በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!
ሓጺር ገርድሊ ኣቡነ ጳውሊ
“ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለስ ይጽሊ ነበረ።” ሉቃስ 5=16
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኩሉ ጊዜ ክንተግህን ናቱ ምሳሌ ንኽንክተልን ነጊሩና እዩ። ፍጹም ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ናይ ጸሎትን ናይ ምስጋና ሕይወትን ማዕረ ክንደይ ዝጸበቐ ክምዝኾነ አርኢዩና’ዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ’ውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ንሕዝቢ እስራኤል ንኽሰብኽ ክሳብ ዝጽዋዕ ኣብ ምድረ በዳ እዩ ዝነብር ዝነበረ።
ባሕታውይን ኣቦታት ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዃን ኣዝዮም ይጽልዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዓለም ድልየት ብምቕታል ንዓለም ገዲፎም ንዕኡ ንምድላይ ናብ በረኻታት ወጺኦም እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ሓሳባቶምን ሕልንኦምን ምስ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ዝመሳሰል ብዘይ ምቁራጽ መዓልትን ስዓትን ኣብ ውሽጢ ሕይወት ገዳም ብጸሎት ኔሮም እዮም። ዝምገብዎ መሪር ቆጺሊ ናይ በረኻ ቆጽሊ ኣብ ውሽጢ አፎም ክሳብ ዝምቅር።
ናይ መጀመርታ ባሕታዊ – ኣባ ጳውሊ
ብ229 ዓ.ም አብ ላዕልይ ግብጺ ቲባ ኣብ እተባህለ ክፍለ ሃገር ዝተወልደ ጳውሊ ነቲ ኣዝዩ በዓል ጸጋ ዝኾነ ሰብ ካልአይ ወዱ እዩ። እዞም ክልተ ቆልዑ ኣባኦም ብሞት ምስ ተፈልዮም ከኣ ናይ ኣብኦም ሃብቲ ክካፈልዎ ደለዩ ኮይኑ ግና እት ምዕባይ ጳውሊ ዝኾነ ጴጥሮስ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ንዕኡ ወሲዱ፡ ዝወሓደ ድማ ንጳውሊ ሃቦ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ንኽልቲኦም ኣሕዋት ክሰማምዖም ስለዘይከኣ ናብ ዝልዓለ በጺሖም ፍርዲ ንኽረክቡ ናብ ዳኛ ክኸዱ ወሰኑ። እንዳኸዱ ከለዉ ድማ ብዙሓት ሰባት ዝሞተ ሰብ አብ ውሽጢ ሳንዱቕ ሬሳ ጌሮም ብልቕሶ ዓጂቦም ናብ ቀብሪ ክኸዱ ከለዉ ረአይውምሞ ጳውሊ መንነት ናይቲ ዝሞተ ስብ ንምፍላጥ ንሓደ ካብቶም ናብ ቀብሪ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ምስሓተተ። ብቃሬዛ ተሰኪምንዮ ንኽይድ ዘሎና ምውት ሰብ ካብ መጠን ዝሓለፈ ወርቅን ገንዘብን ዝነበሮ ብተድላን ብምቾትን ዝነብር ዝነበረ ሰብ እዩ፡ ብተወሳኺ’ውን ብብዕለቱ ዝለብሶም ዝነበሩ ኣልባሳት ኣዝዮም ብሉጻት ክቡራትን እዮም ኔይሮም። ሎሚ ኸኣ ከምዛ እትርእዮ ዘሎኻ ነዛ ንሥግኡ እናሐጎሰ ዝነብራ ዝነበረ ዓለምን ነዚ ኩሉ ሃብቱን ገዲፉ ሞይቱ፡ ስለዚ ዝወደይ ንሕና’ውን ናይዚ ሰብ እዚ ሕይወት ከይተኸተልና ናይቶም እዛ ዓለም እዚኣ ከይተገብኣቶም ኣብ ውሽጢ እዛ ዓለም መንፈሳዊ ኩናት እንዳተዋግኡ ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣብነት ምስ እንኽተል እግዚኣብሔር ሰማያዊ መንግሥቱ ንኸውርስና ፍጹም ፍቓዱ እዩ በሎ። ጳውሊ እዘን ቃላት እዚኣተን ምስሰመዐ መንፈሳዊ ስምዒት ስለዝተስምዖም ሃንደበት ኣብ ቅድሚኡ እዛ ዓለም ባዶ ኾይና የመልከታ ብድሕርዚ ናብ ሓዉ ግልብጥ ኢሉ በጃኻ ዝሓወይ ንመለስ በሎ። ናብ ገዛ እናተመልሱ ከለዉ ጳውሊ ንሓዉ ተከቲሉ እንዳኸደ ከሉ ካብ እግሪ ሓዉ ተሪፉ ተሰወረ። ጴጥሮስ ከኣ ንሓዉ ንመዓልታት ደለዮ ሰኣኖ። ” ስለምንታይ እየ በዚ ከንቱን ሓላፍን ዝኾነ ዓለማዊ ሃብቲ ምስ ሓወይ ዝተቛዮቕኩን ንሓወይ ዘሕዘንኩን ” እናበለ አምሪሩ በኸየ ጳውሊ እታ ኸተማ ገዲፍዋ ምስ ወጸ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ናይ መቓብር ቦታ ረኸበሞ ናብኡ ኣትዩ ንሰለስተ መዓልታትን ለይትን ብዘየቓርጽ ተመስጦን ጸሎትን ጸንሐ። ብራብዓይ መዓልትን ስዓትን ድማ መልአኸ እግዚአብሔር ተገሊጹሉ ብወገን ምብራቕ ናብ ዝርከብ ምድረ በዳ መሪሑ ወሲዱ ናብ ጥቃ ፍርያም ሰየን ዓይኒ ማይ ዝርከብ ጫካ ኣመልኪቱ ተሰወሮ።
ጳውሊ ድማ ካብ ቆጽሊ ሰየ ክዳን ኣዳልዩ ለበሰ’ሞ ብኡ ንቡኡ ብትግሃት ከምዚ እናበለ ክጽሊ ጀመረ። ” ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ዝኾንካ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መጻወድያ ጸላኢ ሰናይ አድሕነኒ። ” ኹሉ ፍቓድካ ዝኾነ ንኽፍጽምን ብሰላም ኣብ ኢድካ ንኽዓርፍን ምሕረትካ ለግሰለይ። ሓያልን ክብርን ንዓኻ ንንጉሥይ ንዘለ ዓለም ይኹን አሜን፡
***ኣባ እንጦንስ ንኣባ ጳውሊ ከምዝረኸቦ***
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣባ እንጦንስ “ምንም ኣብ ዘይብሉ ምድረበዳ ንኽነብር ዝጀመርኩ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣነ እየ ” ዝበለ ትዕቢት ይሓድሮ። በዚ ጊዜዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ተገሊጹ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ምድረበዳ እዚ ነዛ ዓለም እዚኣ ዘይተገብአ ሓደ ሰብ ኣሎ በሎ። ብድሕርዚ ኣብ እንጦንስ ቀልጢፉ በትሪ ብምሓዝ ነዚ ቅዱስ መናኒ ብምድላይ ጉዕዝኡ ይጅምር። ምሉእ መዓልቲ ክጉዓዝ ድሕሪ ምዓውሉ ድማ ተንበርኪኹ ክጽልይ ጀመረ። ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ድሕሪ ምሕዳሩ ድማ ብኡ ንብኡ ተንሢኡ ጉዕዝኡ ቀጸለ ፀሓይ ናብ ኣጋ ዕርበታ ምስ ኮነ ኸኣ ኣብ ጥቕኡ ሓደ ጫካ ተመልከተ ጽግዕ ኢሉ እንተርአየ ድማ ናይቲ በዓቲ ማዕጾ ተዓጽዩ ርአየ እሞ። ብጉልበቱ ተንበርኪኹ ቅዱስ ኣቦይ መን ከምዝኾንካን ካበይ ከምዝመጻኩን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፡ ስለዚ ገጽካ ከይርአኹኻ ካብዚ ቦታ ኣትእለይን እየ እንሰሳ ዘገዳም እዃ ንኽኣትው እናፈቐድካሎም ንዓይ ከመይ ጌርካ ትኽልክለኒ በሎ።
በዚ ጊዜ’ዚ ኣባ ጳውሊ ኣብ ውሽጢ’ቲ በዓቲ ኮይኑ ዝኾነ ይኹን ንምጽዋት ብንብዓት እምበር ብቁጥዐ አይርኽቦን እዩ በሎ። ኣባ እንጦንስ ነዚ ምስ ሰመዐ ንኻላኣይ ጊዜ ኣብ ደገ ማዕጾ በዓቲ ኮይኑ ንነዊሕ ሰዓታት ተንበርኪኹ ድሕሪ ምጽንሑ ኣባ ጳውሊ ማዕጾ ከፊቱ ኣእተዎ፡ ክልቲኦም ተሓቛቒፎም ሰላምታ ምስተለዋወጡ ድማ ብሓደ ኾይኖም ክጽልዩ ጀመሩ። ብድሕሪ’ዚ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ድንቂ ተኣምራት እናተዘራረቡ ከለው ሐደ ኳኽ እንዳበረረ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ሓንቲ ሕብስቲ ደርብይሎም በታ ዝመጸላ ተመሊሱ ኸደ። ኣባ ጳውሊ ነታ ሕብስቲ ብኽብሪ ድሕሪ ምልዓሉ ንባ ኣባ እንጦንስ ገጹ ምልስ ኣቢሉ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላክ ቅዱስ ስሙ ዝተመሰገነ ይኹን ንዝሓለፉ ሰማንያ ዓመታት በብዕለቱ ዝህበኒ ዝነበረ ፍርቂ ሕብስቲ እያ ኔይራ ሕጂ ግና ንስኻ ስለ ዝመጻእኻ ሓደ ምሉእ ሕብስቲ ሂብና። ሕጂ’ውን ንኹሉ ንእንብልዖን እንሰትዮን ዘዳሉ ጐይታ ዝተባረኸ ይኹን ኢሎም ተንሢኦም ዳግማይ ንፈጣሪኦም ብጸሎት ኣመስገኑ ፀሐይ ክሳብ እትበርቕ ድማ ምሉእ ለይቲ ፈጣሪኦም ከመስግኑ ኣውግሕዎ። ብድሕሪ እዚ ኣባ እንጦንስ ናኣባ ጳውሊ ዎ ኣቦይ ንዓካ ንምርካብ ነዚ ኩሉ ዘዳለወለይ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን በሎ። ኣባ ጳውሊ’ውን ንእንጦንስ ካብ ኣባ ኣትናቴዎስ ዝህበካ ካባ ንኸትምጽኣለይ ተንሲእካ ኪድ። ሕጂ ካብዛ ዓለም ተፈልየ ዝኸደላ ስዓት ስለዝቐረበት ሰውነተይ በቲ እተምጽኣለይ ካባ ገኒዝካ እተዕርፈኒ ጊዜ ስለዝበጽሐ ሕጂ ናብኡ ቀልጢፍካ ውጻእ።
ኣባ ጳውሊ እዚ ኢሉ ምስ ባረኾን ምስ ጸለየሉን ተሓቛቒፎም ይፈላለዩ። ኣብ እንጦንስ ክልተ መዓልቲ ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ምጉዓዝ ናብ ገዳሙ በጽሐ። ንመዓልታት ካብኣቶም ተፈልዩ ብምጽንሑ ተጨነቖም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝርኣይሉ ጊዜ ደስ በሎም ቀልጢፎም ናብኡ ብምጽጋዕ ድማ ኣቦና ናበይ እኻ ኬድካ ኔርኻ፧ ኢሎም ብሃንቀወታ ይጽበይዎ ንዝነበሩ ኣቦኦም ሓተትዎ።
ኣባ እንጦንስ ከኣ “እግዚአብሔር ኣምላክ ብርግጽ ካባይ ኣዝዩ ዝበልጽ ሰብ ስለዝርኣየኒ ኣነ ከንቱን ሓጢኣተኛን እየ” በሎም። ብድሕር’ዚ ጳጳስ ኣብ ኣትናትቴዎስ ዝሃቦ ካባ ሒዙ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦ ተመልሰ። ኣብኡ ምስበጽሐ መላእክተ ሰማይ ናይቲ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ናይ ኣባ ጳውሊ ነፍሲ ሒዞም ክዓርጉ ተመልከት። ኣባ እንጦንስ ናብቲ ብዓቲ ምስ ኣተወ ሰውነት ኣብ ጳውሊ ብትእምርተ መስቀል ቅርጺ ኣብ መሬት ተዘርዚሑ ይርኢ’ሞ ኣዝዩ ኣምሪሩ ኣልቀሰን ሕዘነን። ብድሕሪ እዚ ናይ’ዚ ቅዱስ ኣቦ ንጹህ ኣካል በቲ ሒዝዎ ዝመጸ ካባ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምግናዝ ካብ ልቢ ሓዚኑ እንዳልቀስ ጸሎት ገበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ውሽጢ ምድረ በዳ ነዚ ቅዱስ ኣቦ ሰብነት መዕረፊ ዝኸውን ጉድጓድ ከመይ ጌሩ ክኹዕት ከምዝኽእል ሓሳባት ከውርድን ከደይብን ከሎ ክልተ ኣናብስ ኣብቲ ብዓቲ ሰተት ኢሎም ብምእታው ናብ ኣብ ጳውሊ ተጸጊዖም ሰውነቱ ክልሕስዎ ጀመሩ። ቀጺሎም ናብ ኣእጋሩ እናልሐስዎ ዘይሮም ብምዃድ ኣበይ ክንኩዕተሉ ብዝብል ርእይቶ ናባ እንጦንዮስ ቅንዕ እንዳበሉ ክምልከትዎ ጀሚሩ። በዚ ጊዜ’ዚ ኣባ እንጦንስ መሬት እናጻሕፈ ቅርጺ መስቀል ስኢሉ ምስ ኣርኣዮም እቶም ኣናብስት ብቕልጡፍ መቓብር ክፍሕሩ ጀመሩ። ኣብ እንጦንስ ናይ ኣባ ጳውሊ ሥጋ ኣብቲ ዝተዃዕተሉ መቓብር ድሕሪ ምዕራፉ ካብ ቆጽሊ ሰየ ሰውነቱ ዝሽፍነሉ ዝነበረ ልብሱ ሒዙ ናብ ጳጳስ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብምምላስ ናብቲ ቅዱስ ኣቦ ቅድስና ብዓይኑ ምምልካቱ ኣዕለሎ። ጳጳስ ኣባ ኣትናቴዎስ ድማ ነቲ ኣባ ጳውሎ ዝለብሶ ዝነበረ ቆጽሊ በርከት ጌሩ ብምውሳድ ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ ጥራይ ማለት ኣብ ብዓላት ጥምቀት፡ ትንሣኤ ዕርገትን ክለብሶ ጀመረ። ጳጳስ ኣባ አትናቴዎስ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ሥጋ ካብቲ ምድረ በዳ ናብ እስክንድረያ ግዒዙ ኣብ ጥቓ ሥጋ ጳጳስ ኣባ ኣናኔዎስ ንኽዓርፍ ሓሰበ። ብድሕሪ እዚ ኣባ እንጦንስን ውሑዳት ቀሳውስትን ሒዙ ናይ ኣብ ጳውሊ ብዓቲ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ንኸድልዮ ውጽዮም ንክኸዱ ይገብር፡ ብድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣድካሚ ምድላይ ከኣ እቲ ኣንፈት ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝጠፍኦም ከኣ ናብዚ ጻድቅ ሰብ እዚ ብዓቲ ከይረኸብዎ ተመልሱ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣባ ጳውሊ ንጳጳስ ኣባ አትናቴውስ ብራዕይ ተገልእጹ ኣምላክ ሥጋይ ንኽርከብ ስለ ዘይፈቐደ እዞም ኣቦታት ዚአቶም ምድላዮም ኣቛሪጾም ናብቲ ዝመጹሉ ቦታ ንኽምለሱ ንገሮም ክብል ኣዘኻከሮ። በዚ ጊዜ’ዚ ቅዱስ ኣትናቴውስ ንኣባ ኦልጊዎን ቀልጢፉ ኣጸዊዑ ናይ ኣባ ጳውሊ መልእኽቲ ብእኡ ጌሩ ኣቦታት ካብ ዝኸድሉ ምድረ በዳ ንኽምለሱ ይልእኸሎም።
ኣባ ኣትናቴዎስ ናይ ኣባ ጳውሊ ናይ ሕይወት ታሪኽ ባዕሉ ብኢዱ ብምጽሓፍ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ብኽብሪ ንኽቅመጥ ስለዝገበረ ክሳብ ሎሚ ንኹሎም ናይ ምንኩስና ህይወት ንዝደልዩ መንፈሶም ንኽልዓዓልን በረከት ንኽረኸቡሉን ኮይኑ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣባ ጳውሊ ሰፍዩ ዝሃቦ ቆጽሊ ሰየ ኣብቲ ናይ ዝሞተ ቆልዓ ኣካል ምስ ኣንበሮ እቲ ቆልዐ ብቅጽበት ተንሢኡ ደው በለ። እዚ ሓደ ዓቢ ተኣምር ካብ ናይ ኣቦና ኣባ ጳውሊ እዩ ብምባል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምስክርነቱ ሂቡ እዩ።
ኣባ ጳውሊ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ልዕሊ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኔሩ እዩ፡ ካብ ውሽጢ’ዚ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝኸውን ዕድሚኡ ዘሕለፎ ብወሀን ምብራቕ ዝርከብ ምድረ በዳ እዩ። ናይዞም ቅዱስ ኣቦ ገዳም ብ4ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ኣብ ውሽጢዚ ምድረ በዳ ስለ ዝተሃንጸ ክሳብ ሎሚ ንማሕበረ መነኩሳት መጽለሊ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። እቲ ገዳም ኣብ ገዳም ኣባ እንጦንስ ኮንካ ክርአ እንከሎ ደቡባዊ ምብራቕ ሒዙ ይርከብ፡ እዞም ክልተ ገዳማት ቦኣሽ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ዝተመሰረቱ ክኾኑ ከለዉ እዚ ቦታ’ዚ ብስፍሓቱ ባኒ ሱውፍ ካብ ዝብሃል ከፍለ ሃገር ቀጺሉ ዝርከብ ግዝዓት እዩ።
ኣባ እንጦንስን ኣባ ጳውሊን ዘይፈላለዩ ኣዕሩክ እዮም፡ ኣብ ስእለ ቅዱሳን ክልቲኦም ጎኒ ንጎኒ ቆይሞም እዮም ዝስአሉ። ኣብ ውስጢ ቅዳሴውን ” ዓበይቲ ቅዱሳን አቦታትና ኣባ እንጦስን ኣባ ጳውሊን” ኢልና ኣስማቶም ንዝክሮም ኢና።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ናይ ኣባ ጳውሊ ዓመታዊ በዓል ፪/2 ለካቲት ትዝክሮ።
ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ፡ ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት፡ በረኸት ናይ ኣቡነ ጳውሊ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን።
መወከሲ ስንክሳር ፪/2 የካቲት
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment 


