፫/3 ታሕሳስ ባእታ እግዚእትነ ማርያም

፫/3 ታሕሳስ ባእታ እግዚእትነ ማርያም

፫/3 ታሕሳስ ባእታ እግዚእትነ ማርያም

ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቡኣ ኢያቄም ኣዲኣ ድማ ሃና ይበሃሉ። ቅድስት ድንግል ማርያም ብብስራተ መልኣክ እዮም ወሊዶማ።

ናይ መብጽዓ ውላድ ስለዝኾነት ጓል ሰለስተ ዓመት ምስኮነት እዛ ቆልዓ ኣፋ እኽሊ ከይለመደ፡ ከብዳ ድማ ፍቕሪ ሰብ ከየሕደረ ከሎ ንሃባ ኢሎም ሞባእ

ወሲኾም ሒዞማ ናብ ቤት መቕደስ ከዱ። ሊቀ ካህናት ዘካርያስ መጥቅዕ ሚእቲ ዝኣኽሉ ህዝቢ ኣኪቡ እንታይ ከም ንምግባ ንምከር በሎም። ቅዱስ

ፋኑኤል ድማ ሰማያዊ ሕብስትን ሰማያዊ ጽዋእን ሒዙ ኣብ ልዕሊኦም ተራእዮም። ዘካርያስ ንዕኡ ዘምጽኣሉ መሲልዎ፣ ሎምስ ክብረይ ኣብ ቅድሚ

ሰብ ክገልጾ እዩ ደልዩ ኢሉ ክቅበሎ ከደ። እቲ መልኣኽ ድማ ንላዕሊ ዓረገ። ብትሕቲኡ ዝነበረ ስምኦን ድማ ንዓይ ዝመጸ ከይከውን ኢሉ ቀረበ፡ ንሱ

ድማ ረሓቖ። እቶም ካህናትን ህዝብን ድማ ሓደ ብሓደ ቀረብዎ ንሱ ግን ይርሕቆም ነበረ። ብድሕሪኡ ጥበብ እግዚኣብሔር ስለዘይምርመር ምናልባት

ነዛ ህጻን ዝመጸ ከይከውን እሞ ሃና ሓዲግክያ ሕልፍ በሊ በልዋ። ሓዲጋታ ሕልፍ ምስ በለት፡ ነዲኣ ከተርክብ እናጎየየት ከላ፡ መልኣኽ ወሪዱ ሓደ ክንፉ

ኣንጺፉ በቲ ሓደ ክንፉ ድማ ጋሪዱ፡ ክንዲ ቁመት ሰብ ዝኸውን ካብ መሬት ኣልዒሉ መጊብዋ ዓረገ። ናይ መግባ ነገር ካብ ተፈትሓልና ድኣ ትእቶ ኢሎም

ኣብ መካነ ደናግል ኣእተውዋ። “ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመጽእ ወትረ ሲሳየኪ ከመ ዝነበርኪ ኣሰርተ ወክልኤተ ዓመተ

ኣንዘ ትትናዘዚ ኣምሃበ መላእክት” ህብስተ ሰማያዊ፣ ጽዋዕ ሰማያዊ እናተመገበት መላእኽቲ እናበጽሕዋን እናኣዘራረብዋን 12 ዓመት ኣብ ቤት

መቕደስ ነበረት።

በረከትን ረድኤትን ናይ  እመ ኣምላክ ኣሜን ምስኩላትና ይኹን።

Leave a comment

Send a Comment