፫/3 ኅዳር ዓመታዊ በዓል አቡነ መድኃኒነ እግዚእ

፫/3 ኅዳር  ዓመታዊ  በዓል አቡነ መድኃኒነ እግዚእ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

አቡነ መድኃኒነ እግዚእ – 3 ኅዳር

አቡነ መድኃኒነ እግዚእ፡ ካብ ብፈቃደ እግዚአብሔር ዝመላለሱ፡ ብእምነት ዝጸንዑ ጻድቃን ወለዲ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ እትርከብ ቢሓት እትበሃል ዓዲ ተወልዱ። ኣቦኦም ካህን ሰንበት ተስፋነን ኣደኦም ኂሩተ ማርያምን ቅድሚ ንአቡነ መድኃኒነ እግዚእ ምውላዶም ውላድ ስለዘይነበሮም ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ውላድ ክህቦም ወትሩ ብጥብዓት ልቢ ብንጹሕ ሕልና ይምሕጸኑ ነበሩ።

ሰማዔ ጸሎት እግዚአብሔር ጸሎቶም ሰሚዕዎም ሠናይ ፍሬ ማኅፀን ዝኾነ ከም ፍሬ ገነት ዝምዕዝ ውላድ ወለዱ። ‘መድኃኒነ እግዚእ’ ማለት “ጐይታ መድኃኒና እዩ” ኢሎም ስም ኣውፅእሎም። ኣብ እዋን ልደቶም ኣብ ከብዶምን ሕቆኦምን መድኃኒተ ነፍስ ዝኸውን ትእምርተ መስቀል ምስ ረኣዩ’ውን ‘‘እዚ ቈልዓ’ዚ ብሰማይን ምድርን ዝተመርጸን ዝኸበረን እዩ’’ ኢሎም ተነበዩ።

ወለዶም ብፈሪሀ እግዚአብሔር ኣዕበይዎም። ካብ ንእስነቶም፡ ልበ ንቁሕን ርኅሩኀ መንፈስን ስለዝነበሩ ወለዶም ብግብሮም ይድነቑን ይሕጐሱን ነበሩ። ክሳብ ወለዶም ዝገዝእሎም ውቁብ ክዳን፡ ኣውፂኦም ንወዲ ድኻ ይህቡ ነበሩ።
ኣቦኦም ቅድሚ ዕረፍቶም፡ ጸዊዖም ቃለ ምዕዳን ብምሃብ ባረኽዎም። አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ድማ ‘ነዚ ብዙኅ መጻሕፍቲ ንቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቂርቆስ ነወፍዮ፡ ንኣይ እንተኾይኑ ግና ኣብ ኢድካ ዝኃዝካያ በትረ መስቀል ጥራይ ይኽለኒ’’ በልዎም። ሽዑ ንሽዑ መስቀል ኢዶም ምስ ሃብዎም ዓረፉ።

አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ነቲ ካብ ወላዲኦም ዝወረስዎ ኵሉ ንድኻታት ሂቦም፡ ካብ ትውልዲ ዓዶም ወፂኦም ናብ መስቀል ጉና ጉና ኣትዮም ብምናኔ ድምፀ አራዊት፡ ግርማ ለይቲ፡ ጸብዓ አጋንንት ከይፈርሑ 100 ዓመት ጸንሑ።

ብ1312- 1342 ዓመተ ምሕረት ብጽኑዕ ምናኔኦም ካብ ጻድቅ አቡነ ተክለሃይማኖት ቆብዕን አስኬማን ተዋሂብዎም፡ ብክንፊ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ተጸይሮም ናብ ገዳም ደብረ በንኮል ብምእታው ናይ ሓድነት ገዳም መሥረቱ፡ ቤተ ክርስቲያን’ውን ሓነፁ። ካብ ኵሉ ቦታታት ምድረ ኣግዓዚት፡ ሕይወቶም ብምሉእ ምንኩስናን ብሕትውናን ጸሎትን ቅድስናን ከኅልፉ ዝደለዩ መናንያን ናብዚ ገዳም ክውሕዙ ጀመሩ። ከም ኣብነት ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ . . . ይጥቐሱ።

ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን መምሃርን ዝጠቕሙ መጻሕፍቲ ብምድላውን፡ ብካልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ኣዝዮም ትጉህ፡ ብተኣምራታዊ ተግባሮም ፍሉጥ ነበሩ።

ካብ ተኣምራቶም ሓደ ከም ሰብ ዝደልይዎ ዝፈልጠሎምን ዝፍጽመሎምን ዘገልግሎም ሓደ ኣድጊ ነበሮም። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ነዚ ኣድጊ ኣንበሳ ረኺቡ ቀቲሉ ፍርቒ ኣካሉ በሊዑ ኸደ። ኣቦና ናብቲ ኣድጊ ዝሞተሉ ቦታ ብምኻድ ‘‘ ረዳኢየይ እዚ ኣድጊ ነበረ፡ ዘድልየኒ ዘምጸኣለይ ዝእዘዘኒ ንሱ ነበረ። ሕጂ ነዚ ኣድገይ ዝበላዕኻ እንስሳ ከተዘራርበኒ እደሊ ኣሎኹ’’ ምስ በሉ ፍርቂ ኣካል ናይቲ ኣድጊ ኣፍ ኣውፂኡ ‘‘ዝበልዓኒ ኣንበሳ እዩ’’ ኢሉ ነገሮም። አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ኣዕይንቶም ናብ ላዕሊ ኣንቃዕድዮም ‘‘ኦ ጐይታይ ኣምላኸይ እግዚአብሔር . . . ንኣይ ንኣገልጋሊኻ ነዚ ዕጹብ ድንቂ ተኣምር ኣርኢኻኒ ኢኻ፡ ነዚ ዕፁብ ድንቒ ሥራሕኻ ብኣንክሮ ብተዘክሮ ንምስጋናይ አቐድም ኣሎኹ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣድጊ በለዓም ከም ሰብ ምዝራባ ኣንቢበ ኣሎኹ፡ ናተይ ናይ ኃጥእ ዓሚቝ ኃዘን ተመልኪትካ፡ ቃለይ ሰሚዕኻ ክሳዕ ሕጂ ከገልግለኒ ሓደ ኣድጊ ሂብኻኒ ኢኻ ’’ እናበሉ ጸለዩ። ብድኅር’ዚ ኣድጊ ዝበልዐ ኣንበሳ ምስ ጸውዕዎ፡ ካብ መንጎ ኣናብስት ተፈልዩ ናብኦም መጽአ። ኣብቲ ትሕቲ እግሮም ወዲቑ’ውን ሰገደ። ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ድማ ‘‘እታ ኣንበሳ ንስኻ ዲኻ ንኣድገይ ዝበላዕኻዮ፡ ንሱ ባዕሉ ብልሳን ሰብ ነጊሩኒ እዩ’’ በልዎ። እቲ ኣንበሳ ኸኣ ‘ እወ ኣነ እየ ’’ በሎም። ድኅሪ ምጽላዮም ነቲ ኣንበሳ ‘‘ሕጂ ኣብ ክንዲ ኣድገይ ተለኣኸኒ ኣገልግለኒ’’በልዎ። እቲ ኣንበሳ ድማ ከምቲ ኣድጎም የገልግሎም ነበረ።

አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ብዝጀመርዎ ተጋድሎ ጸኒዖም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብጸሎቶምን ትሩፋቶምን እናበርትዑ ከዱ። ካብ ድኻም ናብ ዕረፍቲ፡ ካብ ኃዘን ናብ ሓጐስ ዝኸድሉ ዝዓርፉሉ ጊዜ ምስ በጽሐ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ብጸሎትኻን ኣማላድነትካን ዝኣምኑ ይቕረ ኢለ ክምሕሮም እየ፡ መቓብርካ ኣብ ዘለዎ ሕማም፡ ዝተፈላለዩ ደዌን መከራን ኣይቀርብን፡ ተጸጊሞም ብስምኻ እንተለመኑኒ ቀልጢፈ ኽሰምዖም እየ’’ በሎም። በዚ ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ኣዝዮም ተሓጒሶም ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ።

በዚ ኸኣ ብዕለት 3 ኅዳር ኣብ 180 ዕድመኦም ብሰላም ዓሪፎም፡ ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ተፈልያ ብይባቤ መላእክት ናብ ሰማያዊት ማኅደሮም ኣተዉ። ደቆም ብዕረፍቲ ኣቦኦም ንብዓቶም ከም ንብዓት ራሄል ወሓዘ። ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልከቶም ቦታ ደብረ በንኮል ድማ ቀበርዎም።
ቅዱስ ቃል “ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ/ ጻድቅ ሰብ ንዘለዓለም እናተዘከረ ይነብር ።” (መዝ 112፡6-7) ከምዝብል ኣቦና ድኅሪ ዕረፍቶም፡ ብዘፍረይዎም ቅዱሳን ደቆምን ብዝገብርዎ ተኣምራትን ክሳዕ ሎሚ እናተዘከሩ ይነብሩ ኣለዉ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም’ውን ክዝከሩ እዮም።

ሰላም ለርእስከ ዘተከለለ ቆብዐ፡
አርአያ አክሊሉ ለክርስቶስ ዘዕለተ መስቀል ዕለተ መርዓ፡
መድኀኒነ እግዚእ አፉየ ለለስመከ ጸውዐ፡
ነዓ ነዓ ምስለ ሳሙኤል ነዓ፡
ከመ ምስሌነ ትግበር ሰላመ ወስንዐ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!

Leave a comment

Send a Comment