ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኸ ናብዚ ውዕኡ’ ኢሉ ጸውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወዕኡ። ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉሥን እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ተኣኪቦም ነቶም ሰባት ገለ ኸምዘይገበሮም ረኣዩ። ፀጕሪ ርእሶም ኣይቃረየን። ክዳውንቶም ኣይነደደን። አረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይነበሮምን።
ናቡከደነፆር ከኣ “እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ኣብደናጎ ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዛተይ ኣበዩ። ብዘይካ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከየምልኹን ከይሰግዱንሲ ሕይወቶም ወፈዩ’ በለ። “ሕጂ ኸኣ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ ዝኾነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣሕዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታትን ዚዛረቡን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ሕሱም ቃል ዘውፅእ ንሱ ኺቈራረጽ፡ ቤቱ ኸኣ ዑና ኺኸውን እእዝዝ ኣሎኹ” በለ። ድኅርዚ እቲ ንጉሥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም። ዳን. 3፡19-30።
እዞም ሠለስተ መንእሰያት፡ ንልደት ክርስቶስ ኣመልኪቶም “ይባርኮ” ዝብል ድርሳን፡ ኣብ ማእከል እቲ ጒሁር ሓዊ ኾይኖም ዚተነበይዎ፡ ትንቢት ተፈጺሙ።
ኣብ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምስ መዝሙረ ዳዊት ተጻሒፉ መዓልታዊ ዚጽለ ኾነ።
ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብቲ ሰዓታት ዝተባህለ መጽሓፉ ንዒ ኀቤየ ኦ ድንግል ምስለ አናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል። ትእዛዘ ንጉሥ ዘአበዩ ለአምላከ ሰማይ ዘገነዩ። ማእከለ እቶነ እሳት ዘጸለዩ” ኢሉ ጽሒፉሎምኣሎ።
እምብኣር በዚ ዕለት እዚ እግዚአብሄር አምላኽና ነዞም ሰለስቱ ደቂቅ ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤልምልአኹ ልኢኹ ኣድሓኖም
መዘከርታኦም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብስሞም ቤተክርስቲያን ታቦት ተሓኒጽሎም
ተቐሪጽሎም ይርከብ። ንሱ ድማ ሽማንጉሥ ታሕታይ ዞባ ማኣከል ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ እዩ።
ጸሎቶምን ምሕረት ኣምላኾምን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን
ይኹን።
ምስክርነትርጓሜ
ትንቢተ ዳንኤል ስንክሳር ፪ ታኅሣሥ
ስብሐት ልእግዚአብሄር ልዑል
ወለወላዲ ቱ ድግል
ወለምስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment
