ሓፈሻዊ ክብረ በዓላት ፫/3 መስከረ ክብረ ብዓል ናይ ኣቡነ ኣንበስ Church EditorSeptember 23, 2021 at 12:43 pm1220 Views054321 0 (0 votes) ፫/3 መስከረ ክብረ ብዓል ናይ ኣቡነ ኣንበስ †††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††† ጻድቕ ኣቡነ ኣንበስ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ይበሃል ነበረ። ኣቦኡ ዜነብ ኣዲኡ ከኣ ዜነባዊት ዚበሃሉ ኾይኖም ኣብ ሮም ተወልደ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ምስ ወለዱ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምስ ዓበየ ቃል ወንጌል ብግብሪ ንምፍጻም “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እዮም” ዚብል ማቴ. ፭፣፲/5፣10 ቃል እግዚኣብሔር ተመሪሑ ከም ኵሎም ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኤርትራ ተበገሰ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዚጠቕሶ፣ ኣቦኡን ኣዲኡን ገዲፉ ፣ ምስ ብጾቱ ኣብ ምድረ ኤርትራ ኪረግጽ ከሎ፣ ካብ ኵሎም ብጾቱ ዚነኣሰ ብምንባሩ ብድኻም ተሰኒፉ ተረፈ እሞ ብጾቱውን ገዲፎምዎ ኸዱ። እንተኾነ ግና ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ፣ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፣ የናግፎም ኸኣ” መዝ. ፴፬፣፯/34፣7 ዚበሎ ፣ ንኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣብ ምድረ በዳን ዘይፈልጦ ሃገርን ረዳእን ኃይልን ብምዃን ኣብ ኵሉ ጒዕዞኡ ከም በቕሊ ኮይኑ ዚውጥሖን ዚእዘዞን ኣንበሳ ተዋህቦ። ድኅር’ዚ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ናብ “በለሳ” ዝተባህለ ከባቢ ጸሮና ኣትዩ ተቐመጠ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዚተገልጸ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ነበረ። ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ንብጾቱ ምስ ኣርከቦም ግና እቶም ምስኡ ዚተበገሱ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ብምንታይ ደኣ መጺእኻ፧ “ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ከም ዝመጽአ ገለጸሎም እሞ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ስሙ “ኣቡነ ኣንበስ” ኢሎም ሰመይዎ። ኣቡነ ኣንበስ ኣብ በለሳ ጥራይ ኣይተቐመጠን፣ “ክሳድ እምባ” ኣብ ዚበሃል ዓዲ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዚርከብ ከባቢ 10 ኪሎ ሜትር ንወገን ምብራቕ ኣብዚ ሎሚ ብስሙ ዚጽዋዕ ዘሎ ዓቢይ ደብሪ መጺኡ ተቐመጠ። እዚ ቦታ እዚ ቤት ጸሎቱን ኣምልኾኡን ዚፍጸምሉ ቦታ ነበረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ”ዕራግ” ዝበሃል ቦታ ናይ ኣቡነ ኣንበስ ዝጽልዩሉ ፍሉይ ቦታ ከምዝነበሮም እዮም ኣቦታትና በኣፈ ታሪክ ዝነግሩና ካብ ስሙ ከም እንርደኦ ዕራግ ማለት ‘ዓርገ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ካብ ዝተሓተ ቦታ ናብ ዝለዓለ ቦታ ሓፍ ምባል’ዩ። ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ዓርገ እግዚኣብሔር ጸዊወከ ጼዋ፡ እግዚኣብሔር ምርኮ ማሪኹ ናብ ሰማይ ዓረገ ክብል ከም ዝገለጾ ”እዚ ዕራግ ዝብል ቦታ ድማ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ጸሎቶም ናብ ኣምላክ ዘዕርጉሉ ፍለይ ቦታ’ ስለ ዝነበረ በዚ ዕራግ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ይጻዋዕ ኣሎ። ዝኽረ ጻድቕ ዘለዓለም ይኄሉ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ፣ ድኅር’ዚ ውን ናብ “ሓዘሎ” ዚበሃል ስፍራ ተጓዒዞም እዮም፣ ኣብኡ ምስ ኣቡነ ሳሙኤልን ኣቡነ ብንያምን ዚተባህሉ ቅዱሳን ኣቦታት ተራኸቡ እሞ፣ ሠለስቲኦም ብሓደ ኾይኖም ይጽልዩ ነበሩ። እዞም ሠለስተ ኣቦታት፣ በረኸትን ቅድስናን ንምርካብ ብሓደ ኮይኖም ናብ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ፣ ኣብቲ ቦታ ዚነበሩ ኣናብስ እንስሳታት ኪበልዑ፣ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፣ ነቶም ናይቶም ሠለስተ ቅዱሳን ኣናብስ በልዕዎም። ኣቡነ ኣንበስን ኣቡነ ብንያምን ኣቡነ ሳሙኤልን ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፣ “እዞም ኣናብስትኻ እብር ነዞም ኣናብስትና በሊዖምዎም” በልዎ። ሽዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቶም ኣናብስቲ “ስለምንታይ ንኣኻትኩም ዘይተኣዘዘ ትበልዑ፧ “ ኢሉ ገንሖም እሞ፣ እቶም ኣናብስቱ ድማ፣ ነቶም ዚበልዕዎም ኣናብስቲ ተፍእዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፣ ነቲ በድኒ ናይቶም ኣናብስቲ ባሪኹ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ንዋናታቶም ሃቦም (ገድለ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ)። ካብዚ ቐጺሉ ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ናብ “ግዔን” ዚተባህለ ቦታ ኸደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ እንስሳታት ናይ’ቲ ከባቢ፣ ኣብ ሕርሻን ግርሁን እናኣተዉ ጒድኣት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት የውርዱ ነበሩ። እቶም ሕዝቢ ድማ፣ ከም ግብረ መልሲ ነቶም እኽሎም ዚበልዕሎም እንስሳታት የሃድንዎም ነበሩ። ነዚ ዚተዓዘበ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ነቶም ሕዝብን ነቶም እንስሳታትን ቃል ኪዳን ኣተኣታተዎም፣ እቲ ቃል ኪዳን ከኣ “ናብ ዝሩእን ናብ ዘይተዓፅደን ከይኣትዉ፣ እቶም ሕዝቢ ከኣ ኣብ ዓፂድ ዚነጠበ ከይቅርሙን ሰንበት ኬኽብሩን” ነበረ። እንተኾነ ነዚ ቃል ኪዳን እዚ ሕዝቢ “ግዔን” ጠሓስዎ። ድኅር’ዚ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣንበሳኡ ሰዲዱ ነቶም ቃል ኪዳን ዚጠሓሹ ሕዝቢ ጥሪቶም ኪበልዓሎም ኣዘዞ። ሕዝቢ ግዔን ድማ “እዚ ሰብኣይ እዚ ጥሪትናን ገንዘብናን ኪውድኣልና እዩ” ኢሎም ንኺቐትልዎ ተሰማምዑ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ብኢድ ሕዝቢ ግዔን ብሠለስተ መስከረም ኣብ ግዔን ብሰማዕትነት ዓረፈ። እንሆ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጽአ በረኸቱ ንምክፋል መዘከርታ ክብረ በዓሉ ብድምቀት ተብዕሎ ኣላ። ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። Leave a comment